ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 12

“ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ” ዘረባ ተዛረብ

“ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ” ዘረባ ተዛረብ

“ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር: ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።” —ኤፌሶን 4:29

1-3. (ሀ) የሆዋ ዝሃበና ሓደ ውህበት እንታይ እዩ፧ ሰባት ብሕማቕ ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉኸ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽናዕ ነቲ ውህበት ዘረባ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኣሎና፧

ሓደ እትፈትዎ ሰብ ነቲ ዝሃብካዮ ውህበት ኰነ ኢሉ ብሕማቕ ከም እተጠቕመሉ እንተ ትፈልጥ ከመይ ምተሰምዓካ፧ ንኣብነት: ማኪና ሂብካዮ ንበል: ጸኒሕካ ነታ ማኪና ብጥንቃቐ ኸም ዘይመርሓን ንኻልኦት ብዙሕ ጕድኣት ከም ዜውርደላን ፈለጥካ። እዝስ ኣይመጕሃየካንዶ፧

2 ናይ ምዝራብ ክእለት: እቲ ወሃብ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ዝዀነ የሆዋ ዝሃበና ውህበት እዩ። (ያእቆብ 1:17) እዚ ውህበት እዚ ንሰባት ካብ እንስሳታት ዚፈልዮም ኰይኑ: ሓሳባትና ጥራይ ዘይኰነስ ስምዒታትና እውን ከም እንገልጽ ይገብረና። ይኹን እምበር: ልክዕ ከም ማኪና: ዘረባ እውን ብሕማቕ ክትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ዘረባ ብዘይ ጥንቃቐ ኽትጥቀመሉ ኸለኻ: ንየሆዋ የጕህዮ: ንኻልኦት ሰባት እውን ጓሂ ልብን ስቓይን የምጽኣሎም።

3 ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽናዕ: ነቲ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት ዘረባ ኸምቲ ንሱ ዝሓለኖ ጌርና ኽንጥቀመሉ ኣሎና። የሆዋ ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ዜሐጕሶ ዓይነት ዘረባ ብዘየማትእ መገዲ ገሊጹ ኣሎ። ቃሉ ኸምዚ ይብል:- “እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን: ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር: ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።” (ኤፌሶን 4:29) ንዘረባና ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ: እንታይ ዓይነት ዘረባ ኽንዛረብ ከም ዘይብልና: ከምኡውን “ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ” ዘረባ ብኸመይ ከም እንዛረብ እስከ ንመያየጥ።

ንዘረባና ኽንጥንቀቐሉ ዜድልየና ስለምንታይ እዩ፧

4, 5. ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምስላታት ነቲ ቓላት ዘለዎ ሓይሊ ብኸመይ ጠቒስዎ ኣሎ፧

4 ንዘረባና ኽንጥንቀቐሉ ዜድልየና ሓደ ኣገዳሲ ምኽንያት: ቃላት ሓይሊ ስለ ዘለዎ እዩ። ምሳሌ 15:4 “ልዝብቲ ልሳን ኦም [ህ]ይወት እያ: ቄናን ልሳን ግና ንመንፈስ ትሰብሮ” ትብል። * ከምቲ ማይ ንሓንቲ ኽትሓርር ዝጀመረት ኦም ዜጠጥዓ: ካብ ልዝብቲ ልሳን ዚወጽእ ህዱእ ዘረባ ኸኣ ንመንፈስ እቶም ዚሰምዕዎ ኼሐድስ ይኽእል እዩ። ብኣንጻሩ ግን: እቲ ኻብ ዝርግቲ ልሳን ዚወጽእ ቄናን ዘረባ ንመንፈስ ካልኦት ኪሰብር ይኽእል እዩ። እወ: እቲ እንዛረቦ ቓላት እንተ ንኬቝስል ወይ ንኼጥዒ ሓይሊ ኣለዎ።—ምሳሌ 18:21

5 ካልእ ምስላ ኸኣ ነቲ ቓላት ዘለዎ ሓይሊ: “ከም ዚቘርጽ ሰይፊ ገይሩ ዚዛረብ ሰብ አሎ” ብምባል ብንጹር ገሊጻቶ ኣላ። (ምሳሌ 12:18) ብታህዋኽ ዚዝረብ ሃሳዪ ቓላት ዘይሃስስ ስምዒታዊ በሰላ ኺሓድግን ርክባት ኪበትኽን ይኽእል እዩ። ልብኻ ብኸም ሰይፊ ዝኣመሰለ ቓላት ተወጊኡ ይፈልጥዶ፧ ብኣወንታዊ ሸነኹ እንተ ርኢና ኸኣ: እታ ምስላ እቲኣ: “መልሓስ እቶም ጠቢባን ግና ጥዕና እዩ” ትብል። ጥበብ ኣምላኽ ዜርኢ ሰብ ብሓልዮት ዚዛረቦ ቓላት: ንዝቘሰለት ልቢ ኺፍውስን እተበትከ ርክባት ኬዐርን ይኽእል እዩ። ሕያውነት ዝመልኦ ቓላት ኬጥዒ ኸም ዚኽእል ብተመክሮ ዝረኣኻሉ ኣጋጣሚታት ክትዝክር ትኽእልዶ፧ (ምሳሌ 16:24) ዚዝረብ ቃላት ሓይሊ ኸም ዘለዎ እንተ ተቐቢልናዮ: ዘረባና ንኻልኦት ንምጥዓይ ደኣ እምበር ንምጕዳእ ንኸይንጥቀመሉ ባህጊ የሕድረልና እዩ።

ልዙብ ዘረባ መንፈስ የሐድስ

6. ንልሳንና ምቍጽጻር ናይ ብሓቂ ቓልሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

6 ንልሳንና ንምቍጽጻር ዝጸዓርና እኳ እንተ ጸዓርና: ምሉእ ብምሉእ ክንቈጻጸራ ኣይንኽእልን ኢና። ንዘረባና ኽንጥንቀቐሉ ዚግብኣና ኻልኣይ ምኽንያት እምበኣር እዚ እዩ:- ሓጢኣትን ዘይፍጽምናን ንልሳንና ብዘይ ግቡእ ክንጥቀመሉ ይድርኸና እዩ። ቃላት ካብ ልብና እዩ ዚምንጭ: “ልቢ ሰብ” ከኣ “ክፉእ እዩ።” (ዘፍጥረት 8:21፣ ሉቃስ 6:45) እምበኣር: ንልሳንና ምልጓም ናይ ብሓቂ ቓልሲ እዩ። (ያእቆብ 3:2-4) ንልሳንና ምሉእ ብምሉእ ክንቈጻጸራ እኳ እንተ ዘይከኣልና: ኣብ ኣጠቓቕማና ኽንመሓየሽ ግን ንኽእል ኢና። ከምቲ ሓደ ኣንጻር ውሕጅ ዚሕምብስ ሓምባሳይ ምስቲ ውሕጅ ኪቃለስ ዘለዎ: ንሕና እውን ምስቲ ንልሳንና ብዘይ ግቡእ ክንጥቀመላ ዚደፋፍኣና ዝንባለ ወትሩ ኽንቃለስ ኣሎና።

7, 8. የሆዋ ብዘረባና ኽሳዕ ክንደይ እዩ ተሓተትቲ ዚገብረና፧

7 ንዘረባና ኽንጥንቀቐሉ ዚግብኣና ሳልሳይ ምኽንያት: የሆዋ ብዘረባና ተሓተትቲ ስለ ዚገብረና እዩ። እቲ ንልሳንና እንጥቀመላ መገዲ: ነቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ጥራይ ዘይኰነስ: ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብኸመይ ከም እንርአ እውን ይጸልዎ እዩ። ያእቆብ 1:26: “ሓደ እኳ: ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር: ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ: ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ: ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ” ትብል። ኣብዛ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ: ዘረባና ኻብ ኣምልኾና እተፈልየ ኣይኰነን። ልሳንና ዘይትልጐም: ማለት ጐዳእን መርዛምን ዘረባ እትነዝሕ እንተ ዀይና: ኵሉ ክርስትያናዊ ዕዮና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዋጋ ዘይብሉ እዩ ዚኸውን። እዝስ ዜተሓሳስብዶ ኸይኰነ፧—ያእቆብ 3:8-10

8 ነቲ ኸም ውህበት እተዋህበና ዘረባ: ንኽንጥንቀቐሉ ብቑዕ ምኽንያታት ከም ዘሎና ንጹር እዩ። ዚሃንጽ ጥዑይ ዘረባ ኸመይ ምዃኑ ቕድሚ ምምርማርና: ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ክርስትያን ፈጺሙ ቦታ ዘይብሉ ዓይነት ዘረባ እስከ ንርአ።

ዜፍርስ ዘረባ

9, 10. (ሀ) ሎሚ ኣብ ዓለም እንታይ ዓይነት ዘረባ እዩ ዝውቱር ኰይኑ ዘሎ፧ (ለ) ጽዩፍ ዘረባ ኸነርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (እግረ-ጽሑፍ እውን ርአ።)

9 ጽዩፍ ዘረባ። ሎሚ ኣብ ዓለም ብዕሉግ ጸርፊ: ርኹስ ቃላት: ከምኡውን ካልእ ጽዩፍ ዘረባ ኽፍሊ መዓልታዊ ዘረባ ዀይኑ ኣሎ። ብዙሓት ሰባት ንኼጕልሑ ኢሎም ወይ ቃላት ስለ ዚሓጽሮም: ጽዩፍ ቃላት ይጥቀሙ። ኮመድየኛታት ወይ ሞያተኛታት መስሓቕቲ ንሰባት ንኼስሕቑ ኢሎም ብዕሉግን ምስ ጾታዊ ተግባራት እተተሓሓዘ ዘረባን የዘውትሩ። ጽዩፍ ዘረባ ግን ኬስሕቐና ኣይግባእን። ኣስታት 2,000 ዓመት ይገብር: ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ንጉባኤ ቈሎሴ “ዜሕፍር ዘረባ” ወይ “ዜጸይፍ ዘረባ” (ትርጕም 1990) ኸተርሕቕ መኸራ። (ቈሎሴ 3:8) ኣብ ጉባኤ ኤፌሶን ንዝነበሩ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እውን “ዘይግባእ ዋዛ” ወይ “ብዕሉግ ዋዛ” (ትርጕም 1990) “ኣይሰማዕኩም” በሎም።—ኤፌሶን 5:3, 4

10 የሆዋ ንጽዩፍ ዘረባ ይጸልኦ እዩ። ንየሆዋ ዜፍቅርዎ ሰባት እውን ነዚ ይጸልእዎ እዮም። እወ: ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ: ካብ ጽዩፍ ዘረባ ንኽንርሕቕ ትድርኸና። ጳውሎስ “ግብሪ ስጋ” ኺዝርዝር ከሎ: “ርኽሰት” ጠቒሱ ኣሎ፣ እዛ ቓል እዚኣ ድማ ንርኹስ ዘረባ እውን ከተጠቓልል ትኽእል እያ። (ገላትያ 5:19-21) እዚ ኣርዚንካ ኺርአ ዘለዎ ጕዳይ እዩ። ሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ምኽሪ ተዋሂብዎ ኽነሱ ኣብ ክንዲ ዚንሳሕ: ብድርቅና ብዕሉግን ዜዋርድን ብልሹውን ዘረባ ዜዘውትር እንተ ዀይኑ: ካብ ጉባኤ ኺውገድ ይከኣል እዩ። *

11, 12. (ሀ) ብዛዕባ ኻልኦት ምዝራብ ጐዳኢ ዚኸውን መዓስ እዩ፧ (ለ) ኣምለኽቲ የሆዋ ኻብ ምክፋእ ኪርሕቑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

11 ሕሜትን ምክፋእን። ሰባት ብዛዕባ ጕዳያትን ህይወትን ካልኦት ሰባት ይዛረቡ እዮም። እዚ ጐዳኢ ድዩ፧ ብዛዕባ ኣወንታዊ ወይ ሓጋዚ ወረ እንተ ኣውሪና: ንኣብነት መን ከም እተጠምቀ ወይ መን መተባብዒ ኸም ዜድልዮ እንተ ተዛሪብና: ጐዳኢ ኣይኰነን። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት: ኣብ ንሓድሕዶም ተገዳስነት ነበሮም: ብዛዕባ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም እውን ግቡእ ሓበሬታ ይለዋወጡ ነበሩ። (ኤፌሶን 6:21, 22፣ ቈሎሴ 4:8, 9) እቲ ብዛዕባ ኻልኦት እንዛረቦ ዘረባ ነቲ ሓቅታት ጠውዩ ዜቕርቦ ወይ ምስጢራዊ ጕዳያት ዜቃልዕ እንተ ዀይኑ ግን ጐዳኢ እዩ። ናብ ሕሜትን ምክፋእን ኪመርሕ ከሎ ኸኣ እቲ ነገር ይኸብድ: እዚ ኸኣ ወትሩ ጐዳኢ እዩ። ምክፋእ: ‘ስም ሰብ ምጥፋእ፣ ብዛዕባ ሰብ ሕማቕ ምውራይ’ ማለት እዩ። ንኣብነት: ፈሪሳውያን ንየሱስ ምእንቲ ኸይቅበልዎ ኢሎም: ብተንኰል ኬካፍእዎ ጸዓሩ። (ማቴዎስ 9:32-34፣ 12:22-24) ምክፋእ ወይ ሕሜት ብዙሕ ግዜ ባእሲ የስዕብ።—ምሳሌ 26:20

12 የሆዋ ነቶም ነቲ ውህበት ዘረባ ንኻልኦት ንምጽላም ወይ ንምክፍፋል ዚጥቀሙሉ ሰባት ብቐሊል ኣይርእዮምን እዩ። ነቶም “ኣብ መንጎ ኣሕዋት ባእሲ” ዚዘርኡ ይጸልኦም እዩ። (ምሳሌ 6:16-19) እታ “መካፍኢ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ዲያቦሎስ እትብል ኰይና: ንሰይጣን እተዋህበቶ መጸውዒት ከኣ እያ። ንሱ “ድያብሎስ” ወይ እኩይ መካፍኢ ኣምላኽ እዩ። (ራእይ 12:9, 10) እምበኣር ነቲ ድያብሎስ ዚገብረና ዘረባ ኸነርሕቕ ከም እንደሊ እተረጋገጸ እዩ። ኣብ ጉባኤ ንኸም “ሻራ: ምፍልላይ” ዝኣመሰለ ግብሪ ስጋ ዜስዕብ ምክፋእ ቦታ የብሉን። (ገላትያ 5:19-21) ስለዚ: ብዛዕባ ሓደ ሰብ ዝሰማዕካዮ ወረ ቕድሚ ምድጋምካ: ‘ሓቂ ድዩ፧ ምድጋሙ ግቡእ ድዩ፧ እዚ ሓበሬታ እዚ ንኻልኦት ኣድላዪ ወይ ጠቓሚ ድዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት።—1 ተሰሎንቄ 4:11

13, 14. (ሀ) ጸርፊ ኣብቶም ዚሰምዕዎ እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል፧ (ለ) ልማደኛ ተጻራፊ ንርእሱ ኣብ ሓደጋ ዜእትዋ ብኸመይ እዩ፧

13 ጸርፊ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: ቃላት ኪጐድእ ይኽእል እዩ። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና: ኵላትና ጸኒሑ ዜጣዕሰና ነገር ከም እንዛረብ ዚከሓድ ኣይኰነን። ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ክርስትያናዊት ቤት ወይ ጉባኤ ፈጺሙ ቦታ ዘይብሉ ኣገባብ ኣዘራርባ ኸም ዘሎ የጠንቅቕ እዩ። ጳውሎስ ንክርስትያናት: “ብዘሎ መሪርን ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን . . . ኻባኻትኩም ይርሐቕ” ኢሉ መዓዶም። (ኤፌሶን 4:31) ኣብ ካልእ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ጸርፊ” ተባሂላ ዘላ ቓል: “እኩይ ቃላት:” “ዜቝስል ዘረባ:” ከምኡውን “ሃሳዪ ዘረባ” ተባሂላ ተተርጒማ ኣላ። ጸርፊ ንስም ብዜዋርድ ቃል ምጽዋዕን ንሕስያ ዘይብሉ ዘለፋን ኪኸውን ከሎ: ክብሪ ዚትንክፍን ዜዋርድን እዩ። ብፍላይ ቈልዑ ልኡማትን ንዅሉ ዚኣምኑን ብምዃኖም: እንተ ተጸሪፎም ይድቈሱ እዮም።—ቈሎሴ 3:21

14 መጽሓፍ ቅዱስ ንልማደኛ ተጻራፊ ብጽኑዕ እዩ ዚዅንኖ። ሓደ ተጻራፊ ንኺልወጥ ብተደጋጋሚ ዚግበረሉ ጻዕርታት እንተ ዘይተቐቢሉ ኻብ ጉባኤ ኺውገድ ስለ ዚኽእል: ንርእሱ ኣብ ሓደጋ እዩ ዜእትዋ። መገዱ እንተ ዘይቀዪሩ: ካብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተምጽኦ በረኸት እውን ኣይካፈልን እዩ። (1 ቈረንቶስ 5:11-13፣ 6:9, 10) ጥዑይ ዘይኰነ: ሓቅነት ዘይብሉ: ወይ ሕያውነት ዘይብሉ ዘረባ ናይ ምዝራብ ልማድ እንተ ጌርና: ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ክንጸንዕ ከም ዘይንኽእል ርዱእ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ የፍርስ እዩ።

“ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ” ዘረባ

15. “ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ” ዘረባ እንታይ ዓይነት እዩ፧

15 ነቲ ውህበት ዘረባ ኸምቲ እቲ ወሃቢ ዝሓለኖ ጌርና ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ ቃል ኣምላኽ “ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ” ኽንዛረብ ከም ዜተባብዓና ዘክር። (ኤፌሶን 4:29) የሆዋ ንኻልኦት ዚሃንጽን ዜተባብዕን ዜበራትዕን ቃላት ክንዛረብ ከለና ይሕጐስ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ንኽትዛረብ ተጠንቂቕካ ኽትሓስብ ኣሎካ። መጽሓፍ ቅዱስ ክትስዕቦ ዘሎካ ዝርዝር ሕጊ ኣይህበካን እዩ፣ ተቐባልነት ዘለዎ ዓይነት “ጥዑይ ዘረባ” እውን ኣይዝርዝርን እዩ። (ቲቶስ 2:8) “ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ” ዘረባ ንምዝራብ: መለለዪ ሃናጺ ዘረባ ዝዀነ ሰለስተ ቐሊል ግን ከኣ ኣገዳሲ ረቛሒታት ኣብ ኣእምሮና ኽንሕዝ ኣሎና፣ እዚ ኸኣ ጥዑይ: ሓቂ: ከምኡውን ልኡም እዩ። ነዚ ረቛሒታት እዚ ኣብ ኣእምሮና ሒዝና: ገለ ኣብነታት ሃናጺ ዘረባ እስከ ንርአ።—ኣብ ገጽ 140 እትርከብ “ ዘረባይ ሃናጺ ድዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

16, 17. (ሀ) ንኻልኦት ክንንእድ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ጉባኤን ኣብ ስድራ ቤትን ንኻልኦት ክንንእድ ዜኽእለና እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎና፧

16 ልባዊ ናእዳ። የሆዋን የሱስን ኣገዳስነት ቃላት ናእዳን ስምረትን ይፈልጥዎ እዮም። (ማቴዎስ 3:17፣ 25:19-23፣ ዮሃንስ 1:47) ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ንኻልኦት ካብ ልብና ኽንንእዶም ይግባእ። ስለምንታይ፧ ምሳሌ 15:23 “ብጊዜኡ ዚዝረብ ቃል ክንደይ ጽቡቕ እዩ” ትብል። ‘ሰባት ካብ ልቦም ኪንእዱኒ ኸለዉ ኸመይ ይስምዓኒ፧ እዝስ ንልበይ ዜሐጕስን ንመንፈሰይ ዜነቓቕሕንዶ ኸይኰነ፧’ ኢልካ ንርእስኻ እሞ ሕተት። እወ: ካብ ልቢ ዝነቐለ ቓላት ናእዳ: ካልእ ሰብ ከም ዜስተብህለልካን ከም ዚግደሰልካን እቲ ዝገበርካዮ ጻዕሪ ንኸንቱ ኸም ዘይኰነን እዩ ዚሕብረካ። ከምዚ ዝኣመሰለ ቓላት ንምትእምማንካ ይሃንጾ: ኣብ መጻኢ ብዝያዳ ትግሃት ንኽትዓዪ ድማ የለዓዕለካ። ክትነኣድ ከለኻ ተማስወሉ ኻብ ኰንካ: ንስኻ እውን ብግዴኻ ንኻልኦት ምእንቲ ኽትንእድ ዚከኣለካ ኽትገብርዶ ኣይግባእን፧—ማቴዎስ 7:12

17 ጽቡቕ ጐድኒ ኻልኦት ንኽትርኢ ንርእስኻ ኣሰልጥን: ድሕሪኡ ነቲ ኣወንታዊ ሸነኽ ተዛረበሉ። ኣብ ጉባኤ ጽቡቕ መደረ ትሰምዕ ትኸውን: ንመንፈሳዊ ሸቶታት ዚመጣጠር መንእሰይ ትርኢ ትኸውን: ወይ እርጋን እናኣጸገሞ ኽነሱ ብተኣማንነት ካብ ኣኼባታት ዘይበኵር ብዕድመ ዝደፍአ ሰብ ትዕዘብ ትኸውን። ካብ ልቢ ዝመነጨ ቓላት ናእዳ: ንኣልባብ እዞም ሰባት እዚኣቶም ተንኪፉ ብመንፈስ ኬበርትዖም ይኽእል እዩ። ኣብ ስድራ ቤት: ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ኪነኣኣዱን ኪመሳገኑን የድልዮም እዩ። (ምሳሌ 31:10, 28) ብሕልፊ ቘልዑ ዜስተብህለሎምን ዜመስግኖምን ከም ዘሎ እንተ ተዓዚቦም ይበራትዑ እዮም። ቃላት ናእዳን ስምረትን ንቘልዓ: ከም ጸሓይን ማይን ንተኽሊ እዩ። ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም በቲ ጽቡቕ ባህርያቶምን ጻዕርታቶምን እትንእዱሉ ኣጋጣሚታት ኣናድዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናእዳ ንደቅኹም ትብዓትን ምትእምማን ኬሕድረሎም: ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ድማ ኣበርቲዖም ንኺጽዕሩ ኼለዓዕሎም ይኽእል እዩ።

18, 19. ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ንኸነጸናንዕ ዚከኣለና ኽንገብር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧

18 ምጽንናዕ። የሆዋ ን“ድቑስን ትሑትን” ኣጸቢቑ እዩ ዚግደሰሉ። (ኢሳይያስ 57:15) ቃሉ “ንሓድሕድኩም ተተባብዑ” ኸምኡውን “ሕሊናኦም ዝዓረቦም ከተተባብዕዎም” ኢሉ ይምሕጸነና። (1 ተሰሎንቄ 5:11, 14 ትርጕም 1990) ነቶም ልቦም ብጓሂ ዝመልአ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ንኸነጸናንዕ ወይ ንኸነተባብዕ እንገብሮ ጻዕሪ: ኣምላኽ ከም ዚርእዮ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

ዚሃንጽ ቃላት ክንዛረብ ከለና፡ የሆዋ ይሕጐስ

19 ንሓደ ሕልናኡ ዝዓረቦ ወይ እተደቝሰ ክርስትያን ግን ከመይ ጌርካ ኢኻ ኸተጸናንዖ እትኽእል፧ ናይ ግድን ጸገሙ ኽትፈትሓሉ ኸም ዘሎካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት: ቀሊል ቃላት ብዙሕ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ነቲ እተደቝሰ ሰብ ከም እትሓልየሉን እትግደሰሉን ኣረጋግጸሉ። ምስቲ ሰብ ብሓባር ዓው ኢልካ ኽትጽሊ ሓሳብ ኣቕርበሉ፣ ኣብቲ ጸሎት: ካልኦት ሰባትን ኣምላኽን ክሳዕ ክንደይ ከም ዜፍቅርዎ ምእንቲ ኺግንዘብ ኪሕግዞ ንየሆዋ ኽትልምነሉ ትኽእል ኢኻ። (ያእቆብ 5:14, 15) ከም ኣባል እታ ጉባኤ መጠን ተደላይነትን ዋጋን ከም ዘለዎ ኣረጋግጸሉ። (1 ቈረንቶስ 12:12-26) የሆዋ ብውልቂ ብሓቂ ኸም ዚሓልየሉ ንምርግጋጽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜተባብዕ ሓሳባት ኣንብበሉ። (መዝሙር 34:18፣ ማቴዎስ 10:29-31) ነቲ እተደቝሰ ሰብ “ሰናይ ቃል” ንምክፋል እኹል ግዜ ምስ እትወስድን ካብ ልቢ ምስ እትዛረብን: ዚፍቀርን ዚድለን ምዃኑ ኺስምዖ እዩ።— ምሳሌ 12:25

20, 21. ንምኽሪ ውጽኢታዊ ዚገብሮ ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

20 ውጽኢታዊ ምኽሪ። ዘይፍጹማት ሰባት ስለ ዝዀንና: ሓሓሊፍና ምኽሪ የድልየና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ኣብ መወዳእታኻ ጥበበኛ ኽትከውንሲ: ምኽሪ ስማዕ: ተግሳጽውን ተቐበል” ኢሉ የተባብዓና። (ምሳሌ 19:20) ሽማግለታት ጥራይ ኣይኰኑን ንኻልኦት ምኽሪ ኺህቡ ዘለዎም። ወለዲ ንውሉዳቶም ኪመኽሩ ኣለዎም። (ኤፌሶን 6:4) ብሱላት ኣሓት ንንኣሽቱ ኣንስቲ ምኽሪ ኺህበአን ይኽእላ እየን። (ቲቶስ 2:3-5) እታ ንኻልኦት ዘላትና ፍቕሪ: እቲ ምኽሪ ዚወሃቦ ኸም እተደቝሰ ዀይኑ ኸይተሰምዖ ኪቕበለሉ ብዚኽእል መገዲ ምኽሪ ንኽንህብ ትድርኸና። ከምዚ ዝኣመሰለ ምኽሪ ንኽንህብ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ ንምኽሪ ዝያዳ ውጽኢታዊ ዚገብሮ ሰለስተ ረቛሒታት እስከ ንርአ፣ እዚ ኸኣ ኣረኣእያን ድራኸን እቲ መኻሪ: ነቲ ምኽሪ መሰረት ዝዀነ ነገራት: ከምኡውን እቲ ምኽሪ እተዋህበሉ ኣገባብ እዩ።

21 ውጽኢታዊ ምኽሪ ኻብቲ መኻሪ እዩ ዚጅምር። ‘ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት ንዚወሃበኒ ምኽሪ እየ ብቐሊሉ ዝቕበል፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። እቲ ዚመኽረካ ሰብ ካብ ብስጭት ተላዒሉ ዘይኰነስ: ካብ ሓልዮት ተላዒሉ ኸም ዝዀነ ኸምኡውን ካልእ ሕቡእ ድራኸ ኸም ዘይብሉ ምስ ፈለጥካ: ነቲ ምኽሪ ብቐሊሉ ትቕበሎ። ስለዚ: ንኻልኦት ክትመኽሮም ከለኻ: ብተመሳሳሊ ኣረኣእያን ድራኸን ደይኰንካን ክትመኽሮም ዚግባእ፧ ጽቡቕ ፍረ ዜፍሪ ምኽሪ ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ዝዀነ ይኹን ምኽሪ ኽንህብ ከለና: ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ብምጥቃስ: ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ክንምርኰስ ኣሎና። ስለዚ: ሽማግለታት ኣረኣእያኦም ኣብ ካልኦት ከይጽዕኑ ኺጥንቀቑ ኣለዎም፣ መጽሓፍ ቅዱስ ንብሕታዊ ኣረኣእያኦም ከም ዚድግፎ ኣምሲሎም ጥቕስታት ኪጠውዩ ወይ ኪጥምዝዙ የብሎምን። ምኽሪ ብግቡእ ኣገባብ እንተ ተዋሂቡ እውን: ዝያዳ ውጽኢታዊ ይኸውን እዩ። ብሕያውነት እተቓመመ ምኽሪ: ንምቕባሉ ቐሊል ይኸውን: ነቲ ዚወሃቦ ሰብ ድማ ክብሩ ይሕልወሉ።—ቈሎሴ 4:6

22. ንኣጠቓቕማ ውህበት ዘረባ ብዚምልከት እንታይ ቈራጽነት ኢኻ ጌርካ ዘለኻ፧

22 ዘረባ ብሓቂ ኻብ ኣምላኽ እተዋህበ ኽቡር ውህበት እዩ። ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ነዚ ውህበት እዚ ብግቡእ ደኣ እምበር: ብሕማቕ ንኸይንጥቀመሉ ኽትድርኸና ይግባእ። እቲ እንዛረቦ ቓላት ንምህናጽ ወይ ንምፍራስ ሓይሊ ኸም ዘለዎ ኣይንረስዕ። እምበኣር: ነዚ ውህበት እዚ ኸምቲ እቲ ወሃቢ ዝሓለኖ “ንምህናጽ” ንጠቐመሉ። በዚ ኸምዚ ዘረባና ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ በረኸት የምጽእ: ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽንጸንዕ ድማ ይሕግዘና።

^ ሕ.ጽ. 4 እታ ኣብ ምሳሌ 15:4 “ቔናን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ እብራይስጢ ቓል: “ጠዋይ: ዝሩግ” ዚብል ትርጕም እውን ኣለዋ።

^ ሕ.ጽ. 10 “ርኽሰት” ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ንብዙሕ ዓይነት ሓጢኣት ዚሽፍን እዩ። ኵሉ ርኽሰት ፍርዳዊ ስጕምቲ ዜድልዮ እኳ እንተ ዘይኰነ: ሓደ ሰብ ከቢድ ርኽሰት እናኣዘውተረ ዘይንሳሕ እንተ ዀይኑ ኻብ ጉባኤ ኺውገድ ይኽእል እዩ።—2 ቈረንቶስ 12:21፣ ኤፌሶን 4:19፣ ኣብ ናይ 15 ሓምለ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።