ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መመላእታ ጽሑፍ

ድራር ጐይታ—ንኣምላኽ ዜኽብር በዓል

ድራር ጐይታ—ንኣምላኽ ዜኽብር በዓል

ክርስትያናት ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኬብዕሉ ተኣዚዞም እዮም። እዚ በዓል እዚ “ድራር ጐይታ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። (1 ቈረንቶስ 11:20) ስለምንታይ እዩ ኽሳዕ ክንድዚ ኣገዳሲ ዝዀነ፧ መዓስን ብኸመይንከ እዩ ኺብዓል ዘለዎ፧

የሱስ ክርስቶስ ኣብታ ኣይሁድ ብ33 ድ.ክ. ፋስጋ ዘብዓሉላ ምሸት እዩ ነዚ በዓል እዚ ኣቚምዎ። ፋስጋ ብኣቈጻጽራ ኣይሁድ ኣብ መበል 14 መዓልቲ እታ ኒሳን እትብሃል ወርሒ እዩ ዚብዓል ነይሩ። ኣይሁድ ነዛ ዕለት እዚኣ ንምፍላጥ፡ ኣብ እዋን ጽድያ መዓልትን ለይትን ማዕረ ዚዀነሉ እዋን ይጽበዩ ምንባሮም ርዱእ እዩ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብገምጋም 12 ሰዓት ብርሃን፡ 12 ሰዓት ድማ ጸልማት ይኸውን። ነታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ዝቐረበ እዋን ንፈለማ ግዜ እትርአ ሓዳስ ወርሒ፡ ናይ መጀመርታ መዓልቲ ወርሒ ኒሳን ተመልክት። ፋስጋ ኸኣ ድሕሪ እዛ መዓልቲ እዚኣ 13 መዓልቲ ጸኒሑ፡ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ትብዓል።

የሱስ ፋስጋ ምስ ሃዋርያቱ ኣብዓለ፡ ድሕሪኡ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኣባሪሩ፡ ድራር ጐይታ ኣቘመ። እዚ ድራር እዚ ነቲ ኣይሁድ ዜብዕልዎ ዝነበሩ ፋስጋ ተክኦ። ስለዚ ድማ ሓንሳእ ኣብ ዓመት ጥራይ እዩ ኺብዓል ዘለዎ።

ወንጌል ማቴዎስ ከምዚ ብምባል ትገልጽ፦ “የሱስ እንጌራ ኣልዓለ፣ ባሪኹ፡ ቈሪሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ እናሃበ ድማ፡ ‘ውሰዱ፡ ብልዑ። እዚ ስጋይ ማለት እዩ’ በሎም። ጽዋእ ኣልዒሉ እውን፡ ኣመስጊኑ፡ ከምዚ እናበለ ሃቦም፦ ‘ኵላትኩም ካብዚ ስተዩ፣ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ናተይ “ደም ኪዳን” ማለት እዩ።’”—ማቴዎስ 26:26-28

ገሊኦም ሰባት፡ የሱስ ነቲ እንጌራ ቓል ብቓሉ ናብ ስጋኡ፡ ነቲ ወይኒ ድማ ናብ ደሙ ቐይርዎ እዩ ኢሎም ይኣምኑ። ይኹን እምበር፡ የሱስ ነቲ እንጌራ ኺህቦም ከሎ ስጋኡ ዋላ ሓንቲ ኣይኰነን ነይሩ። እሞ ደኣ እቶም ሃዋርያቱ ቓል ብቓሉ ስጋኡ ይበልዑን ደሙ ይሰትዩን ድዮም ነይሮም፧ ኣይፋሉን። ከመይሲ፡ ከምዚ እንተ ዚገብሩ፡ ስጋ ሰብ ምብላዕን ሕጊ ኣምላኽ ምጥሓስን ምዀነ ነይሩ። (ዘፍጥረት 9:3, 4፣ ዘሌዋውያን 17:10) ብመሰረት ሉቃስ 22:20 የሱስ፡ “እዛ ጽዋእ እዚኣ፡ እቲ ምእንታኹም ብዚፈስስ ደመይ ዚግበር ሓድሽ ኪዳን ማለት እያ” በለ። እታ ጽዋእ እቲኣ ቓል ብቓላ “ሓድሽ ኪዳን” እያ ማለት ድዩ፧ ኪዳን ብኢድ ኪጭበጥ ዘይከኣል ስምምዕ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ኪኸውን ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ፡ እቲ እንጌራን እቲ ወይንን ተምሳል ጥራይ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። እቲ እንጌራ ነቲ ፍጹም ስጋ ክርስቶስ የመልክት። የሱስ ካብ ፋስጋ ዝተረፈ ቕጫ እዩ ተጠቒሙ። እቲ ቕጫ እቲ ኸኣ ማይ ብሑቝ ወይ መባዅዕቲ ዚብሃል ኣይተሓወሶን። (ዘጸኣት 12:8) መጽሓፍ ቅዱስ ንማይ ብሑቝ ወይ ንመባዅዕቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኸም ተምሳል ሓጢኣት ወይ ብልሽውና ገይሩ እዩ ዚጥቀመሉ። ስለዚ፡ እቲ ቕጫ ነቲ የሱስ ዝሰውኦ ፍጹም ስጋኡ እዩ ዜመልክት። ሓጢኣት ዚብሃል እውን ኣይነበሮን።—ማቴዎስ 16:11, 12፣ 1 ቈረንቶስ 5:6, 7፣ 1 ጴጥሮስ 2:22፣ 1 ዮሃንስ 2:1, 2

እቲ ቐይሕ ወይኒ ንደም የሱስ የመልክት። በቲ ደም እቲ ድማ ሓድሽ ኪዳን ቈመ። የሱስ ደሙ “ንሕድገት ሓጢኣት” ከም ዚፈስስ ገሊጹ ነይሩ። ደቂ ሰብ በዚ ኸምዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ኰይኖም ምስ የሆዋ ሓድሽ ኪዳን ኪተኣታተዉ ይኽእሉ። (እብራውያን 9:14፣ 10:16, 17) እዚ ኺዳን ወይ ውዕል እዚ ን144,000 እሙናት ክርስትያናት ናብ ሰማይ ኪኸዱ የኽእሎም። ኣብኡ ድማ ንዅሎም ደቂ ሰብ በረኸት ንምምጻእ ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም ኬገልግሉ እዮም።—ዘፍጥረት 22:18፣ ኤርምያስ 31:31-33፣ 1 ጴጥሮስ 2:9፣ ራእይ 5:9, 10፣ 14:1-3

ካብቲ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ኪወስድ ዚግብኦ መን እዩ፧ እቶም ኣብቲ ሓድሽ ኪዳን ዚጠቓለሉ፡ ማለት እቶም ናብ ሰማይ ኪኸዱ ተስፋ ዘለዎም ጥራይ ካብቲ ቕጫን ወይን ኪወስዱ ኸም ዘለዎም ርዱእ እዩ። ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ነዞም ሰባት እዚኦም ኣብ ሰማይ ነገስታት ኪዀኑ ኸም እተመርጹ የእምኖም። (ሮሜ 8:16) የሱስ እውን ኪዳን መንግስቲ ኣትዩሎም ኣሎ።—ሉቃስ 22:29

እቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ንምንባር ተስፋ ዘለዎምከ፧ ንሳቶም ትእዛዛት የሱስ ሓልዮም ኣብ ድራር ጐይታ ይእከቡ እዮም። እንተዀነ ግና፡ ብኣኽብሮት ዚዕዘቡ ተኣከብቲ ደኣ እዮም እምበር፡ ተኻፈልቲ እቲ ቕጫን ወይንን ኣይኰኑን። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንሳእ ኣብ ዓመት ኣብ 14 ኒሳን ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ፡ ድራር ጐይታ የብዕሉ እዮም። ኣብ መላእ ዓለም ሰማያዊ ተስፋ ኸም ዘለዎም ዚገልጹ ሒደት ኣሽሓት እኳ እንተ ዀኑ፡ እዚ በዓል እዚ ንዅሎም ክርስትያናት ኣገዳሲ እዩ። እዚ ዝኽሪ እዚ ዅሎም ክርስትያናት ብዛዕባ እታ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ዘርኣዩና ብልጽቲ ፍቕሪ ዚሓስቡሉ ኣጋጣሚ እዩ።—ዮሃንስ 3:16