ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 13

ንኣምላኽ ዜጕህዮ በዓላት

ንኣምላኽ ዜጕህዮ በዓላት

“ንጐይታና ዜሐጕሶ እናመርመርኩም . . . ተመላለሱ።”—ኤፌሶን 5:10

1. የሆዋ ናብኡ ዚስሕቦም ሰባት እንታይ ዓይነት እዮም፧ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓት ኪዀኑ ዘለዎምከ ስለምንታይ እዮም፧

የሱስ: “ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ: እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ” በለ። (ዮሃንስ 4:23, 24) የሆዋ ኸምዚ ዝበሉ ውልቀ-ሰባት ምስ ረኸበ—ከምዚ ንዓኻ ዝረኸበካ ማለት እዩ—ናብኡን ናብ ወዱን ይስሕቦም። (ዮሃንስ 6:44) እዝስ ከመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ! እንተዀነ ግን: ሰይጣን ዝወጸሉ መታለሊ ስለ ዝዀነ: እቶም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ዜፍቅሩ ሰባት: ‘ንጐይታ ዜሐጕሶ ኺምርምሩ’ ኣለዎም።—ኤፌሶን 5:10፣ ራእይ 12:9

2. የሆዋ ነቶም ንናይ ሓቅን ንናይ ሓሶትን ሃይማኖት ኪሓናፍጹ ዚፍትኑ ብኸመይ ከም ዚርእዮም ግለጽ።

2 ኣብ ጥቓ ኸረን ሲና: እስራኤላውያን ንኣሮን ኣማልኽቲ ኺሰርሓሎም ምስ ሓተትዎ ዘጋጠሞ እሞ ንርአ። ኣሮን ከምቲ ዝበልዎ ሓደ ወርቂ ምራኽ ሰርሓሎም: ንየሆዋ ኸም ዜመልክት ግን ኣመተ። “ጽባሕ ንእግዚኣብሄር በዓል እዩ” በለ። የሆዋ ንምትሕንፋጽ እቲ ናይ ሓቅን ናይ ሓሶትን ሃይማኖት ስቕ ኢሉ ርእይዎዶ፧ ኣይፋሉን። ሰለስተ ሽሕ ዚዀኑ ኣምለኽቲ ጣኦት ከም ዚቕተሉ ገበረ። (ዘጸኣት 32:1-6, 10, 28) ካብዚ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧ ንርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንሕልዋ እንተ ደሊና: ‘ርኹስ ከቶ ኽንትንኪ የብልናን:’ ንሓቂ ብዝዀነ ይኹን መልክዕ ከይነበላሽዋ ድማ ብቕንኣት ክንሕልዋ ኣሎና።—ኢሳይያስ 52:11፣ ህዝቅኤል 44:23፣ ገላትያ 5:9

3, 4. ልምድታትን በዓላትን ክንምርምር ከለና ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከነቕልበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 እቲ ዜሕዝን ድማ ድሕሪ ሞት እቶም ንኽሕደት ገቲኦም ዝነበሩ ሃዋርያት: ንሓቂ ዋላ ሓንቲ ፍቕሪ ዘይብሎም ክርስትያናት ኢና በሃልቲ ሰባት ንኣረማዊ ልምድታትን በዓላትን ክርስትያናዊ ስም እናኣልበሱ ኼተኣታትዉ ጀመሩ። (2 ተሰሎንቄ 2:7, 10) ንገሊኡ ኻብዚ በዓላት እዚ ኽትምርምሮ ኸለኻ: መንፈስ ኣምላኽ ዘይኰነስ: መንፈስ ዓለም ከም ዜንጸባርቕ ኣስተብህል። ብሓፈሻኡ: ዓለማዊ በዓላት ሓደ ሓባራዊ ባህርይ ኣለዎ። እዚ ድማ ንስጋዊ ትምኒት ይስሕብ: ከምኡውን ነቲ መለለዪ “እታ ዓባይ ባቢሎን” ዝዀነ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እምነትን ሓተታ መናፍስትን የስፋሕፍሕ። * (ራእይ 18:2-4, 23) የሆዋ ነቲ እተፈላለየ ልምድታት ዝመነጨሉ ዜፈንፍን ኣረማዊ ተግባራት ብዓይኑ ኸም ዝርኣዮ እውን ኣይትረስዕ። ነዚ በዓላት እዚ ሎሚ እውን ከም ዚጸልኦ እምበኣር ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣረኣእያኡ ንዓና ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኼገድሰናዶ ኣይግባእን፧—2 ዮሃንስ 6, 7

4 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ገሊኡ በዓላት ንየሆዋ ኸም ዘየሐጕሶ ንፈልጥ ኢና። ኰይኑ ግን: ኣብቲ በዓል ንኸይንሓብር ጽኑዕ ቈራጽነት ክንገብር ኣሎና። የሆዋ በዚ በዓላት እዚ ዚጕህየሉ ምኽንያት ደጊምና ምምርማርና: ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኸይንጸንዕ ዕንቅፋት ካብ ዚዀነና ዝዀነ ይኹን ነገር ንኽንርሕቕ ዝገበርናዮ ቘራጽነት የደልድለልና።

በዓል ልደት—ስሙ ዝቐየረ ኣምልኾ ጸሓይ

5. የሱስ ኣብ 25 ታሕሳስ (ብሓበሻ ኣብ 29 ታሕሳስ) ከም ዘይተወልደ ርግጸኛታት ክንከውን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ: ልደት የሱስ ብዛዕባ ምብዓል ዋላ ሓንቲ ኣይጠቅስን እዩ። አረ እታ እተወልደላ ዕለት እውን ብልክዕ ኣይትፍለጥን እያ። ኣብ 25 ታሕሳስ (ብሓበሻ ኣብ 29 ታሕሳስ): ኣብቲ እተወልደሉ ቦታ ቘራሪ ወቕቲ ብምንባሩ: ኣብቲ እዋን እቲ ኸም ዘይተወልደ ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና። * ከመይሲ: የሱስ ኣብ እተወልደሉ እዋን: “ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ዝሐደሩ ጓሶት” ከም ዝነበሩ ሉቃስ መዝጊቡ ኣሎ። (ሉቃስ 2:8-11) ጓሶት ‘ኣብ መሮር ምሕዳር’ ኣብ ምሉእ ዓመት ዚገብርዎ ነገር እንተ ዚኸውን ነይሩ: እዚ ብዙሕ ኣገዳሲ ኣይምዀነን። ይኹን እምበር: ኣብ ቤት-ልሄም ቈራሪ ዝናምን ውርጭን ዚዘንመሉ እዋን ስለ ዘሎ: ኣብቲ ቘራሪ ወቕቲ ማል ኣብ ውሽጢ ቤት እየን ዜሕልፋኦ: ጓሶት ከኣ ‘ኣብ መሮር ኪሓድሩ’ ኣየድልዮምን እዩ። ብተወሳኺ: ዮሴፍን ማርያምን ናብ ቤት-ልሄም ዝኸዱ: ቄሳር ኣውጉስጦስ ህዝቢ ኪቝጸር ትእዛዝ ስለ ዘውጽአ እዩ። (ሉቃስ 2:1-7) ቄሳር ነቶም ብግዝኣት ሮሜ ዘይሕጉሳት ዝነበሩ ህዝቢ ኣብ ቈራሪ ወቕቲ ናብ እተወልዱሉ ኸተማታት ኪጐዓዙ ትእዛዝ ኬውጽእ ዘይመስል እዩ።

6, 7. (ሀ) መበቈል መብዛሕትኡ ልምድታት በዓል ልደት ኣበይ እዩ ዚርከብ፧ (ለ) ኣብ መንጎ እቲ ኣብ በዓል ልደትን ኣብ ክርስትያናትን ዚግበር ህያብ ምውህሃብ እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧

6 መበቈል በዓል ልደት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዘይኰነስ: ኣብ ጥንታዊ ኣረማዊ በዓላት እዩ ዚርከብ፣ ንኣብነት: ኣብቲ ብሮማውያን ሳተርናልያ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ንሳተርን ዚበሃል ኣምላኽ ሕርሻ እተወፈየ በዓል መበቈሉ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና። ብተመሳሳሊ: ብመሰረት እቶም ኣምለኽቲ እቲ ሚትራ ዚበሃል ኣምላኽ ዚገብርዎ ዝነበሩ ቐመር: ን25 ታሕሳስ “ልደት እታ ዘይትሰዓር ጸሓይ” ኢሎም የብዕልዋ ምንባሮም ኒው ካቶሊክ ኢንሳይክሎፔድያ ትገልጽ። “በዓል ልደት: ኣምልኾ ጸሓይ ኣብ ሮማ ሓያል ኣብ ዝነበረሉ እዋን እዩ መኒጩ:” እዚ ድማ ድሕሪ ሞት ክርስቶስ: ድሕሪ ሰለስተ ዘመን ኣቢሉ እዩ።

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ተደሪኾም ህያብ ይህቡ

7 ኣረማውያን ኣብ እዋን በዓላቶም ህያባት ይወሃሃቡን ፌስታ ይገብሩን ነበሩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ በዓል ልደት ተዓቂቡ ዘሎ ልምድታት እዩ። ይኹን እምበር: ከምቲ ሕጂ እውን ዚርአ: መብዛሕትኡ እቲ ብግዜ ጥንቲ ኣብ እዋን በዓል ልደት ዚግበር ዝነበረ ህያባት ናይ ምውህሃብ ልምዲ: ምስቲ ኣብ 2 ቈረንቶስ 9:7 ዘሎ መንፈስ ዚሳነ ኣይነበረን። እታ ጥቕሲ ኸምዚ ትንበብ:- “ኣምላኽ ሕጉስ ወሃቢ እዩ ዚፈቱ እሞ: ነፍሲ ወከፍ ብጓሂ ወይስ ብግዲ ዘይኰነስ: ከምቲ ብልቡ ዝሐለኖ ይሀብ።” ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ተደሪኾም እዮም ዚህቡ: ህያብ ንምሃብ ዕለት ኪቘጽሩ ኣየድልዮምን እዩ: ኪወሃቦም ትጽቢት ብምግባር እውን ኣይኰነን ዚህቡ። (ሉቃስ 14:12-14፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ብዘይካዚ: ካብቲ ኣብ እዋን በዓል ልደት ዘሎ ላዕልን ታሕትን ሓራ ብምዃኖም ኣዝዮም የማስዉሉ: ኣብ ትሕቲ እቲ ንብዙሓት ኣብ ዕዳ ዜእቱ ኸቢድ ኣርዑት ብዘይምዃኖም እውን እፎይ ይብሉ እዮም።—ማቴዎስ 11:28-30፣ ዮሃንስ 8:32

8. እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ ናይ ልደት ህያባት ሂቦምዎ ድዮም፧ ግለጽ።

8 ገሊኣቶም ሰባት: ‘እቶም ቈጸርቲ ኸዋኽብቲ ንየሱስ ናይ ልደት ህያብ ሂቦምዎ ደይኰኑን፧’ ኢሎም ይማጐቱ ይዀኑ። ከም ሓቂ ግን ከምኡ ኣይገበሩን። እቲ ዝሃብዎ ህያብ ንሓደ ኽቡር ሰብ ኣኽብሮትካ እትገልጸሉ መገዲ እዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝውቱር ልምዲ ነበረ። (1 ነገስት 10:1, 2, 10, 13፣ ማቴዎስ 2:2, 11) ከም ሓቂ እኳ ደኣስ በታ የሱስ እተወልደላ ለይቲ ኣይኰኑን ናብኡ ኸይዶም። ንሳቶም ኣብ ዝበጽሕዎ እዋን: የሱስ ኣብ መብልዕ ማል ደቂሱ ዝነበረ ናጽላ ዘይኰነስ: ኣብ ቤት ዝጸንሖም ሓያሎ ኣዋርሕ ዝገበረ ሕጻን እዩ ነይሩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ዕለት ልደት ዚህቦ ሓሳባት

9. ብዛዕባ ዕለት ልደት ምብዓል መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣገዳሲ ነገር እዩ ዚጠቅስ፧

9 ውልደት ሕጻን ብዙሕ ዜሐጕስ እኳ እንተ ዀነ: ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዕለት ልደቱ ኸም ዘብዓለ ዚገልጽ ዛንታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይርከብን እዩ። (መዝሙር 127:3) እዚ ዘይተመዝገበሉ ምኽንያት ዕሽሽ ስለ እተባህለ ጥራይ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ዕለት ልደቶም ዘብዓሉ ኽልተ ሰባት ተጠቒሶም ኣለዉ፣ እዚኣቶም ድማ ፈርኦን ግብጽን ሄሮድስ ኣንቲጳስን እዮም። (ዘፍጥረት 40:20-22፣ ማርቆስ 6:21-29) ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ግን ሕማቕ ነገር ተገሊጹ ኣሎ: ብፍላይ ኣብቲ ዳሕረዋይ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ ተሰይፉ።

10, 11. ቀዳሞት ክርስትያናት ዕለት ልደቶም ምብዓል ብኸመይ ይርእይዎ ነበሩ፧ ስለምንታይከ፧

10 ዘ ዎርልድ ቡክ ኢንሳይክሎፔድያ: “ቀዳሞት ክርስትያናት . . . ልደት ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ምብዓል ከም ልምዲ ኣረማውያን ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ” ትብል። ንኣብነት: ጥንታውያን ግሪኻውያን: ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ መዓልቲ ልደቱ ዚርከብን ድሕሪኡ ዚሕልዎን ዕቝባ ዚህቦ መንፈስ ከም ዘለዎ ይኣምኑ ነበሩ። ዘ ሎር ኦቭ በርዝደይስ ዘርእስታ መጽሓፍ: “እዚ መንፈስ እዚ ምስቲ እቲ ውልቀ-ሰብ እተወልደላ ዕለት ዝልደቱ ኣምላኽ ምስጢራዊ ርክብ ኣለዎ” ትብል። ብተወሳኺ: ዕለት ልደት ምስ ቈጸራ ኸዋኽብትን ሆሮስኮፕን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ስጡም ምትእስሳር ኣለዎ።

11 ጥንቲ ዝነበሩ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ምስ ዕለት ልደት ንእተተሓሓዘ ልምድታት ዚነጽግዎ ዝነበሩ: በቲ ኣረማውን ሓተታ መናፍስታውን መበቈሉ ጥራይ ዘይኰነስ: ብመሰረታዊ ስርዓት ስለ ዚምርሑ እውን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ትሑታት ሰብኡትን ኣንስትን ብምንባሮም: ናብዛ ዓለም ዝመጹላ ዕለት ኬብዕሉ ኢሎም ኣይሓስቡን እዮም ነይሮም። * (ሚክያስ 6:8፣ ሉቃስ 9:48) ኣብ ክንዳኡስ: ንየሆዋ ኽብሪ ይህብዎ: ክብርቲ ህይወት ስለ ዝሃቦም እውን የመስግንዎ ነበሩ። *መዝሙር 8:3, 4፣ 36:9፣ ራእይ 4:11

12. መዓልቲ ሞትና ኻብ መዓልቲ ልደትና ኽትበልጽ እትኽእል ብኸመይ እያ፧

12 ኵሎም እቶም ንጽህናኦም ዚሕልዉ ምስ ሞቱ: ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዜተኣማምን ዕቝባ ይረኽቡ: መጻኢ ህይወቶም እውን ውሑስ ይኸውን። (እዮብ 14:14, 15) መክብብ 7:1 “ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ: ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ” ትብል። “ስም” ተባሂሉ ዘሎ: ብተኣማንነት ምስ እነገልግል እነጥርዮ ጽቡቕ ስም እዩ። ክርስትያናት ኬኽብርዎ እተኣዘዙ ሓደ ዝኽሪ: ልደት ዘይኰነስ ሞት የሱስ እዩ፣ ንሱ ዘጥረዮ ብሉጽ “ስም” ድማ ንምድሓንና ኣገዳሲ ዀነ።—ሉቃስ 22:17-20፣ እብራውያን 1:3, 4

በዓል ትንሳኤ—ስሙ ዝቐየረ ኣምልኾ ፍርያምነት

13, 14. መበቈል ልምድታት በዓል ትንሳኤ እንታይ እዩ፧

13 እዚ ትንሳኤ ክርስቶስ ዚበዓለሉ ተባሂሉ ዚእመነሉ ፋስጋ ተባሂሉ እውን ዚጽዋዕ በዓል: መበቈሉ ኻብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እዩ። እቲ እዚ በዓል እዚ ብእንግሊዝኛ ዚጽውዓሉ ኢስተር ዚብል ስያመ: ምስታ ኣንግሎ-ሳክሰን ዜምልኽዋ ኣምላኽ ወጋሕታን ጽድያን ዝዀነት ኢዮስተር ወይ ኦስታራ ይተኣሳሰር እዩ። እንቋቝሖን ማንቲለን ምስዚ በዓል እዚ ብኸመይ እዩ ኺተኣሳሰር ጀሚሩ፧ እንቋቝሖ “ፍሉጥ ምልክት ሓድሽ ህይወትን ትንሳኤን” ኰይኑ የገልግል ምንባሩ: ማንቲለ ኸኣ ምልክት ፍርያምነት ኰይና ተገልግል ምንባራ ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ ትገልጽ። ስለዚ: በዓል ትንሳኤ ስሙ ብምቕያር ናይ ክርስቶስ ትንሳኤ ኣምሲልካ ዝቐረበ ጽምብል ፍርያምነት እዩ። *

14 የሆዋ ዜፈንፍን ጽምብል ፍርያምነት ንናይ ወዱ ትንሳኤ ንምብዓል ኪጥቀሙሉ ዕሽሽ ይብሎ ድዩ፧ ከቶ ኣይብሎን እዩ! (2 ቈረንቶስ 6:17, 18) ቅዱሳት ጽሑፋት ትንሳኤ የሱስ ንኺበዓል ትእዛዝ ወይ ፍቓድ ኣይሃበን። ስለዚ: በዓል ትንሳኤ ዚብል ስያመ ሂብካ ምብዓል: ኣመና ዘይእሙን ምዃን እዩ።

ሃሎዊን ጥቓ ቕድስና እኳ ኣይቀርብን

15. መበቈል ሃሎዊን እንታይ እዩ፧ እታ ነዛ ዕለት እዚኣ ንምብዓል እተመርጸት መዓልቲ እንታይ ትርጕም ኪህልዋ ይኽእል፧

15 እቲ ብስልማታት ኣስማተኛታትን ስርኤላትን ስግንጢራትን ዚልለ በዓል ሃሎዊን: ድሮ መዓልቲ ቕዱሳት ተባሂሉ ዚፍለጥ እውን ኰይኑ: ኣብ ብሪጣንያን ኣየርላንድን ዝነበሩ ጥንታውያን ሰልታውያን ዜብዕልዎ እዩ ነይሩ። ናብ 1 ሕዳር ኣብ ዝቐረበት ምልእቲ ወርሒ: በዓል ሳምሃይን: ማለት “መወዳእታ ኽረምቲ” የብዕሉ ነበሩ። ኣብ እዋን ሳምሃይን ኣብ መንጎ ሰባትን ልዕለ-ባህርያዊ ዓለማትን ዘሎ መጋረዲ ኸም ዚቕላዕ: ጽቡቓትን እኩያትን መናፍስቲ ኸኣ ኣብ ምድሪ ኸም ዚዞሩ ይኣምኑ ነበሩ። ነፍሳት ምዉታት ናብ ኣባይቶም ከም ዚምለሳ: ስድራ ቤታት ነቶም መናፍስታዊ በጻሕቶም ኬሐጕሳኦም ኢለን ምግብን መስተን ኬንብራሎም ከም ዚግባእ ይእመን ነበረ። ስለዚ: ሎሚ ቘልዑ ኸም መናፍስቲ ወይ ኣስማተኛታት ተኸዲኖም: ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ እንግዶት እንተ ዘይተገብረሎም ጐዳኢ ተንኰል ከም ዚፍጽሙ ኼፈራርሁ ኸለዉ: ብዘይፍላጥ ነቲ ጽምብል ሳምሃይን እዮም ዚፍጽሙ ዘለዉ።

ንመርዓኻ ኣይተርክሶ

16, 17. (ሀ) ኪምርዓዉ ዚሓስቡ ክርስትያን መጻምድቲ ነቲ ኣብ ከባቢኦም ኣብ መርዓ ዚዝውተር ልምድታት ብቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት ኪምርምርዎ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ሩዝ ወይ ካልእ መተካእታኡ ምንጻግን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ልምድታትን ብዚምልከት ክርስትያናት እንታይ እዮም ኣብ ግምት ኬእትዉ ዘለዎም፧

16 “ድሕሪ ደጊምሲ ኣባኺ [ኣብታ ዓባይ ባቢሎን] ድምጺ መርዓዊ ድምጺ መርዓትውን ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ።” (ራእይ 18:23) ንዓባይ ባቢሎን ከምዚ እተባህለላ ስለምንታይ እዩ፧ ሓደ ምኽንያት: እቲ ኻብ መዓልቲ መርዓ ኣትሒዙ ንመውስቦ ኼርክስ ዚኽእል ሓተታ መናፍስታዊ ልምድታታ እዩ።—ማርቆስ 10:6-9

17 ልምድታት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ። ገሊኡ ንጹህ ዚመስል ልምድታት: መበቈሉ ኣብቲ ንመርዓውን ንመርዓትን ወይ ንዕዱማቶም ‘ጽቡቕ ዕድል’ ዜምጽእ ተባሂሉ ዚእመነሉ ባቢሎናዊ ልምድታት ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ኢሳይያስ 65:11 ትርጕም 1990) ሓደ ኻብቲ ልምድታት ሩዝ ወይ ካልእ መተካእታኡ ምንጻግ የጠቓልል። እዚ ልምዲ እዚ: እቲ ዚንጸግ ምግቢ ንእኩያት መናፍስቲ ስለ ዜሐጕሶም: ነታ መርዓትን ነቲ መርዓውን ጕድኣት ከም ዘየውርዱ ይገብሮም ካብ ዚብል ሓሳብ ዝነቐለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ: ሩዝ ካብ ቀደም ኣትሒዙ ምስ ፍርያምነትን ሓጐስን ነዊሕ ዕድመን ምትእስሳር ከም ዘለዎ ይእመን እዩ። ኵሎም እቶም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪጸንዑ ዚደልዩ: ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ እተበከለ ልምድታት ከም ዚርሕቑ እምበኣር ንጹር እዩ።—2 ቈረንቶስ 6:14-18

18. ኪምርዓዉ ንዚሓስቡ መጻምድትን ነቶም ዕዱማቶምን መምርሒ ዚዀኖም እንታይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስርዓታት እዩ፧

18 ብዘይካዚ: ኣገልገልቲ የሆዋ ኻብቲ ንመርዓን ንናይ መርዓ ድግስን ክርስትያናዊ ኽብረቱ ዜጕድለሉ ወይ ካብቲ ንሕልና ገሊኦም ዜቝስል ዓለማዊ ልምድታት ይቝጠቡ እዮም። ንኣብነት: ጐዳኢ ሽምጠጣ ወይ ጾታዊ ነገር ዚእምት ዘረባታት ካብ ምዝራብ ይርሕቑ: ንሓደስቲ መርዑትን ንኻልኦትን ኬሕፍር ዚኽእል ዋዛ ወይ ዘረባ ኻብ ምዝራብ ድማ ይቝጠቡ። (ምሳሌ 26:18, 19፣ ሉቃስ 6:31፣ 10:27) ትሕትና ዘይኰነስ: “ንብረት ትዕቢት” ዜንጸባርቕ: ኣመና ሰፊሕ ውራይ እውን ኣይገብሩን። (1 ዮሃንስ 2:16) ክትምርዖ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ: የሆዋ ነታ ፍልይቲ መዓልትኻ ብጣዕሳ ዘይኰነስ ብሓጐስ ክትዝክራ ኸም ዚደልየካ ኣይትረስዕ። *

ብርጭቆኻ ኣልዒልካ ትምኒትካ ምግላጽ ሃይማኖታዊ ትርጕም ኣለዎ ድዩ፧

19, 20. ሓደ ዓለማዊ ምንጪ ብዛዕባ ምንጪ ቺንቺን ምባል እንታይ እዩ ዝበለ፧ እዚ ልምዲ እዚ ብክርስትያናት ቅቡል ዘይኰነኸ ስለምንታይ እዩ፧

19 ኣብ መርዓታትን ኣብ ካልእ ማሕበራዊ ኣጋጣሚታት ልሙድ ዝዀነ ተግባር: ብርጭቆኻ ኣልዒልካ ትምኒትካ ምግላጽ ወይ ቺንቺን ምባል እዩ። እታ ብ1995 እተዳለወት ኢንተርናሽናል ሃንድቡክ ኦን ኣልኮል ኤንድ ካልቸር ከምዚ በለት:- “ቺንቺን ምባል . . . ምናልባት ካብቲ ቕዱስ ፈሳሲ ንኣማልኽቲ ዚቐርበሉ ዝነበረ ጥንታዊ መስዋእቲ ጣኦታት ተተሓሒዙ ዝመጸ ዓለማዊ ኣሰር ዘለዎ እዩ ኪኸውን ዚኽእል። ‘ነዊሕ ዕድመ!’ ወይ ‘ንጥዕናኻ’ ዚብል ቃላት ዝሓዘ ጸሎት ወይ ትምኒት ምእንቲ ኺፍጸም: ደም ወይ ወይኒ ይቐርብ ነበረ።”

20 ሓቂ እዩ: ብዙሓት ሰባት ብርጭቆኦም ኣልዒሎም ትምኒቶም ኪገልጹ ኸለዉ: ሃይማኖታዊ ወይ ማሪታዊ ምትሕሓዝ ከም ዘለዎ ኣይፈልጡን እዮም። ኰይኑ ግን: ወይኒ ዝመልአ ብርጭቆ ናብ ሰማይ ገጽካ ምልዓል: ምስቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ዝገለጾ ብዚጋጮ መገዲ ኻብ “ሰማይ” ወይ ካብ ልዕለ-ባህርያዊ ሓይሊ በረኸት ምሕታት ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ።—ዮሃንስ 14:6፣ 16:23 *

‘ኣቱም ንየሆዋ እተፍቅርዎ: እከይ ጽልኡ’

21. ሃይማኖታዊ መበቈል ዘይብሉ ኽነሱ ክርስትያናት ግን ዘይካፈልዎ እንታይ በዓላት ኪጥቀስ ይከኣል፧ ስለምንታይከ፧

21 ገሊአን ሃገራት ነቲ እናኣንቈልቈለ ዚኸይድ ዘሎ ስርዓታት ዓለም ዜንጸባርቕ: ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ ኸኣ እታ ዓባይ ባቢሎን እተስፋሕፍሖ ካርኒቫላት ብምድላው: ብዕሉግ ሳዕስዒት ዜርኢ ፌስታ ይገብራ: ሕሉፍ ሓሊፈን እውን ግብረ ሶዶማዊ ኣነባብራ የብዕላ። ሓደ ‘ንየሆዋ ዜፍቅሮ’ ሰብ: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣጋጣሚ ኺእከብ ወይ ነቲ ምርኢት ኪርኢ ግቡእ ድዩ፧ ከምኡ ምግባሩ: እከይ ዘበለ ብሓቂ ኸም ዚጸልእ የርኢዶ፧ (መዝሙር 1:1, 2፣ 97:10) ከምቲ “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢሉ ዝጸለየ ጸሓፍ መዝሙር ዝነበሮ ኣረኣእያ ኺህልወናሲ ኽሳዕ ክንደይ ዝሓሸ ዀን እዩ!—መዝሙር 119:37

22. ሓደ ክርስትያን ኣብ ሓደ በዓል ንኺሳተፍ ወይ ንኺሓድጎ ኣብ ሕልናኡ ተመርኲሱ ዚውስን ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ፧

22 ዓለማዊ በዓላት ኣብ ዚበዓለሉ መዓልትታት: ሓደ ክርስትያን ዚገብሮ ተግባራት ንኻልኦት ኣብቲ በዓል ይሓብር ከም ዘሎ ንኸይመስሎም ጥንቃቐ ኺገብር ኣለዎ። ሃዋርያ ጳውሎስ: “እንተ በላዕኩም: ወይስ እንተ ሰቴኹም: ወይስ ዝዀነ ይኹን እንተ ገበርኩም: ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 10:31፣ ኣብ ገጽ 158-9 እትርከብ “ ጥበባዊ ውሳነታት ምግባር” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) በቲ ኻልእ ሸነኽ: ሓደ ልምዲ ወይ በዓል ዋላ ሓንቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት መበቈል እንተ ዘይብሉ: ክፍሊ ፖለቲካዊ ወይ ሓርበኛዊ በዓል እንተ ዘይኰይኑ: ከምኡውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይጥሕስ እንተ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብኡ ንምክፋል ወይ ንዘይምክፋል ብብሕቱ ኺውስን ይኽእል እዩ። ከምኡ ኺገብር ከሎ: ንኻልኦት መዐንቀፊ ምእንቲ ኸይከውን ስምዒታቶም ኣብ ግምት የእቱ እዩ።

ብቓልን ብግብርን ንኣምላኽ ክብሪ ሃቦ

23, 24. ብዛዕባ ጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ጽቡቕ ምስክርነት ክንህብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

23 ብዙሓት ሰባት ነቲ ገሊኡ በዓላት ዚበዓለሉ መዓልትታት: ብቐዳምነት ስድራ ቤትን ፈተውትን ብሓባር ዚተኣኻኸቡሉ እዋን ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ስለዚ: ነዚ ቕዱስ ጽሑፋዊ መትከልና ዘይፍቕራዊ ወይ ጥሩፍ ከም ዝዀነ ገይሩ ዚርእዮ ሰብ እንተ ኣልዩ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ስድራ ቤቶምን ፈተውቶምን ዚተኣኻኸቡሉ ጥዑይ ምትእኽኻብ ጠቓሚ ምዃኑ ኸም ዚኣምኑሉ ብሕያውነት ክንገልጸሉ ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 11:25፣ መክብብ 3:12, 13፣ 2 ቈረንቶስ 9:7) ምስ እነፍቅሮም ሰባት ኣብ ምሉእ ዓመት ጽቡቕ ግዜ ነሕልፍ እኳ እንተ ዀንና: ንኣምላኽን ንጽድቃዊ ስርዓታቱን ፍቕሪ ስለ ዘሎና ግን: ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዜሐጕስ ኣጋጣሚታት ንዕኡ ብዜጕህዮ ልምድታት ክንጽይቖ ኣይንደልን ኢና።—ኣብ ገጽ 156 እትርከብ “ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝዓበየ ሓጐስ የምጽእ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

24 ገሊኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ብዛዕባ እዚ ጕዳይ ዚሓትዎም ሰባት: ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ: ኣብ ምዕራፍ 16 ዚርከብ ነጥብታት ብምክፋል ጽቡቕ ኣሳልጦ ረኺቦም እዮም። * ሸቶና ግን ኣልባብ ሰባት ናብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ምስሓብ ደኣ እምበር: ክትዕ ምርታዕ ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። ስለዚ: ብኣኽብሮትን ብህዱእ መንፈስን ተዛረብ: ‘ዘረባኻ ድማ ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ ይኹን።’—ቈሎሴ 4:6

25, 26. ወለዲ ንደቆም በቲ ንየሆዋ ዘለዎም እምነትን ፍቕርን ንኺዓብዩ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

25 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ምዃንና መጠን: እኹል ሓበሬታ ይወሃበና እዩ። ገሊኡ ነገራት ክንኣምነሉን ክንገብሮን ከለና: ካብ ገሊኡ ግን እንርሕቀሉ ምኽንያት ስለምንታይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (እብራውያን 5:14) ስለዚ ኣቱም ወለዲ: ንደቅኹም ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ንኺርድኡ ሓግዝዎም። በዚ ኸምዚ እምነቶም ትሃንጹ: ነቶም ብዛዕባ እምነቶም ዚሓትዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ መልሲ ኺህቡ ትሕግዝዎም: የሆዋ ኸም ዜፍቅሮም ድማ ተረጋግጹሎም።—ኢሳይያስ 48:17, 18፣ 1 ጴጥሮስ 3:15

26 ኵሎም እቶም ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ዜምልኽዎ: ካብ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ በዓላት ይርሕቑ ጥራይ ዘይኰኑስ: ኣብ ኵሉ መዳይ ህይወት እውን ሓቀኛታት ኪዀኑ ይጽዕሩ እዮም። ሎሚ ብዙሓት ሰባት: ሓቀኛ ዄንካ ኽትነብር ከም ዘይትኽእል ይሓስቡ። ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ከም እንርእዮ ግን: መገድታት ኣምላኽ ወትሩ እቲ ዝበለጸ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 3 ኣብ ገጽ 148-9 እትርከብ “ኣብዚ በዓል እዚ ኽሓብርዶ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ። ሓያሎ በዓላት ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ዎች ታወር ፓብሊኬሽንስ ኢንደክስ ተዘርዚሩ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 5 ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱሳዊ ቐመርን ዓለማዊ ታሪኽን: የሱስ ኣብ 2 ቅ.ክ. ኣብታ ኣብዚ ሕጂ እንጥቀመሉ ዓውደ-ኣዋርሕ ኣብ መስከረም/ጥቅምቲ እትውዕል ኤታኒም እትበሃል ናይ ኣይሁድ ወርሒ እዩ ተወሊዱ ኪኸውን ዚኽእል።—ኣብቲ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመ ኢንሳይት ኦን ዘ ስክሪፕቸርስ: 2ይ ጥራዝ: ኣብ ገጽ 56-7 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብ ገጽ 150 እትርከብ “በዓላትን ሰይጣናውነትን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

^ ሕ.ጽ. 11 ብመሰረት እቲ ሕጊ ኺዳን: ሰበይቲ ምስ ወለደት: ንኣምላኽ መስዋእቲ ሓጢኣት ከተቕርብ ነበራ። (ዘሌዋውያን 12:1-8) እዚ ንእስራኤላውያን እተዋህበ ትእዛዝ: ንደቆም ሓጢኣት ከም ዜመሓላልፉሎም ዜዘኻኽሮም ብምዃኑ: ብዛዕባ ውልደት ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልዎምን ዕለት ልደት ናይ ምብዓል ኣረማዊ ልምድታት ከየተኣታትዉን ሓጊዝዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ።—መዝሙር 51:5

^ ሕ.ጽ. 13 ኢዮስተር (ወይ ኢስተር) ኣምላኽ ፍርያምነት እውን እያ። ብመሰረት ዘ ዲክሽነሪ ኦቭ ሚቶሎጂ፡ “ኣብ ወርሒ እንቋቝሖታት እትፈቱ ማንቲለ ኣላታ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን ርእሲ ማንቲለ ኸም ዘለዋ ጌርካ ትሰኣል እያ።”

^ ሕ.ጽ. 18 ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 18-31 ዚርከባ ብዛዕባ መርዓን ማሕበራዊ ምትእኽኻብን ዚገልጻ ሰለስተ ዓንቀጻት ርአ።

^ ሕ.ጽ. 20 ናይ 15 ለካቲት 2007 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 30-1 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 24 ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት።