ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዚ ሰብ’ዚ ይዀነኒ ድዩ፧

እዚ ሰብ’ዚ ይዀነኒ ድዩ፧

ምዕራፍ 3

እዚ ሰብ’ዚ ይዀነኒ ድዩ፧

ሓንሳእ እሞ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ሃበሉ፦

ንመርዓ እትሓስቦ ሰብ እንታይ ባህርያት ኪህልዎ ትደሊ፧ ኣብዚ ቐጺሉ ዘሎ ዝርዝር፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢልካ ዝሓሰብካዮ ኣርባዕተ ባህርያት ግበር።

□ መልክዐኛ □ መንፈሳዊ

□ ምቕሉል □ እሙን

□ ተፈታዊ □ ቅኑዕ

□ መስሓቕ □ ቁም ነገረኛ

ብዕድመ ዝነኣስካ ኣብ ዝነበርካሉ እዋን፡ ሃነይነይ ዜብል ፍቕሪ ሒዙካዶ ይፈልጥ፧ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝርዝር፡ ኣብ ጐድኒ እቲ ሽዑ ናብቲ ሰብ ከም እትሰሓብ ዝገበረካ ባህርይ ✘ ግበር።

ኵሉ እዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ባህርያት ጌጋ የብሉን። ነፍሲ ወከፉ ዚስሕብ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብግዜ ንእስነትካ ሃነይነይ ዜብል ፍቕሪ ኣብ ዚሕዘካ እዋን፡ ኣብ ከም ብጸጋማይ ዓምዲ ዘሎ ዕምቈት ዘይብሉ ባህርያት ከም እተተኵርስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧

እናበሰልካ ምስ ከድካ ግን፡ ነቲ ኣብ ከም የማናይ ዓምዲ ዘሎ ዝኣመሰለ ዝያዳ ኣገዳሲ ባህርያት ንምምርማር ልቦናኻ ኽትጥቀመሉ ትጅምር። ንኣብነት፡ እታ ኣብ ገዛውትኹም ካብ ኵሉ ዝመጨወት ጓል እምንቲ ዘይምዃና፡ ወይ እቲ ኣብ ክፍልኹም ተፈታዊ ዝዀነ ወዲ ብስነ-ምግባር ቅኑዕ ዘይምዃኑ ኸተስተውዕል ትጅምር። ኣዚኻ በጽሒ እንተ ዄንካ፡ “እዚ ሰብ’ዚ ይዀነኒ ድዩ፧” ንእትብል ሕቶ ንምምላስ፡ ዕምቈት ዘይብሉ ባህርያት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዝያዳ ኽትፈልጥ ከም እትደሊ ፍሉጥ እዩ።

ፈለማ ንርእስኻ ፍለጥ

ንዓኻ ዚዀነካ መን ምዃኑ ቕድሚ ምምርማርካ፡ ንርእስኻ ኣጸቢቕካ ኽትፈልጣ ኣሎካ። ብዛዕባ ርእስኻ ዝያዳ ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ሃበሉ፦

ብርቱዕ ጐድነይ እንታይ እዩ፧ ․․․․․

ድኹም ወይ ተነቃፊ ጐድነይ እንታይ እዩ፧ ․․․․․

ብስምዒታዊ ዀነ ብመንፈሳዊ መዳይ እንታይ የድልየኒ፧ ․․․․․

ንርእስኻ ምፍላጥ ቀሊል ነገር ኣይኰነን፡ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝኣመሰለ ሕቶታት ግን ከም መጀመሪ ኪዀነካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ርእስኻ ዝያዳ እናተረድኣካ ብዝኸደ መጠን፡ ንድኽመታትካ ዘይኰነስ ንብርታዐኻ ዜጕልሕ ሰብ ንምርካብ ዝያዳ ድሉው ክትከውን ኢኻ። a ነቲ ሰብ እቲ ኸም ዝረኸብካዮ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

ማንም ሰብ ይዀነኒ ድዩ፧

ሰባት፡ ሓደ ኻብ ኣንጻር ጾታ ንሓዳር ከም ዚሓስቦም ሕቶ ምስ ኣቕረበሎም፡ ከከም እቲ ሓታቲ ኺስምብዱ ወይ ኪሕጐሱ ይኽእሉ እዮም። ንበል ግን ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶ ቐሪቡልካስ ሕራይ ኢልካ መሊስካ። ከም ዓርኪ ዝሓዝካያ ሰብ ትዀነካ እንተ ዀይና ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧

ሓድሽ ጫማ ኽትዕድግ ደለኻ ንበል። ናብ እንዳ ጫማ ኼድካ ዚማርኸካ ጫማ ረኺብካ። ምስ ዓቀንካዮ ግን፡ ከም ዚጸበካ ፈሊጥካ። እንታይ ምገበርካ፧ ነቲ ጫማ ምዓደግካዮዶ ወይስ ካልእ ጫማ መናደኻ፧ ነቲ ጫማ ሓዲግካ፡ ካልእ እንተ ኣናደኻ ኸም ዚሓይሽ ኣየጠራጥርን እዩ። ዚጸበካ ጫማ ወዲኻ ኽትከይድ ናይ ጥዕና ኣይኰነን!

መጻምድቲ ምሕራይ እውን ተመሳሳሊ እዩ። ካብ ኣንጻር ጾታ ዚማርኹኻ ሒደት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ማንም ሰብ ግን ኣይኰነካን እዩ። ምስ ባህርያትካን ሸቶታትካን ብሓቂ ዚሰማማዕ ሰብ ኢኻ እትደሊ። (ዘፍጥረት 2:18፣ ማቴዎስ 19:4-6) ከምዚ ዓይነት ሰብ ረኺብካዶ፧ እንተ ረኺብካ፡ ብሓቂ ኸም ዝዀነካ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧

ክንዮ እቲ ደጋዊ ባህርያት ርአ

ነዛ ኣብ ላዕሊ ዘላ ሕቶ ንምምላስ፡ ንዓርክኻ ብሚዛናዊ ዓይኒ ርአ። ክትርእዮ እትደልዮ ነገር ጥራይ ከይትርኢ ግን ተጠንቀቕ! ስለዚ ህድእ በል። ናይ ሓቂ ባህርያት ዓርክኻ ኽትፈልጥ ጽዓር። እዚ ጻዕሪ ይሓትት። ብዘይ ጻዕሪ ኽትረኽቦ ኸኣ ክትጽበ የብልካን። ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ፡ ሓንቲ ማኪና ኽትዕድግ ደለኻ ንበል። ነታ ማኪና ኽሳዕ ክንደይ ምመርመርካያ፧ ብዛዕባ እቲ ደጋዊ ትርኢታ ጥራይዶ ምተገደስካ፧ ሞተራ ኸመይ ከም ዘሎ ኽትፈልጥ ኣይምደለኻንዶ፧

መጻምድቲ ኻብ ማኪና ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ። ብዙሓት ዓርኪ ኺሕዙ ኸለዉ ግን፡ ውሽጣዊ ባህርያት ኣይርእዩን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ፡ ‘ሕደ ሙዚቃ ኢና እንፈቱ፡’ ‘ሕደ ንጥፈታት ኢና እንፈቱ፡’ ‘ኣብ ኵሉ ንሰማማዕ ኢና!’ እናበሉ ተቐላጢፎም ነቲ ሓባራዊ ዚገብሮም ነገራት ይጠቕሱ። ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ ግን፡ ብሓቂ ኣዚኻ በጽሒ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ደጋዊ ባህርያት ጥራይ ኣይኰንካን እትርኢ። ነቲ “ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ” እውን ከተስተውዕሎ ትደሊ ኢኻ።—1 ጴጥሮስ 3:4፣ ኤፌሶን 3:16

ንኣብነት፡ ኣብ እትሰማምዑሉ ነገራት ጥራይ ኣብ ክንዲ ምትኳር፡ ኣብ ዘይትሰማምዑሉ እዋን እንታይ ከም ዜጋጥም ምስትብሃልካ ብዙሕ ኪሕብረካ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ዘይምስምማዕ ኪፍጠር ከሎ እቲ ሰብ እንታይ ይገብር፧ ኣነ ዝበልክዎ ይኹን ዚብል፡ ‘ቍጡዕ፡’ ወይ ‘ተጻራፊ’ ድዩ፧ (ገላትያ 5:19, 20፣ ቈሎሴ 3:8) ወይስ ስርዓታት ኣብ ዘይጠሓሰሉ እዋን ምእንቲ ሰላም ኢሉ ዚተዓጻጸፍ ልኡም ሰብ ድዩ፧—ያእቆብ 3:17

እዚ ዚስዕብ ረቛሒ እውን ኣብ ግምት ኪኣቱ ኣለዎ፦ እቲ ሰብ ተበላጺ፡ ተቘጻጻሪ፡ ወይ ቀናእ ድዩ፧ እትገብሮ ዅሉ ኺፈልጥ ከም ዘለዎ ዚሓስብ ድዩ፧ ኒኮል፡ “ዕርክነት ዘለዎም መጻምድቲ፡ ሓዲኦም ‘ኣበይ ኣተኻ፡ ናበይ ወጻእካ’ ዚብል ሕቶ ምስ በዝሖም ከም ዚበኣሱ ሰሚዐ እየ። እዚ ሓደ ጸገም ከም ዘሎ ይሕብር” በለት።—1 ቈረንቶስ 13:4

ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ዝኣመሰለ ጕዳያት ኣብ ባህርያትን ጠባያትን ሰብ የተኵር። ብዛዕባ እቲ ዓርክኻ ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ዘለዎ ስም ምፍላጥ እውን ብማዕረ ኣገዳስነት ኣለዎ። ካልኦት ብኸመይ ይርእይዎ፧ ነቶም ከም ብሱላት ኣባላት ጉባኤኡ ዝኣመሰሉ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ነዚ ሰብ እዚ ዚፈልጥዎ ሰባት ከተዘራርቦም ትደሊ ትኸውን። በዚ ኸምዚ ኸኣ “ጽቡቕ መስኪሮምሉ” እንተ ኣልዮም ክትፈልጥ ትኽእል።—ግብሪ ሃዋርያት 16:1, 2

ኣብዚ ኽሳዕ ሕጂ ዝረኣናዮ መዳያት መጻምድትኻ ኪኸውን እትሓስቦ ኸመይ ምዃኑ፡ ኣብ ጽሑፍ ምስፋሩ ነቲ ጕዳይ ኬብርሃልካ ይኽእል እዩ።

ባህርይ ․․․․․

ጠባይ ․․․․․

ኣብ ሰባት ዘለዎ ስም ․․․․․

ነታ ኣብ ገጽ 39 እትርከብ “ ኪዀነኒ ድዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ወይ ነታ ኣብ ገጽ 40 እትርከብ “ ክትኰነኒ ድያ፧” ዘርእስታ ሳጹን ብምውካስ እውን ብዙሕ ክትጥቀም ኢኻ። እቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት፡ እቲ መጻምድትኻ ንሓዳር ዚዀነካ እንተ ዀይኑ ንኽትውስን ኪሕግዘካ እዩ።

ነዚ ዅሉ ድሕሪ ምምርማርካ፡ እቲ ሰብ ከም ዘይኰነካ እንተ ወሲንካኸ፧ ኣብቲ ውሳነ እቲ እንተ በጺሕካ፡ ካልእ ከቢድ ሕቶ እዩ ዜጓንፈካ፦

ክንፈላለዶ፧

ሓድሓደ ግዜ ምፍልላይ ጽቡቕ እዩ። ንጂል ዘጋጠማ እስከ ንርአ። “ፈለማ፡ ዓርከይ ኣበይ ከም ዘለኹ፡ እንታይ እገብር ከም ዘለኹ፡ ምስ መን ከም ዘለኹ ዅሉ ሳዕ ዜተሓሳስቦ ምዃኑ ደስ በለኒ። እናሓደረ ግን ብዘይካ ምስኡ ምስ ካልእ ግዜ ኸሕልፈሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ በጻሕኩ። ምስ ስድራ ቤተይ፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ኣቦይ ግዜ ኸሕልፍ ከለኹ እውን ከይተረፈ ኪቐንእ ጀመረ። ነቲ ርክብና ምስ ኣቋረጽክዎ፡ ካብ ዝባነይ ከቢድ ሰኸም ከም እተላዕለለይ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ!” በለት።

ሳራ እውን ተመሳሳሊ ዅነታት ኣጋጠማ። እቲ ኸም ዓርካ ሒዛቶ ዝነበረት ዮሃንስ ዚበሃል መንእሰይ፡ ሓጫጭን ጸዋግን ዘይእሩምን ኪኸውን ከም ዝጀመረ ኣስተብሃለት። “ሓደ ግዜ፡ ካብ ቈጸራና ሰለስተ ሰዓት ደንጕዩ ናብ ገዛና መጸ! ኣደይ ማዕጾ ምስ ከፈተትሉ፡ ሰላም እኳ ኸይበላ፡ ‘ደንጒና ስለ ዘለና ንኺድ’ በለኒ። ‘ደንጕየ’ ዘይኰነስ፡ ከይሓፈረ ‘ደንጒና’ እዩ ኢሉ። ይቕረታ ኺሓትት ወይ መደንጐዪኡ ኺገልጽ ምተገብኦ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ፡ ነደይ ኣኽብሮት ኬርእያ ነይርዎ!” በለት። ልክዕ እዩ፡ ሓደ ዜጕሂ ተግባር ወይ ጠባይ ንርክብ ከም ዚፈርስ ኪገብሮ ኣለዎ ማለት ኣይኰነን። (መዝሙር 130:3) ሳራ ግን እቲ ዘይእሩም ባህርይ ዮሃንስ ኣብ ሓደ ግዜ ዘጋጠመ ዘይኰነስ፡ ልማዱ ምዃኑ ምስ ፈለጠት፡ ነቲ ርክቦም ከተቋርጾ ወሰነት።

ከም ጂልን ሳራን፡ እቲ ኸም ዓርኪ ሒዝካዮ ዘለኻ ኣንጻር ጾታ ንሓዳር ከም ዘይኰነካ እንተ ወሲንካኸ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንስምዒትካ ዕሽሽ ኣይትበሎ! ነቲ ርክብ ምቍራጽ፡ ብቐሊሉ ዘይወሓጠልካ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምኡ ምግባር ግን ይሓይሽ። ምሳሌ 22:3፡ “ኣስተውዓሊ ሰብሲ እከይ ይርኢ እሞ ይሕባእ” ትብል። ንኣብነት፡ ዓርክኻ ኻብቲ ኣብ ገጽ 39 ወይ 40 ዘሎ ሓደ ወይ ዝያዳ ሓደገኛ ምልክታት እንተ ኣርእዩ፡ እንተ ወሓደ እቲ ጸገም ክሳዕ ዚዕረ ነቲ ርክብ ምቍራጹ ዝሓሸ እዩ። ነቲ ርክብ ምቍራጽ ቀሊል ዘይምዃኑ ኣይከሓድን እዩ። ይኹን እምበር፡ መውስቦ ነባሪ ማእሰር እዩ። ደሓር ኣብ ምሉእ ህይወትካ ኻብ እትጠዓስ፡ ንሓጺር ግዜ እንተ ጐሃኻ ይሕሸካ።

ውሳነኻ ምሕባር

ርክብኩም ከተቋርጾ ኸም ዝወሰንካ ንዓርክኻ ብኸመይ ክትሕብር ኣሎካ፧ ፈለማ፡ ንምይይጥ ዚኸውን ምሹእ ኵነታት ምረጽ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንስኻ ብኸመይ ክትንገር ከም እትደሊ ሕሰብ። (ማቴዎስ 7:12) ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ክንገረካ ምደለኻዶ፧ ዘይመስል እዩ። ዜገድድ ኵነታት እንተ ዘየልዩ፡ ኣብ ተሌፎን ብእተገጥመ መልእኽቲ መቐበሊ ማሽን፡ ብሞባይል ብዚለኣኽ መልእኽቲ፡ ወይ ብኢ-መይል ርክብካ ምብታኽ ጽቡቕ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ነዚ ኣገዳሲ ጕዳይ ንኽትመያየጡ ዜኽእለኩም ግዜን ቦታን ምረጽ።

ሓሳብካ እትገልጸሉ ግዜ ምስ ኣኸለ እንታይ ኢኻ ኽትብል ዘሎካ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ንክርስትያናት፡ “ሓቂ ተዛረቡ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ኤፌሶን 4:25) እምበኣር፡ እቲ ብሉጽ መገዲ ብሜላ ግናኸ ብጽንዓት ምዝራብ እዩ። እቲ ርክብ ንዓኻ ዘየሐጐሰካ ስለምንታይ ምዃኑ ብንጹር ግለጽ። ብዙሕ ጕድለታት ክትዝርዝር ወይ መዓት ነቐፌታታት ክትድርጕሕ ኣየድልየካን እዩ። ከም ሓቂ እኳ ደኣስ፡ ከምዚ ኣይትገብርን ኢኻ ወይ ከምቲ ኣይትደግምን ኢኻ እናበልካ ኣብኡ ኣብ ክንዲ እተተኵር፡ “ኣነ [ከምዝን ከምትን] ዓይነት ሰብ እየ ዝደሊ” ወይ “[ከምዝን ከምትን] ስለ ዝዀነ፡ ርክብና እንተ ኣቋረጸ ዚሓይሽ ይመስለኒ” ብምባል ኣብ ናትካ ስምዒት ዜተኵር ሓረጋት እንተ ተጠቐምካ ይሓይሽ።

ወለቕ ዘለቕ እትብለሉ ወይ ብርእይቶ ኻልኦት እትምርሓሉ ግዜ ኣይኰነን። ነቲ ርክብኩም ንኸተቋርጾ ዝደረኸካ ኣገዳሲ ምኽንያት ከም ዘሎካ ኣይትረስዕ። ስለዚ፡ ዓርክኻ ብርቕቕ ዝበለ ሜላ ገይሩ ሓሳብካ ኸም እትቕይር ከይገብረካ ተጠንቀቕ። ሎሪ እትበሃል መንእሰይ፡ “ርክበይ ምስ ኣቋረጽክዎ፡ ዓርከይ ወትሩ ጭንቀት ዝሓደሮ ኼምስል ጀመረ። ንኽሓዝነሉ ኢሉ ኸምኡ ዝገበረ ይመስለኒ። በቲ ዅነታት ሕማቕ ተሰሚዑኒ። እቲ ተግባሩ ንውሳነይ ከም ዝቕይር ንኺገብረኒ ግን ኣይፈቐድኩሉን” በለት። ከም ሎሪ እንታይ ከም እትደሊ ኣጸቢቕካ ፍለጥ። ኣብ ውሳነኻ ጽናዕ። ኣይኰነን ዝበልካዮ ኣይኰነን ይኹን።—ያእቆብ 5:12

ድሕሪ ምፍልላይኩም

ድሕሪ ምፍልላይኩም ኣብ ዘሎ ግዜ ኣመና እንተ ጐሃኻ ኼገርመካ የብሉን። ከምቲ፡ “ኣነ ጐበጥኩ እምብዛውን ሐጐብኩ፡ ምሉእ መዓልቲ ብሓዘን እነብር አሎኹ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር እውን ኪስምዓካ ይኽእል እዩ። (መዝሙር 38:6) ገሊኦም ፈተውትኻ ኻብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም፡ ነቲ ርክብኩም ከተሕድሶ ኽትፍትን ኬተባብዑኻ ይኽእሉ እዮም። ተጠንቀቕ! ምስቲ ውሳነኻ እትነብር ንስኻ ደኣ እምበር፡ እቶም ካብ ጽቡቕ ሓሳብ ተበጊሶም ዜዛርቡኻ ፈተውትኻ ኣይኰኑን። ስለዚ፡ እቲ ዘጋጠመ ዅነታት እኳ እንተ ኣጕሃየካ፡ ጽኑዕ ንኽትከውን ግን ኣይትፍራህ።

ውዒሉ ሓዲሩ እቲ ዚስምዓካ ዝነበረ ሕማቕ ስምዒት ኪሓልፍ እዩ። ክሳዕ ሽዑ ግን፡ ነቲ ዅነታት ንምጻሩ ንምንታይ ኣወንታዊ ስጕምትታት ዘይትወስድ፧

ስምዒታትካ ንእትኣምኖ ተኻፋሊ ምስጢርካ ግለጸሉ። b (ምሳሌ 15:22) ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ናብ የሆዋ ጸሊ። (መዝሙር 55:22) ብዕዮ ትሑዝ ኩን። (1 ቈረንቶስ 15:58) ካብ ሰብ ኣይትፈለ። (ምሳሌ 18:1) ምስቶም ዚሃንጹኻ ጕጅለ ሰባት ተሓወስ። ኣእምሮኻ ኣብ ኣወንታዊ ነገር ከም ዜተኵር ክትገብር ጽዓር።—ፊልጲ 4:8

ድሕሪ ግዜ፡ ሓድሽ ዓርኪ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ዝሓሸ ሚዛናዊ ኣመለኻኽታ እንተ ሒዝካ፡ ከምኡ ኸም እትረክብ ኣየጠራጥርን እዩ። ምናልባት ኣብቲ ግዜ እቲ ነታ፡ “እዚ ሰብ’ዚ ይዀነኒ ድዩ፧” እትብል ሕቶ እወ ዚብል መልሲ ኺህልዋ ይኽእል እዩ።

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 31 እውን ኣንብብ

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ

ዓርኪ ምስ ሓዝካ፡ ፍቕርኻ ኣብ እትገልጸሉ መገዲ ኣበይ ኢኻ ደረት ክትገብረሉ ዘሎካ፧

[እግረ-ጽሑፋት]

a ኣብ ምዕራፍ 1፡ ደድሕሪ እታ “ንኽትምርዖ ተዳሊኻ ዲኻ፧” እትብል ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሕቶታት ብምምርማር፡ ብዛዕባ ርእስኻ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትኽእል ኢኻ።

b ወለድኻ ወይ ከም ክርስትያን ሽማግለታት ዝኣመሰሉ ኻልኦት ዓበይቲ ሰባት ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። መንእሰያት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ተመሳሳሊ ዜጕሂ ተመክሮታት ኣሕሊፎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ቈልዓ እኳ ዕዮኡ ቕኑዕን ንጹህን እንተ ዀነ፡ ብግብሩ የፍልጥ።ምሳሌ 20:11

ምኽሪ

ባህርያትኩም ኣብ ዚገሃደሉ ንጥፈታት ተኻፈሉ፦

ቃል ኣምላኽ ብሓባር ኣጽንዑ።

ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ኣብ ኣገልግሎትን ዘሎኩም ተሳትፎ ተዓዘብዎ።

ኣብ ጽሬት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸትን ተሳተፉ።

ትፈልጥዶ፧

ኣብ መንጎ እተፈላለየ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ዚግበር መውስቦ፡ ብፍትሕ ንኺፈርስ ዘለዎ ዕድል ዝሰፍሐ ምዃኑ፡ ምርምራት ብተደጋጋሚ ይሕብር።

መደባተይ

ብዘይኣማኒ እንተ ተማሪኸ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እቲ ኸም ዓርኪ ሒዘዮ ዘለኹ ሰብ ኣብ ካልኦት ዘለዎ ስም ንኽፈልጥ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ንሓዳርካ እንታይ ኣወንታዊ ባህርያት ከተበርክት ትኽእል፧

ንመርዓ እትሓስቦ ሰብ እንታይ ኣገዳሲ ባህርያት ኪህልዎ ትደሊ፧

ምስ ሓደ ንእምነትካ ዘይኣምነሉ ሰብ እንተ ተመርዒኻ፡ እንታይ ሕልኽላኻት ኪፍጠር ይኽእል፧

ሓደ ኸም ዓርኪ ዝሓዝካዮ ሰብ ብዛዕባ ዘለዎ ባህርያትን ጠባያትን ኣብ ካልኦት ዘለዎ ስምን ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧

[ኣብ ገጽ 37 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ዓርክኻ ኸምታ ንኣባላት ስድራ ቤቱ ዚሕዘሉ መገዲ ገይሩ እዩ ንዓኻ ኺሕዘካ።’’—ቶኒ

[ኣብ ገጽ 34 ዘሎ ሳጹን]

“ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ”

“ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ።” እዚ ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:14 ዚርከብ ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዚወሓጠልካ እኳ እንተ ዀነ፡ ናብ ዘይኣማኒ ግን ትሰሓብ ትኸውን። ስለምንታይ፧ ሓድሓደ እዋን ብሰንኪ ኣካላዊ ስሕበት ጥራይ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ማርክ ዚበሃል ወዲ፡ “ሓንቲ ኣብ ጂምናዝዩም ኣዘውቲረ ዝረኽባ ጓል ነይራ። ተበግሶ ወሲዳ ተዘራርበኒ ነይራ። ብቐሊሉ ኸኣ ዕርክነት ጀሚርና” በለ።

ንርእስኻ እንተ ፈሊጥካ፡ ኣብ መንፈሳዊ ስርዓታትካ ምትእምማን እንተ ኣልዩካ፡ ብስምዒትካ ዘይትምራሕ ከኣ እንተ ዄንካ፡ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ትፈልጥ ኢኻ። እቲ ሰብ ሽሕ ሳዕ ማራኺ፡ ምጩው፡ ወይ ውርዙው እኳ እንተ መሰለ፡ ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት ከም ዚድልድል ኣይገብሮን እዩ።—ያእቆብ 4:4

ልክዕ እዩ፡ ብፍቕሪ ኽትተሓዝ እንተ ጀሚርካ፡ ምስቲ ሰብ ዘሎካ ርክብ ምቍራጹ ቐሊል ኣይኰነን። ሲንዲ ዝስማ ጓል ከምኡ እዩ ኣጋጢምዋ። “መዓልታዊ እበኪ ነይረ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ብዛዕባ እቲ ወዲ እሓስብ ነይረ። ኣዝየ አፍቅሮ ስለ ዝነበርኩ፡ ንዕኡ ኻብ ዝስእን፡ ሞት ዚሓይሽ ኰይኑ ይስምዓኒ ነበረ” በለት። ነዊሕ ከይጸንሐት ግን እቲ ኣዲኣ ምስ ዘይኣማኒ ዕርክነት ምምስራት ጽቡቕ ከም ዘይኰነ ዝሃበታ ምኽሪ ተረድኣ። “ምስኡ ዝነበረኒ ርክብ ምብታኸይ ጽቡቕ እዩ። የሆዋ ዜድልየኒ ኸም ዜማልኣለይ እተኣማመን እየ” በለት።

ኣብ ከምቲ ሲንዲ ዝነበረቶ ዅነታት ዲኻ ዘለኻ፧ እንተ ዄንካ፡ በይንኻ ኣይኰንካን ነቲ ጸገም ክትዋጽኣሉ ዘሎካ! ንወለድኻ ኸተዘራርቦም ትኽእል ኢኻ። ጂም ንሓንቲ ጓል ትምህርቱ ምስ ፈተዋ፡ ከምኡ እዩ ገይሩ። “ኣብ መወዳእታ ንወለደይ ኪሕግዙኒ ሓቲተዮም። ነቲ ስምዒተይ ንኸሰንፎ ዘኽኣለኒ ወሳኒ ነገር ድማ እዚ እዩ ነይሩ” በለ። ሽማግለታት ጉባኤ እውን ኪሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ ዜጋጥመካ ዘሎ ዅነታት ስለምንታይ ንሓደ ኻባታቶም ዘይተዘራርብ፧—ኢሳይያስ 32:1, 2

[ኣብ ገጽ 39 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ወረቐት ዕዮ

ኪዀነኒ ድዩ፧

ባህርያቱ

◻ ንዝዀነ ይኹን እተዋህቦ ሓላፍነት ብኸመይ እዩ ዚሕዝ፧—ማቴዎስ 20:25, 26

◻ እንታይ ሸቶታት ኣለዎ፧—1 ጢሞቴዎስ 4:15

◻ ሕጂ ነዚ ሸቶታቱ ንምውቃዕ ይዓዪ ድዩ ዘሎ፧—1 ቈረንቶስ 9:26, 27

◻ ንስድራ ቤቱ ብኸመይ እዩ ዚሕዞም፧—ዘጸኣት 20:12

◻ ኣዕሩኹ መን እዮም፧—ምሳሌ 13:20

◻ ብዛዕባ እንታይ እዩ ዚዛረብ፧—ሉቃስ 6:45

◻ ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዎ፧—እብራውያን 13:5, 6

◻ እንታይ ዓይነት መዘናግዒ ይፈቱ፧—መዝሙር 97:10

◻ ንየሆዋ ዘላቶ ፍቕሪ ብኸመይ የርእያ፧—1 ዮሃንስ 5:3

ጸጋታቱ

◻ ጻዕራም ድዩ፧—ምሳሌ 6:9-11

◻ ኣብ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ሓላፍነት ዚስምዖ ድዩ፧—ሉቃስ 14:28

◻ ጽቡቕ እተመስከረሉ ድዩ፧—ግብሪ ሃዋርያት 16:1, 2

◻ ንኻልኦት ዚሓሊ ድዩ፧—ፊልጲ 2:4

ሓደገኛ ምልክታት

◻ ቍጡዕ ድዩ፧—ምሳሌ 22:24

◻ ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ኬእትወኪ ይፍትን ድዩ፧—ገላትያ 5:19

◻ ብኣካል ወይ ብዘረባ ሃሳዪ ድዩ፧—ኤፌሶን 4:31

◻ ብዘይ ኣልኮላዊ መስተ ጽቡቕ ግዜ ኼሕልፍ ዘይክእል ድዩ፧ —ምሳሌ 20:1

◻ ቀናእን ንዓይ ይጥዓመኒ በሃልን ድዩ፧—1 ቈረንቶስ 13:4, 5

[ኣብ ገጽ 40 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

 ወረቐት ዕዮ

ክትኰነኒ ድያ፧

ባህርያታ

◻ ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ጉባኤን እዝዝቲ ምዃና ብኸመይ ተርኢ፧—ኤፌሶን 5:21, 22

◻ ንስድራ ቤታ ብኸመይ ትሕዞም፧—ዘጸኣት 20:12

◻ መሓዙታ መን እየን፧—ምሳሌ 13:20

◻ ብዛዕባ እንታይ እያ እትዛረብ፧—ሉቃስ 6:45

◻ ብዛዕባ ገንዘብ እንታይ ኣረኣእያ ኣለዋ፧—1 ዮሃንስ 2:15-17

◻ እንታይ ሸቶታት ኣለዋ፧—1 ጢሞቴዎስ 4:15

◻ ሕጂ ነዚ ሸቶታታ ንምውቃዕ ትዓዪ ድያ ዘላ፧—1 ቈረንቶስ 9:26, 27

◻ እንታይ ዓይነት መዘናግዒ ትፈቱ፧—መዝሙር 97:10

◻ ንየሆዋ ዘላታ ፍቕሪ ብኸመይ ተርእያ፧—1 ዮሃንስ 5:3

ጸጋታታ

◻ ጻዕራም ድያ፧—ምሳሌ 31:17, 19, 21, 22, 27

◻ ኣብ ኣጠቓቕማ ገንዘብ ሓላፍነት ዚስምዓ ድያ፧—ምሳሌ 31:16, 18

◻ ጽቡቕ እተመስከረላ ድያ፧—ሩት 3:11

◻ ንኻልኦት እትሓሊ ድያ፧—ምሳሌ 31:20

ሓደገኛ ምልክታት

◻ ናግራም ድያ፧—ምሳሌ 21:19

◻ ኣብ ጾታዊ ርኽሰት ከተእትወካ ትፍትን ድያ፧—ገላትያ 5:19

◻ ብዘረባ ወይ ብኣካል ሃሳዪት ድያ፧—ኤፌሶን 4:31

◻ ብዘይ ኣልኮላዊ መስተ ጽቡቕ ግዜ ኸተሕልፍ ዘይትኽእል ድያ፧—ምሳሌ 20:1

◻ ቀናእን ንዓይ ይጥዓመኒ በሃሊትን ድያ፧—1 ቈረንቶስ 13:4, 5

[ኣብ ገጽ 30 ዘሎ ስእሊ]

ከምቲ ዝዀነ ይኹን ዓቐን ጫማ ዘይኰነካ፡ ማንም ሰብ እውን ንሓዳር ኣይኰነካን እዩ

[ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ]

ማኪና ኽትዕድግ ከለኻ፡ ደጋዊ ትርኢታ ጥራይ ዘይኰነስ ውሽጣ ኽትፈልጣ ኣገዳሲዶ ኣይመስለካን፧ ንሓዳር ዚዀነካ ሰብ ክትመርጽ ከለኻ ግዳ ክንደይ ዝያዳ ኽትጥንቀቕ ዘይግብኣካ!