ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መመላእታ ጽሑፍ

ትንቢት ዳንኤል ንምምጻእ እቲ መሲሕ እተነበየሉ መገዲ

ትንቢት ዳንኤል ንምምጻእ እቲ መሲሕ እተነበየሉ መገዲ

ነብዪ ዳንኤል ካብቲ የሱስ እተወልደሉ እዋን ልዕሊ 500 ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ዚነብር ነይሩ። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንዳንኤል፡ የሱስ እቲ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ኰይኑ ዚቕብኣሉ ወይ ዚሽየመሉ ግዜ ክርስትያናት ኪፈልጡ ዜኽእሎም ሓበሬታ ሃቦ። እዚ ዚስዕብ ድማ ተነግሮ፦ “ካብቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ዳግም ክትህነጽን ዚብል ቃል ዚወጸሉ ኣትሒዙ ኽሳዕ እቲ መሲሕ፡ እቲ መራሒ፡ 7 ሰሙን፡ ድማ 62 ሰሙን ኪኸውን ምዃኑ ፍለጥን ተረዳእን።”—ዳንኤል 9:25

እቲ መሲሕ ዚመጸሉ ግዜ ንምውሳን፡ ፈለማ ናብቲ መሲሕ ዜብጽሕ መበገሲ ግዜ ኽንፈልጦ ኣሎና። ብመሰረት እቲ ትንቢት ድማ እቲ መበገሲ እዋን “ካብቲ የሩሳሌም ክትሕደስን ዳግም ክትህነጽን ዚብል ቃል ዚወጸሉ ኣትሒዙ” እዩ ዚጅምር። እዚ ‘ቓል ዝወጸሉ’ እዋን መዓስ እዩ፧ ብመሰረት ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ነህምያ ዝጸሓፎ፡ መካበብያ የሩሳሌም ንምህናጽ ዚብል ቃል “ኣብ መበል 20 ዓመት ንጉስ ኣርታሕሻስታ” እዩ ወጺኡ። (ነህምያ 2:1, 5-8) ኣርታሕሻስታ ገዛኢ ዝዀነላ ቐዳመይቲ ምልእቲ ዓመት 474 ቅ.ክ. ምንባራ ጸሓፍቲ ታሪኽ የረጋግጹ እዮም። ስለዚ፡ መበል ዕስራ ዓመት ግዝኣቱ 455 ቅ.ክ. እያ። ሕጂ ነቲ ዳንኤል ብዛዕባ እቲ መሲሕ እተነበዮ ትንቢት መበገሲ እትዀነና ዕለት 455 ቅ.ክ. ምዃና ፈሊጥና ኢና።

ዳንኤል ክሳዕ “እቲ መሲሕ፡ እቲ መራሒ” ዚመጸሉ ዚህሉ ንውሓት ግዜ ሓቢሩ እዩ። እቲ ትንቢት፡ “7 ሰሙን፡ ድማ 62 ሰሙን” ብድምር 69 ሰሙን ምዃኑ ይሕብር። ንውሓት እዚ እዋን እዚ ኽንደይ እዩ፧ እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚሕብሮ፡ እዚኣተን ሸሸውዓተ መዓልቲ ዝሓዛ ሰሙናት ዘይኰናስ፡ ሸሸውዓተ ዓመት ዝሓዛ ሰሙናት እየን። እዚ ኸኣ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ሸውዓተ ዓመት ትውክል ማለት እዩ። እዚ ናይ ዓመታት ሰሙናት ወይ በብሸውዓተ ዓመት ናይ ምቝጻር ልምዲ፡ ኣብ ጥንታውያን እስራኤላውያን ፍሉጥ እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ መበል ሻውዐይቲ ዓመት፡ ሰንበት የብዕሉ ነበሩ። (ዘጸኣት 23:10, 11) ስለዚ፡ እተን ብትንቢት እተነግራ 69 ሰሙን ብ7 ዓመት ኪባዝሓ ኸለዋ፡ 483 ዓመት ይዀና።

ሕጂ ተሪፉና ዘሎ ምጽብጻብ ጥራይ እዩ። ካብ 455 ቅ.ክ. ተበጊስና 483 ዓመት እንተ ቘጺርና ናብ 29 ድ.ክ. ኢና እንበጽሕ። ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ እዩ የሱስ እተጠምቀን መሲሕ ዝዀነን! * (ሉቃስ 3:1, 2, 21, 22) እዝስ ዜደንቕ ፍጻመ ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ደይኰነን፧

^ ሕ.ጽ. 2 ካብ 455 ቅ.ክ. ክሳዕ 1 ቅ.ክ. 454 ዓመት እዩ። ካብ 1 ቅ.ክ. ክሳዕ 1 ድ.ክ. ሓደ ዓመት እዩ (ዜሮ ዓመት ኣይነበረን)። ካብ 1 ድ.ክ. ክሳዕ 29 ድ.ክ. ከኣ 28 ዓመት እዩ። ነዚ ሰለስተ ቝጽሪ ምስ እንድምሮ 483 ዓመት ይኸውን። የሱስ ኣብ 33 ድ.ክ.፡ ማለት ኣብ መበል 70 ናይ ዓመታት ሰሙን ‘ተቐትለ።’ (ዳንኤል 9:24, 26) ኣብተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ኣብ ምዕራፍ 11 ኸምኡ እውን ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ 2ይ ጥራዝ፡ (እንግሊዝኛ) ገጽ 899-901 ተወከስ።