ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 11

‘መውስቦ ኽቡር ይኹን’

‘መውስቦ ኽቡር ይኹን’

“በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ።”—ምሳሌ 5:18

1, 2. እንታይ ሕቶ ኢና ኽንምርምር፧ ስለምንታይከ፧

ተመርዒኻ ዲኻ፧ እንተ ተመርዒኻ: ሓዳርካ የሐጕሰካዶ ኣሎ ወይስ ኣብ ሓዳርካ ኸቢድ ጸገም የጋጥመካ ኣሎ፧ ምስ መጻምድትኻ ትረሓሓቑ ዲኹም ዘለኹም፧ ብሓዳርካ ኣብ ክንዲ እትሕጐስ: ትጻወሮ ዲኻ ዘለኻ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ: ነቲ ሓደ ግዜ ኣብ ሓዳርኩም ዝነበረኩም ምዉቕ ፍቕራዊ ማእሰር ምዝሓሉ የሕዝነካ ይኸውን። ክርስትያን ከም ምዃንካ መጠን: መውስቦኻ ነቲ እተፍቅሮ የሆዋ ኣምላኽ ክብሪ ዜምጽኣሉ ኪኸውን ከም እትደልዮ ኣየጠራጥርን እዩ። ስለዚ: እዚ ህሉው ኵነታትካ የተሓሳስበካን የጕህየካን ይኸውን። ይኹን እምበር: ኵነታትካ ተስፋ ዘይብሉ ጌርካ ኣይትደምድም።

2 ኣብ ሓደ እዋን ሓዳሮም እናደልደለ ዘይኰነስ: ንማለቱ ተቛሪኖም ዚነብሩ ዝነበሩ ክርስትያን ሰብ ሓዳር ይርከቡ እዮም። ኰይኑ ግን: ርክቦም ዜደልድሉሉ መገዲ ረኸቡ። ንስኻ እውን ኣብ ሓዳርካ ዝያዳ ዕግበት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ብኸመይ፧

ምስ ኣምላኽካን ምስ መጻምድትኻን ዝያዳ ምቅርራብ

3, 4. ሰብ ሓዳር ንኣምላኽ ዝያዳ ኪቐርብዎ እንተ ጽዒሮም: ንሓድሕዶም ዚቀራረቡ ስለምንታይ እዮም፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

3 ንስኻን መጻምድትኻን ንኣምላኽ ዝያዳ ኽትቀርብዎ እንተ ጽዒርኩም: ንሓድሕድኩም እውን ዝያዳ ኽትቀራረቡ ኢኹም። ስለምንታይ፧ ሓደ ምሳሌ እስከ ንርአ:- ሓደ ኣጕዶ መሰል ከረን እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣል፣ ኣብ እግሩ ሰፊሕ ኪኸውን ከሎ: ኣብ ርእሱ ግን ጸቢብ እዩ። ሰብኣይ ኣብ እግሪ ሰሜናዊ ሸነኽ እቲ ኸረን ደው ኪብል ከሎ: ሰበይቲ ኸኣ በቲ ኻልእ ሸነኽ: ማለት ብደቡባዊ ሸነኽ እግሪ እቲ ኸረን ደው ኢላ ኣላ ንበል። ክልቲኦም ናብ ርእሲ እቲ ኸረን ኪድይቡ ጀመሩ። ክልቲኦም ኣብ ጥቓ እግሪ እቲ ኸረን ኣብ ዝነበሩሉ እዋን: ብነዊሕ ርሕቐት እዮም ዚፈላለዩ። ኰይኑ ግን: ናብ ጫፍ እቲ ኸረን ንምብጻሕ ናብ ላዕሊ እናደየቡ ምስ ከዱ: ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርሕቐት እናነከየ እዩ ዚኸይድ። ነዚ ኣብዛ ምሳሌ ዚርከብ ዜጸናንዕ ትምህርቲ ተረዲእካዮዶ፧

4 ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ ንኸተገልግሎ እትገብሮ ጻዕሪ: ናብ ከረን ምስ ምድያብ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ንየሆዋ ስለ እተፍቅሮ: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ናብቲ ኸረን ንኽትድይብ ትቃለስ ኢኻ ዘለኻ። ይኹን እምበር: ንስኻን መጻምድትኻን ተረሓሒቕኩም እንተ ኣሊኹም: ብኽልተ እተፈላለየ ሸነኽ እቲ ኸረን ትድይቡ ኣለኹም ማለት እዩ። ናብ ላዕሊ እናደየብኩም ምስ ከድኩም ግን እንታይ እዩ ዜጋጥመኩም፧ ልክዕ እዩ: ኣብ ፈለማ ኣብ መንጎኹም ዘሎ ስፍሕ ዝበለ ርሕቐት ይፈላልየኩም ይኸውን። ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ንኽትቀርብዎ ዝያዳ ጻዕሪ ብዝገበርኩም መጠን: ብኻልእ ኣበሃህላ ናብ ላዕሊ ብዝደየብኩም መጠን: ንስኻን መጻምድትኻን ትቀራረቡ ኢኹም ዘለኹም። እወ: ምስ ኣምላኽ ዝያዳ ምቅርራብ: ምስ መጻምድትኻ ዝያዳ ንኽትቀራረብ ዚሕግዝ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ። ከመይ ጌርካ ኢኻ ግን ነዚ ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ እትኽእል፧

ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተዓዪዩሉ፡ ሓዳር ናይ ምድልዳል ሓይሊ ኣለዎ

5. (ሀ) ንየሆዋን ንመጻምድትኻን ዝያዳ ኽትቀርበሉ እትኽእል ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንመውስቦ ብኸመይ ይርእዮ፧

5 ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ሓደ ኻብቲ ናብ ከረን እንድይበሉ ኣገዳሲ መገዲ: ንስኻን መጻምድትኻን ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ብዛዕባ መውስቦ እተዋህበ ምኽሪ ምስዓብ እዩ። (መዝሙር 25:4፣ ኢሳይያስ 48:17, 18) እምበኣር: ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሃቦ ሓደ ምኽሪ እስከ ንርአ። “መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር . . . ይኹን” በለ። (እብራውያን 13:4) እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ እታ “ኽቡር” እትብል ቃል ክብ ኣቢልካ ወይ ኣኽቢርካ ኺርአ ኸም ዘለዎ ተመልክት። የሆዋ ንመውስቦ ዘለዎ ኣረኣእያ እውን ከምኡ እዩ፣ ክብ ኣቢሉ እዩ ዚርእዮ።

ንየሆዋ ዘላትካ ኻብ ልቢ ዝመነጨት ፍቕሪ ትደርኽካ

6. እቲ ኣብ ከባቢ እቲ ጳውሎስ ብዛዕባ መውስቦ ዝሃቦ ምኽሪ ዘሎ ሓሳባት እንታይ እዩ ዚሕብር፧ ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ምሓዝ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

6 ልክዕ እዩ: ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ምዃንካ መጠን: ንስኻን መጻምድትኻን መውስቦ ኽቡርን ቅዱስን ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም። የሆዋ ባዕሉ እዩ ንስርዓት መውስቦ ዝሰርዖ። (ማቴዎስ 19:4-6) ይኹን እምበር: ሕጂ ኣብ ሓዳርኩም ጸገም የጋጥመኩም እንተ ኣልዩ: መውስቦ ኽቡር ምዃኑ ምፍላጥኩም ጥራይ ኣብ መንጎኹም ፍቕርን ኣኽብሮትን ንኺሰፍን እኹል ኣይከውንን እዩ። እንታይ ደኣ እሞ ኽትገብሩ ኼድልየኩም እዩ፧ ክብሪ ብዛዕባ ምሃብ ጳውሎስ ከመይ ገይሩ ተጠንቂቑ ኸም እተዛረበ ኣስተብህል። ‘መውስቦ ኽቡር እዩ’ ኣይኰነን ኢሉ፣ የግዳስ: ‘መውስቦ ኽቡር ይኹን’ እዩ ኢሉ። ርእይቶኡ ዘይኰነስ: ለበዋ እዩ ዚህብ ነይሩ። * ነዚ ኣብ ኣእምሮኻ ምሓዝካ ንመጻምድትኻ ንኸተኽብር ተወሳኺ ድራኸ ኽትረክብ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ከምኡ ኪኸውን ዚኽእል ግን ስለምንታይ እዩ፧

7. (ሀ) እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዝ ኢና እንፍጽም፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ካብ ተኣዛዝነት እንታይ ጽቡቕ ፍረ ይርከብ፧

7 ደቀ መዛሙርቲ ንምግባር እተዋህበና መዝነት: ንኣምልኾ ብሓባር ክንእከብ እተዋህበና ማዕዳ: ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ቕዱስ ጽሑፋዊ ትእዛዛት ብኸመይ ከም እትርእዮ እሞ ሓንሳእ ሕስብ ኣብል። (ማቴዎስ 28:19፣ እብራውያን 10:24, 25) ነዚ ትእዛዛት እዚ ምፍጻሙ ሓድሓደ ግዜ በዳሂ ኪኸውን ከም ዚኽእል ዚከሓድ ኣይኰነን። እቶም እትሰብከሎም ሰባት ኣይቅበሉኻን ይዀኑ: ወይ እቲ እትሰርሖ ዓለማዊ ስራሕ ኣዝዩ ስለ ዜድክመካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ ቃልሲ ይዀነካ ይኸውን። ይኹን እምበር: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ኰነ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምእካብ ኣይተቋርጽን ኢኻ። ዋላ ሓደ ኺዓግተካ ኣይክእልን እዩ፣ ሰይጣን እውን እንተ ዀነ ኣይሰልጦን እዩ! ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንየሆዋ ዘላትካ ኻብ ልቢ ዝነቐለት ፍቕሪ: ትእዛዛቱ ንኽትሕሉ ትድርኸካ እያ። (1 ዮሃንስ 5:3) እዚኸ እንታይ ጽቡቕ ፍረ የፍሪ፧ ኣብ ዕዮ ስብከት ብምክፋልካን ኣብ ኣኼባታት ብምእካብካን ፍቓድ ኣምላኽ ትገብር ከም ዘለኻ ስለ እትፈልጥ: ውሽጣዊ ሰላምን ልባዊ ሓጐስን ይህበካ። እዚ ስምዒታት እዚ ድማ ብግዲኡ ሓይሊ ይህበካ። (ነህምያ 8:10) ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ትረክብ፧

8, 9. (ሀ) ንመውስቦ ኽቡር ክንገብር እተዋህበና ለበዋ ንኽንሕሉ እንታይ ኪድርኸና ይኽእል፧ (ለ) እንታይ ክልተ ነጥብታት ክንርኢ ኢና፧

8 ከምቲ ንኣምላኽ ዘላትካ ዓማቝ ፍቕሪ: ዜጋጥመካ ዕንቅፋት ብዘየገድስ ንኽትሰብኽን ኣብ ኣኼባ ንኽትእከብን እተዋህበካ ትእዛዛት ንኽትሕሉ እትድርኸካ: እዛ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ እውን: ነቲ ‘መውስቦኻ ኽቡር ይኹን’ ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ ለበዋ ኣጸጋሚ ኣብ ዚመስለሉ እዋን እኳ እንተ ዀነ ንኽትሕልዎ ኽትድርኸካ ትኽእል እያ። (እብራውያን 13:4፣ መዝሙር 18:29፣ መክብብ 5:4) ብተወሳኺ: ከምቲ ኣብ ስብከትን ኣብ ኣኼባን ንኽትካፈል እትገብሮ ጻዕርታት ካብ ኣምላኽ ብዙሕ በረኸት ዜምጽኣልካ: ነቲ ንመውስቦኻ ኸተኽብር እትገብሮ ጻዕርታት እውን የሆዋ ይርእዮን ይባርኾን እዩ።—1 ተሰሎንቄ 1:3፣ እብራውያን 6:10

9 ብኸመይ ደኣ ኢኻ እሞ ንመውስቦኻ ኽቡር ክትገብሮ እትኽእል፧ ንስርዓት መውስቦ ኻብ ዚጐድእ ጠባያት ክትርሕቕ ኣሎካ። ኣብ ልዕሊኡ: ንማእሰር መውስቦ ዜደልድል ስጕምትታት ክትወስድ ኣሎካ።

ንመውስቦ ዜሕስር ዘረባን ኣኻይዳን ኣርሕቕ

10, 11. (ሀ) እንታይ ተግባር እዩ ንመውስቦ ዜሕስር፧ (ለ) ንመጻምድትኻ እንታይ ሕቶ ኽትሓታ ይግባእ፧

10 ኣብ ሓደ እዋን ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ: “ተጸሚመ ንኸሕልፎ የሆዋ ብርታዐ ኺህበኒ እጽሊ እየ” በለት። እንታይ እያ ተጸሚማ እተሕልፍ፧ ባዕላ ኸምዚ ብምባል ትገልጾ:- “ሰብኣየይ ብቓላቱ ይሃስየኒ እዩ። ዚርአ ስንብራት ኣይህልወንን ይኸውን: ‘ጾር ኢኺ!’ ‘ኣይትረብሕን ኢኺ!’ ከምኡውን ካልእ ከምዚ ዝኣመሰለ ወግሐ ጸብሐ ዚዛረበኒ ዜቝስል ቃላቱ ግን ንልበይ ኣቝሲልዎ እዩ።” እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣዝዩ ዜተሓሳስብ ነገር እያ ኣበጊሳ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ውሽጢ መውስቦ ዚዝረብ ሃሳዪ ዘረባ እዩ።

11 ክርስትያን ሰብ ሓዳር ብዜውስእዎ ሕማቕ ቃላት ብቐሊሉ ዘይሃስስ ስምዒታዊ በሰላ ኼስዕቡ ኸለዉ ኽሳዕ ክንደይ ኰን ዜጕሂ እዩ! ጐዳኢ ዘረባ ዝመልኦ መውስቦ ኽቡር ዘይምዃኑ ንጹር እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ ሓዳርካ ኸመይ እዩ፧ ሓደ ኻብቲ ነዚ ኽትፈልጠሉ እትኽእል መገዲ ንመጻምድትኻ: “ብዛዕባ ቓላተይ ከመይ ይስምዓኪ፧” ኢልካ ምሕታት እዩ። እትዛረቦ ቓላት ብተደጋጋሚ ስምዒታዊ በሰላ ኸም ዜስዕበላ እንተ ተሰሚዕዋ: ነቲ ዅነታት ንኸተመሓይሾ ፍቓደኛ ኽትከውን ኣሎካ።—ገላትያ 5:15፣ ኤፌሶን 4:31

12. ሓደ ሰብ ዜቕርቦ ኣምልኾ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከንቱ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

12 ንልሳንካ ኣብ ሓዳርካ እትጥቀመላ መገዲ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ከም ዚጸልዎ ኣይትረስዕ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ሓደ እኳ: ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር: ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ: ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ: ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ” ይብል። (ያእቆብ 1:26) ዘረባኻ ኻብ ኣምልኾኻ ኺፍለ ኣይክእልን እዩ። ሓደ ሰብ ‘ንኣምላኽ አገልግል እየ’ ኽሳዕ ዝበለ: ኣብ ቤቱ ዚገብሮ ዝዀነ ይኹን ነገር ብዙሕ ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ዚድግፍ ሓሳብ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከቶ ኣይርከብን እዩ። በጃኻ ንርእስኻ ኣይተታልል። እዚ ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ጕዳይ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:7) ኣብቲ ንኣምላኽ እተቕርቦ ኣምልኾ ኽእለትን ቅንኣትን እኳ እንተ ኣሎካ: ኰነ ኢልካ ንመጻምድትኻ ብሃሳዪ ቓላት እንተ ጐዲእካ: ንስርዓት መውስቦ ዜሕስር ነገር ትገብር: ኣምላኽ ድማ ንኣምልኾኻ ኸንቱ ገይሩ ይርእዮ።

13. መጻምድቲ ብኸመይ ስምዒታዊ ስቓይ ኬምጽኡ ይኽእሉ፧

13 ሰብ ሓዳር ብተዘዋዋሪ ስምዒታዊ ስቓይ ምእንቲ ኸየስዕቡ ኺጥንቀቑ ኣለዎም። ክልተ ኣብነታት እስከ ንርአ:- ሓንቲ ንጽል ኣደ ኻብ ሓደ ኣብ ጉባኤኣ ዚርከብ ምርዑው ክርስትያን ሰብኣይ ምኽሪ ደልያ ብተደጋጋሚ ትድውለሉ: ንንውሕ ዝበለ ግዜ ድማ ይዘራረቡ፣ ሓደ ንጽል ክርስትያን ሓው ኣብ ሰሰሙን ምስ ሓንቲ ምርዕውቲ ክርስትያን ሓብቲ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ግዜ የሕልፍ። እቶም ኣብዚ ኣብነታት እተጠቕሱ ምርዑዋት ውልቀ-ሰባት ሕማቕ ሓሳብ ኣይህልዎምን ይኸውን፣ ኰይኑ ግን: እቲ ኣኻይዳኦም ነቶም መጻምድቶም ብኸመይ ይጸልዎም፧ ሓንቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ዘጋጠማ ሰበይቲ: “ሰብኣየይ ንሓንቲ ኣብ ጉባኤና ዘላ ኻልእ ሓብቲ ኣዝዩ ብዙሕ ግዜን ቈላሕታን ከም ዚህባ ምርኣየይ ጐዲኡኒ እዩ። ናይ ትሑትነት ስምዒት ኣሕዲሩለይ” በለት።

14. (ሀ) ኣብ ዘፍጥረት 2:24 እንታይ ኣብ ሓዳር ዘሎ ግዴታ እዩ ጐሊሑ ዘሎ፧ (ለ) ንርእስና እንታይ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና፧

14 ነዞም ኣብ ላዕሊ እተጠቕሱ ኣብነታት መጻምድቶም ዝዀኑ ሰባትን ካልኦት ተመሳሳሊ ዅነታት ዘጋጠሞም ሰብ ሓዳርን እንተ ተጐድኡ ዜገርም ኣይኰነን። እቶም መጻምድቶም ነቲ ኣምላኽ ንመውስቦ ብዚምልከት ዝሃቦ: “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ: ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ” ዚብል መሰረታዊ መምርሒ ዕሽሽ ኢሎምዎ እዮም። (ዘፍጥረት 2:24) ልክዕ እዩ: ምርዑዋት ንወለዶም የኽብሩ እዮም፣ ይኹን እምበር: እቲ ቐንዲ ግዴታኦም ንመጻምድቶም ኪኸውን ከም ዚግባእ ኣምላኽ ዝሰርዖ ስርዓት እዩ። ብተመሳሳሊ: ክርስትያናት ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኣመና የፍቅርዎም እዮም፣ ኰይኑ ግን: ብቐዳምነት ሓላፍነቶም ንመጻምድቶም እዩ ኪኸውን ዘለዎ። እምበኣር: ምርዑዋት ክርስትያናት ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም: ብሕልፊ ኸኣ ምስ ኣንጻር ጾታ መጠኑ ዝሓለፈ ግዜ ኼሕልፉ ኸለዉ ወይ ኣመና ኺቀራረቡ ኸለዉ: ኣብ ሓዳሮም ውጥረት እዮም ዚፈጥሩ። ኣብ ሓዳርካ ውጥረት ዚፈጥር ዘሎ እዚ ምኽንያት እዚ ድዩ፧ እምበኣር: ‘ንመጻምድተይ ግቡእ ግዜን ቈላሕታን ፍቕርን እህብ ድየ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።

15. ብመሰረት ማቴዎስ 5:28: ምርዑዋት ክርስትያናት ንኣንጻር ጾታ ዘይግቡእ ቈላሕታ ኺገብሩ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

15 ብተወሳኺ: እቶም መጻምድቶም ንዘይኰኑ ኣንጻር ጾታኦም መጠኑ ዝሓለፈ ቘላሕታ ዚህቡ ምርዑዋት ክርስትያናት: ኣብ ሓደገኛ መገዲ እዮም ዚጐዓዙ ዘለዉ። እቲ ዜሕዝን ከኣ ገሊኦም ክርስትያናት ምስቶም እምብዛ እተቐራረብዎም ኣንጻር ጾታኦም ፍቕሪ ሒዝዎም እዩ። (ማቴዎስ 5:28) እዚ ስምዒታዊ ምትእስሳር እዚ ድማ ብግዲኡ ንመውስቦ ዜሕስር ተግባር ናብ ምፍጻም መርሖም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ እንታይ ከም ዝበለ እሞ ኣስተብህል።

“እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን”

16. ጳውሎስ ብዛዕባ መውስቦ እንታይ ትእዛዝ እዩ ዝሃበ፧

16 ጳውሎስ ‘መውስቦ ኽቡር ይኹን’ ኢሉ ኺላቦ ኸሎ: ምስኡ ኣተሓሒዙ: “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ: . . . እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን” በለ። (እብራውያን 13:4) ጳውሎስ ንጾታዊ ርክብ ንምምልካት “መደቀስ ኣሚን” ዚብል ቃል ተጠቒሙ ኣሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ርክብ “ዘይረኸሰ” ወይ ብስነ-ምግባር ንጹህ ኪኸውን ዚኽእል: ኣብ ውሽጢ መውስቦ ጥራይ እንተ ተገይሩ እዩ። ስለዚ: ክርስትያናት ነቲ “በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ” ዚብል መንፈስ ዝነፈሶ ቓላት ይስዕብዎ እዮም።—ምሳሌ 5:18

17. (ሀ) ክርስትያናት በቲ ዓለም ብዛዕባ ዝሙት ዘለዋ ኣረኣእያ ኺጽለዉ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ነቲ እዮብ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ ክንስዕቦ ንኽእል፧

17 እቶም ካብ መውስቦኦም ወጻኢ ጾታዊ ርክብ ዚገብሩ ሰባት: ንስነ-ምግባራዊ ሕግታት ኣምላኽ ኣኽብሮት ከም ዘይብሎም እዮም ዜርእዩ። ሓቂ እዩ: ሎሚ ብዙሓት ንዝሙት ከም ንቡር ገይሮም ይርእይዎ እዮም። ኰይኑ ግን: ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ዝሙት ዚሓስብዎ ብዘየገድስ: እዚ ንክርስትያናት ኪጸልዎም የብሉን። ኣብ መወዳእታ ‘ነመንዝራታትን ንዘመውትን ዚፈርድ ኣምላኽ’ ደኣ እምበር ሰብ ዘይምዃኑ ኺፈልጡ ኣለዎም። (እብራውያን 10:31፣ 12:29) ስለዚ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣረኣእያ የሆዋ እዮም ዚስዕቡ። (ሮሜ 12:9) እቲ ኣበው ዝነበረ እዮብ: “ምስ ኣዒንተይ ኪዳን ተአታቶኹ” ኸም ዝበለ ዘክር። (እዮብ 31:1) እወ: ናይ ሓቂ ክርስትያን ናብ ዝሙት ካብ እትመርሕ ዝዀነት ትኹን ስጕምቲ ንምርሓቕ: ንኣዒንቶም ይቈጻጸሩ: ካብ መውስቦ ወጻኢ ንዘለዉ ኣንጻር ጾታኦም እውን ኪብህጉ ኣይጥምቱን እዮም።—ኣብ መመላእታ ጽሑፍ: ኣብ ገጽ 219-21 ርአ።

18. (ሀ) የሆዋ ንዝሙት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣኽቢዱ ዚርእዮ፧ (ለ) ኣብ መንጎ ዝሙትን ኣምልኾ ጣኦትን እንታይ ምምስሳል እዩ ዘሎ፧

18 የሆዋ ንዝሙት ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣኽቢዱ ዚርእዮ፧ ሕጊ ሙሴ ነቲ የሆዋ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዘለዎ ስምዒት ንኽንርዳእ ይሕግዘና። ኣብ እስራኤል ዝሙትን ኣምልኾ ጣኦትን ብሞት ዜቕጽዕ በደል እዩ ነይሩ። (ዘሌዋውያን 20:2, 10) ኣብ መንጎ እዚ ኽልተ ዘሎ ምምስሳል ኪረኣየካዶ ይኽእል፧ ጣኦት ዜምልኽ እስራኤላዊ ምስ የሆዋ ዘለዎ ኺዳን እዩ ዜፍርስ። ብተመሳሳሊ: ዝሙት ዚፍጽም እስራኤላዊ ምስ መጻምድቱ ዘለዎ ኺዳን እዩ ዜፍርስ። ክልቲኡ ጥልመት እዩ። (ዘጸኣት 19:5, 6፣ ዘዳግም 5:9፣ ሚልክያስ 2:14) ስለዚ: ክልቲኡ ኣብ ቅድሚ እቲ እሙን ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ገበነኛ ዚገብር እዩ።—መዝሙር 33:4

19. ነቲ ኻብ ዝሙት ንኽትርሕቕ ዘሎካ ቘራጽነት እንታይ ኬደልድለልካ ይኽእል፧ ስለምንታይከ፧

19 ርግጽ እዩ: ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴ ኣይኰኑን። ኰይኑ ግን: ክርስትያናት ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ዝሙት ከም ከቢድ ሓጢኣት ጌርካ ይርአ ምንባሩ ምፍላጦም: ዝሙት ንኸይፍጽሙ ዝገበርዎ ቘራጽነት የደልድለሎም እዩ። ስለምንታይ፧ ነዚ ዚስዕብ ምንጽጻር እስከ ርአ:- ናብ ቤተ-ክርስትያን ኬድካ ኣብ ቅድሚ ሓደ ምስሊ ተምበርኪኽካ ምጸለኻዶ፧ ‘ፈጺመ ኣይገብሮን!’ ኢልካ ትምልስ ትኸውን። ብዙሕ ገንዘብ እንተ ቐረበልካኸ ኽትገብሮ ምተፈተንካዶ፧ ‘ኣይሓስቦ እኳ!’ ኢልካ ትምልስ ትኸውን። እወ: ንጣኦት ብምምላኽ ንየሆዋ ኽትክሕዶ ዚብል ሓሳብ ንናይ ሓቂ ክርስትያናት የስገድግዶም እዩ። ብተመሳሳሊ: ክርስትያናት እቲ ሓጢኣት ንኺገብሩ ዚቐርበሎም ነገር ብዘየገድስ: ዝሙት ብምፍጻም ንየሆዋ ኣምላኾምን ንመጻምድቶምን ኪጠልምዎም ዚብልዎ ሓሳብ ኬስገድግዶም ኣለዎ። (መዝሙር 51:1, 4፣ ቈሎሴ 3:5) ንሰይጣን ዜሐጕሶ: ንየሆዋን ነቲ ቕዱስ ስርዓት መውስቦን ግን ዜሕስር ዝዀነ ይኹን ነገር ክንገብር ኣይንደልን ኢና።

ንማእሰር መውስቦኻ ብኸመይ ተደልድሎ፧

20. ኣብ ገሊኡ ሓዳር እንታይ እዩ ኣጋጢሙ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

20 ካብቲ ንመውስቦ ዜሕስር ተግባራት ኣብ ርእሲ ምርሓቕካ: ንመጻምድትኻ ኸም ብሓድሽ ኣኽብሮት ንኸተሕድር እንታይ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ: ንሓዳር ከም ቤት ጌርካ እሞ ርኣዮ። ድሕሪኡ: ነቲ ሰብ ሓዳር ዚዛረብዎ ሕያውነት ዝመልኦ ቓላትን ዚገብርዎ ሓልዮት ዜንጸባርቕ ተግባራትን ካልእ መግለጺ ኣኽብሮትን: ነታ ቤት ከም ዜመልክዕ ስልማት ጌርካ ርኣዮ። ንሓድሕድኩም እንተ ተቐራሪብኩም: ሓዳርኩም ከምታ ባህ ብዜብል መገዲ እተሰላለመት ቤት ይኸውን። ፍቕርኹም እንተ ነክዩ ግን: እቲ ስልማታት በብቝሩብ ይጠፍእ: ሓዳርኩም ድማ ከምታ ስልማት ዘይብላ ቤት ዜስልኪ ይኸውን። ‘መውስቦ ኽቡር ይኹን’ ዚብል ትእዛዝ ኣምላኽ ከተኽብር ስለ እትደሊ ግን: ነቲ ዅነታት ከተመሓይሾ ትድረኽ ኢኻ። ከመይሲ: ንሓደ ኽቡር ነገር ጽገና ወይ ሕደሳ ኽትገብረሉ ዚግብኦ እዩ። ብኸመይ ከምኡ ኽትገብር ትኽእል፧ ቃል ኣምላኽ: “ቤት ሳላ ጥበብ ይህነጽ: ሳላ ምስትውዓል ከኣ ይጸንዕ። ክፍልታት ቤት ሳላ ፍልጠት እዩ ኽቡርን ጽቡቕን ዘበለ ዅሉ ጥሪት ዚመልእ” ይብል። (ምሳሌ 24:3, 4) እዘን ቃላት እዚኣተን ኣብ ሓዳር ብኸመይ ኪዕየየለን ከም ዚኽእል እስከ ንርአ።

21. ንሓዳርና በብቝሩብ ከነደልድሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ( ኣብ ገጽ 131 እትርከብ ሳጹን እውን ርአ።)

21 ገለ ኻብቲ ንሓንቲ ሓጐስ ዝሰፈና ቤት ዚመልኣ ‘ኽቡር ጥሪት:’ ከም እኒ ናይ ሓቂ ፍቕሪ: ፍርሃት ኣምላኽ: ጽንዕቲ እምነት ዝኣመሰለ ባህርያት እዩ። (ምሳሌ 15:16, 17፣ 1 ጴጥሮስ 1:7) እዚ ባህርያት እዚ ድልዱል ሓዳር ከም ዚህሉ ይገብር። እቲ ኣብዛ ምስላ ተጠቒሳ ዘላ ቤት ዘሎ ኽፍልታት ብኸመይ ብኽቡር ጥሪት ከም ዚመልእ ግን ኣስተብሂልካዶ፧ “ሳላ ፍልጠት” እዩ ዚመልእ። እወ: ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ እንተ ተዓዪዩሉ: ኣተሓሳስባ ሰባት ናይ ምልዋጥን ንሓድሕዶም ዘለዎም ፍቕሪ እንደገና ናይ ምውላዕን ሓይሊ ኣለዎ። (ሮሜ 12:2፣ ፊልጲ 1:9) ስለዚ: ንስኻን መጻምድትኻን ብሓባር ኮፍ ኢልኩም: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወሰነ ኽፋል ከተጽንዑ ኸለኹም: ንኣብነት ዕለታዊ ጥቕሲ ኸተንብቡ ኸለኹም: ወይ ብዛዕባ ሓዳር ዚምልከት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ንቕሑ! ኸተንብቡ ኸለኹም: ብኻልእ ኣበሃህላ ንቤትኩም ኬመልክዓ ዚኽእል ጽቡቕ ስልማት ከም እትምርምሩ ዘለኹም እዩ ዚቝጸር። ንየሆዋ ዘላትኩም ፍቕሪ ነቲ ዝመርመርኩምዎ ምኽሪ ኣብ ግብሪ ንኸተውዕልዎ ኽትድርኸኩም ከላ: ነቲ ስልማት ናብ “ክፍልታት ቤት” ከም እተእትውዎ ዘለኹም ኪቝጸር ይከኣል። ከም ውጽኢቱ: ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓዳርኩም እተስተማቕርዎ ዝነበርኩም ባህ ዜብል ኵነታት ተመሊሱ ይመጽእ።

22. ሓዳርና ንምድልዳል እጃምና እንተ ኣበርኪትና: እንታይ ዕግበት ክንረክብ ንኽእል፧

22 ልክዕ እዩ: ነቲ ስልማታት እቲ በብሓደ ኣብ በቦታኡ ምንባር ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ዚሓትት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: እጃምካ ኸተበርክት እንተ ጽዒርካ: ነቲ ‘ንሓድሕድኩም ብምክብባር ተቐዳደሙ’ ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትእዛዝ ብምሕላውካ ዓሚቝ ዕግበት ክትረክብ ኢኻ። (ሮሜ 12:10፣ መዝሙር 147:11) ልዕሊ ዅሉ ድማ: እቲ ንመውስቦኻ ንኸተኽብር ዝገበርካዮ ዕቱብ ጻዕሪ: ንርእስኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ ኪሕልዋ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 6 እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ሓሳባት: ጳውሎስ ብዛዕባ መውስቦ ዝሃቦ ማዕዳ: ክፍሊ ተኸታታሊ ለበዋታት ምዃኑ ይሕብረና።—እብራውያን 13:1-5