ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 8

ኣምላኽ ንጹሃት ሰባት ይፈቱ

ኣምላኽ ንጹሃት ሰባት ይፈቱ

“ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ . . . ኢኻ።”—መዝሙር 18:26

1-3. (ሀ) ሓንቲ ኣደ: ወዳ ጽሩይን ጽፉፍን ኪዀነላ እትደሊ ስለምንታይ እያ፧ (ለ) የሆዋ ንኣምለኽቱ ንጹሃት ኪዀኑ ዚደልዮም ስለምንታይ እዩ፧ ንጹሃት ክንከውን ድሌት ንኸነሕድር ዚድርኸናኸ እንታይ እዩ፧

ሓንቲ ኣደ ንንእሽቶ ወዳ ናብ ደገ ሒዛቶ ኽትወጽእ ከተዳልዎ ኸላ ነብሱ ተሓጺቡ ጽሩይን ጽፉፍን ክዳን ከም ዚኽደን እያ እትገብር። ንጽህና ንጥዕናኡ ኣገዳሲ ምዃኑ ትፈልጥ እያ። ትርኢት ወዳ ንወለዱ ናእዳ ወይ ወቐሳ ኸም ዜምጽእ እውን ኣይትስሕቶን እያ።

2 እቲ ሰማያዊ ኣቦና ዝዀነ የሆዋ ንኣገልገልቱ ንጹሃት ኪዀኑ እዩ ዚደልዮም። ቃሉ: “ምስቲ ንጹህሲ ንጹህ . . . ኢኻ” ይብል። * (መዝሙር 18:26) የሆዋ የፍቅረና እዩ: ንጹሃት ምዃንና ንጥቕምና ምዃኑ ይፈልጥ እዩ። መሰኻኽሩ ስለ ዝዀንና ድማ: ንዕኡ ናእዳ ኸነምጽኣሉ ይጽበየና እዩ። እወ: ንጹህ ትርኢትናን ሰናይ ኣካይዳናን ንየሆዋን ነቲ ቕዱስ ስሙን ወቐሳ ዘይኰነስ: ክብሪ እዩ ዜምጽኣሉ።—ህዝቅኤል 36:22፣ 1 ጴጥሮስ 2:12

3 ኣምላኽ ንጹሃት ሰባት ከም ዚፈቱ ምፍላጥና: ንጹሃት ንኽንከውን ይድርኸና። ንዕኡ ስለ እነፍቅሮ: ኣነባብራና ኽብሪ ኼምጽኣሉ ኢና እንደሊ። ኣብ ፍቕሩ ኽንጸንዕ እውን ንደሊ ኢና። ስለዚ: ስለምንታይ ንጹሃት ክንከውን ከም ዜድልየና: ንጹህ ምዃን እንታይ ከም ዜጠቓልል: ከምኡውን ብኸመይ ንጹሃት ክንከውን ከም እንኽእል እስከ ንመርምር። ከምኡ ምግባርና: ከነመሓይሾ ዚግባእ መዳያት እንተ ኣልዩ ንኽንፈልጥ ኪሕግዘና ይኽእል።

ንጹሃት ክንከውን ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

4, 5. (ሀ) ንጹሃት ክንከውን ዘድለየሉ ቐንዲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ (ለ) ንጽህና የሆዋ ኣብ ዚርአ ፍጥረታቱ ግሁድ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

4 ሓደ ኻብቲ የሆዋ ንዓና ዚመርሓሉ መገዲ: ብኣብነት እዩ። ቃሉ “ሰዓብቲ ኣምላኽ ኩኑ” ኢሉ ይምሕጸነና። (ኤፌሶን 5:1) ንጹሃት ክንከውን ዘድለየሉ ቐንዲ ምኽንያት: እቲ እነምልኾ የሆዋ ኣምላኽ ብዅሉ መዳይ ንጹህ: ጽሩይ: ከምኡውን ቅዱስ ስለ ዝዀነ እዩ።—ዘሌዋውያን 11:44, 45

5 ንጽህና የሆዋ ኸም ካልእ ሓያሎ ባህርያቱን መገድታቱን ኣብ ዚርአ ፍጥረታቱ ብግህዶ ይርአ እዩ። (ሮሜ 1:20) ምድሪ ንጽህቲ መንበሪት ደቂ ሰብ ክትከውን እያ ተዳልያ። የሆዋ ንኣየርናን ማይናን ዜንጽህ ኢኮሎጅያዊ ዑደት ኣዳልዩ እዩ። ገሊኦም ብማይክሮስኮፕ ጥራይ ዚረኣዩ ደቀቕቲ ነፍሳት ከም ኣጽረይቲ ዀይኖም ብምዕያይ: ንጐሓፍ ናብ ዘይጐድእ ነገራት ይቕይርዎ። ሊቃውንቲ ስነ-ፍልጠት ንገለ ኻብዞም ዝጠመዩ ነፍሳት እዚኣቶም ነቲ ኣብ ባሕሪ ዚፈስስ ነዳዲ ዘይትን ካልእ ብስሱዓት ሰባት ዚግበር ብከላን ንኼጽርዩ ተጠቒሞምሎም እዮም። ንጽህና ‘ነቲ ፈጣሪ ምድሪ’ ኸም ዜገድሶ ርኡይ እዩ። (ኤርምያስ 10:12) ንዓና እውን ኬገድሰና ኣለዎ።

6, 7. እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ኣብ ሕጊ ሙሴ ዝጐልሐ ብኸመይ እዩ፧

6 ንጹሃት ክንከውን ዜድለየሉ ኻልእ ምኽንያት: እቲ ልዑላዊ ገዛኢና የሆዋ ኻብ ኣምለኽቱ ንጽህና ስለ ዚጽበ እዩ። ኣብቲ የሆዋ ንእስራኤላውያን ዝሃቦም ሕጊ: ንጽህናን ኣምልኾን ዘይነጻጸል ነበረ። ኣብ መዓልቲ ዕርቂ: እቲ ሊቀ ኻህናት ሓንሳእ ዘይኰነስ: ክልተ ሳዕ ነብሱ ብማይ ኪሕጸብ ከም ዝነበሮ እቲ ሕጊ ፈልዩ ጠቒሱ ኣሎ። (ዘሌዋውያን 16:4, 23, 24) ኣብ ኣገልግሎት እተጸምዱ ኻህናት ንየሆዋ መስዋእትታት ቅድሚ ምቕራቦም ኣእዳዎምን ኣእጋሮምን ኪሕጸቡ ነበሮም። (ዘጸኣት 30:17-21፣ 2 ዜና መዋእል 4:6) ኣብቲ ሕጊ 70 ዜርክስ ነገራት ተጠቒሱ ኣሎ። ሓደ እስራኤላዊ ርኹስ ኣብ ዚዀነሉ እዋን: ኣብ ኣምልኾ ኺካፈል ኣይክእልን ነበረ፣ ኣብ ገሊኡ ዅነታት እሞ ነዚ እንተ ጥሒሱ ብሞት ይቕጻዕ ነበረ። (ዘሌዋውያን 15:31) ዝዀነ ይኹን ንኺነጽህ ኪስዕቦ ዚግባእ ስርዓት ምስዓብ እንተ ኣብዩ: ዋላ እውን ነብሱ ምሕጻብን ክዳውንቱ ምሕጻብን እንተ ኣብዩ: ‘ካብ ማእከል እታ ማሕበር ኪምንቈስ’ ነበሮ።—ዘሁልቍ 19:17-20

7 ንሕና ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ እኳ እንተ ዘይኰንና: ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎ ኣተሓሳስባ ንኸነስተውዕል ግን ይሕግዘና እዩ። እቶም ንኣምላኽ ዜምልኹ ንጹሃት ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ኣብቲ ሕጊ ጐሊሑ ኸም ዘሎ ንጹር እዩ። የሆዋ ኣይተለወጠን። (ሚልክያስ 3:6) ኣምልኾና “ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን” እንተ ዘይኰይኑ: ኣብኡ ተቐባልነት ኪህልዎ ኣይክእልን እዩ። (ያእቆብ 1:27) ስለዚ: ኣብዚ መዳይ እዚ ንሱ ኻባና እንታይ ከም ዚጸበ ኽንፈልጥ ኣሎና።

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ምዃን ዜጠቓልሎ ነገራት

8. የሆዋ ብምንታይ መዳያት እዩ ንጹሃት ክንከውን ዚጸበየና፧

8 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: ንጹህ ምዃን ዚብልዎ ሓሳብ ካብ ኣካላዊ ንጽህና ንላዕሊ እዩ ዜጠቓልል። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ምዃን: ንዅሉ መዳይ ህይወትና ይትንክፍ። የሆዋ ብኣርባዕተ መሰረታዊ መዳያት: ማለት ብመንፈሳዊ: ብስነ-ምግባራዊ: ብኣእምሮኣዊ: ከምኡውን ብኣካላዊ መዳይ ንጹሃት ክንከውን ይጽበየና። ነፍሲ ወከፍ እዚ እተዘርዘረ እንታይ ከም ዜጠቓልል እስከ ንርአ።

9, 10. ብመንፈሳዊ መዳይ ንጹህ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ናይ ሓቂ ክርስትያናትከ ኻብ ምንታይ እዮም ዚርሕቑ፧

9 መንፈሳዊ ንጽህና። ብመንፈሳዊ መዳይ ንጹህ ምዃን: ብሓጺሩ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስ ናይ ሓሶት ዘይምትሕውዋስ ማለት እዩ። እስራኤላውያን ካብ ባቢሎን ናብ የሩሳሌም ኪምለሱ ኸለዉ: “ካብዚ ውጹ: ርኹስ ከቶ ኣይትተንክዩ: . . . ንጽሁ” ዚብል መንፈስ ዝነፈሶ ምሕጽንታ ይስዕቡ ነበሩ። (ኢሳይያስ 52:11) እስራኤላውያን ናብ ዓዶም ዚምለሱሉ ዝነበሩ ቐንዲ ምኽንያት: ኣምልኾ የሆዋ ናብ ዝነበሮ ንምምላስ እዩ ነይሩ። እቲ ኣምልኾ እቲ ንጹህ ኪኸውን ነበሮ፣ ማለት በቲ ንኣምላኽ ዜሕስር ትምህርትታትን ተግባራትን ልምድታትን ሃይማኖት ባቢሎን ኪጽየቕ ኣይነበሮን።

10 ሎሚ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ብናይ ሓሶት ኣምልኾ ኸይንብከል ክንጥንቀቕ ኣሎና። (1 ቈረንቶስ 10:21) ጽልዋ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ኣስፋሕፊሑ ስለ ዘሎ: ኣብዚ መዳይ እዚ ጥንቁቓት ክንከውን ይግባእ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ዚርከብ እተፈላለየ ልምድታትን ንጥፈታትን ጽምብላትን ምስ ናይ ሓሶት ትምህርትታት እተኣሳሰረ እዩ፣ ንኣብነት: ገሊኡ ኣብ ውሽጥና ዘይትመውት ነገር ኣላ ምስ ዚብል ሓሳብ እተተሓሓዘ እዩ። (መክብብ 9:5, 6, 10) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብቲ ምስ እምነታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዚተሓሓዝ ልምድታት ይርሕቑ እዮም። * ካልኦት ዚገብሩልና ጸቕጢ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ መለክዒታት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ኸም እንለማለም ኪገብረና ኣይንፈቕደሉን ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 5:29

11. ብስነ-ምግባር ንጹህ ምዃን እንታይ የጠቓልል፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ንጹሃት ክንከውን ዜድልየናኸ ስለምንታይ እዩ፧

11 ስነ-ምግባራዊ ንጽህና። ብስነ-ምግባር ንጹህ ምዃን: ካብ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ጾታዊ ርኽሰት ምርሓቕ የጠቓልል። (ኤፌሶን 5:5) ብስነ-ምግባር ንጹህ ምዃንና ኣገዳሲ እዩ። ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ከም እንርእዮ: ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽናዕ: “ካብ ምንዝርና ህደሙ” ዚብል ምሕጽንታ ኽንስዕብ ኣሎና። ዘይንስሑ ኣመንዝራታት: “ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።” (1 ቈረንቶስ 6:9, 10, 18) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ: “ፍንፉናት” እዮም። ብስነ-ምግባር እንተ ዘይነጺሆም ከኣ: “ግዲኦም ኣብቲ . . . ኻልኣይ ሞት እዩ።”—ራእይ 21:8

12, 13. ኣብ መንጎ ሓሳብን ተግባርን እንታይ ምትእስሳር ኣሎ፧ ከመይ ጌርናኸ ኢና ኣእምሮና ንጹህ ክንገብሮ እንኽእል፧

12 ኣእምሮኣዊ ንጽህና። ሓሳብ ናብ ተግባር ይመርሕ። ግጉይ ሓሳባት ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ኪሰፍር እንተ ፈቒድናሉ: ይንዋሕ ይሕጸር ርኹስ ተግባር ምግባርና ኣይተርፍን እዩ። (ማቴዎስ 5:28፣ 15:18-20) ንኣእምሮና ብንጹህ ሓሳባት እንተ መሊእናዮ ግን: ንጹህ ኣካይዳ ንኽንሕሉ ኢና እንድረኽ። (ፊልጲ 4:8) ከመይ ጌርና ኢና ኣእምሮና ንጹህ ክንገብሮ እንኽእል፧ ብቐዳምነት: ንሓሳባትና ኼበላሹ ኻብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ዓይነት መዘናግዒ ኽንርሕቕ የድልየና። * ብተወሳኺ: ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲርና ብምጽናዕ ንኣእምሮና ብንጹህ ሓሳባት ክንመልኦ ኣሎና።—መዝሙር 19:8, 9

13 ኣብ ፍቅሪ ኣምላኽ ንምጽናዕ: ንርእስና ብመንፈሳውን ብስነ-ምግባራውን ብኣእምሮኣውን መዳይ ንጽህቲ ጌርና ኽንሕልዋ ኣገዳሲ እዩ። እዚ መዳያት ንጽህና ኣብ ካልእ ምዕራፋት እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዝያዳ ተገሊጹ እዩ። ሕጂ ነቲ ራብዓይ መዳይ ንመርምር፣ እዚ ኸኣ ኣካላዊ ንጽህና እዩ።

ኣካላዊ ንጽህናና ኽንሕሉ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

14. ኣካላዊ ንጽህና ንብሕቲ ዚምልከት ጕዳይ ጥራይ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

14 ኣካላዊ ንጽህና ንሰብነትናን ከባቢናን ንጹህ ምግባር የጠቓልል። እዚ ዓይነት ንጽህና እዚ ንኻልእ ኬገድሶ ዘይግባእ ብሕታዊ ጕዳይ ድዩ፧ ኣምለኽቲ የሆዋ ኸምኡ ገይሮም ኣይርእይዎን እዮም። ኣቐዲምካ ኸም እተገልጸ: የሆዋ ብኣካላዊ ንጽህናና ዚግደሰሉ ምኽንያት: ንጥቕምና ስለ ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ: ንዕኡ ናእዳ ወይ ወቐሳ ስለ ዜምጽኣሉ እውን እዩ። ብዛዕባ እታ ኣብ መእተዊ እተጠቐምናላ ምሳሌ እሞ ሕሰብ። ወትሩ ረሳሕ ወይ ወዛል ቈልዓ እንተ ርኢኻ: እንታይ ዓይነት ወለዲ ኸም ዘለውዎ ሕቶ የበግሰልካ እዩ። ትርኢትና ወይ ኣነባብራና ኸኣ ኣብቲ ሰማያዊ ኣቦና ወቐሳ ኼምጽኣሉ ወይ ነቲ እንሰብኮ መልእኽቲ ዕንቅፋት ኪኸውን ኣይንደልን ኢና። ቃል ኣምላኽ ከምዚ ይብል:- “ኣገልግሎትና ምእንቲ ኸይጽረፍ: ንሓደ እኳ ብገለ ነገር መዓንቀፊ ከቶ ኣይንህብን ኢና። ብዅሉ ኸም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ነርኢ አሎና።” (2 ቈረንቶስ 6:3, 4) ብኸመይ ደኣ ኢና ኣካላዊ ንጽህናና ኽንሕሉ እንኽእል፧

15, 16. ጽቡቕ ልማድ ጽሬት እንታይ የጠቓልል፧ ክዳውንትናኸ ኸመይ ኪኸውን ኣለዎ፧

15 ጽሬትናን ትርኢትናን። ባህልን መነባብሮን ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዚፈላለ እኳ እንተ ዀነ: ብሓፈሻኡ ግን ኣዘውቲርና ንኽንሕጸብ: ንሕናን ደቅናን ከኣ ጽሩያት ንኽንከውን ዜኽእለና እኹል ሳሙናን ማይን ንረክብ ኢና። ጽቡቕ ልማድ ጽሬት: ቅድሚ ምብላዕና ወይ ቅድሚ ምግቢ ምትንካፍና: ሽቓቕ ድሕሪ ምጥቃምና: ከምኡውን ንቘልዓ ድሕሪ ምሕጻብና ወይ ኣጭርቕቲ ሽንቱ ድሕሪ ምቕያርና ኣእዳውና ብሳሙናን ማይን ምሕጻብ የጠቓልል። ኣእዳውና ብሳሙናን ማይን ምሕጻብና: ካብ ሕማምን ሞትን ኬድሕነና ይኽእል እዩ። ጐዳእቲ ቫይረሳትን ባክተርያን ከይላብዑ ይሕግዝ: ውጽኣት ዜስዕብ ሕማማት ከይንሓምም ድማ ይከላኸለልና። ኣብቲ ረሳሕ ፈሳሲ ዚኸደሉ ትቦታት ዘይብሉ ቦታታት: ከምቲ ጥንታውያን እስራኤላውያን ዚገብርዎ ዝነበሩ: ቀልቀል ኪቕበር ይከኣል ይኸውን።—ዘዳግም 23:12, 13

16 ክዳውንትና እውን ጽሩይን ብቑዕን ኪኸውን እንተ ዀይኑ: ኣዘውቲርካ ኺሕጸብ ኣለዎ። ክዳውንቲ ሓደ ክርስትያን ክቡር ወይ ሓድሽ ቅዲ ኪኸውን ዜድሊ እኳ እንተ ዘይኰነ: ጽሩይን ጽፉፍን ትሕትና ዜንጸባርቕን ግን ኪኸውን ኣለዎ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10) ኣብ ዝሃለና ንሃሉ: ትርኢትና ‘ንትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ዚስልሞ’ ኪኸውን ኢና እንደሊ።—ቲቶስ 2:10

17. ቤትናን ከባቢናን ንጹህን ብቑዕን ኪኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

17 ቤትናን ከባቢናን። ቤትና ብሉጽ ወይ ምሾት ዝበዝሖ ኣይከውንን ይኸውን: ኵነታት ከም ዜፍቅዶ ግን ንጹህን ብቑዕን ኪኸውን ኣለዎ። ናብ ኣኼባታት ወይ ናብ ኣገልግሎት ወፍሪ ንምኻድ ማኪና ንጥቀም እንተ ዄንና: ንማኪናና ውሽጣን ደጊኣን ጽርይቲ ንምግባር ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። ንጹህ ቤትን ከባብን ንባዕሉ ምስክርነት ከም ዚህብ ኣይንረስዕ። ከመይሲ: የሆዋ ንጹህ ኣምላኽ ምዃኑ: ‘ነቶም መጥፋእቲ ምድሪ ኸም ዜጥፍኦም:’ ከምኡውን መንግስቱ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ንምድርና ናብ ገነት ክትቅይራ ምዃና: ንሰባት ንምህሮም ኢና። (ራእይ 11:18፣ ሉቃስ 23:43) እምበኣር: ትርኢት ቤትናን ንብረትናን ሕጂ እውን እንተ ዀነ ምስታ እትመጽእ ሓዳስ ዓለም ዚቃዶ ንጹህ ልማዳት ነማዕብል ከም ዘሎና ዜርኢ ኪኸውን ንደሊ ኢና።

ኣካላዊ ንጽህና ንሰብነትናን ከባቢናን ንጹህ ምግባር የጠቓልል

18. ንኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎና ኣኽብሮት ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

18 ቦታ ኣምልኾና። ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ነቲ ኣብ ከባቢና ማእከል ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝዀነ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣኽብሮት ንኸነርኢ ትድርኸና። ሓደስቲ ናብቲ ኣዳራሽ ምስ መጹ: ብዛዕባ መአከቢና ጽቡቕ ጦብላሕታ ኺሓድሮም ኢና እንደሊ። እቲ ኣዳራሽ መሳጥን ማራኽን ኰይኑ ንኪቕጽል: ብስሩዕ ኪጸርን ኪጽገንን ኣለዎ። ንምክንኻኑ ዚከኣለና ብምግባር ከኣ: ኣኽብሮት ከም ዘሎና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ንቦታ ኣምልኾና ንምጽራይን ‘ንምጽጋንን ንምዕራይን’ ግዜና ምውፋይ: ከም ክብሪ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። (2 ዜና መዋእል 34:10) እዚ ዝጠቐስናዮ መሰረታዊ ስርዓታት: ነቲ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ወይ ኣብ ካልእ መአከቢ ዚግበር ዓበይቲ ኣኼባታት እውን ይምልከቶ እዩ።

ንርእስና ኻብ ዜርክስ ልማዳትን ተግባራትን ምንጻህ

19. ኣካላዊ ንጽህናና ንኽንሕሉ: ካብ ምንታይ ክንርሕቅ ኣሎና፧ ኣብዚ መዳይ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዘናኸ ብኸመይ እዩ፧

19 ኣካላዊ ንጽህናና ንኽንሕሉ: ካብ ከም ትምባኾ ምትካኽን ኣልኮላዊ መስተ ምብዛሕን ወልፊ ዜትሕዝ ወይ ንኣተሓሳስባ ዚቕይር ምስ ሕክምና ዘይተሓሓዝ ነገራት ምውሳድን ዝኣመሰለ ዜርክስ ልማዳትን ተግባራትን ክንርሕቕ ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ እቲ ሎሚ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ርኹስን ዜፈንፍንን ልማዳት ኰነ ተግባራት እኳ እንተ ዘይዘርዘረ: የሆዋ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ዚስምዖ ስምዒት ንኸነስተውዕል ዜኽእለና መሰረታዊ ስርዓታት ግን ሒዙ ኣሎ። የሆዋ ብዛዕባ እዚ ዘለዎ ኣረኣእያ ስለ እንፈልጥ: ንዕኡ ዘላትና ፍቕሪ: ስምረቱ ኽንረክብ ዜኽእለና ስጕምቲ ንኽንወስድ ይድርኸና። ሓሙሽተ ቕዱስ ጽሑፋዊ መሰረታዊ ስርዓታት እስከ ንርአ።

20, 21. የሆዋ ኻብ እንታይ ልማዳት እዩ ሓራ ኽንከውን ዚደልየና፧ ንኽንእዘዝከ እንታይ ዓብዪ ምኽንያት ኣሎና፧

20 “ኣቱም ፍቁራተይ: እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ዚህልወናስ: ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና: ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።” (2 ቈረንቶስ 7:1) የሆዋ ንስጋና ኻብ ዚብክልን ንመንፈስና ወይ ንኣእምሮኣዊ ዝንባለና ኻብ ዚጐድእን ነገራት ሓራ ኽንከውን እዩ ዚደልየና። ስለዚ: ካብቲ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናና ዚጐድእ ወልፊ ዜትሕዝ ልማዳት ንርሕቕ ኢና።

21 መጽሓፍ ቅዱስ ካብቲ ንዓና “ዜርክስ ዘበለ ዅሉ” እንርሕቐሉ ዓብዪ ምኽንያት ሂቡና ኣሎ። ካልኣይ ቈረንቶስ 7:1: “እዚ ተስፋታት እዚ ኻብ ዚህልወናስ” ብዚብል ቃላት ከም እትጅምር ኣስተብህል። እንታይ ተስፋታት እዩ ዘሎና፧ ኣብተን ኣቐዲመን ዘለዋ ቝጽርታት ተሓቢሩ ኸም ዘሎ: የሆዋ: “ኣነውን ክቕበለኩም እየ: . . . ኣቦ ድማ እዀነኩም” ኢሉ ተስፋ ሂቡና ወይ መብጽዓ ኣትዩልና ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 6:17, 18) ሕስብ እሞ ኣብሎ። የሆዋ ኣብ ትሕቲ ዕቝባኡ ኼንብረካን ከምቲ ኣቦ ንውሉዱ ዜፍቅሮ ገይሩ ኼፍቅረካን ተመባጺዑልካ ኣሎ። ይኹን እምበር: የሆዋ ነዚ መብጽዓኡ እዚ ዚፍጽሞ: ካብቲ “ስጋን መንፈስን” ዜርክስ ነገራት እንተ ርሒቕካ ጥራይ እዩ። ስለዚ: ዝዀነ ይኹን ፍንፉን ልማድ ወይ ተግባር ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ምስ የሆዋ ዚህልወካ ኽቡርን ጥብቅን ርክብ ዕንቅፋት ኪዀነካ ምፍቃድሲ ኸመይ ዘበለ ዕሽነት ኰን ምዀነ!

22-25. ካብ ርኹስ ልማዳትን ተግባራትን ክንርሕቕ ዚሕግዘና እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እዩ፧

22 “ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ።” (ማቴዎስ 22:37) እዛ ትእዛዝ እዚኣ ኻብ ኵሉ ዝዓበየት ምዃና: የሱስ ገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 22:38) የሆዋ ኸምዚኣ ዝዓይነታ ፍቕሪ ትግብኦ እያ። ብምሉእ ልብናን ነፍስናን ሓሳብናን ንኸነፍቅሮ: ንህይወትና ኼሕጽር ወይ ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ናይ ምሕሳብ ክእለትና ኼደንዝዝ ካብ ዚኽእል ተግባራት ክንርሕቕ ኣሎና።

23 [የሆዋ] ህይወትን ትንፋስን ኵሉ ነገርን ንዅሉ ዚህብ እዩ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:24, 25) ህይወት ካብ ኣምላኽ እተዋህበትና ውህበት እያ። ንወሃቢና ስለ እነፍቅሮ: ነታ ዝሃበና ውህበት ኣኽብሮት ከነርኢ ንደሊ ኢና። ንጥዕናና ኻብ ዚጐድእ ዝዀነ ይኹን ልማዳት ወይ ተግባራት ንርሕቕ ኢና፣ ከመይሲ: ከምኡ ዝኣመሰለ ልማዳት ነታ ኸም ውህበት እተዋህበትና ህይወት ኣኽብሮት ከም ዚጐድለና ዜርኢ እዩ።—መዝሙር 36:9

24 “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።” (ማቴዎስ 22:39) መብዛሕትኡ ግዜ ርኹስ ልማዳትን ተግባራትን ነቲ ገባሪኡ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቶም ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ እውን ይጐድእ እዩ። ንኣብነት: ምትካኽ ትምባኾ ነቶም ኣብቲ ኸባቢ ዘለዉ ዘየትክኹ ሰባት እውን ይጐድእ እዩ። ኣብ ከባቢኡ ንዘለዉ ዚጐድእ ውልቀ-ሰብ: ነቲ ኣምላኽ ንብጻይና ኸነፍቅር ዝሃበና ትእዛዝ እዩ ዚጥሕስ። ንኣምላኽ አፍቅሮ እየ እንተ ኢሉ እውን ብግብሩ ሓሳዊ ምዃኑ የርኢ ኣሎ።—1 ዮሃንስ 4:20, 21

25 “ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ: ንመራሕቶም ኪእዘዙ።” (ቲቶስ 3:1) ኣብ ሓያሎ ሃገራት: ገሊኡ ዓይነት ድሮጋ ወይ ሓሽሽ ምሓዝ ወይ ምጥቃም ብሕጊ ኽልኩል እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ሓሽሽ ዘይሕጋዊ ብምዃኑ ኣይንሕዞን ወይ ኣይንጥቀመሉን ኢና።—ሮሜ 13:1

26. (ሀ) ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽናዕ እንታይ ክንገብር የድልየና፧ (ለ) ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ምዃን ብሉጽ መገዲ ህይወት ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

26 ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽናዕ: ብሓደ ወይ ብኽልተ መዳያት ጥራይ ዘይኰነስ: ብዅሉ መዳያት እውን ንጹሃት ክንከውን ኣሎና። ዜርክስ ልማዳትን ተግባራትን ምሕዳጉን ካብኡ ምርሓቕን ቀሊል ከይኸውን ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ: ዚከኣል ግን እዩ። * የሆዋ ወትሩ ዚጠቕመና ስለ ዚምህረና: ካብዚ ዚበልጽ መገዲ ህይወት የልቦን። (ኢሳይያስ 48:17) ልዕሊ ዅሉ ድማ: ንጹሃት ብምዃንና ነቲ እነፍቅሮ ኣምላኽ ክብሪ ዜምጽእ ምዃኑ ብምፍላጥና ዚርከብ ዕግበት ንረክብ: በዚ ኸምዚ ድማ ኣብ ፍቕሩ ንጸንዕ።

^ ሕ.ጽ. 2 እታ “ንጹህ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: ንኣካላዊ ንጽህና ጥራይ ዘይኰነስ: ንስነ-ምግባራዊ ወይ መንፈሳዊ ንጽህና እውን ተመልክት።

^ ሕ.ጽ. 10 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኬርሕቕዎ ብዛዕባ ዘለዎም በዓላትን ልምድታትን ዚምልከት ሓሳባት ንምርካብ ኣብ ምዕራፍ 13 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 12 ጥዑይ መዘናግዒ ብኸመይ ከም እትመርጽ ኣብ ምዕራፍ 6 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ተገሊጹ ትረኽቦ ኢኻ።

^ ሕ.ጽ. 26 ነታ ኣብ ገጽ 94 እትርከብ ““ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር እቃለስ ድየ፧” ዘርእስታ ሳጹንን ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ “ ብኣምላኽ ግና ዅሉ ይከኣል እዩ” ዘርእስታ ሳጹንን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 67 ስም ተቐዪሩ እዩ።