ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 16

ንድያብሎስን ንፍሕሶኡን ተጻረሮ

ንድያብሎስን ንፍሕሶኡን ተጻረሮ

“ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ።”—ያእቆብ 4:7

1, 2. ጥምቀት ንመን እዩ ዜሐጕስ፧

ንነዊሕ ዓመታት ንየሆዋ ኸተገልግሎ ዝጸናሕካ እንተ ዄንካ: ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትና ሓያሎ መደረታት ጥምቀት ሰሚዕካ ኽትከውን ኣሎካ። ኰይኑ ግን: ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ብዙሕ ሳዕ እኳ እንተ ተኣከብካ: እቶም ኣብ ቅድሚት እቲ መአከቢ ኾፍ ኢሎም ዝነበሩ ንጥምቀት ገዛእ ርእሶም ኬቕርቡ ኸለዉ ብዝረኣኻ መጠን ልብኻ ይትንከፍ ይኸውን። ኣብታ ህሞት እቲኣ: ኵሎም እቶም ተኣከብቲ ይሕጐሱ: ሓጐሶም ድማ ካብ ልቢ ብዝመነጨ ጨብጨባ ይገልጹ። ክቡራት ውልቀ-ሰባት ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኪቘሙ ኽትርኢ ኸለኻ: ኣዒንትኻ ብንብዓት ቅጽርጽር ይብላ ይዀና። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ እዋንሲ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን እዩ ዚስምዓና!

2 ኣብ ከባቢና ኣብ ዓመት ኣብ ሒደት እዋናት ጥራይ ጥምቀት እንርኢ እኳ እንተ ዀንና: መላእኽቲ ግን ዝያዳ ጥምቀት ናይ ምርኣይ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ኣብ ሰሰሙን ኣብ መላእ ዓለም ኣሽሓት ውልቀ-ሰባት ናብቲ ዚርአ ኽፋል ውድብ የሆዋ ኺጽምበሩ ኸለዉ ስለ ዚርእዩስ: “ኣብ ሰማይ” ከመይ ዝበለ ዓብዪ “ሓጐስ” ከም ዘሎ ኽትግምት ትኽእልዶ፧ (ሉቃስ 15:7, 10) መላእኽቲ ነዚ ወሰኽ እዚ ኺርእዩ ባህ ከም ዚብሎም ኣየጠራጥርን እዩ!—ሃጌ 2:7

ድያብሎስ “ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ”

3. ሰይጣን “ከም ዚጓዝም ኣንበሳ” ዀይኑ ይዘውር ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ እንታይ ኪገብርከ እዩ ዚደሊ፧

3 ብኣንጻሩ ግን ነዚ ጥምቀት እዚ ብቝጥዓ ዚርእይዎ መንፈሳውያን ፍጡራት ኣለዉ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን: ኣሽሓት ሰባት ነዛ ብልሽውቲ ዓለም ዝባኖም ኪህቡ ኺርእዩ ኸለዉ ይበሳጨዉ እዮም። ከመይሲ: ዋላ ሓደ ሰብ ንየሆዋ ብናይ ሓቂ ፍቕሪ ተደሪኹ ኸም ዘየገልግሎን ኣብ ትሕቲ ፈተና ዋላ ሓደ እሙን ከም ዘየልቦን ሰይጣን ተጃሂሩ ነይሩ እዩ። (እዮብ 2:4, 5) ሰብ ርእሱ ንየሆዋ ኺውፊ ብእተደረኸ መጠን: ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ እዩ ዚረጋገጽ። ብኻልእ ኣበሃህላ ሰይጣን ኣብ ሰሰሙን ብኣሽሓት ዚቝጸር ጽፍዒት እዩ ዚቕበል ዘሎ። “ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር” ምህላዉ እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን! (1 ጴጥሮስ 5:8) እዚ “ኣንበሳ” እዚ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ብምብልሻው ወይ እውን ብምብታኽ: ብመንፈሳዊ መዳይ ኪውሕጠና ይደሊ እዩ።—መዝሙር 7:1, 2፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:12

ሓደ ሰብ ርእሱ ንየሆዋ ወፍዩ ኣብ እተጠምቀሉ ዘበለ፡ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ እዩ ዚረጋገጽ

4, 5. (ሀ) የሆዋ ነቲ ሰይጣን ዘለዎ ጽልዋ ብምንታይ ክልተ ኣገዳሲ መገድታት እዩ ቐይድዎ፧ (ለ) ሓደ ናይ ሓቂ ክርስትያን ብዛዕባ እንታይ እዩ ርግጸኛ ኪኸውን ዚኽእል፧

4 ምስ ሕሱም ጸላኢ ንቃለስ እኳ እንተ ዀንና: ብፍርሂ እንወሓጠሉ ምኽንያት ግን የብልናን። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ ንጽልዋ እቲ “ዚጓዝም ኣንበሳ” ብኽልተ ኣገዳሲ መገድታት ቀይዲ ገይሩሉ እዩ። እዚኸ እንታይ እዩ፧ ብቐዳምነት: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዝዀኑ “ብዙሓት ሰብ” ካብቲ ዚመጽእ ዘሎ “ብርቱዕ ጸበባ” ኸም ዚድሕኑ የሆዋ ተነብዩ እዩ። (ራእይ 7:9, 14) ትንቢታት ኣምላኽ ብጥራሽ ከይተፈጸመ ኣይተርፍን እዩ። ስለዚ: ሰይጣን እውን እንተ ዀነ ንዅሎም ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ መፈንጠራ ኼእትዎም ከም ዘይክእል ይፈልጥ ኪኸውን ኣለዎ።

5 ካልኣይ ቀይዲ: ኣብቲ ሓደ ብግዜ ጥንቲ ንኣምላኽ እሙን ዝነበረ ሰብኣይ እተዛረቦ መሰረታዊ ሓቂ ኽንረኽቦ ንኽእል ኢና። ዓዛርያ ንንጉስ ኣሳ: “ንስኻትኩም ምስ እግዚኣብሄር እንተ ትዀኑስ: ንሱ ምሳኻትኩም እዩ” በሎ። (2 ዜና መዋእል 15:2፣ 1 ቈረንቶስ 10:13) ብዙሕ ተመዝጊቡ ዚርከብ ኣብነታት: ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሰይጣን ንዝዀነ ይኹን ምስ ኣምላኽ ተጸጊዑ ዚመላለስ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ኪውሕጦ ኸም ዘይከኣለ ይምስክረልና። (እብራውያን 11:4-40) ሎሚ ምስ ኣምላኽ ተጸጊዑ ዚመላለስ ክርስትያን: ንድያብሎስ ኪጻረሮን ኪስዕሮን ይኽእል እዩ። አረ ቓል ኣምላኽ እሞ ኸኣ: “ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ: ንሱ ኻባኻትኩም ኪሀድም እዩ” ኢሉ የረጋግጸልና እዩ።—ያእቆብ 4:7

‘እቲ ቕልስና ምስ መናፍስቲ እከይ እዩ’

6. ሰይጣን ምስ ክርስትያን ውልቀ-ሰባት ብኸመይ እዩ ዚቃለስ፧

6 ሰይጣን ኣብቲ ውግእ ኪዕወት ኣይክእልን እዩ: እንተዀነ ግን እንተ ዘይተጠንቂቕና በብውልቂ ኺውሕጠና ይኽእል እዩ። ምስ የሆዋ ዘሎና ማእሰር እንተ ላሕሊሑ: ኪውሕጠና ኸም ዚኽእል ይፈልጥ እዩ። ነዚ ብኸመይ እዩ ኺገብሮ ዚፍትን፧ ጽዑቕን ብሕታውን ጕርሒ ዝመልኦን መጥቃዕቲ ብምፍናው እዩ ነዚ ዚገብሮ። ነዚ ቐንዲ ስልትታት ሰይጣን እስከ ንመርምሮ።

7. ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ጽዑቕ መጥቃዕቲ ዜውርድ ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧

7 ጽዑቕ መጥቃዕቲ። ሃዋርያ ዮሃንስ: “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” በለ። (1 ዮሃንስ 5:19) እዘን ቃላት እዚኣተን ንዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት መጠንቀቕታ ሒዘን ኣለዋ። ሰይጣን ንብምልእታ እዛ እክይቲ ናይ ደቂ ሰብ ዓለም ድሮ ውሒጥዋ ስለ ዘሎ: ኣብቶም ክሳዕ ሕጂ ኻብኡ ዘምለጡ ህዝቢ ኣምላኽ ኣተኲሩ መጥቃዕትታቱ ኼጽዕቕ ይኽእል እዩ። (ሚክያስ 4:1፣ ዮሃንስ 15:19፣ ራእይ 12:12, 17) ቍሩብ ግዜ ኸም ዝተረፎ ስለ ዚፈልጥ: ብርቱዕ ቍጥዓ እዩ ዘለዎ። ስለዚ: ዜውርዶ ጸቕጢ ወሲኹሉ ኣሎ። ሎሚ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ርክብ ንምብልሻው ዜውርዶ ዘሎ ናይ መወዳእታ ሕሱም መጥቃዕትታቱ ኢና እንርኢ ዘሎና። ስለዚ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ: ‘እንታይ ክንገብር ከም ዚግብኣና ኽንፈልጥ’ ኣሎና።—1 ዜና መዋእል 12:32

8. ሃዋርያ ጳውሎስ “ቅልስና” ምስ እኩያት መናፍስቲ ምዃኑ ምጥቃሱ: እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧

8 ብሕታዊ ቕልስ። ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት ብጾቱ: “እቲ ቕልስና . . . ምስ መናፍስቲ እከይ . . . ኣብ ሰማያት እዩ” ኢሉ ኣጠንቀቖም። (ኤፌሶን 6:12) ጳውሎስ “ቅልስ” እትብል ቃል እተጠቕመ ስለምንታይ እዩ፧ ምኽንያቱ ኢድ ብኢድ ዚግበር ጥምጥምን ተተሓሒዝካ ዚግበር ቃልስን ምዃኑ ሓሳብ ንምምሕልላፍ እዩ። ነታ ቓል እቲኣ ብምጥቃሙ: ነፍሲ ወከፍና ምስ እኩያት መናፍስቲ ብሕታዊ ቓልሲ ኸም ዘሎና እዩ ኣጕሊሑ። ብዛዕባ እኩያት መናፍስቲ ዘሎ እምነት ኣብ ዘስፋሕፍሓላ ሃገር ንንበር ኣይንንበር ብዘየገድስ: ርእስና ንየሆዋ ኽንውፊ ኸለና: ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ኣብ ናይ ቅልስ ዓውዲ ኢና ኣቲና። ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን እንተ ወሓደ ርእሱ ኻብ ዚውፊ ኣትሒዙ: ኣብ ቃልሲ እዩ ዚኣቱ። ጳውሎስ ነቶም ኣብ ኤፌሶን ዝነበሩ ክርስትያናት “ምቅዋሙ” ኪኽእሉ: “ደው” ኪብሉ: ከምኡውን “ቁሙ” ብምባል ደጋጊሙ እንተ ተማሕጸኖም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን!—ኤፌሶን 6:11, 13, 14

9. (ሀ) ሰይጣንን ኣጋንንቱን እተፈላለየ “ፍሕሶ” ዚጥቀሙ ስለምንታይ እዮም፧ (ለ) ሰይጣን ንኣተሓሳስባና ኼበላሽዎ ዚፍትን ስለምንታይ እዩ፧ ነቲ ጻዕርታቱኸ ብኸመይ ክንጻረሮ ንኽእል፧ (ኣብ  ገጽ 192-3 እትርከብ ሳጹን ርአ።) (ሐ) ቀጺልና ነየናይ ፍሕሶ ኢና ኽንርኢ፧

9 ጕርሒ ዝመልኦ ውዲት። ጳውሎስ ንክርስትያናት: “ንፍሕሶ” ሰይጣን ኪቃወሙ ተማሕጸኖም። (ኤፌሶን 6:11) ፍሕሶ ኺበሃል ከሎ ንብዙሕ ተንኰል ከም ዜመልክት ኣስተብህል። እኩያት መናፍስቲ ሓደ ዘይኰነስ: እተፈላለየ ኽፉእ ጕርሒ ዝመልኦ ሜላታት እዮም ዚጥቀሙ። ገሊኦም ኣብ ቅድሚ ሓደ ዓይነት ፈተና ጸኒዖም ዝቘሙ ኣመንቲ: ድሕሪ ግዜ ኻልእ ፈተና ምስ ኣጋጠሞም ተሰኒፎም እዮም። ስለዚ: ድያብሎስን ኣጋንንቱን ኣውራ ድኽመትና ምእንቲ ኺፈልጡ ኢሎም ንነፍሲ ወከፍና ዘሎና ጠባይ ብቐረባ ይዕዘቡ እዮም። ድሕሪኡ: ንዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ድኽመትና ኺምዝምዙ ይጽዕሩ። እቲ ዜሐጕስ ግን: መብዛሕትኡ ድያብሎስ ዚጥቀመሉ ሜላታት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ስለ ዘሎ: ከነለልዮ ንኽእል ኢና። (2 ቈረንቶስ 2:11) ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣቐድም ኣቢልና: ብዛዕባ እቲ መህረሪ ዝዀነ ፍቕረ-ንዋይን ጐዳኢ ዕርክነትን ጾታዊ ርኽሰትን ርኢና ኔርና። ሕጂ ኻልእ ሰይጣን ዚጥቀመሉ ፍሕሶ እስከ ንርአ። እዚ ድማ ሓተታ መናፍስቲ እዩ።

ሓተታ መናፍስቲ—ክድዓት

10. (ሀ) ሓተታ መናፍስቲ እንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንሓተታ መናፍስቲ ብኸመይ ይርእዮ፧ ንስኻኸ ብኸመይ ኢኻ እትርእዮ፧

10 ሓደ ሰብ ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ምስ ዚሳተፍ ወይ ኣጋንንታዊ ተግባር ምስ ዚፍጽም: ምስ እኩያት መናፍስቲ ቐጥታዊ ርክብ እዩ ዚገብር። ጥንቈላ: ኣስማት: ስራይ: ንምዉታት ምጥያቕ ገለ ኻብቲ እተፈላለየ ዓይነት ሓተታ መናፍስቲ እዩ። ኣጸቢቕና ኸም እንፈልጦ: ሓተታ መናፍስቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ “ፍንፉን” ወይ “ጽያፍ” እዩ። (ዘዳግም 18:10-12፣ ራእይ 21:8) ንሕና እውን ‘ንኽፍኣት ክንፍንፍኖ’ ስለ ዘሎና: ምስ እኩያት መናፍስቲ ኽንሓብር ፈጺምና ኣይንሓስቦን ኢና። (ሮሜ 12:9) ሓደ ሰብ ኣብ ሓተታ መናፍስቲ እንተ ተሳቲፉ: ንሰማያዊ ኣቦኡ የሆዋ ዓብዪ ኽድዓት እዩ ዚፍጽም።

11. ሰይጣን ናብ ሓተታ መናፍስቲ ንኽንኣቱ እንተ ኣስዲዑና: ንዕኡ ዓብዪ ዓወት ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

11 ይኹን እምበር: ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ጠብለቝለቝ ምባል ንየሆዋ ዓብዪ ጥልመት ስለ ዝዀነ: ሰይጣን ንገሌና ኣብኡ ኼሳትፈና ቘሪጹ ተላዒሉ ኣሎ። ንሓደ ክርስትያን ኣብ ኣጋንንታዊ ተግባር ከም ዚሳተፍ ብዝገበረ መጠን: ዓብዪ ዓወት እዩ ዚረክብ። ስለምንታይ፧ ነዚ ዚስዕብ ምንጽጻር እሞ ሕስብ ኣብለሉ:- ሓደ ወተሃደር ንሰራዊቱ ኸዲዑ ምስ ሓይሊ ጸላኢ እንተ ተጸምቢሩ: እቲ ኣዛዚ ጸላኢ ይሕጐስ እዩ። ነቲ ናይ ቀደም ኣዛዚ እቲ ኸዳዕ ወተሃደር ምእንቲ ኼዋርዶ ኢሉ እውን: ነቲ ኸዳዕ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ከም ዚምርሽ ይገብሮ ይኸውን። ብተመሳሳሊ: ሓደ ክርስትያን ኣብ ሓተታ መናፍስቲ ኺሳተፍ እንተ ጀሚሩ: ንየሆዋ ዀነ ኢሉ ይኸድዖ: ንርእሱ ድማ ኣብ ትሕቲ ትእዛዝ ሰይጣን ይገብር። ሰይጣን ነቲ ኸዳዕ ከም ኣብ ውግእ ዝረኸቦ ዓወት ገይሩ ኼመርሾ ኸሎ ዚስምዖ ሓጐስ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ካባና ንድያብሎስ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓወት ኪህቦ ዚደሊ ኣሎዶ፧ ዋላ ሓደ የልቦን! ከመይሲ: ንሕና ኸዳዓት ኣይኰንናን።

ጥርጣረ ዜሕድር ሕቶታት

12. ሰይጣን ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ ዘሎና ኣረእእያ ምእንቲ ኺጸሉ ኢሉ እንታይ ሜላ እዩ ዚጥቀም፧

12 ካብ ሓተታ መናፍስቲ ኽሳዕ ዝረሓቕና: ሰይጣን ብእኡ ገይሩ ኼሰንፈና ኣይክእልን እዩ። ስለዚ: ንኣተሓሳስባና ኺልውጦ ኸም ዘለዎ ይፈልጥ እዩ። ብኸመይ፧ ንክርስትያናት ኬደናግሮም ዚኽእል መገድታት ብምጥቃም: ገሊኦም “ነቲ እከይሲ ሰናይ: ንሰናይ ከኣ እከይ” ገይሮም ከም ዚሓስቡ ይገብር። (ኢሳይያስ 5:20) ከምኡ ንምግባር: ሰይጣን መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ብግዜ እተፈተነ ሜላኡ ይጥቀም፣ እዚ ኸኣ ጥርጣረ ዜሕድር ሕቶታት እዩ።

13. ሰይጣን ጥርጣረ ንምሕዳር ሕቶታት ብኸመይ ተጠቒሙ፧

13 ሰይጣን ነዚ ሜላ እዚ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ እሞ ኣስተብህል። ኣብ ኤድን ንሄዋን: “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧” ኢሉ ሓተታ። ብግዜ እዮብ ምስ መላእኽቲ ኣብ ሰማይ ኣብ እተገብረ ኣኼባ: “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧” ኢሉ ሓተተ። ኣብ መጀመርታ ምድራዊ ኣገልግሎት የሱስ ከኣ ንክርስቶስ: “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ: እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል” ብምባል ብድሆ ኣቕረበሉ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፣ ኣብቲ ንየሱስ ዘቕረበሉ ብድሆ: ሰይጣን ነቲ የሆዋ ቕድሚኡ ሽዱሽተ ሰሙን ይገብር እተዛረቦ: “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ቃላት እዩ ዜሽካዕልለሉ ነይሩ።—ዘፍጥረት 3:1፣ እዮብ 1:9፣ ማቴዎስ 3:17፣ 4:3

14. (ሀ) ሰይጣን ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ ጥርጣረ ናይ ምሕዳር ተንኰል ዚጥቀም ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ኢና ኽንርኢ፧

14 ሎሚ ድያብሎስ ብዛዕባ ኽፍኣት ሓተታ መናፍስቲ ጥርጣረ ንምሕዳር: ተመሳሳሊ ውዲት እዩ ዚጥቀም። እቲ ዜሕዝን ድማ ኣብ ኣእምሮ ገሊኦም ኣመንቲ ጥርጣረ ኣብ ምፍጣር ተዓዊቱ እዩ። ገሊኡ ዓይነት ሓተታ መናፍስቲ ብሓቂ እኩይ እንተ ዀይኑ ኺሓቱ ጀሚሮም እዮም። ብኻልእ ኣበሃህላ: ‘ብሓቂዶ ኸምኡ እዩ፧’ ኢሎም ይሓቱ ኣለዉ። (2 ቈረንቶስ 11:3) ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣተሓሳስባኦም ንኼዐርዩ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ከመይ ጌርና ኢና ተንኰል ሰይጣን ከም ዘይጸልወና ኽንገብር እንኽእል፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ንምርካብ: ሰይጣን ሰላሕ ኢሉ ብመናፍስታዊ ተግባራት ዝበከሎ ኽልተ መዳያት ህይወት ንርአ። እዚ ኸኣ መዘናግዕን ክንክን ጥዕናን እዩ።

ባህግታትናን ዜድልየና ነገራትን ምምዝማዝ

15. (ሀ) ብዙሓት ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዚርከቡ ሰባት ንሓተታ መናፍስቲ ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ፧ (ለ) ገሊኦም ክርስትያናት በቲ ዓለም ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ ዘለዋ ኣረኣእያ እተጸልዉ ብኸመይ እዮም፧

15 ብፍላይ ኣብ ምዕራባውያን ዓለም: ዘይባህርያዊ ስዉር ተግባራትን ጥንቈላን ካልእ ዓይነት ሓተታ መናፍስትን ኣፍኲስካ ይርአ ኣሎ። ፊልምታት: መጻሕፍቲ: መደባት ተለቪዥን: ከምኡውን ጸወታታት ኮምፕዩተር ንኣጋንንታዊ ተግባራት ከም ዜሐጕስን ከም ሓደ ብልሓትን ከም ዘይጐድእ ነገርን ገይሩ የቕርቦ ኣሎ። ገሊኡ ኣብ ዘይባህርያዊ ስዉር ተግባራት ዜተኵር ፊልምታትን መጻሕፍትን ኣዝዩ ህቡብ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: እቶም እሙናት ሰዓብቱ ክለባት ኣቝሞም ኣለዉ። ኣጋንንቲ ነቲ እዚ ስዉር ተግባራት ዘለዎ ሓደጋ: ሰባት ኣፍኲሶም ከም ዚርእይዎ ብምግባር ተዓዊቶም እዮም። እዚ ንሓተታ መናፍስቲ ኣፍኲስካ ናይ ምርኣይ ዝንባለ ንክርስትያናት ጸልይዎምዶ፧ ገሊኦም በዚ ኣተሓሳስባ እዚ ተጸልዮም እዮም። ብኸመይ፧ ሓደ ኣብነት ንምሃብ: ሓደ ክርስትያን ኣብዚ ስዉር ተግባር ዘተኰረ ፊልም ድሕሪ ምርኣዩ: “ፊልም ደኣ እየ ርእየ እምበር: ሓተታ መናፍስቲ ኣይገበርኩን” በለ። ከምዚ ዓይነት መመኽነይታ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16. ኣብ ዘይባህርያዊ ስዉር ነገራት ዜተኵር መዘናግዒ ምምራጽ ሓደገኛ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

16 ኣብ መንጎ ሓተታ መናፍስቲ ምግባርን ንዕኡ ምርኣይን ፍልልይ እኳ እንተሎ: ዘይባህርያዊ ስዉር ተግባራት ምርኣይ ዋላ ሓንቲ ሓደጋ የብሉን ማለት ኣይኰነን። ስለምንታይ፧ ነዚ ዚስዕብ እስከ ንርአ:- ሰይጣን ኰነ ኣጋንንቱ ንሓሳባትና ኼንብቡ ኽእለት ከም ዘለዎም ቃል ኣምላኽ ኣይሕብርን እዩ። * ስለዚ: ኣቐዲሙ ኸም እተጠቕሰ: እኩያት መናፍስቲ እንታይ ንሓስብ ከም ዘለና ንምፍላጥን ዝዀነ ይኹን መንፈሳዊ ድኽመትና ንምፍልላይን: ንተግባራትና: እንተላይ ንናይ መዘናግዒ ምርጫና ብቐረባ ይዕዘቡ እዮም። ሓደ ክርስትያን ኣብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎም: ኣብ ስሒር ዚገብሩ: ብኣጋንንቲ ኣብ እተታሕዙ: ወይ ኣብ ተመሳሳሊ ኣጋንንታዊ ተግባራት ዜተኵር ፊልምታት ወይ መጻሕፍቲ ኸም ዚፈቱ እንተ ኣርእዩ: ንኣጋንንቲ መልእኽቲ እዩ ዚልእኸሎም ዘሎ። ብኻልእ ኣበሃህላ: ድኽመቱ እዩ ዚሕብሮም ዘሎ! ኣጋንንቲ ድማ ክሳዕ ዜውድቕዎ ነቲ ዝገለጸሎም ድኽመቱ ምእንቲ ኺምዝምዝዎ ኢሎም ቅልሶም የጽዕቑ። ፈለማ በቲ ብብዝሒ ዘይባህርያዊ ስዉር ነገራት ዜርኢ መዘናግዒ ኣቢሎም ብዛዕባ ሓተታ መናፍስቲ ተገዳስነት ዘሕደሩ ገሊኦም ሰባት: ውዒሎም ሓዲሮም ሓተታ መናፍስቲ ኣብ ምግባር ጥሒሎም እዮም።—ገላትያ 6:7

ክትሓምም ከለኻ፡ ካብቲ የሆዋ ዚህበካ ደገፍ ተጠቐም

17. ሰይጣን ብምንታይ ፍሕሶ ኣቢሉ እዩ ነቶም ዝሓመሙ ዚምዝምዞም፧

17 ሰይጣን ንምዝንጋዕ ዘሎና ባህጊ ጥራይ ዘይኰነስ: ክንክን ጥዕና ንምርካብ ዘሎና ድሌት እውን ይምዝምዞ እዩ። ብኸመይ፧ ሓደ ክርስትያን: ፈውሲ ደልዩ እተፈላለየ ጻዕርታት እናገበረ ኽነሱ ጥዕና እንተ ዘይረኺቡ ዓቕሉ ኺጸቦ ይኽእል እዩ። (ማርቆስ 5:25, 26) እዚ ድማ ንሰይጣንን ኣጋንንቱን ኪምዝምዝዎ ዚኽእሉ ምሹእ ኵነታት ይፈጥረሎም። ቃል ኣምላኽ: “ረድኤት ዓመጸኛታት” ንምርካብ ከይንፍትን ከም ዜጠንቅቐና: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። (ኢሳይያስ 31:2) ኣጋንንቲ ነቲ ዝሓመመ ክርስትያን ኣንጻር እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኸም ዚኸይድ ንምግባር: ዓቕሉ ምስ ጸበቦ ናብቲ ኣዝዩ ጐዳኢ ዝዀነ “ዘይባህርያዊ ሓይሊ” ወይ ሓተታ መናፍስቲ ቝሊሕ ንኺብል ፈተና ኬቕርቡሉ ይኽእሉ እዮም። እዚ ፍሕሶ ኣጋንንቲ እንተ ተዓዊቱ: ነቲ እቲ ሕሙም ምስ ኣምላኽ ዝነበሮ ርክብ የዳኽሞ። ብኸመይ፧

18. ሓደ ክርስትያን እንታይ ዓይነት ኣገባባት እዩ ዘይቅበል፧ ስለምንታይከ፧

18 የሆዋ ነቶም ኣብ “ዘይባህርያዊ ሓይሊ” እተጸግዑ እስራኤላውያን ኬጠንቅቖም ከሎ: “ኣእዳውኩም ምስ እትዝርግሑ: ኣዒንተይ ካባኻትኩም እኽውለን: ምህለላ እኳ እንተ ኣብዛሕኩም: ኣይሰምዕን እየ” በሎም። (ኢሳይያስ 1:13, 15NW) ልክዕ እዩ: ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን: ብፍላይ ከኣ ምስ ሓመምና: ንጸሎትና ኸም ዚዓግትን ካብ የሆዋ እንረኽቦ ደገፍ ከም ዚንክን ኪገብር ካብ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ነገር ክንርሕቕ ኢና እንደሊ። (መዝሙር 41:3) ስለዚ: ገሊኡ ኣገባብ መርመራ ወይ ሕክምና መናፍስታዊ ተግባራት ከም ዜጠቓልል ዚሕብር ነገር እንተ ኣልይዎ: ናይ ሓቂ ክርስትያን ኪቕበሎ የብሉን። * (ማቴዎስ 6:13) በዚ ኸምዚ ድማ: የሆዋ ኸም ዚድግፎ ርግጸኛ ይኸውን።—ኣብ ገጽ 194 እትርከብ ““ ብሓቂዶ ምስ ሓተታ መናፍስቲ እተተሓሓዘ እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

ብዛዕባ ኣጋንንቲ ብዙሕ ዛንታታት ምስ ዚንገር

19. (ሀ) ድያብሎስ ብዛዕባ ሓይሉ ንብዙሓት ሰባት እንታይ ንኺኣምኑ እዩ ኣዐሽዩዎም ዘሎ፧ (ለ) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ምንታይ ዛንታታት እዮም ኪርሕቑ ዚግባእ፧

19 ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ነቲ ሰይጣን ዘለዎ ሓይሊ ኣፍኲሶም ኪርእይዎ ኸለዉ: ኣብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ግን ብኣንጻሩ እዩ ዚግበር ዘሎ። ኣብዚ ቦታታት እዚ: ድያብሎስ ካብቲ ብሓቂ ዘለዎ ሓይሊ ንላዕሊ ኸም ዘለዎ ብምምሳል ንብዙሓት ኣዐሽዩ እዩ። ገሊኦም ሰባት ንእኩያት መናፍስቲ እናፈርሁ ይነብሩን ይበልዑን ይሰርሑን ይድቅሱን። ኣጋንንቲ ብዛዕባ ዚገብርዎ ሓይልታት ብዙሕ ዛንታታት ይንገር። ከምዚ ዝኣመሰለ ዛንታታት ብማራኺ መገዲ እዩ ዚንገር፣ ሰባት ከኣ ብእኡ ይምሰጡ። ነዚ ዛንታታት እዚ ኣብ ምዝርጋሕ ክንሳተፍ ይግባእዶ፧ ኣይግባእን። ኣገልገልቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብኽልተ ኣገዳሲ ምኽንያታት ከምኡ ኣይገብሩን እዮም።

20. ሓደ ሰብ ምናልባት ከይተፈለጦ ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን ዚነዝሕ ብኸመይ እዩ፧

20 ቀዳማይ: ሓደ ሰብ ብዛዕባ እቲ ኣጋንንቲ ዝረኸብዎ ኣሳልጦ ዚገልጽ ዛንታታት እንተ ነዚሑ: ንረብሓ ሰይጣን እዩ ዚዓዪ። ብኸመይ፧ ሰይጣን ሓያል ተግባራት ኪገብር ከም ዚኽእል ቃል ኣምላኽ ዜረጋግጽ እኳ እንተ ዀነ: “ተኣምራት ሓሶትን” “ጥበራ”ን ከም ዚጥቀም እውን የጠንቅቕ እዩ። (2 ተሰሎንቄ 2:9, 10) ሰይጣን ቀንዲ መታለሊ ስለ ዝዀነ: ኣእምሮ እቶም ንሓተታ መናፍስቲ ዝንባለ ዘለዎም ብኸመይ ከም ዚጸልዎን ሓቂ ዘይኰነ ነገራት ኪኣምኑ ብኸመይ ከም ዜኽእሎምን ይፈልጥ እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ገሊኡ ነገራት ከም ዝረኣዩን ዝሰምዑን ይመስሎም ይኸውን: ተመክሮታቶም እውን ከም ሓቂ ገይሮም የዘንትዉ ይዀኑ። ድሕሪ ግዜ ግን ዛንታታቶም ብተደጋጋሚ ኺንገር ከሎ ይጋነን እዩ። ሓደ ክርስትያን ከምዚ ዝኣመሰለ ዛንታታት ዚነዝሕ እንተ ዀይኑ: ከይተፈለጦ ፍቓድ እቲ ‘ንሓሶት ኣቦኣ’ ዝዀነ ድያብሎስ እዩ ዚገብር። ኰታስ ፕሮፓጋንዳ ሰይጣን እዩ ዚነዝሕ።—ዮሃንስ 8:44፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:16

21. ዝርርብና ኣብ ምንታይ ከም ዜተኵር ኢና ኽንገብሮ እንደሊ፧

21 ካልኣይ: ሓደ ክርስትያን ኣብ ሕሉፍ እዋን ምስ እኩያት መናፍስቲ ዚተሓሓዝ ነገራት ብሓቂ እኳ እንተ ኣጋጠሞ: ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾት ብዛዕባ እቲ ነገራት እቲ ብተደጋጋሚ ዛንታታት ካብ ምንጋር ኪቝጠብ ይግባእ። ስለምንታይ፧ “ናብቲ . . . ጀማር እምነትናን ደምዳሚኣን የሱስ ንጠምት” ዚብል ማዕዳ ተዋሂቡና ኣሎ። (እብራውያን 12:2) እወ: ኣቓልቦና ኣብ ክርስቶስ ደኣ እምበር: ኣብ ሰይጣን ኣይኰነን ኬተኵር ዘለዎ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዛዕባ እቲ ሰይጣን ኪገብሮ ዚኽእል ወይ ዘይክእል ነገራት ብዙሕ ኪዛረብ ይኽእል እኳ እንተ ነበረ: ንደቀ መዛሙርቱ ግን ብዛዕባ እኩያት መናፍስቲ ብዙሕ ዛንታታት ኣይነገሮምን። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣተኰረ። ስለዚ: ኣብነት የሱስን ሃዋርያትን ብምስዓብ: ዝርርብና ኣብ “ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” ከም ዜተኵር ኢና ኽንገብሮ እንደሊ።—ግብሪ ሃዋርያት 2:11፣ ሉቃስ 8:1፣ ሮሜ 1:11, 12

22. “ኣብ ሰማይ ሓጐስ” ንኪኸውን ብኸመይ ኣበርክቶ ኽንገብር ንኽእል፧

22 ሰይጣን ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ንምብልሻው እተፈላለየ ፍሕሶ: እንተላይ ሓተታ መናፍስቲ ይጥቀም እዩ። ይኹን እምበር: ንኽፍኣት ብምፍንፋንን ኣብ ሰናይ ብምልጋብን: ነቲ ድያብሎስ ካብ ዝዀነ ይኹን ሓተታ መናፍስቲ ንኽንርሕቕ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ምእንቲ ኼዳኽም ኢሉ ዚገብሮ ጻዕሪ ዕድል ኣይንህቦን ኢና። (ኤፌሶን 4:27) “ንፍሕሶ ሰይጣን” ክሳዕ እቲ ንሱ ዘይህልወሉ እዋን “ምቅዋሙ” እንተ ቐጺልና: “ኣብ ሰማይ” ከመይ ዝበለ ዓብዪ ሓጐስ ከም ዚኸውን እሞ ገምቶ!—ኤፌሶን 6:11

^ ሕ.ጽ. 16 እቲ ንሰይጣን ተዋሂብዎ ዘሎ ገላጺ ስማት (ተጻራሪ: መካፍኢ: መታለሊ: ፈታኒ: ሓሳዊ): ንልብናን ኣእምሮናን ኪምርምር ከም ዚኽእል ኣይሕብርን እዩ። የሆዋ ግን ብኣንጻሩ: “ንልቢ ዚፍትኖ” ተባሂሉ ተገሊጹ ኣሎ፣ የሱስ እውን “ልብን ኰላሊትን [ዚ]ምርምር” ተባሂሉ ኣሎ።—ምሳሌ 17:3፣ ራእይ 2:23

^ ሕ.ጽ. 18 ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ: ኣብ ናይ 15 ታሕሳስ 1994 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 19-22 እትርከብ “ንዓኻ ዝቐረበልካ ናይ ጥዕና ፈተና፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ: ከምኡውን ኣብ ናይ 6 ጥሪ 2001 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) እትርከብ “ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ:- ኣብ ሕክምና እትገብሮ ምርጫ ኣገዳሲ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።