ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 6

ጥዑይ መዘናግዒ ብኸመይ ትመርጽ፧

ጥዑይ መዘናግዒ ብኸመይ ትመርጽ፧

“ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ።”—1 ቈረንቶስ 10:31

1, 2. ብዛዕባ መዘናግዒ እንታይ ምርጫ ኽንገብር ኣሎና፧

ሓንቲ ምቅርቲ ፍረ ኽትበልዕ ምስ ሓሰብካ: ገለ ኽፋላ ኸም ዝመሽመሸ ኣስተብሂልካ ንበል። እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ሓደ ኣማራጺ ንብምልእታ እታ ፍረ ምስቲ ዝመሽመሸ ኽፋላ ምብላዕ እዩ፣ ካልእ ኣማራጺ ንብምልእታ እታ ፍረ ምስቲ ዝመሽመሸ ኽፋላ ምድርባይ እዩ፣ ሳልሳይ ኣማራጺ ኸኣ ነቲ ዝመሽመሸ ኽፋል ቈሪጽካ ደርቢኻ: ነቲ ዘይመሽመሸ ኽፋል ጥራይ ምብላዕ እዩ። እንታይ ምርጫ ኢኻ እትገብር፧

2 ብእተወሰነ መገዲ መዘናግዒ ኸምታ ፍረ እዩ። ሓድሓደ ግዜ: ክትዘናጋዕ እኳ እንተ ደለኻ: መብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ መዘናግዒ ብስነ-ምግባር ሕማቕ: ወይ እውን ብልሹው እዩ። ስለዚ: እንታይ ኢኻ እትገብር፧ ገሊኦም ነቲ ሕማቕ ዕሽሽ ብምባል ንዝዀነ ይኹን እዛ ዓለም እተቕርበሎም መዘናግዒ ይጥቀሙ። ገሊኦም ንዝዀነ ይኹን ጐዳኢ ነገራት ከይቃልዑ ኢሎም ካብ ኵሉ ዓይነት መዘናግዒ ይርሕቑ። ገሊኦም ድማ ካብ ጐዳኢ መዘናግዒ ተጠንቂቖም ብምርሓቕ: ሓሓሊፎም በቲ ብተዛማዲ ጥዑይ መዘናግዒ ይዘናግዑ። ንርእስኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ንኽትሕልዋ እንታይ ምርጫ ኽትገብር ኣሎካ፧

3. ሕጂ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

3 መብዛሕትና ነቲ ሳልሳይ ምርጫ ኢና እንመርጽ። እተወሰነ መዘናግዒ ኸም ዜድልየና ንፈልጥ ኢና: ግናኸ ብስነ-ምግባር ጥዑይ ብዝዀነ መዘናግዒ ጥራይ ኢና ኽንዘናጋዕ እንደሊ። ስለዚ: ኣየን ጥዑይ መዘናግዒ: ኣየን ዘይጥዑይ መዘናግዒ ምዃኑ ብኸመይ ክንውስን ከም እንኽእል ክንምርምር ኣሎና። ፈለማ ግን: ናይ መዘናግዒ ምርጫና ኣብቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ኺህልዎ ዚኽእል ጽልዋ እስከ ንመርምር።

“ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ”

4. ወፈያና ንናይ መዘናግዒ ምርጫና ብኸመይ ኪጸልዎ ይግባእ፧

4 ቅድሚ እተወሰነ እዋን: ሓደ ብ1946 እተጠምቀ ብዕድመ ዝደፍአ ናይ የሆዋ ምስክር: “ኣብ ኵሉ ናይ ጥምቀት መደረ ኽርከብን ሕጂ እጥመቕ ከም ዘለኹ ዀይነ ጽን ኢለ ኽሰምዕን ቈራጽነት ገበርኩ” በለ። ስለምንታይ፧ “ነቲ ዝገበርክዎ ወፈያይ ወትሩ ምሕዳሰይ: ብተኣማንነት ንክቕጽል ኣገዳሲ ስጕምቲ ዀይኑኒ እዩ” ኢሉ ምኽንያቱ ገለጸ። ምስዚ ሓሳብ እዚ ኸም እትሰማማዕ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ምሉእ ህይወትካ ንየሆዋ ንኸተገልግሎ መብጽዓ ኸም ዝኣተኻሉ ንርእስኻ ምዝኽኻርካ: ንኽትጸንዕ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (መክብብ 5:4፣ እብራውያን 10:7) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ: ብዛዕባ ወፈያኻ ምስትንታንካ: ነቲ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ዘሎካ ኣረኣእያ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ ዅሉ መዳያት ህይወት: እንተላይ ብዛዕባ መዘናግዒ ዘሎካ ኣረኣእያ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቶም ብግዜኡ ዝነበሩ ክርስትያናት: “እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ኢሉ ኺጽሕፈሎም ከሎ: ነዚ ሓቂ እዚ እዩ ኣጕሊሑ።—1 ቈረንቶስ 10:31

5. ዘሌዋውያን 22:18-20 ነቲ ኣብ ውሽጢ ሮሜ 12:1 ዘሎ መጠንቀቕታ ንኽንርዳእ እትሕግዘና ብኸመይ እያ፧

5 ኵሉ እቲ ኣብ ህይወትካ እትገብሮ ነገር: ምስቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣምልኾ እተኣሳሰረ እዩ። ጳውሎስ ናብ ሰብ ሮሜ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ: ነዚ ሓቂ እዚ ኣብ ኣመንቲ ብጾቱ ንምስራጽ ሓያል መግለጺ ተጠቒሙ ኣሎ። “ንስጋኹም [“ሰብነትኩም:” ትርጕም 1990] ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ሮሜ 12:1) ስጋኻ ወይ ሰብነትካ ንኣእምሮኻን ልብኻን ኣካላዊ ብርታዐኻን የጠቓልል። እዚ ዅሉ ንኣምላኽ ንምግልጋል እትጥቀመሉ እዩ። (ማርቆስ 12:30) ጳውሎስ ብዛዕባ ኸም መስዋእቲ ዀይኑ ዚቐርብ ብምሉእ ነፍሲ ዚግበር ኣገልግሎት እዩ ዚዛረብ ነይሩ። እታ መስዋእቲ እትብል ቃል ኣብ ውሽጣ መጠንቀቕታ ዝሓዘት እያ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ: ኣበር ዘለዎ መስዋእቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ኣይነበሮን። (ዘሌዋውያን 22:18-20) ብተመሳሳሊ: ሓደ ክርስትያን ዜቕርቦ መንፈሳዊ መስዋእቲ ብዝዀነ ይኹን መገዲ እንተ ተበላሽዩ: ኣምላኽ ኣይቅበሎን እዩ። እዚ ግን ብኸመይ ኪኸውን ይኽእል፧

6, 7. ሓደ ክርስትያን ንሰብነቱ ብኸመይ ኬበላሽዎ ይኽእል፧ እዚኸ እንታይ ሳዕቤናት ኪህልዎ ይኽእል፧

6 ጳውሎስ ነቶም ኣብ ሮሜ ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት: “ንኣካላትኩም ኣጽዋር ዓመጻ ንሓጢኣት ኣይትግበርዎ” ኢሉ መዓዶም። ‘ነቲ ግብሪ ስጋ ኪቐትሉ’ ድማ ነገሮም። (ሮሜ 6:12-14፣ 8:13) ኣብታ መልእኽቱ ኣቐድም ኣቢሉ: ገለ ኣብነታት እቲ “ግብሪ ስጋ” ሂቡ ኣሎ። ብዛዕባ ሓጥኣን ደቂ ሰብ ከምዚ ዚስዕብ ነንብብ:- “ኣፎም መርገምን ምርን ምሉእ እዩ።” “ኣእጋሮም ንምፍሳስ ደም ቅልጡፍ እዩ።” “ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶምውን ፍርሃት ኣምላኽ የልቦን።” (ሮሜ 3:13-18) ሓደ ክርስትያን ‘ኣካላቱ’ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓጥእ ተግባራት እንተ ተጠቒሙሉ: ንሰብነቱ ኣበር ከም ዚህልዎ ይገብር። ንኣብነት: ሓደ ክርስትያን ከም ስእለ-ጽዩፍ ዝኣመሰለ ጽዩቕ ነገር ወይ ዜስካሕክሕ ዓመጻ ዝመልኦ ነገር ብፍላጥ እንተ ርእዩ: ንኣዒንቱ “ኣጽዋር ዓመጻ” ይገብሮ: በዚ ኸምዚ ድማ ንብምሉኡ ሰብነቱ የበላሽዎ። ዝዀነ ይኹን ዜቕርቦ ኣምልኾ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅዱስ ብዘይምዃኑ ተቐባልነት ኣይረክብን። (ዘዳግም 15:21፣ 1 ጴጥሮስ 1:14-16፣ 2 ጴጥሮስ 3:11) ዘይጥዑይ መዘናግዒ ምጥቃምሲ ኸመይ ዝበለ ዓብዪ ኽሳራ ዀን እዩ ዜስዕብ!

7 ሓደ ክርስትያን ዚገብሮ ናይ መዘናግዒ ምርጫ: ብርግጽ ከቢድ ሳዕቤናት ኣለዎ። እምበኣር: ነቲ ንኣምላኽ እነቕርቦ መስዋእቲ ዜጸብቖ ደኣ እምበር: ዜበላሽዎ መዘናግዒ ኽንመርጽ ኣይንደልን ኢና። ሕጂ ኣየን መዘናግዒ ጥዑይ: ኣየን ከኣ ዘይጥዑይ ምዃኑ ብኸመይ ክንውስን ከም እንኽእል እስከ ንመርምር።

“ንኽፍኣት ፈንፍንዎ”

8, 9. (ሀ) መዘናግዒ ብሓፈሻ ኣብ ምንታይ ክልተ ምድብ ኪምደብ ይኽእል፧ (ለ) ካብ እንታይ ዓይነት መዘናግዒ ኢና እንርሕቕ፧ ስለምንታይከ፧

8 መዘናግዒ ብሓፈሻ ኣብ ክልተ ምድብ ኪምደብ ይኽእል። እቲ ሓደ ክርስትያናት ፈጺሞም ኬርሕቕዎ ዘለዎም መዘናግዒ ዜጠቓልል ኪኸውን ከሎ: እቲ ኻልእ ክርስትያናት ከም ቅቡል ገይሮም ኪርእይዎ ወይ ከይርእይዎ ዚኽእሉ መዘናግዒ የጠቓልል። ፈለማ ነቲ ቐዳማይ ምድብ: ማለት ነቲ ክርስትያናት ኬርሕቕዎ ዘለዎም መዘናግዒ እስከ ንመርምር።

9 ኣብ ምዕራፍ 1 ኸም ዝረኣናዮ: ገሊኡ ዓይነት መዘናግዒ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር እተዀነነ ንጥፈታት ዜጕልሕ እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ ዜስካሕክሕ ጭካነ: ኣጋንንታዊ ተግባራት: ስእለ-ጽዩፍ: ወይ ነውራምን ርኹስን ተግባራት ዜተባብዕ ዌብ ሳይታትን ፊልምታትን መደባት ተለቪዥንን እሞ ሕሰብ። ከምዚ ዝኣመሰለ ብልሹው ዓይነት መዘናግዒ ነቲ ንስርዓታትን ሕግታትን መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ዚጥሕስ ንጥፈታት ስለ ዜተባብዕ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብኡ ኺርሕቁ ኣለዎም። (ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29፣ 1 ቈረንቶስ 6:9, 10፣ ራእይ 21:8) ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘይጥዑይ መዘናግዒ ምስ እትርሕቕ: ብሓቂ ‘ንኽፍኣት ከም እትፍንፍኖ:’ ኵሉ ሳዕ ድማ ‘ካብ እከይ ከም እትርሕቕ’ ንየሆዋ ተርእዮ። በዚ ኸምዚ: “ልግሚ ዜብላ እምነት” ትህልወካ።—ሮሜ 12:9፣ መዝሙር 34:14፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:5

10. እንታይ ብዛዕባ መዘናግዒ ዚቐርብ መመኽነይታ እዩ ሓደገኛ፧ ስለምንታይከ፧

10 ገሊኦም ግን ርኹስ ጠባያት ብንጹር ዜርኢ መዘናግዒ ምርኣይ ጐዳኢ ኸም ዘይኰነ ይስምዖም ይኸውን። ‘ኣብ ፊልምታት ወይ ኣብ ቲቪ እርእዮ እኸውን: ኣነ ግን ከቶ ኸምኡ ኣይገብርን እየ’ ዚብል መመኽነይታ የቕርቡ። ከምዚ ዓይነት መመኽነይታ መታለልን ሓደገኛን እዩ። (ኤርምያስ 17:9) ነቲ የሆዋ ዚዅንኖ ነገራት ምርኣይ ዜዘናግዓና እንተ ዀይኑ: ብሓቅዶ ‘ንኽፍኣት ንፍንፍኖ’ ኢና፧ ርእስና ንእኩይ ተግባራት ብቐጻሊ እንተ ኣቃሊዕና: ንሕልናና ኼደንዝዞ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 119:70፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:1, 2) ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ነቲ እንገብሮ ነገር ወይ ነቲ ብዛዕባ እቲ ኻልኦት ዚገብርዎ ሓጥእ ተግባራት ዘሎና ኣረኣእያ ኺጸልዎ ይኽእል እዩ።

11. ምስ መዘናግዒ ብዚተኣሳሰር ገላትያ 6:7 ሓቂ ምዃና ብኸመይ ኣመስኪራ፧

11 እዚ ብጭቡጥ ተራእዩ እዩ። ገሊኦም ክርስትያናት በቲ ኣዘውቲሮም ዚርእይዎ መዘናግዒ ተጸልዮም ርኹስ ተግባር ፈጺሞም እዮም። “ሰብ ነቲ ዝዘርኦ ንእኡ ኸኣ ኪዐጽዶ እዩ” ዚብል ቃላት ሓቂ ምዃኑ: ብመከራ ተማሂሮም እዮም። (ገላትያ 6:7) ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕማቕ ውጽኢት ግን ከተምልጥ ትኽእል ኢኻ። ጥዑይ ዘበለ ተጠንቂቕካ ኣብ ኣእምሮኻ እንተ ዘሪእካ: ኣብ ህይወትካ ጥዑይ ዘበለ ብታሕጓስ ክትዓጽድ ኢኻ።—ነታ ኣብ ገጽ 67 እትርከብ “ እንታይ ዓይነት መዘናግዒ ኽመርጽ ኣሎኒ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ብሕታዊ ውሳነ

12. ገላትያ 6:5 ምስ መዘናግዒ እትተሓሓዝ ብኸመይ እያ፧ ብሕታዊ ውሳነ ንምግባርከ እንታይ መምርሒ ኣሎና፧

12 ሕጂ ነቲ ኻልኣይ ምድብ: ማለት ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብቐጥታ ፈሊኻ ዘይተዀነነ ወይ ብንጹር ዘይተደገፈ ንጥፈታት ዜቕርብ መዘናግዒ እስከ ንመርምሮ። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ መዘናግዒ ኺመርጽ ከሎ: ብዛዕባ እቲ ኸም ጥዑይ ገይሩ ዚርእዮ ነገር ብሕታዊ ውሳነ ኺገብር ኣለዎ። (ገላትያ 6:5) ይኹን እምበር: እዚ ምርጫ እዚ ኪቐርበልና ኸሎ: ብዘይ መምርሒ ኣይተሓደግናን። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣተሓሳስባ የሆዋ ኸነስተውዕል ዜኽእለና መሰረታዊ ስርዓታት ወይ ሓቅታት ዝሓዘ እዩ። ናብ ከምዚ ዝኣመሰለ መሰረታዊ ስርዓታት ብምቕላብ: ኣብ ኵሉ ነገራት: እንተላይ ኣብ ናይ መዘናግዒ ምርጫ “ፍቓድ ጐይታ” እንታይ ምዃኑ ኸነስተውዕል ንኽእል ኢና።—ኤፌሶን 5:17

13. ንየሆዋ ኼጕህዮ ኻብ ዚኽእል መዘናግዒ ንኽንርሕቕ ዚድርኸና እንታይ እዩ፧

13 ኵሎም ክርስትያናት ስነ-ምግባራዊ ግንዛበኦም ወይ ምስትውዓሎም ብማዕረ ኼዕብዩ ኣይንጽበን ኢና። (ፊልጲ 1:9) ብዘይካዚ: ኣብ ዓውዲ ምዝንጋዕ ሰባት ዚፈትውዎ ኸም ዚፈላለ ክርስትያናት ይፈልጡ እዮም። ስለዚ: ኵሎም ክርስትያናት ሕደ ውሳነታት ኪገብሩ ትጽቢት ኣይንገብርን ኢና። ይኹን እምበር: ስርዓታት ኣምላኽ ንኣእምሮናን ልብናን ዝያዳ ኺጸሉ ብዝፈቐድናሉ መጠን: ንየሆዋ ኼጕህዮ ኻብ ዚኽእል መዘናግዒ ኽንርሕቕ ዝያዳ ባህጊ ይሓድረና።—መዝሙር 119:11, 129፣ 1 ጴጥሮስ 2:16

14. (ሀ) መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና እንታይ ረቛሒ ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና፧ (ለ) ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ሒዙ ኸም ዚቕጽል ክንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14 መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ: ካልእ ኣብ ግምት ከተእትዎ ዚግባእ ኣገዳሲ ረቛሒ ኣሎ፣ እዚ ድማ ግዜኻ እዩ። ትሕዝቶ መዘናግዒኻ ንስኻ ቕቡል ጌርካ እትሓስቦ እንታይ ምዃኑ ዚገልጽ ኪኸውን ከሎ: ኣብኡ እተሕልፎ መጠን ግዜ ኸኣ ንስኻ ኣገዳሲ ጌርካ እትርእዮ እዩ ዚገልጽ። ክርስትያናት ንመንፈሳዊ ነገራት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (ማቴዎስ 6:33) ምስ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ እተኣሳሰረ ነገር ኣብ ህይወትካ ቐዳማይ ቦታ ሒዙ ንኪቕጽል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ቅንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ: ጊዜ ዐዲግኩም: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ: ተመልከቱ” በለ። (ኤፌሶን 5:15, 16) እምበኣር: ኣብቲ ንምዝንጋዕ እተሕልፎ ግዜ ንጹር ደረት ምግባርካ: ነቲ “ዚሐይሽ” ነገራት: ማለት ነቲ ንመንፈሳዊ ጥዕናኻ ኣበርክቶ ዚገብር ንጥፈታት ዜድልየካ ግዜ ንኽትረክብ ኪሕግዘካ እዩ።—ፊልጲ 1:10

15. መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ: ኣብቲ ደሓን እዩ ዝበልካዮ ዓይነት ክሳዕ ጫፍ እንተ ዘይከድካ ዝሓሸ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

15 መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ: ኣብቲ ደሓን እዩ ዝበልካዮ ዓይነት እውን ክሳዕ ጫፍ እንተ ዘይከድካ ይሓይሽ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ነታ ብዛዕባ እታ ፍረ እትገልጽ ምሳሌ እሞ እንደገና ሕሰበላ። ነቲ ዝመሽመሸ ኽፋላ ብዘይፍላጥ ምእንቲ ኸይትበልዖ: ነቲ ዝመሽመሸ ኽፋል ብልክዕ ዓቂንካ ዘይኰነስ: ካብቲ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ ቝሩብ ውስኽ ኣቢልካ ኢኻ እትቘርጾ። ብተመሳሳሊ: መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ እውን ኣብቲ ደሓን እዩ ዝበልካዮ ዓይነት ክሳዕ ጫፍ እንተ ዘይከድካ ይሓይሽ። ሓደ ጥበበኛ ክርስትያን ካብቲ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ዚጥሕስ መዘናግዒ ጥራይ ዘይኰነስ: ካብቲ ዜተሓታትት ወይ ብመንፈሳዊ መዳይ ዘይጥዑይ ነገራት ዘለዎ ዚመስል ዓይነት መዘናግዒ እውን ይርሕቕ እዩ። (ምሳሌ 4:25-27) ናብ ቃል ኣምላኽ ምልጋብካ: ከምኡ ኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ።

“ንጹህ ዘበለ”

መዘናግዒ ኽንመርጽ ከለና ንስርዓታት ኣምላኽ ምጥቃምና: ብመንፈሳዊ ኸይንጕዳእ የዕቍበና

16. (ሀ) ብዛዕባ ስነ-ምግባር ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ኸም ዘሎና ብኸመይ ነርኢ፧ (ለ) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል መገዲ ህይወትካ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

16 ናይ ሓቂ ክርስትያናት መዘናግዒ ኺመርጹ ኸለዉ: ፈለማ ኣረኣእያ የሆዋ እዮም ኣብ ግምት ዜእትዉ። መጽሓፍ ቅዱስ ስምዒታትን መለክዒታትን የሆዋ ይገልጸልና እዩ። ንኣብነት: ንጉስ ሰሎሞን: ከም “ሓሳዊት መልሓስ: ንጹህ ደም ዜፍስሳ ኣእዳው: እኩይ ምኽሪ እትፍሕስ ልቢ: እኩይ ነገር ናብ ዘበለ ዚቕልጥፋ ኣእጋር” ዝኣመሰለ የሆዋ ዚጸልኦ እተወሰነ ነገራት ዘርዚሩ ኣሎ። (ምሳሌ 6:16-19) ኣረኣእያ የሆዋ ንኣረኣእያኻ ብኸመይ ኪጸልዎ ኣለዎ፧ እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ: እከይ ጽልኡ” ኢሉ ተላብዩ ኣሎ። (መዝሙር 97:10) ኣብ መዘናግዒ እትገብሮ ምርጫ: ነቲ የሆዋ ዚጸልኦ ብሓቂ ኸም እትጸልእ ዜርኢ ኪኸውን ኣለዎ። (ገላትያ 5:19-21) ብብሕትኻ እትገብሮ ነገር: ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሰባት እትገብሮ ንላዕሊ ብሓቂ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንካ ኸም ዚገልጽ እውን ኣይትረስዕ። (መዝሙር 11:4፣ 16:8) ስለዚ: ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወትካ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ስነ-ምግባራዊ ጕዳያት ዘለዎ ስምዒታት ከተንጸባርቕ ልባዊ ባህጊ እንተ ኣልዩካ: ወትሩ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ውሳነታት ኢኻ እትገብር። ከምኡ ምግባር መገዲ ህይወትካ እዩ ዚኸውን።—2 ቈረንቶስ 3:18

17. መዘናግዒ ቕድሚ ምምራጽካ እንታይ ሕቶታት ኢኻ ኽትሓትት ዘሎካ፧

17 መዘናግዒ ኽትመርጽ ከለኻ ምስ ኣተሓሳስባ የሆዋ ዚሰማማዕ ስጕምቲ ምእንቲ ኽትወስድ እንታይ ተወሳኺ ነገር ክትገብር ትኽእል፧ ‘እዚ ንዓይን ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎኒ ርክብን ብኸመይ ይጸልዎ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ንኣብነት: ሓንቲ ፊልም ክትርኢ ቕድሚ ምውሳንካ: ‘ትሕዝቶ እዛ ፊልም እዚኣ ንሕልናይ ብኸመይ ይጸልዎ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ኣብዚ ጕዳይ እዚ እንታይ መሰረታዊ ስርዓታት ኪዓዪ ኸም ዚኽእል እስከ ንርአ።

18, 19. (ሀ) እቲ ኣብ ፊልጲ 4:8 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት: እቲ እንጥቀመሉ መዘናግዒ ጥዑይ እንተ ዀይኑ ንኽንውስን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጽቡቕ መዘናግዒ ንኽትመርጽ ኪሕግዘካ ዚኽእል ካልእ መሰረታዊ ስርዓታት እንታይ እዩ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

18 ኣብ ፊልጲ 4:8 ኸምዚ ዚስዕብ ዚብል ሓደ ኣገዳሲ መሰረታዊ ስርዓት ክንረክብ ንኽእል ኢና:- “ሓቂ ዘበለ: ርዝነት ዘለዎ ዘበለ: ቅኑዕ ዘበለ: ንጹህ ዘበለ: ተፈታዊ ዘበለ: ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ: ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ: ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ: ብእኡ ሕሰቡ።” ልክዕ እዩ: ጳውሎስ ብዛዕባ መዘናግዒ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ነገራት ኬተኵር ዘለዎ ሓሳባት ልብና እዩ ዚገልጽ ነይሩ። (መዝሙር 19:14) ኰይኑ ግን: እቲ ኣብቲ ቓላቱ ዘሎ መሰረታዊ ስርዓት ንመዘናግዒ ኣብ ዚምልከት ጕዳይ እውን ክንዓየሉ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧

19 ‘ዝመርጾ ፊልምታት: ጸወታታት ቪድዮ: ሙዚቃ: ወይ ካልእ ዓይነት መዘናግዒ ንኣእምሮይ ብ“ንጹህ ዘበለ” ድዩ ዚመልኦ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ንኣብነት: ሓንቲ ፊልም ምስ ረኣኻ: ኣብ ኣእምሮኻ እንታይ እዩ ዚሓድገልካ፧ ባህ ዜብልን ንጹህን መንፈስ ዜሕድስን እንተ ዀይኑ: መዘናግዒኻ ጥዑይ ምንባሩ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ። ይኹን እምበር: እታ ዝረኣኻያ ፊልም ብዛዕባ ዘይንጹህ ነገራት ከም እትሓስብ እንተ ገይራትካ: መዘናግዒኻ ዘይጥዑይ: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ጐዳኢ እዩ ነይሩ ማለት እዩ። (ማቴዎስ 12:33፣ ማርቆስ 7:20-23) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ እቲ ብስነ-ምግባር ዘይንጹህ ነገራት ምሕሳብ: ንውሽጣዊ ሰላምካ ይዘርጎ: ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኻ የቝስሎ: ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ድማ ኬበላሽዎ ይኽእል። (ኤፌሶን 5:5፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:5, 19) ከምዚ ዝኣመሰለ መዘናግዒ ጕድኣት ስለ ዜምጽኣልካ: ንኸተርሕቖ ቘራጽነት ግበር። * (ሮሜ 12:2) ከምቲ ናብ የሆዋ: “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢሉ ዝጸለየ ጸሓፍ መዝሙር ኩን።—መዝሙር 119:37

ጥቕሚ ኻልኦት ድለ

20, 21. ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:23, 24 ዘሎ ሓሳባት: ጥዑይ መዘናግዒ ምስ ምምራጽ ብኸመይ ይተኣሳሰር፧

20 ጳውሎስ ኣብ ብሕታዊ ጕዳይ ውሳነታት ክንገብር ከለና ኣብ ግምት ከነእትዎ ዚግባእ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣገዳሲ መሰረታዊ ስርዓት ጠቒሱ ኣሎ። ከምዚ በለ:- “ኵሉ ተፈቒዱለይ: ኵሉ ግን ኣይጠቅምን እዩ: ኵሉ ተፈቒዱለይ: ኵሉ ግና ኣይሀንጽን እዩ። ነፍሲ ወከፍ ንጥቕሚ ብጻዩ ደኣ እምበር: ሓደ እኳ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።” (1 ቈረንቶስ 10:23, 24) እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ: ጥዑይ መዘናግዒ ምስ ምምራጽ ብኸመይ ይተሓሓዝ፧ ‘እቲ ዝመርጾ መዘናግዒ ንኻልኦት ብኸመይ ይጸልዎም፧’ ኢልካ ንርእስኻ ኽትሓትት ኣሎካ።

21 ሕልናኻ ንሓደ ‘እተፈቕደልካ’ ወይ ቅቡል ጌርካ እትርእዮ ዓይነት መዘናግዒ ኽትጥቀም ይፈቕደልካ ይኸውን። እንተዀነ ግን: ዝያዳ ቐያዲ ሕልና ዘለዎም ካልኦት ኣመንቲ ዜተሓታትት ገይሮም ከም ዚርእይዎ እንተ ኣስተብሂልካ: ንምሕዳጉ ኽትውስን ትኽእል ኢኻ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ: ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትካ ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣማንነት ንኺሕልዉ ኣጸጋሚ ኸም ዚዀኖም ብምግባር: ‘ንኣሕዋትካ ኽትብድሎም’ ወይ እውን ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ ‘ንክርስቶስ ክትብድሎ’ ኣይትደልን ኢኻ። ነቲ “መዓንቀፊ ኣይትኹኑ” ዚብል ምዕዶ ኣብ ልብኻ ተሕድሮ ኢኻ። (1 ቈረንቶስ 8:12፣ 10:32) ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብቲ ‘እተፈቕደሎም’ ግን ከኣ ‘ዘይሃንጽ’ መዘናግዒ ብምርሓቕ: ነቲ ጳውሎስ ብሓልዮትን ብምስትውዓልን ዝሃቦ ምኽሪ ይስዕቡ እዮም።—ሮሜ 14:1፣ 15:1

22. ክርስትያናት ኣብ ብሕታዊ ጕዳያት ንእተፈላለየ ኣረኣእያታት ቦታ ዚሓድጉ ስለምንታይ እዮም፧

22 ጥቕሚ ኻልእ ምድላይ ኪበሃል ከሎ ግን: ብኻልእ ሸነኽ እውን ኪርአ ይከኣል እዩ። እቲ ዝያዳ ቐያዲ ሕልና ዘለዎ ክርስትያን: ኵሎም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ምስቲ ንሱ ብዛዕባ ግቡእ መዘናግዒ ዘለዎ ዝጸበበ ኣረኣእያ ግድን ኪሰማምዑ ኣለዎም ኪብል የብሉን። ከምኡ እንተ ገይሩ: ከምቲ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ጐደና ዚጐዓዝ እሞ ዅሎም ካልኦት መራሕቲ ማኪና በታ ንሱ ዚደልያ ፍጥነት ኪጐዓዙ ኣለዎም ዚብል መራሕ ማኪና እዩ ዚኸውን። ከምዚ ዓይነት ሕቶ ርትዓዊ ኣይኰነን። ሓደ ዝያዳ ቐያዲ ሕልና ዘለዎ ሰብ ካብ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ተበጊሱ: ነቶም ብዛዕባ መዘናግዒ ኣብ ውሽጢ ቐይድታት ክርስትያናዊ ስርዓታት ኰይኖም ካብ ናቱ እተፈልየ ምርጫ ዘለዎም ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቱ ኣረኣእያኦም ኬኽብረሎም ኣለዎ። በዚ ኸምዚ ‘ርትዓውነቱ ኣብ ኵሉ ሰብ ከም ዚፍለጥ’ ይገብር።—ፊልጲ 4:5 NWመክብብ 7:16

23. ጥዑይ መዘናግዒ ኸም እትመርጽ ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል፧

23 ብሓጺሩ: ጥዑይ መዘናግዒ ኸም እትመርጽ ብኸመይ ከተረጋግጽ ትኽእል፧ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብግልጺ እተዀነነ ብልሹው ዘይስነ-ምግባራዊ ንጥፈታት ብንጹር ዜርኢ ዝዀነ ይኹን ዓይነት መዘናግዒ ኣርሕቕ። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ፈሊኻ ዘይተጠቕሰ ዓይነት መዘናግዒ ብዚምልከት: ምስኡ ዚተኣሳሰር መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ስዓብ። ንሕልናኻ ዜቝስል መዘናግዒ ኣርሕቕ፣ ንኻልኦት ሰባት: ምናዳ ከኣ ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ኺጐድእ ዚኽእል ዓይነት መዘናግዒ እውን ክትሓድጎ ፍቓደኛ ኹን። ከምዚ ንምግባር እትገብሮ ጽኑዕ ውሳነ ንኣምላኽ ክብሪ ዜምጽእ: ንዓኻን ንስድራ ቤትካን ድማ ንርእስኹም ብፍቕሩ ንኽትሕልውዋ ዜኽእለኩም ይኹን።

^ ሕ.ጽ. 19 ንመዘናግዒ ዚምልከት ተወሳኺ መሰረታዊ ስርዓታት: ኣብ ምሳሌ 3:31፣ 13:20፣ ኤፌሶን 5:3, 4፣ ቈሎሴ 3:5, 8, 20 ኪርከብ ይከኣል።