ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መመላእታ ጽሑፍ

”ነፍሲ”ን “መንፈስ”ን ዚብላ ቓላት ብሓቂ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለወን፧

”ነፍሲ”ን “መንፈስ”ን ዚብላ ቓላት ብሓቂ እንታይ ትርጉም እዩ ዘለወን፧

“ነፍስ”ን “መንፈስ”ን ዚብላ ቓላት ክትሰምዕ ከለኻ፡ እንታይ እዩ ዚርድኣካ፧ ብዙሓት ሰባት እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ውሽጥና ንእትነብር ዘይትርአን ዘይትመውትን ነገር ዜመልክታ እዩ ዚመስሎም። ምስ ሞትና እዛ ኣብ ውሽጥና እትነብር ዘይትርአ ነገር ካብ ኣካላት ተፈልያ ምንባር ትኽእል እያ ኢሎም ይኣምኑ። እዚ እምነት እዚ ኣጸቢቑ ዘስፋሕፍሐ ብምዃኑ፡ ሓያሎ ሰባት መጽሓፍ ቅዱስ ፈጺሙ ነዚ ትምህርቲ እዚ ኸም ዘይምህር ምስ ፈለጡ ይድነቑ እዮም። እሞ ደኣ ብመሰረት ቃል ኣምላኽ ነፍሲ እንታይ እያ፡ መንፈስከ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ዚጥቀመላ ኣገባብ

ፈለማ፡ ነታ ነፍሲ እትብል ቃል ንርአ። መጽሓፍ ቅዱስ ፈለማ ብእብራይስጥን ግሪኽኛን ከም እተጻሕፈ ትዝክሮ ትኸውን። ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ነፍሲ ኺጽሕፉ ኸለዉ፡ ነታ ነፈሽ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ወይ ነታ ፕሲኺ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እዮም ተጠቒሞም። እዘን ክልተ ቓላት እዚአን ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ልዕሊ 800 ሳዕ ይርከባ፡ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ድማ፡ ኣብቲ ቐንዲ ጽሑፍ ወይ ኣብ እግረ ጽሑፍ፡ “ነፍሲ” ብምባል እዩ ተርጒምወን ዘሎ። እታ “ነፍሲ” ወይ “ነፍሳት” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣትያትሉ ዘላ ኣገባብ ድሕሪ ምርኣይ፡ እዛ ቓል እዚኣ ብመሰረቱ (1) ንሰባት፡ (2) ንእንስሳታት፡ (3) ንህይወት ሰብ ወይ ንህይወት እንስሳ ኸም እተመልክት ንጹር ኪዀነልካ እዩ። ብሰለስተ ኣገባብ ኣብ ጥቕሚ ኸም ዝወዓለት ዜርኢ ጥቕስታት እስከ ንርአ።

ሰባት። “ብዘመን ኖህ፡ . . . ሒደት ሰባት፡ ማለት ሸሞንተ ነፍሲ ብማይ [ደሓና]።” (1 ጴጥሮስ 3:20) ኣብዚ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል፡ ብንጹር ንሰባት እያ እተመልክት። እዚኣቶም ከኣ ኖህን ሰበይቱን ሰለስተ ደቁን ኣንስቶምን እዮም። ኣብ ዘጸኣት 16:16 ንእስራኤላውያን ማና ብኸመይ ከም ዚእክቡ መምርሒ ተዋሂብዎም ነይሩ። “ከም ቍጽሪ እቲ ኣብ ደድንኳንኩም ዘለዉ ሰባት [“ነፍሳት፡” እግረ ጽሑፍ]” ተባሂሉ ድማ ተነግሮም። ስለዚ፡ እቲ ዚእከብ ዝነበረ ማና ኸም ብዝሒ እቶም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስድራ ቤት ዘለዉ ሰባት እዩ ነይሩ። “ነፍሲ” ወይ “ነፍሳት” እትብል ቃል ንሰብ ወይ ንሰባት ዜመልክተሉ ኻልእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት ከኣ፡ ኣብቲ ኣብ ዘፍጥረት 46:18፣ እያሱ 11:11፣ ግብሪ ሃዋርያት 27:37፣ ሮሜ 13:1 ዘሎ እግረ ጽሑፋት ይርከብ።

እንስሳታት። ኣብቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዚገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ከኣ፡ ‘ማያት ብህያዋን ፍጡራት [“ነፍሳት፡” እግረ ጽሑፍ”] ሓሰኽሰኽ ይበል፣ በረርቲ ፍጡራት ድማ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፡ ኣብ ትሕቲ ጠፈር ሰማያት ይብረሩ’ በለ። ኣምላኽ ከኣ፡ ‘ምድሪ፡ ህያዋን ፍጡራት [“ነፍሳት፡” እግረ ጽሑፍ”] በብዓይነቱ፡ እንስሳ ዘቤትን ለመምትን እንስሳ ዘገዳም ምድርን እውን በብዓይነቱ ተውጽእ’ በለ። ከምኡ እውን ኰነ” ዚብል ነንብብ። (ዘፍጥረት 1:20, 24) ኣብዚ ጥቕስታት እዚ ዓሳታት፡ ኣዕዋፍ፡ እንስሳታት፡ ኣራዊት ብሓንቲ ቓል “ነፍሲ” እዮም ተባሂሎም ዘለዉ። ኣብ ዘፍጥረት 9:10፣ ዘሌዋውያን 11:46፣ ዘሁልቍ 31:28 ኣብ እግረ ጽሑፋት እውን ኣዕዋፍን ካልኦት እንስሳታትን ነፍሲ ተባሂሎም እዮም።

ህይወት ሰብ። ሓድሓደ ግዜ እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንህይወት ሰብ ተመልክት እያ። የሆዋ ንሙሴ፡ “ኵሎም እቶም ኪቐትሉኻ ዚደልዩ [“ንነፍስኻ ዚደልይዋ፡” እግረ ጽሑፍ] ዝነበሩ ሰባት ሞይቶም እዮም” በሎ። (ዘጸኣት 4:19) ጸላእቲ ሙሴ እንታይ እዮም ዚደልዩ ነይሮም፧ ህይወት ሙሴ ኼጥፍኡ እዮም ዚደልዩ ነይሮም። ኣቐድም ኣቢሉ ራሄል ንብንያም ኣብ እትወልደሉ እዋን ‘ህይወታ ኸም ዝሓለፈት [‘ነፍሳ ኸም ዝወጸት፡’ እግረ ጽሑፍ]’ ነንብብ። (ዘፍጥረት 35:16-19) ኣብቲ ግዜ እቲ ራሄል ህይወታ እያ ስኢና። ነቲ “እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ፣ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንህይወቱ [“ንነፍሱ፡” እግረ ጽሑፍ] ምእንቲ እተን ኣባጊዕ ኣሕሊፉ ይህባ” ኢሉ የሱስ እተዛረቦ እውን ኣስተብህለሉ። (ዮሃንስ 10:11) የሱስ ነፍሱ ወይ ህይወቱ እዩ ምእንቲ ደቂ ሰብ ኣሕሊፉ። ኣብዘን ጥቕስታት እዚአን እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንህይወት ሰብ ከም እተመልክት ንጹር እዩ። ኣብ 1 ነገስት 17:17-23፣ ማቴዎስ 10:39፣ ዮሃንስ 15:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:10 ኣብ ዚርከብ ጥቕስታት ወይ እግረ ጽሑፋት ተወሳኺ ኣብነታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ቃል ኣምላኽ ዝያዳ ብዘጽናዕካ መጠን ኣብ ምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ “ዘይትመውት” ወይ “ዘለኣለማዊት” እትብል ቃል ነታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ንምግላጽ ከም ዘይወዓለት ክትርዳእ ኢኻ። የግዳስ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ነፍሲ ኸም እትመውት እዩ ዚገልጽ። (ህዝቅኤል 18:4, 20) ስለዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ በዅሪ ጽሑፍ ንሓደ ዝሞተ ሰብ፡ “ምዉትቲ ነፍሲ” ኢሉ ዚጽውዖ።—ዘሌዋውያን 21:11፡ እግረ ጽሑፍ።

“መንፈስ” እንታይ ምዃኑ

ሕጂ ነታ “መንፈስ” እትብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ቃል ንርአ። ገሊኦም ሰባት “መንፈስ” ምስታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ሓደ ትርጉም ዘለዋ እዩ ዚመስሎም። እንተዀነ ግና፡ እቲ ነገር ከምኡ ኣይኰነን። መጽሓፍ ቅዱስ እታ “መንፈስ” እትብል ቃልን እታ “ነፍሲ” እትብል ቃልን ንኽልተ እተፈላለየ ነገራት ከም ዜመልክታ እዩ ዚሕብር። እንታይ እዩ ፍልልየን፧

ጸሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ “መንፈስ” ኪጽሕፉ ኸለዉ ነታ ሩሕ እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል ወይ ነታ ፕኒውማ እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል እዮም ተጠቒሞም። ቅዱሳት ጽሑፋት ንባዕሉ ትርጉም እዘን ቃላት እዚአን ይሕብር እዩ። ንኣብነት፡ መዝሙር 104:29፡ “መንፈሶም [ሩዋሕ] እንተ ወሲድካ፡ ይሞቱ፡ ናብ ሓመድ እውን ይምለሱ” ትብል። ያእቆብ 2:26 እውን፡ “ሰብነት ብዘይ መንፈስ [ኒውማ] ምዉት” ከም ዝዀነ ትገልጽ። ኣብዘን ጥቕስታት እዚአን እታ “መንፈስ” ተባሂላ ዘላ ቓል ነቲ ንስጋ ህይወት ዚህቦ ነገር እያ እተመልክት። ብዘይ መንፈስ፡ እቲ ስጋ ምዉት እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ እታ ሩዋሕ እትብል ቃል “መንፈስ” ተባሂላ ጥራይ ዘይኰነስ “ትንፋስ” ተባሂላ እውን ተተርጒማ ኣላ። “ትንፋስ” ኪብሃል ከሎ ብምሳልያዊ መገዲ ነቲ ሰብ ወይ እንስሳ ዘለዎ ሓይሊ ህይወት የመልክት። እዚ እውን ኣብቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ ብግዜ ኖህ ዝመጸ ማይ ኣይሂ እተዛረቦ ነገር ክንርእዮ ንኽእል ኢና። ኣብቲ ግዜ እቲ ኣምላኽ፡ “ኣብ ትሕቲ ሰማያት ንዘሎ ትንፋስ [ሩዋሕ] ህይወት ዘለዎ ዅሉ ስጋ ኸጥፍእሲ፡ ማይ ኣይሂ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኸምጽእ እየ” በለ። (ዘፍጥረት 6:17፣ 7:15, 22) እታ “መንፈስ” እትብል ቃል ነቲ ንዅሉ ህያው ፍጥረት ዜንቀሳቕሶ ዘይርአ ሓይሊ (ሓይሊ ህይወት) እያ እተመልክት።

ነፍስን መንፈስን ሓደ ኣይኰናን። ከምቲ ረድዮ ኽትዓዪ ኤለክትሪክ ዜድልያ፡ ስጋና እውን መንፈስ የድልዮ እዩ። ነዚ ብዝያዳ ንምብራህ፡ ብዛዕባ ብባትሪ እትሰርሕ ረድዮ እሞ ሕሰብ። ኣብታ ረድዮ እቲኣ ባትሪ ኣእቲኻ ምስ እትውልዓ፡ እቲ ኣብቲ ባትሪ ዚርከብ ኤለክትሪክ ነታ ረድዮ ኸም እትዓዪ ይገብራ። ብዘይ ባትሪ ግና ክትዓዪ ኣይትኽእልን እያ። ገሊአን ዓይነት ረድዮ ድማ ነቲ ገመደን ካብቲ ኤለክትሪክ ዚረኽባሉ ሶኬት እንተ ኣውጺእካዮ ምስራሕ እየን ዜቋርጻ። ብተመሳሳሊ፡ መንፈስ ንስጋና ህያው ዚገብሮ ሓይሊ እዩ። መንፈስ ልክዕ ከም ኤለክትሪክ፡ ስምዒት የብሉን፡ ኪሓስብ እውን ኣይክእልን እዩ። እወ፡ ግኡዝ ሓይሊ እዩ። ብዘይ መንፈስ ወይ ሓይሊ ህይወት፡ ከምቲ እቲ ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር ዝጠቐሶ ስጋና ‘ይመውት፡ ናብ መሬት ከኣ ይምለስ።’

መክብብ 12:7፡ ብዛዕባ ሞት ወዲ ሰብ ክትገልጽ ከላ፡ “ሓመድ [ስጋና ማለት እዩ] ከምቲ ዝነበሮ ናብ መሬት ይምለስ፣ መንፈስ ድማ ናብቲ ወሃቢኡ ዝዀነ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ይምለስ” ትብል። እቲ መንፈስ ወይ ሓይሊ ህይወት ካብ ስጋና ምስ ተፈልየ፡ ስጋና ይመውት ናብቲ ዝነበሮ ምድሪ ድማ ይምለስ። ብተመሳሳሊ፡ እቲ ሓይሊ ህይወትና ናብቲ ወሃቢኡ ኣምላኽ ይምለስ። (እዮብ 34:14, 15፣ መዝሙር 36:9) ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ እቲ ሓይሊ ህይወት ቃል ብቓሉ ናብ ሰማይ ይጐዓዝ ማለት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ሓደ ሰብ ምስ ዚመውት፡ ብዛዕባ መጻኢ ዚህልዎ ዝዀነ ይኹን ተስፋ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ እዩ ዚምርኰስ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ህይወቱ ኣብ ኢድ ኣምላኽ እያ ዘላ። ብሓይሊ ኣምላኽ ጥራይ እዩ እቲ መንፈስ ወይ ሓይሊ ህይወት ኪውሃቦ ዚኽእል፡ በዚ ድማ እቲ ሰብ እንደገና ህያው ኪኸውን ይኽእል።

የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብ “መቓብር” ዘለዉ ሰባት ከምኡ ኺገብር ምዃኑ ምፍላጥናስ ክሳዕ ክንደይ ዜጸናንዕ ኰን እዩ! (ዮሃንስ 5:28, 29) ኣብ እዋን ትንሳኤ፡ የሆዋ ነቶም ዝሞቱ ሓድሽ ስጋ ኺህቦም፡ መንፈስ ወይ ሓይሊ ህይወት ብምሃብ ከኣ ህያዋን ኪገብሮም እዩ። እቲ እዋን እቲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ ኪኸውን!

መጽሓፍ ቅዱስ ነተን “ነፍሲ” ወይ “መንፈስ” ዚብላ ቓላት ብኸመይ ከም ዚጥቀመለን ብዝያዳ ኽትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብተን ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትማ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧ ዘርእስታ ብሮሹርን ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ ዘርእስታ መጽሓፍን (እንግሊዝኛ) ገጽ 357-384 ብዙሕ ሓበሬታ ኽትረክብ ኢኻ።