ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መመላእታ ጽሑፍ

ብዛዕባ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ

ብዛዕባ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ

እቶም ኣብ ትምህርቲ ስላሴ ዚኣምኑ ሰባት ኣምላኽ ሰለስተ ኣካላት ከም ዘለዎ፡ እዚኣቶም ከኣ ኣቦ፡ ወዲ፡ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚብሃሉ ይዛረቡ። እዞም ሰለስተ ኣካላት እዚኦም ብዅሉ ነገሮም ማዕረ፡ ኵሉ ዚኽእሉ፡ ከምኡ እውን መጀመርታ ዘይብሎም ምዃኖም እዩ ዚእመን። እምበኣር፡ ብመሰረት ሰረተ እምነት ስላሴ፡ ኣቦ ኣምላኽ እዩ፡ ወዲ ኣምላኽ እዩ፡ መንፈስ ቅዱስ እውን ኣምላኽ እዩ፡ እንተዀነ ግና ሓደ ኣምላኽ ጥራይ እዩ ዘሎ።

ብዙሓት ኣብ ስላሴ ዚኣምኑ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኺገልጽዎ ኸም ዘይክእሉ ይእመኑ እኳ እንተ ዀኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ዀይኑ ግና ይስምዖም። እታ “ስላሴ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከቶ ኣይትርከብን እያ። ንምዃኑ ብዛዕባ ስላሴ ዚሕብር ሓሳባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ይርከብ ድዩ፧ ነዛ ሕቶ እዚኣ ንምምላስ፡ ደገፍቲ ስላሴ መርትዖ ይኸውን እዩ ኢሎም መብዛሕትኡ ግዜ ዚጠቕስዋ ጥቕሲ እስከ ንርአ።

“እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ”

ዮሃንስ 1:1፡ “ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ [“ምስ፡” ኪንግ ጀምስ ቨርሽን] ኣምላኽ ነበረ፡ እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ” ትብል። (ትርጉም 1956) ጸኒሑ ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ ሃዋርያ ዮሃንስ “እቲ ቓል” የሱስ ምዃኑ ብንጹር ሓቢሩ እዩ። (ዮሃንስ 1:14) እቲ ቓል፡ ኣምላኽ ተባሂሉ ስለ እተጸውዐ ግና፡ ገሊኦም እቲ ወድን እቲ ኣቦን ክፍሊ ሓደ ኣምላኽ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ደምዲሞም እዮም።

እዛ ጥቕሲ እዚኣ ፈለማ ብግሪኽኛ ኸም እተጻሕፈት ኣይትረስዕ። ጸኒሖም ተርጐምቲ ነቲ ናይ ግሪኽኛ ጽሑፍ ናብ ካልእ ቋንቋታት ተርጐምዎ። ሓያሎ ተርጐምቲ ግና “እቲ ቓል ኣምላኽ (ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እተመልክት ብእንግሊዝኛ “God”) ነበረ” ዚብል ሓረግ ኣይተጠቕሙን። ስለምንታይ፧ ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጥቀመሉ ግሪኽኛ ኻብ ዘለዎም ፍልጠት ተበጊሶም፡ እታ “እቲ ቓል ኣምላኽ (God) ነበረ” እትብል ሓረግ ብኻልእ መገዲ ኽትትርጐም ከም ዘለዋ እዮም ደምዲሞም። ብኸመይ፧ ገለ ኻብቲ ኣብነታት እስከ ንርአ፦ “እቲ ሎጎስ [ቃል] መለኮታዊ ባህርይ ዘለዎ ነበረ።” (ዘ ኒው ትራንስሌሽን ኦቭ ዘ ባይብል) “እቲ ቓል ኣምላኽ (ንዚምለኽ ዘበለ እተመልክት “a god”) ነበረ።” (ዘ ኒው ተስታመንት ኢን ኣን ኢምፕሩቭድ ቨርሽን) “እቲ ቓል ምስ ኣምላኽ ነበረ፣ ከም ናቱ ዓይነት ባህርይ ድማ ነበሮ።” (ዘ ትራንስሌተርስ ኒው ተስታመንት) ብመሰረት እዚ ትርጉማት እዚ እቲ ቓል ባዕሉ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኣይነበረን። * ኣብ ክንዳኡስ፡ ኣብ መንጎ እቶም ፍጡራት የሆዋ ዝለዓለ ቦታ ስለ ዘለዎ፡ ኣምላኽ (ብእንግሊዝኛ ብንእሽቶ ፊደል “a god”) ተባሂሉ ተጸዊዑ ኣሎ። እታ ኣብዚ ዘላ ኣምላኽ እትብል ቃል ድማ፡ እቲ “ቓል” ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዘይኰነስ፡ ምልኪ ወይ ሓይሊ ኸም ዘለዎ እያ እተመልክት።

ተወሳኺ መርትዖታት ርአ

መብዛሕትኦም ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ ግሪኽኛ ኣይፈልጥዎን እዮም። እሞ ደኣ ሃዋርያ ዮሃንስ እንታይ ማለቱ ምንባሩ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ ኣብነት እሞ ሕሰበሉ፦ ሓደ መምህር ንተምሃሮኡ ብዛዕባ ሓደ ጕዳይ ይገልጸሎም። ደሓር ግና እቶም ተምሃሮ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘለዎም ምርዳእ እተፈላለየ ይኸውን። እሞ ደኣ ብኸመይ እዮም ነቲ ሽግር ዚፈትሕዎ፧ ነቲ መምህሮም ተወሳኺ ሓበሬታ ኺህቦም ኪሓትዎ ይኽእሉ እዮም። እቲ ዚረኽብዎ ተወሳኺ መርትዖታት ነቲ ጕዳይ ብዝያዳ ኺርድእዎ ኸም ዚሕግዞም ኣየጠራጥርን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ዮሃንስ 1:1 እንታይ ከም እትብል ንምርዳእ፡ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ብዛዕባ የሱስ እንታይ ተወሳኺ ሓበሬታ ኸም ዚህብ ክትርኢ ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ተወሳኺ መርትዖታት ምርካብካ ናብ ቅኑዕ መደምደምታ ኽትበጽሕ የኽእለካ እዩ።

ንኣብነት፡ ዮሃንስ ቀጺሉ ኣብ ምዕራፍ 1 ፍቕዲ 18፡ “ንኣምላኽ [ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ] ዝረኣዮ ሓደ እኳ የልቦን” በለ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ዮሃንስ “እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ . . . ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ . . . ርኤና” ብምባል ዝገለጾ፡ ሰባት ንየሱስ ወይ ነቲ ወዲ ርእዮምዎ እዮም። (ዮሃንስ 1:14ትርጉም 1956) እሞ ደኣ ኸመይ ኢሉ እዩ እቲ ወዲ ኽፍሊ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪኸውን ዚኽእል፧ ዮሃንስ እቲ ቓል “ምስ ኣምላኽ” ምንባሩ እውን ገሊጹ እዩ። ሓደ ኣካል ምስ ካልእ ኣካል ኰይኑ ኼብቅዕ ከመይ ኢሉ ባዕሉ እቲ ኻልእ ኣካል እቲ ኪኸውን ይኽእል፧ ብዘይካዚ፡ ኣብ ዮሃንስ 17:3 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ሰማያዊ ኣቦኡን ንጹር ፍልልይ ከም ዘሎ ገሊጹ እዩ። ንኣቦኡ፡ ‘በይንኻ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀንካ’ ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ። ዮሃንስ እውን ኣብ መወዳእታ ወንጌሉ ንዅሉ ሓሳባቱ ጽሙቝ ኣቢሉ፡ “የሱስ ብሓቂ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ምእንቲ ኽትኣምኑ . . . እዩ እዚ እተጻሕፈ” በለ። (ዮሃንስ 20:31) የሱስ ወዲ ኣምላኽ ደኣ እምበር ኣምላኽ ተባሂሉ ኸም ዘይተጸውዐ ኣስተብህል። እዚ ኣብ ወንጌል ዮሃንስ ዚርከብ ተወሳኺ ሓበሬታታት፡ ንዮሃንስ 1:1 ብኸመይ ክንርድኣ ኸም ዘሎና እዩ ዚሕብረና። የሱስ ወይ እቲ ቓል “ኣምላኽ” (“a god”) ኪብሃል ከሎ፡ ልዑል ደረጃ ኸም ዘለዎ ደኣ እዩ ዚገልጽ እምበር፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ምዃኑ ኣይገልጽን እዩ።

ነዚ ሓቂ እዚ ዚኸውን መረጋገጺ

ብዛዕባ እቲ መምህርን ተምሃሮኡን እሞ እንደገና ሕሰብ። ገሊኦም ተምሃሮ ኻብቲ መምህር ተወሳኺ መግለጺ ምስ ረኸቡ እውን እንተ ዀነ እተወሰነ ምጥርጣር ኣለዎም ንበል። እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ እቲ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ካልእ መምህር ኪኸዱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ኻልኣይ መምህር ነቲ እቲ ቐዳማይ ዝበሎም እንተ ኣረጋጊጹሎም፡ መብዛሕትኦም ተምሃሮ ዝነበሮም ምጥርጣራት ይጠፍእ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሓደ ኻብ ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ዮሃንስ ብዛዕባ ኣብ መንጎ የሱስን ኣብ መንጎ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ዘሎ ርክብ ዝበሎ ነገር ብንጹር እንተ ዘይተረዲኡካ፡ ካብ ካልኦት ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተወሳኺ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ማቴዎስ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ። ብዛዕባ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ፡ የሱስ፡ “ብዛዕባ እታ መዓልቲ እቲኣን እታ ሰዓት እቲኣን፡ ኣቦ ጥራይ እምበር፡ መላእኽቲ ሰማያት ኰኑ ወይስ ወዲ ዀነ፡ ሓደ እኳ ዚፈልጥ የልቦን” ኢሉ ኸም እተዛረበ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 24:36) እዘን ቃላት እዚአን የሱስ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ዘይምዃኑ ብኸመይ የረጋግጻልና፧

ኣብዚ የሱስ፡ እቲ ኣቦ ኻብቲ ወዲ ንላዕሊ ኸም ዚፈልጥ እዩ ዚሕብር ዘሎ። የሱስ ክፍሊ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ነይሩ ግና፡ ማዕረ ኣቦኡ ምፈለጠ ነይሩ። ስለዚ እምበኣር፡ እቲ ወድን እቲ ኣቦን ማዕረ ኣይኰኑን። ይኹን እምበር፡ ገሊኦም፡ ‘የሱስ ክልተ ባህርይ እዩ ዘለዎ። ኣብዚ ኸም ሰብ እዩ ዚዛረብ ዘሎ’ ይብሉ ይዀኑ። እዚ ሓቂ እንተ ዚኸውን ነይሩ እውን፡ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስከ እንታይ እዩ ዚብሃሎ፧ ማዕረ ኣቦ ብምዃን ክፍሊ ኣምላኽ እንተ ዚኸውን ነይሩ፡ ንምንታይ እዩ የሱስ እቲ ኣቦ ዚፈልጦ ዘበለ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚፈልጥ ዘይገለጸ፧

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝቐጸልካ መጠን፡ ነዚ ጕዳይ እዚ ዚምልከት ሓያሎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥቕስታት ክትረክብ ኢኻ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እቲ ሓቂ እዩ ዜረጋግጸልካ።—መዝሙር 90:2፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:55፣ ቈሎሴ 1:15

^ ሕ.ጽ. 2 ብዛዕባ ዮሃንስ 1:1 ተወሳኺ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ 1 ሕዳር 2008 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ቃል፡ ኵሉ ዚኽእል ኣምላኽ ድዩ ወይስ መለኮት፧” ኣብ ዘርእስታ ዓንቀጽ ተወከስ።