ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መመላእታ ጽሑፍ

ነታ “ዓባይ ባቢሎን” ምልላያ

ነታ “ዓባይ ባቢሎን” ምልላያ

መጽሓፍ ራእይ ቃል ብቓሉ ኽንወስዶ ዘይግባእ መግለጺ ዝሓዘት እያ። (ራእይ 1:1) ንኣብነት፡ ኣብ ግምባራ፡ “ዓባይ ባቢሎን” ዚብል ስም እተጻሕፈላ ሰበይቲ ጠቒሱ ኣሎ። እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣብ “ብዙሕ ሰብን ኣህዛብን” ተቐሚጣ ኸም ዘላ ተገሊጻ ኣላ። (ራእይ 17:1, 5, 15) ቃል ብቓሉ ዋላ ሓንቲ ሰበይቲ ኸምዚ ኽትገብር ስለ ዘይትኽእል፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ምሳልያዊት ክትከውን ኣለዋ። እሞ ደኣ እዛ ምሳልያዊት ኣመንዝራ ንመን እያ እተመልክት፧

ኣብ ራእይ 17:18 እዛ ምሳልያዊት ሰበይቲ እዚኣ፡ “ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ” ተባሂላ ተገሊጻ ኣላ። እታ “ኸተማ” እትብል ቃል፡ ጕጅለ ሰባት ተወዲቦም ከም እተጠርነፉ ተመልክት። እዛ “ዓባይ ከተማ” እዚኣ ነቶም “ነገስታት ምድሪ” ኽትቈጻጸሮም ስለ እትኽእል፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ተባሂላ ዘላ ሰበይቲ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ሓያል ጽልዋ ዘለዋ ማሕበር ክትከውን ኣለዋ። ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ተባሂላ እውን ክትጽዋዕ ትኽእል እያ። እንታይ ዓይነት ግዝኣት ግና እያ፧ ሃይማኖታዊት እያ። ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ራእይ ዚርከብ መግለጺታት ናብዚ መደምደምታ እዚ ኽንበጽሕ ብኸመይ ከም ዚሕግዘና ኣስተብህል።

ሓደ ኸም ሃጸያዊ ግዝኣት ሰፊሕ ምቍጽጻር ዘለዎ ነገር፡ ፖለቲካዊ፡ ንግዳዊ፡ ወይ ሃይማኖታዊ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ፡ “ነገስታት ምድሪ [ፖለቲካውያን ጕጅለታት እዛ ዓለም እዚኣ] ምስኣ መንዚሮም” ስለ ዚብል፡ እታ ዓባይ ባቢሎን ተባሂላ እትጽዋዕ ሰበይቲ ፖለቲካዊ ሃጸያዊት ግዝኣት ክትከውን ኣይትኽእልን እያ። ምስ ገዛእቲ ምድሪ ኺዳን ብምእታውን ኣብ ልዕሊኦም ስልጣንን ጽልዋን ምእንቲ ኺህልዋ ኣድላዪ ዘበለ ዅሉ ብምግባርን ከኣ እያ እትምንዝር። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ “ዓባይ ኣመንዝራ” ተባሂላ ዘላ።—ራእይ 17:1, 2፣ ያእቆብ 4:4

እቶም ንንግዳዊ ጕጅለታት ዜመልክቱ “ነጋዶ ምድሪ፡” ዓባይ ባቢሎን ምስ ጠፍአት ስለ ዜልቅሱላ፡ ንናይ ንግዲ ዓለም እውን ከተመልክት ኣይትኽእልን እያ። አረ ነገስታት ኰኑ ነጋዶ ንዓባይ ባቢሎን ኣብ “ርሑቕ” ኰይኖም ከም ዚርእይዋ እዮም ተጠቒሶም ዘለዉ። (ራእይ 18:3, 9, 10, 15-17) እምበኣር፡ ዓባይ ባቢሎን ፖለቲካዊትን ንግዳዊትን ዘይኰነትስ፡ ሃይማኖታዊት ሃጸያዊት ግዝኣት እያ ኢልካ ምድምዳም ርትዓዊ እዩ።

እታ ዓባይ ባቢሎን ሃይማኖታዊት ምዃና ዜረጋግጸልና ኻልእ መርትዖ ድማ ንዅሎም ኣህዛብ ‘ብመናፍስታዊ ተግባራታ’ ኸም እተስሕቶም ስለ እተጠቕሰ እዩ። (ራእይ 18:23) ኵሉ ዓይነት ሓተታ መናፍስቲ፡ ሃይማኖታውን ካብ ኣጋንንትን ስለ ዝዀነ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓባይ ባቢሎን “ማሕደር ኣጋንንቲ” ምባሉ ዜገርም ኣይኰነን። (ራእይ 18:2፣ ዘዳግም 18:10-12) እዛ ሃጸያዊት ግዝኣት እዚኣ ‘ንነብያትን ንቕዱሳትን’ ብምስጓጕ ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ወትሩ ትጻረር እያ። (ራእይ 18:24) አረ ንናይ ሓቂ ሃይማኖት ምሒር ጽልኢ ስለ ዘለዋስ ነቶም “መሰኻኽር የሱስ” ከቢድ ስደት ተውርደሎም፡ ሕሉፍ ሓሊፋ እውን ትቐትሎም እያ። (ራእይ 17:6) እምበኣር፡ እዛ ዓባይ ባቢሎን ተባሂላ እትጽዋዕ ሰበይቲ ብንጹር ነታ ንዅለን ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዚጻረራ ሃይማኖታት ዝሓቘፈት ናይ ዓለም ሃጸያዊት ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖት እያ እተመልክት።