ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መመላእታ ጽሑፍ

ሲኦልን ሃደስን እንታይ እዩ፧

ሲኦልን ሃደስን እንታይ እዩ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ በዅሪ ቛንቋታት ነታ ሺኦል እትብል ናይ እብራይስጢ ቓልን ነታ ሃዲስ እትብል ሓደ ዓይነት ትርጉም ዘለዋ ናይ ግሪኽኛ ቓልን 70 ሳዕ ተጠቒሙለን ኣሎ። ክልቲአን ቃላት ምስ ሞት እተተሓሓዛ እየን። ገሊኡ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ “መቓብር፡” ወይ “ጕድጓድ” ኢሉ ይትርጉመን። ይኹን እምበር፡ ኣብ መብዛሕትኡ ቛንቋታት ነዘን ናይ እብራይስጥን ግሪኽኛን ቃላት ብትኽክል ዜመሓላልፍ ቃል የልቦን። ስለዚ ድማ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ እግረ ጽሑፋት “ሲኦል”ን “ሃደስ”ን ዚብላ ቓላት ይጥቀም እዩ። እዘን ቃላት እዚአን እንታይ ትርጉም እዩ ዘለወን፧ ኣብ እተፈላለየ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እተዓየየለን እስከ ንርአ።

መክብብ 9:10፡ “ኣብቲ እትኸዶ መቓብርሲ ዕዮ ዀነ፡ ውጥን ኰነ፡ ፍልጠት ኰነ፡ ወይ ጥበብ የልቦን” ትብል። ከምዚ ኺብሃል ከሎ፡ ሲኦል ነቲ እነፍቅሮ ሰብ ዝቐበርናሉ እተወሰነ ቦታ ወይ ሓደ መቓብር የመልክት ማለት ድዩ፧ ኣይፋሉን። መጽሓፍ ቅዱስ ንሓደ ሰብ ዚቕበረሉ ቦታ ኼመልክት ከሎ፡ ሺኦል ከምኡ እውን ሃዲስ ዚብላ ቓላት ዘይኰነስ ካልእ ናይ እብራይስጥን ግሪኽኛን ቃላት እዩ ዚጥቀም። (ዘፍጥረት 23:7-9፣ ማቴዎስ 28:1) ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “ሲኦል” እትብል ቃል ከም ናይ ስድራ ቤት መቓብር ወይ ናይ ሓፋሽ መቓብር ዝኣመሰለ ሓያሎ ሰባት ብሓባር ንእተቐበሩሉ ቦታ ኣይጥቀመላን እዩ።—ዘፍጥረት 49:30, 31

እሞ ደኣ “ሲኦል” ንምንታይ እዩ ዜመልክት፧ ቃል ኣምላኽ እተን “ሲኦል” ኰነ “ሃደስ” ዚብላ ቓላት፡ ብዙሓት ንዚቕበሩሉ ሓደ ቦታ ዘይኰነስ ካብኡ ንላዕሊ ኸም ዜመልክታ ይሕብረና። ንኣብነት፡ ኢሳይያስ 5:14፡ “መቓብር ገዛእ ርእሳ ኣስፍሐት፣ ኣፋ እውን ብዘይ መጠን ሃህ ኣበለት” ትብል። ብምሳልያዊ ኣዘራርባ፡ ሲኦል ማእለያ ዘይብሎም ምዉታት እኳ እንተ ወሓጠት፡ ከቶ ኣይትጸግብን እያ። (ምሳሌ 30:15, 16) ዝዀነ ይኹን ሰባት ዚቕበሩሉ ቦታ ኺሕዞ ዚኽእል ብዝሒ ምዉታት ደረት ዘለዎ እኳ እንተ ዀነ፡ ‘ሲኦል ግና ከቶ ኣይትጸግብን።’ (ምሳሌ 27:20) እወ፡ ሲኦል ከቶ ኣይመልእን እዩ። ስለዚ፡ ደረት የብሉን። ሲኦል ወይ ሃደስ ማለት እምበኣር ኣብ ሓደ ኸባቢ ዚርከብ ቃል ብቓሉ ዘሎ ቦታ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ መብዛሕትኦም ዝሞቱ ደቂ ሰብ ዚርከቡሉ ምሳልያዊ ቦታ፡ ማለት ናይ ምዉታት ደቂ ሰብ ሓፈሻዊ መቓብር እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚምህሮ ትምህርቲ ብዛዕባ “ሲኦል” ኰነ ብዛዕባ “ሃደስ” ዝያዳ ምርዳእ ኪህልወና ይሕግዘና እዩ። ቃል ኣምላኽ ንሲኦልን ንሃደስን ትንሳኤ ምስ ዚርከበሉ ዓይነት ሞት እዩ ዜተሓሕዞ። * (እዮብ 14:13፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:31፣ ራእይ 20:13) እቶም ኣብ ሲኦል ወይ ሃደስ ዘለዉ፡ ንየሆዋ ዜገልግሉ ዝነበሩ ሰባት ጥራይ ዘይኰኑስ፡ ብዙሓት ንየሆዋ ዘየገልግሉ ዝነበሩ ሰባት እውን ከም ዜጠቓልል ይገልጽ። (ዘፍጥረት 37:35፣ መዝሙር 55:15) ስለዚ ድማ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ይምህር እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15

^ ሕ.ጽ. 4 ብኣንጻሩ ግና፡ እቶም ዘይትንስኡ ምዉታት ኣብ ሲኦል ወይ ሃደስ ዘይኰነስ፡ “ኣብ ገሃነም” ከም ዘለዉ ጌርካ እዮም ተገሊጾም። (ማቴዎስ 5:30፣ 10:28፣ 23:33) ገሃነም እውን ከም ሲኦልን ሃደስን ቃል ብቓሉ ዚርከብ ቦታ ኣይኰነን።