ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 14

ኣብ ኵሉ ሓቀኛ ኹን

ኣብ ኵሉ ሓቀኛ ኹን

“ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛነት:” NW] ክንነብር እናደሌና።”—እብራውያን 13:18

1, 2. የሆዋ: ሓቀኛታት ክንከውን ክንጽዕር ከለና ዚሕጐስ ስለምንታይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

ሓንቲ ኣደን ንእሽቶ ወዳን ካብ ድኳን ወጹ። ብሃንደበት እቲ ቘልዓ ደው በለ: ኣብ ገጹ ድማ ስንባድ ይንበብ ነበረ። ኣብ ኢዱ ኻብቲ ድኳን እተማልኣ ንእሽቶ መጻወቲ ሒዙ ነበረ። ናብ ቦታኣ ምምላስ ወይ ንኣዲኡ ኽትዕድገሉ ምሕታት ረሲዑ እዩ ተማሊእዋ ወጺኡ። በቲ ዘጋጠሞ ተረቢሹ ንኣዲኡ ኽትሕግዞ ሓተታ። ንሳ ድማ ኣጆኻ ኢላ ድሕሪ ምትብባዕ: ናብቲ ድኳን ሒዛቶ ተመልሰት: ይቕረታ ሓቲቱ ድማ ነታ መጻወቲ መለሳ። ከምኡ ኺገብር ከሎ: ልቢ እታ ኣደ ብሓጐስን ብሓበንን መልአ። ስለምንታይ፧

2 ወለዲ: ደቆም ኣገዳስነት ሓቀኛነት ኪመሃሩ ኻብ ምርኣይ ዚዓቢ ሓጐስ የብሎምን። እቲ “ኣምላኽ ሓቂ” ዝዀነ ሰማያዊ ኣቦና እውን ከምኡ እዩ ዚስምዖ። (መዝሙር 31:5) ናብ መንፈሳዊ ብስለት ኣብ እንገብሮ ዕቤት: ሓቀኛታት ክንከውን ክንጽዕር ከለና የሐጕሶ እዩ። ከነሐጕሶን ኣብ ፍቕሩ ኽንጸንዕን ስለ እንደሊ: ነቲ ሃዋርያ ጳውሎስ: “ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛነት:” NW] ክንነብር እናደሌና” ብምባል ዝገለጾ ስምዒት ንሰማምዓሉ ኢና። (እብራውያን 13:18) እምበኣር ነቲ ሓድሓደ ግዜ ሓቀኛታት ንምዃን ብዝያዳ ዚብድሃና ኣርባዕተ ቐንዲ መዳያት ህይወት እስከ ነተኵረሉ። ድሕሪኡ ሓቀኛታት ብምዃንና ዚርከብ ገለ በረኸት ክንርኢ ኢና።

ንርእስና ሓቀኛታት ምዃን

3-5. (ሀ) ንርእስና ምጥባር ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋታት: ቃል ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ዜጠንቅቐና፧ (ለ) ንርእስና ሓቀኛታት ንኽንከውን ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

3 ቀዳማይ ብድሆ ንርእስና ሓቀኛታት ምዃን እዩ። ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና: ብቐሊሉ ንርእስና ንጥብር ኢና። ንኣብነት: የሱስ ነቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ሃብታማት ከም ዝዀኑ ይመስሎም እኳ እንተ ነበረ: ከም ሓቂ ግን ብመንፈሳዊ መዳይ “ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን” ከም ዝነበሩ ነገሮም። (ራእይ 3:17) ንርእሶም ምጥባሮም: ንዅነታቶም ዝያዳ ሓደገኛ ጥራይ እዩ ገይርዎ።

4 ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “ሓደ እኳ: ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር: ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ: ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ: ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ” ኢሉ ኸም ዘጠንቀቐ እውን ትዝክሮ ትኸውን። (ያእቆብ 1:26) ንልሳንና ብግጉይ መገዲ እናተጠቐምና ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ነምልኾ ኢልና እንተ ሓሲብና: ንልብና ጥራይ ኢና እነታልሎ። ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ ኸንቱ ወይ ብላሽ እዩ ዚኸውን። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዜሕዝን መገዲ ኼድሕነና ዚኽእል እንታይ እዩ፧

5 ያእቆብ ኣቐድም ኣቢሉ: ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ምስ መስትያት ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ነቲ ፍጹም ሕጊ ኣምላኽ ኣጸቢቕና ኽንጥምቶን ዜድሊ ምትዕርራያት ክንገብርን ምዒዱና ኣሎ። (ያእቆብ 1:23-25) ንርእስና ሓቀኛታት ክንከውንን ምእንቲ ኽንመሓየሽ እንታይ ክንገብር ከም ዜድሊ ኸነስተውዕልን: መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ድጕዓ ኤርምያስ 3:40፣ ሃጌ 1:5) ናብ የሆዋ ኽንጽልን ንሱ ንኺምርምረና ኽንሓቶን ንኽእል ኢና: እዚ ድማ ዝዀነ ይኹን ከቢድ ጕድለትና ንኸነስተውዕልን ንኽንፈትሖን ይሕግዘና። (መዝሙር 139:23, 24) ሓቀኛ ዘይምዃን ኣቕሊልካ ዚርአ ድኽመት ኣይኰነን: ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና ዚርእዮ ጌርና ኸኣ ክንርእዮ ይግባእ። ምሳሌ 3:32 “እግዚኣብሄር ነቲ ቔናን ይፍንፍኖ: ምስጢሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ” ትብል። የሆዋ ኸምቲ ናቱ ዓይነት ስምዒት ንኺህልወናን ብዛዕባ ርእስና ኸም ናቱ ዓይነት ኣረኣእያ ንኸነጥርን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። ጳውሎስ: “ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛነት:” NW] ክንነብር እናደሌና” ኸም ዝበለ ዘክር። ሕጂ ፍጹማት ክንከውን ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና: ሓቀኛታት ክንከውን ግን ካብ ልብና ንብህግን ንደልን ኢና።

ሓቀኛነት ኣብ ስድራ ቤት

ሓቀኛ ምዃን ካብቲ ኽንሓብኦ ዚፍትነና ተግባራት ክንቍጠብ ይሕግዘና

6. ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ሓቀኛታት ኪዀኑ ዜድልዮም ስለምንታይ እዩ፧ በዚ ኸምዚኸ ኻብ ምንታይ ሓደጋ እዮም ዜምልጡ፧

6 ሓቀኛነት መለለዪት ክርስትያናዊት ስድራ ቤት ክትከውን ይግባእ። ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ግልጽን ሓቀኛታትን ኪዀኑ ኣለዎም። ካብ መርዓ ወጻኢ ምኵሻም: ብኢንተርነት ምስጢራዊ ርክባት ምግባር: ብዝዀነ ይኹን መልክዕ ስእለ-ጽዩፍ ምጥቃም: ወይ ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ጐዳእን ርኹስን ተግባራት ምግባር: ኣብ ክርስትያናዊ መውስቦ ቦታ ኺህልዎ ኣይግባእን። ገሊኦም ምርዑዋት ክርስትያናት ካብ ንጹህ መጻምድቶም ተሓቢኦም ከምዚ ዝኣመሰለ ግጉይ ተግባራት ገይሮም እዮም። ከምኡ ምግባር ቅጥፈት እዩ። እቲ እሙን ዝነበረ ንጉስ ዳዊት: “ምስ ሓሰውቲ ሰባት ኣይተቐመጥኩን: ምስ ኣምሰሉታትውን ኣይከድኩን” በለ። (መዝሙር 26:4) ምርዑው እንተ ዄንካ: ንመጻምድትኻ እንታይነትካ ኽትሓብእ ዚፍትነካ ነገር ከቶ ኣይትግበር!

7, 8. ውሉዳት ንሓቀኛነት ኣኽቢሮም ንኺርእዩ ኺሕግዞም ዚኽእል እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነታት እዩ፧

7 ወለዲ ንደቆም ኣገዳስነት ሓቀኛነት ኪምህርዎም ከለዉ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከቡ ኣብነታት ምስ ዚጥቀሙ ጥበባዊ እዩ። ብኣሉታዊ ሸነኽ: እቲ ሰሪቑ ንዝሰረቖ ኺሓብእ ዝፈተነ ኣካን: እቲ ገንዘባዊ ረብሓ ኺረክብ ኢሉ ዝሓሰወ ገሓዚ፣ ከምኡውን እቲ ዝሰረቐን ንየሱስ ኪጐድኦ ኢሉ ዝሓሰወን ይሁዳ ኺጥቀሱ ይከኣሉ።—እያሱ 6:17-19፣ 7:11-25፣ 2 ነገስት 5:14-16, 20-27፣ ማቴዎስ 26:14, 15፣ ዮሃንስ 12:6

8 ብኣወንታዊ ሸነኽ ከኣ: እቲ ንደቁ ኣብ ኣፍ ዓያብቶም ዝረኸብዎ ገንዘብ ብጌጋ ኣብኡ ኣትዩ ኪኸውን ከም ዚኽእል ስለ ዝሓሰበ ኺመልስዎ ዝነገሮም ያእቆብ: ይፍታሕን እታ ነቲ ኣቦኣ ዝኣተዎ መብጽዓ ዓብዪ ብሕታዊ መስዋእቲ ኸፊላ ዝሓለወት ጓሉን: እቲ ትንቢት ንኺፍጸምን ንኣዕሩኹ ንኺከላኸለሎምን ኢሉ ኣብ ቅድሚ ሕሱማት ጭፍራ መንነቱ ብትብዓት ዝገለጸ የሱስ ኪጥቀሱ ይከኣሉ። (ዘፍጥረት 43:12፣ መሳፍንቲ 11:30-40፣ ዮሃንስ 18:3-11) ወለዲ ንደቆም ሓቀኛነት ኪፈትዉን ኣኽቢሮም ኪርእዩን ንምምሃር ካብ ቃል ኣምላኽ ብዙሕ ጠቓሚ ሓበሬታ ኺረኽቡ ኸም ዚኽእሉ: ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተዘርዘረ ሒደት ኣብነታት ኪርእዩ ይኽእሉ እዮም።

9. ወለዲ ንደቆም ኣብነት ሓቀኛነት ኪዀኑ እንተ ደልዮም: ካብ ምንታይ ኪርሕቑ ኣለዎም፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነት ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

9 ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ: ንወለዲ ኣገዳሲ ሓላፍነት የሰክሞም። ሃዋርያ ጳውሎስ: “ኣታ ንኻልእ እትምህር: ንርእስኻስ ኣይትምህራን ዲኻ፧ ኣታ: ኣይትስረቑ: ኢልካ እትሰብኽ: ባዕልኻዶ ትሰርቕ፧” ኢሉ ሓተተ። (ሮሜ 2:21) ገሊኦም ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ሓቀኛ ምዃን እናመሃርዎም ክነሶም: ንሳቶም ንባዕሎም ግን ብቕጥፈት ስለ ዚመላለሱ: ከም ዚደናገሩ ይገብርዎም እዮም። ንኣሽቱ ነገራት ኪሰርቁ ኸለዉ: “ነዚ ነገራት እዚ ማንም እዩ ዚወስዶ” ብምባል የመሳምሱ: ዜታልል ቃላት ኪዛረቡ ኸለዉ ኸኣ: “ብዙሕ ዘይጐድእ ሓሶት እዩ” ብምባል የመኻንዩ ይዀኑ። ከም ሓቂ ግን: ዋጋ እቲ እተሰርቀ ኣቕሓ ብዘየገድስ ስርቂ: ስርቂ እዩ፣ እቲ ዝሓሰኻሉ ጕዳይ ወይ ደረጃ እቲ ሓሶት ብዘየገድስ እውን ሓሶት: ሓሶት እዩ። * (ሉቃስ 16:10) ቈልዑ ቐልጢፎም ግብዝና የለልዩ እዮም: በዚ ድማ ብዙሕ ኪጕድኡ ይኽእሉ እዮም። (ኤፌሶን 6:4) ይኹን እምበር: በቲ ወለዶም ዜርእይዎም ኣብነት ሓቀኛ ምዃን ኪመሃሩ ኸለዉ: ኣብዛ ቕጥፈት ዝመልኣ ዓለም ንየሆዋ ኽብሪ ዚህቡ ዀይኖም ኪዓብዩ ይኽእሉ እዮም።—ምሳሌ 22:6

ሓቀኛነት ኣብ ጉባኤ

10. ኣብ መንጎ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ሓቂ ብዛዕባ ምዝርራብ: እንታይ ጥንቃቐ ኢና ኽንርስዕ ዘይብልና፧

10 ምስ ክርስትያን ብጾትና ዘሎና ሕብረት: ሓቀኛነት ንኸነማዕብል ብዙሕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። ኣብ ምዕራፍ 12 ከም እተመሃርናዮ: ክንዛረብ ከለና: ብፍላይ ምስ መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንዘራረብ ከለና ኽንጥንቀቕ ኣሎና። ዕላል ብቐሊሉ ናብ ጐዳኢ ሕሜት: ሕሉፍ ሓሊፉ እውን ናብ ምክፋእ ኪቕየር ይኽእል እዩ። ምንጩ ዘይተረጋገጸ ዛንታ ነዘንቱ እንተ ኣሊና: ሓሶት ንኺዝርጋሕ ንሕግዝ ንህሉ ንኸውን: ስለዚ ኸናፍርና እንተ ገታእና ይሓይሽ። (ምሳሌ 10:19) በቲ ኻልእ ሸነኽ: ሓደ ነገር ሓቂ ኸም ዝዀነ ዋላ እኳ እንተ ፈለጥና: ክንዛረቦ ኣሎና ማለት ግን ኣይኰነን። ንኣብነት: እቲ ጕዳይ ዘይምልከተና ወይ ብዛዕባኡ ምዝራብ ንኻልኦት ዚሃሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:11, 12) ገሊኦም ሰባት ዘይእሩም ዘረባ ተዛሪቦም ኬብቅዑ ‘ሓቂ እየ ተዛሪበ’ ኢሎም የመኻንዩ፣ ኰይኑ ግን ዘረባና ዅሉ ሳዕ ብጸጋን ብሕያውነትን ኪኸውን ይግባእ።—ቈሎሴ 4:6

11, 12. (ሀ) ገሊኦም ከቢድ ኣበሳ ዝፈጸሙ ሰባት ነቲ ጸገሞም ዚሓላልኽዎ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ሰይጣን ብዛዕባ ኸቢድ ሓጢኣት ዚነዝሖ ገሊኡ ሓሶት እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኢና ነዚ ኽንቃለሶ እንክእል፧ (ሐ) ንውድብ የሆዋ ሓቀኛታት ምዃንና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

11 ብፍላይ ምስቶም ኣብ ጉባኤ መሪሕ ግደ ዘለዎም ኣብ ዘሎና ርክብ ሓቀኛታት ክንከውን ይግባእ። ገሊኦም ከቢድ ኣበሳ ዝፈጸሙ ሰባት: ሽማግለታት ጉባኤ ብዛዕባኡ ኺሓትዎም ከለዉ: ሓጢኣቶም ኪሓብኡን ኪሕስዉን ብምፍታን ንጸገሞም ይሓላልኽዎ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንየሆዋ ኸም ዜገልግሉ እናመሰሉ ኸቢድ ሓጢኣት እናፈጸሙ ስለ ዚመላለሱ: ክልተ ዓይነት ህይወት ይመርሑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ምሉእ ህይወቶም ሓሶት ይኸውን። (መዝሙር 12:2) ገሊኦም ከኣ ንሽማግለታት እተወሰነ ሓቂ ይነግሩ: ኣገዳሲ ሓቅታት ግን ይሓብኡ። (ግብሪ ሃዋርያት 5:1-11) ከምዚ ዝኣመሰለ ጕድለት ሓቀኛነት: ኣብቲ ሰይጣን ዚነዝሖ ሓሶት ካብ ምእማን እዩ ዚለዓል።—ኣብ ገጽ 164-5 እትርከብ “ ሰይጣን ብዛዕባ ኸቢድ ሓጢኣት ዚነዝሖ ሓሶት” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

12 ውድብ የሆዋ ንዜቕርበልና ሕቶታት ብጽሑፍ መልሲ ኽንህብ ከለና እውን ሓቀኛታት ክንከውን ኣሎና። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ኣገልግሎት እንገብሮ ንጥፈታት ጸብጻብ ክንህብ ከለና: ናይ ሓሶት ጸብጻብ ከይንህብ ክንጥንቀቕ ኣሎና። ብተመሳሳሊ: ገሊኡ ፍሉይ መሰላት ኣገልግሎት ንምርካብ ከነመልክት ከለና: ኵነታት ጥዕናና ወይ ካልእ ዝዀነ ይኹን ጸብጻብ ክንጠዊ የብልናን።—ምሳሌ 6:16-19

13. ምስ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይና ብስራሕ እንራኸብ እንተ ዄንና: ብኸመይ ኢና ሓቀኛታት ክንከውን እንኽእል፧

13 ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ሓቀኛታት ክንከውን ኣሎና ኺበሃል ከሎ: ንስራሕ ኣብ ዚምልከት ጕዳይ እውን ዜጠቓልል እዩ። ሓድሓደ ግዜ: ክርስትያን ኣሕዋትን ኣሓትን ብናይ ስራሕ ጕዳይ ይራኸቡ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳይ ካብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣብ ኣገልግሎት ዚፍጽምዎ ኣምልኾ ምእንቲ ኺፈልይዎ ጥንቃቐ ኺገብሩ ይግባእ። ንኣብነት: ኣስራሕን ሰራሕተኛን ብምዃን ኣብ ስራሕ ይራኸቡ ይዀኑ። ንኣሕዋት ወይ ንኣሓት ነስርሕ እንተ ኣሊና: ደሞዞም ብእዋኑን ከምቲ ስምምዕናን ሕጊ ዚጠልቦ ጥቕምታት ወሲኽናን ብምኽፋል: ኣብቲ ርክብና ሓቀኛታት ንኽንከውን ክንጥንቀቕ ኣሎና። (1 ጢሞቴዎስ 5:18፣ ያእቆብ 5:1-4) በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ: ኣስራሒና ሓው ወይ ሓብቲ እንተ ዀይኑ: ማዕረ እቲ ዚኽፈለና ኽንሰርሕ ይግባእ። (2 ተሰሎንቄ 3:10) መንፈሳዊ ዝምድና ስለ ዘሎና: ዕረፍቲ ኺወሃበና: ገለ ጥቕምታት ክንረክብ: ወይ ንኻልኦት ሰራሕተኛታት ዘይወሃቦም ካልእ ሓለፋታት ኪግበረልና ኽንጽበ የብልናን።—ኤፌሶን 6:5-8

14. ክርስትያናት ብሓባር ኣብ ንግዳዊ ጕዳይ ኪዓዩ ኸለዉ: እንታይ ጥንቃቐታት እንተ ገበሩ እዩ ጥበባዊ ዚኸውን፧ ስለምንታይከ፧

14 እቲ ዜራኽበና ስራሕ ምናልባት ምስ ወፍሪ ወይ ልቓሕ ዚተሓሓዝ ንግዳዊ ስራሓት እንተ ዀይኑኸ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ኣገዳስን ጠቓምን መሰረታዊ ስርዓት ይህበና እዩ። ኵሉ ውዕልና ብጽሑፍ ኪሰፍር ኣለዎ! ንኣብነት: ኤርምያስ ግራት ኪዕድግ ከሎ: ቅዳሕ ዘለዎ ሰነድ ኣዳለወ: መሰኻኽር ገበረ: ንመጻኢ እንተ ኣድልዩ ምእንቲ ኺውከስዎ ድማ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣቐመጦ። (ኤርምያስ 32:9-12፣ ዘፍጥረት 23:16-20 እውን ርአ።) ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ብንግዳዊ ጕዳያት ክንራኸብ ከለና: ንዅሉ ዝርዝር ነገራት ብግቡእ ኣዳሊና መሰኻኽር ኣብ እተረኽብዎ ኣብቲ ሰነድ ምፍራምና: ከም ዘይንተኣማመን ዜርኢ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ: ዘይምርድዳኣትን ጓህን ዚኸፋፍል ዘይምስምማዓትን ንኸይፍጠር ይሕግዝ። ብሓባር ኰይኖም ኣብ ንግዳዊ ጕዳይ ዚዓዩ ክርስትያናት: ዚሰርሕዎ ዝዀነ ይኹን ስራሕ ንሓድነትን ሰላምን እታ ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ኸም ዘይግባእ ኪርስዑ የብሎምን። *1 ቈረንቶስ 6:1-8

ሓቀኛነት ኣብ ዓለም

15. የሆዋ ብዛዕባ ቕጥፈት ዝመልኦ ንግዳዊ ንጥፈታት ከመይ ይስምዖ፧ ክርስትያናት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ልሙድ ተግባራት ብኸመይ ይርእይዎ፧

15 ሓደ ክርስትያን ኣብ ጉባኤኡ ጥራይ ኣይኰነን ሓቀኛ ኪኸውን ዚግባእ። ጳውሎስ: “ብዅሉ ደግነት [“ሓቀኛነት:” NW] ክንነብር እናደሌና” እዩ ኢሉ። (እብራውያን 13:18) ፈጣሪና ንዓለማዊ ስራሕ ኣብ ዚምልከት ጕዳይ እውን ሓቀኛታት ክንከውን እዩ ዚደልየና። ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ጥራይ: ብዛዕባ ሓሳዊ ሚዛን ኣርባዕተ ሳዕ ሓሳባት ተዋሂቡ ኣሎ። (ምሳሌ 11:1፣ 16:11፣ 20:10, 23) ብግዜ ጥንቲ: ኣብ ንግዳዊ ምልውዋጥ ነቲ እትዕድጎ ኣቕሑን ንዕኡ ንምዕዳግ እትጥቀመሉ ገንዘብን ንምምዛን ሚዛንን መምዘንን ምጥቃም ልሙድ እዩ ነይሩ። መታለልቲ ሸቃጦ ንዓማዊሎም ንኼታልሉን ንኼጠፋፍኡን ኢሎም ክልተ ዓይነት ንመምዘኒ ዚጥቀሙሉ ጕጅለ ኣእማንን ልክዕ ዘይኰነ ሚዛንን ይጥቀሙ ነበሩ። * የሆዋ ኸምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ይጸልእ እዩ። ኣብ ፍቕሩ ኽንጸንዕ እንተ ዄንና: ካብቲ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታት ዚግበር ዝዀነ ይኹን ቅጥፈት ንርሕቕ ኢና።

16, 17. ሎሚ ኣብ ዓለም እንታይ ዓይነት ቅጥፈት እዩ ልሙድ ኰይኑ ዘሎ፧ ናይ ሓቂ ክርስትያናትከ እንታይ ኪገብሩ እዮም ቈራጽነት ዝገበሩ፧

16 ሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ስለ ዝዀነ: ቅጥፈት ኣብ ዝኸድናዮ ዅሉ እንተ ረኸብና ኣየገርመናን እዩ። መዓልታዊ ኽንቀጥፍ ፈተናታት የጋጥመና እዩ። ሰባት ስራሕ ንኺኣትዉ ኼመልክቱ ኸለዉ: ኣብቲ መመልከቲኦም ብዛዕባ ብቕዓቶምን ተመክሮኦምን ምህዝ ኣቢሎም ብምቕራብ ሓሶትን ምግናንን ምጥቃም ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ናብ ወጻኢ ሃገር ንምኻድ: ንቐረጽ: ንመድሕን: ከምኡውን ንኻልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ነገራት ፎርም ኪመልኡ ኸለዉ: ነቲ ዝደለይዎ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም ናይ ሓሶት መልሲ ምሃብ ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ብዙሓት ተመሃሮ ኣብ ፈተና ይቐድሑ: ወይ ጽሑፍን ጸብጻብን ኬዳልዉ ኸለዉ: ኣብ ኢንተርነት ከፊቶም ኣብኡ ዝጸንሖም ይቐድሑ እሞ ሓስዮም ከም ናቶም ገይሮም የቕርብዎ። ሰባት ኣብ ቅድሚ ብልሹዋት ሰበ-ስልጣን ኪቐርቡ ኸለዉ እውን: ዝደለይዎ ምእንቲ ኺፍጸመሎም ብዙሕ ግዜ ጉቦ ይህቡ። ኣብዛ መብዛሕትኦም ሰባት “ፈተውቲ ርእሶም . . . ፈተውቲ ገንዘብ: . . . ሰናይ ዘይፈትዉ” ዝዀኑላ ዓለም ነዚ ንጽበዮ ኢና።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

17 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንዝዀነ ይኹን ካብዚ ተግባራት እዚ ኸይገብሩ ቘሪጾም እዮም። ሓቀኛ ምዃን በዳሂ ኻብ ዚገብሮ ነገራት ሓደ: እቶም ብቕጥፈት ዚመላለሱ ዚሰልጦምን ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዝያዳ ዚጥቀሙን ስለ ዚመስሉ እዩ። (መዝሙር 73:1-8) ክርስትያናት ግን “ብዅሉ” ሓቀኛታት ኪዀኑ ስለ ዚደልዩ: ገንዘባዊ ወጽዓ የጋጥሞም ይኸውን። እሞኸ ሓቀኛ ምዃን ክሳዕ ክንድዚ መስዋእቲ ኪኽፈለሉ ዚግብኦ ድዩ፧ ብርግጽ ይግብኦ እዩ! ስለምንታይ ግን እዩ ዚግብኦ፧ ሓቀኛ ብምዃንከ እንታይ በረኸት ይርከብ፧

ሓቀኛነት ዜምጽኦ በረኸት

18. ሓቀኛ ኸም ዝዀንካ ስም ምጥራይ ዓብዪ ዋጋ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧

18 ብሓቀኛነትካን ብተኣማንነትካን ስም እንተ ኣጥሪኻ: ኣብ ህይወት ብዙሕ ዘይርከብ ኣዝዩ ኽቡር ነገር ኢኻ ኣጥሪኻ። (ኣብ ገጽ 167 እትርከብ “ ክሳዕ ክንደይ እየ ሓቀኛ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ሕስብ እሞ ኣብሎ። ዝዀነ ይኹን ሰብ ከምዚ ዓይነት ስም ኬጥሪ ይኽእል እዩ። ኣብ ክእለት: ሃብቲ: መልክዕ: ማሕበራዊ ድሕረ-ባይታ: ወይ ዝዀነ ይኹን ክትቈጻጸሮ ዘይትኽእል ረቛሒታት ዚምርኰስ ኣይኰነን። ኰይኑ ግን: ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ስም ኬጥርዩ ኣይከኣሉን። ጽቡቕ ስም ዘለዎም ሰባት: ሳሕቲ እዮም ዚርከቡ። (ሚክያስ 7:2) ገሊኦም ሓቀኛ ብምዃንካ የባጭዉልካ ይዀኑ: ገሊኦም ግን የኽብሩኻ እዮም: በቲ ኣባኻ ዘለዎም እምነትን ኣኽብሮትን ኣቢሎም ድማ ዓስቢ ይህቡኻ። ሓያሎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቀኛታት ምዃኖም ብገንዘባዊ መገዲ እውን ጠቒምዎም እዩ። ቀጠፍቲ ሰራሕተኛታት ኪስጐጉ ኸለዉ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን ስራሖም ኣይሰኣኑን: ወይ ሓቀኛታት ሰራሕተኛታት ኣመና ኣብ ዚድለዩሉ እዋናት ስራሕ ረኺቦም እዮም።

19. ብሓቀኛነት ምምልላስ ንሕልናኻን ምስ የሆዋ ንዘሎካ ርክብን ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

19 ከምዚ ኺግለጽ ዝጸንሐ የጋጥምካ ኣየጋጥምካ ብዘየገድስ: ሓቀኛነት ዝዓበየ በረኸት ኬምጽኣልካ እዩ። ሰናይ ሕልና ብምሓዝካ ኽትባረኽ ኢኻ። ጳውሎስ: “ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና: ተረዲእናዮ አሎና” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 13:18) ብተወሳኺ: እቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና እውን ነቲ ጽቡቕ ስምካ ብርግጽ ኬስተብህለሉ እዩ: ሓቀኛታት ሰባት እውን የፍቅር እዩ። (መዝሙር 15:1, 2፣ ምሳሌ 22:1) እወ: ሓቀኛ ምዃንካ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽትጸንዕ ኪሕግዘካ እዩ: ካብዚ ዚዓቢ ኻልእ ዓስቢ ድማ ኣይንደልን ኢና። ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ ምስዚ ዚዛመድ ጕዳይ: ማለት የሆዋ ብዛዕባ ስራሕ ዘለዎ ኣረኣእያ እስከ ንመርምር።

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብ ጉባኤ ዀነ ኢልካ ብኽፍኣት ዚግበር ሓሶት: ማለት ብንጹር ንኻልኦት ንምጕዳእ ኢልካ ዚግበር ሓሶት እንተ ተዘሪቡ: ሽማግለታት ናይ ፍርዲ ስጕምቲ ኺወስዱ ይኽእሉ እዮም።

^ ሕ.ጽ. 14 ኣብ ንግዳዊ ጕዳያት ጸገም እንተ ኣጋጢሙ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ ብዚምልከት ኣብ መመላእታ ጽሑፍ: ኣብ ገጽ 222-3 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 15 ኪዕድጉ ኸለዉ ንመምዘኒ ዚኸውን ሓደ ጕጅለ ኣእማን ኪጥቀሙ ኸለዉ: ካልእ ጕጅለ ድማ ንምሻጥ ይጥቀሙሉ ነበሩ፣ በዚ ኸምዚ ብኽልተ መገዲ ይብለጹ ነበሩ። ንዓማዊሎም ኣብ ንግዳዊ ልውውጥ ምእንቲ ኼታልልዎም ኢሎም: ሓደ ሸነኹ ዝነውሐ ወይ ዝኸበደ ሚዛን እውን ይጥቀሙ ነይሮም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።