ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ድንግልናይ ክሕሉ ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧

ድንግልናይ ክሕሉ ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧

ምዕራፍ 5

ድንግልናይ ክሕሉ ዘሎኒ ስለምንታይ እየ፧

“ጾታዊ ርክብ ክፍትን ጸቕጢ ይወርደኒ እዩ።”—ኬሊ

“ክሳዕ ሕጂ ድንግል ምዃነይ ከም ገለ ይስምዓኒ እዩ።”—ጆርዳን

“ክሳዕ ሕጂ ድንግል ዲኻ፧” እዛ ሕቶ እዚኣ ተፍርሃካ ትኸውን! ከመይሲ፡ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ድንግል መንእሰይ ከም ፍልይ ዝበለ ወይ ስግንጢር ጌርካ ይርአ እዩ። ብዙሓት መንእሰያት ገና ኣብ 20ታት ዕድሚኦም ከይበጽሑ ጾታዊ ርክብ ምግባሮም እምበኣር ዜገርም ኣይኰነን።

በዚ ትምኒትካ ይስሕበካ፡ በቲ ኸኣ መዛኑኻ ይደፍኡኻ

ክርስትያን እንተ ዄንካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ” ኢሉ ኸም ዚላበወና ትፈልጥ ኢኻ። (1 ተሰሎንቄ 4:3) ኰይኑ ግን፡ ጾታዊ ድፍኢትካ ምቍጽጻሩ የጸግመካ ይኸውን። ፖል ዚበሃል መንእሰይ፡ “ሓድሓደ ግዜ ብዘይ ገለ ምኽንያት ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ክሓስብ እጅምር” በለ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ንቡር እዩ።

ይኹን እምበር፡ ብድንግልናኻ ኣደዳ ዘየቋርጽ ሕጫጨን ላግጽን ምዃን ግን ዜሕፍር እዩ! ንኣብነት፡ መዛኑኻ ጾታዊ ርክብ ክሳዕ ዘይገበርካ እኹል ሰብኣይ ወይ እኽልቲ ሰበይቲ ኣይኰንካን እንተ በሉኻኸ፧ ኢለን እትበሃል መንእሰይ፡ “መዛኑኻ ንጾታዊ ርክብ ከም ዜሐጕስን ንቡርን ገይሮም እዮም ዚገልጽዎ። ምስ እተፈላለዩ ሰባት ዘይትድቅስ እንተ ዄንካ፡ ከም ስግንጢር ገይሮም እዮም ዚርእዩኻ” በለት።

ኰይኑ ግን፡ መዛኑኻ ብዛዕባ እቲ ቕድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ዘይዛረብዎ ሓደ ነገር ኣሎ። ንኣብነት፡ ምስ ዓርካ ጾታዊ ርክብ ዝገበረት ማሪያ፡ “ድሕሪኡ ሕፍረትን ሕንከትን ተሰምዓኒ። ንርእሰይ ጸላእኩ፡ ንዓርከይ እውን ጸላእክዎ” ኢላ ተዘክሮኣ ትገልጽ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመክሮ ኸምቲ ብዙሓት መንእሰያት ዚሓስብዎ ሳሕቲ ጥራይ ዜጋጥም ኣይኰነን። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ፡ ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ዜሕዝን ሳዕቤናት ዘለዎ ስምዒታዊ ስቓይ እዩ ዜስዕብ።

ይኹን እምበር፡ ሻንዳ እትበሃል መንእሰይ፡ “ኣምላኽ፡ መንእሰያት ክሳዕ ዚምርዓዉ ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ ኸም ዘይብሎም እናፈለጠ፡ ጾታዊ ባህጊ ዝሃቦም ስለምንታይ እዩ፧” ኢላ ሓተተት። እዚኣ ጽብቕቲ ሕቶ እያ። ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ግን ኣብ ግምት ኣእትዎ፦

ካብ ጾታዊ ድፍኢት ወጻኢ፡ ካልእ ሓያል ስምዒት የብልካን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን። የሆዋ ኣምላኽ ብዙሕ ባህግታትን ስምዒታትን ዘሎካ ገይሩ እዩ ፈጢሩካ።

እሞኸ ዝዀነ ይኹን ስምዒት ኣብ ውሽጥኻ ምስ ተላዕለ፡ ብእኡ ተመሪሕካ ስጕምቲ ኽትወስድ ኣሎካ ማለት ድዩ፧ ኣይፋልካን። ኣምላኽ ንስጕምትታትካ ኽትቈጻጸሮ ኽእለት እውን ሂቡካ እዩ።

ካብዚ ደኣሞ እንታይ ትመሃር፧ ገሊኡ ባህግታት ከይለዓል ክትዓግቶ ኣይትኽእልን ትኸውን፡ ነቲ ድሕሪኡ እትገብሮ ግን ክትቈጻጸሮ ትኽእል ኢኻ። ብዅሉ ጾታዊ ድፍኢት ተደሪኽካ ስጕምቲ ምውሳድ፡ ልክዕ ብእተቘጣዕካ መጠን ንሰብ ከም ምውቃዕ ጌጋን ዕሽነትን እዩ።

ኣምላኽ ነቲ ንኽንፋረ ዝሃበና ኽእለት ብዘይግቡእ ክንጥቀመሉ ፈጺሙ ኣይሓለነን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍኩም ሰብነቱ ብቕድስናን ብኽብርን ይሓሉ” ይብል። (1 ተሰሎንቄ 4:4 ትርጕም 1990 እግረ-ጽሑፍ) ከምቲ፡ “ንምፍቓር ጊዜ አለዎ፡ ንምጽላእ ከኣ ጊዜ አለዎ” እተባህለ፡ ንጾታዊ ድፍኢትካ እትትግብረሉ ግዜ ኣሎ፡ ካብኡ እትቝጠበሉ ግዜ እውን ኣሎ። (መክብብ 3:1-8) ውዒሉ ሓዲሩ፡ ንስኻ ኢኻ ንባህግታትካ እትቈጻጸሮ!

ሓደ ሰብ ካብ ዘይምእማን እተላዕለ፡ “ብሓቂ ኽሳዕ ሕጂ ድንግል ዲኻ፧” ኢሉ እንተ ሓጪጩልካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ኣይትሕፈር። ኬነኣእሰካ ንዚፍትን ሰብ፡ “እወ፡ ድንግል እየ። ከምኡ ምዃነይ ድማ የሐጕሰኒ እዩ” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ። ወይ ከኣ፡ “እዚ ምስ ካልኦት ክዘራረበሉ ዘይደሊ ብሕታዊ ጕዳየይ እዩ” ኽትብሎ ትኽእል ኢኻ። * (ምሳሌ 26:4፣ ቈሎሴ 4:6) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ እቲ ዚሓተካ ሰብ ዝያዳ ኺፈልጥ ዚግብኦ ዀይኑ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መትከልካ ኽትገልጸሉ ትኽእል ኢኻ።

“ብሓቂ ኽሳዕ ሕጂ ድንግል ዲኻ፧” ኢሉ ንዝሓጨጨልካ ሰብ፡ ካልእ ክትህቦ እትኽእል መልሲ እንተ መጺኡልካ፡ ቀጺልካ ጸሓፎ።

․․․․․

ክቡር ውህበት

ሰባት ቅድሚ ምምርዓዎም ጾታዊ ርክብ ኪገብሩ እንተ ወሲኖም፡ ኣምላኽ እንታይ ይስምዖ፧ ንፈታዊኻ ሓደ ህያብ ገዚእካሉ እስከ ንበል። ኰይኑ ግን፡ ገና ኸይሃብካዮ ኸለኻ፡ ህንጡይ ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ህያብ ከፊቱ ይርእዮ። እዝስ ኣይመጕሃየካንዶ፧ እምበኣር፡ ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ እንተ ጌርካ፡ ኣምላኽ እንታይ ከም ዚስምዖ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ውህበት ጾታዊ ርክብ ክሳዕ እትምርዖ ኽትጥቀመሉ ኣይደልየካን እዩ።—ዘፍጥረት 1:28

ብዛዕባ ጾታዊ ስምዒትካ ደኣሞ እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ብሓጺሩ፡ ክትቈጻጸሮ እዩ ዘሎካ። ነዚ ኽትገብር ዜኽእል ብርታዐ ኣሎካ! የሆዋ ንኺሕግዘካ እውን ጸሊ። መንፈሱ ብዝያዳ ርእስኻ ንኽትገትእ ኪሕግዘካ እዩ። (ገላትያ 5:22, 23 ትርጕም 1990) የሆዋ ‘ነቶም ብቕንዕና ዚመላለሱ ሰናይ ዘበለ ኸም ዘይከልኦም’ ኣይትረስዕ። (መዝሙር 84:11) ጎርዶን ዚበሃል መንእሰይ፡ “ቅድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ሕማቕ ኣይኰነን ኢለ ኽሓስብ ክጅምር ከለኹ፡ ብዛዕባ እቲ ሕማቕ መንፈሳዊ ሳዕቤናቱ አስተንትን፡ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት ከኣ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ኬበላሽዎ ኸም ዘይብሉ እግንዘብ” በለ።

ከም ሓቂ፡ ድንግልና ፍሉይ ወይ ዘይልሙድ ነገር ኣይኰነን። ርኹስ ጾታዊ ርክብ ግን ዜሕስርን ዜዋርድን ጐዳእን እዩ። ስለዚ፡ ብፕሮፓጋንዳ ዓለም ተታሊልካ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ጠቢቕካ ምስዓብካ ስግንጢር ከም ዝዀንካ ጌርካ ኽትሓስብ የብልካን። ድንግልናኻ ብምሕላውካ፡ ጥዕናኻ፡ ስምዒትካ፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ርክብ ኢኻ እትሕሉ።

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 23 እውን ኣንብብ

[እግረ-ጽሑፍ]

^ ሕ.ጽ. 15 የሱስ ካብ ሄሮድስ ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ መልሲ ኣይሃበን። (ሉቃስ 23:8, 9) ገሊኡ ሰብ ዘይምልከቶ ሕቶ ኺሓተካ ኸሎ፡ ብዙሕ ግዜ ስቕታ ጽቡቕ መልሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ብልቡ ጨኪኑ ድንግልናኡ እንተ ሓለወ ድማ ጽቡቕ ገበረ።”—1 ቈረንቶስ 7:37 ትርጕም 1990 እግረ-ጽሑፍ

ምኽሪ

ነቶም ጽኑዕ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ዘይስዕቡ ሰባት፡ ዋላ እውን ንሃይማኖታዊ እምነትካ ንኣምነሉ ኢና እንተ በሉ ኣይትቕረቦም።

ትፈልጥዶ፧

ንጾታዊ ርክብ ብዚምልከት ጽኑዕ ስርዓት ዘይስዕቡ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ተመርዓዉ እውን ልማዶም ኣይሓድጉን እዮም። ብኣንጻሩ ግን፡ እቶም ቅድሚ መርዓ ንስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ሰባት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ መርዓ እውን ንመጻምድቶም እሙናት እዮም።

መደባተይ

ክሳዕ ዝምርዖ ድንግል ኰይነ ኽጸንሕ እንተ ዀይነ፡ ነዚ ዚስዕብ ነገራት ክገብር የድልየኒ፦v

ብጾተይ ኣብ ውሳነይ ንኸይጸንዕ እንተ ኣሸጊሮምኒ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ገሊኦም ነቶም ድንግልናኦም ዝሓለዉ ዜላግጹሎም ስለምንታይ ይመስለካ፧ ․․․․․

ድንግልናኻ ሓሊኻ ምንባር ኣጸጋሚ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ ․․․․․

ክሳዕ እትምርዖ ድንግልናኻ ምሕላው እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧ ․․․․․

ንምንኣስካ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ብዛዕባ ድንግልና ምሕላው ዘለዎ ጥቕምታት ብኸመይ ምገለጽካዎ፧ ․․․․․

[ኣብ ገጽ 51 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“‘ኣመንዝራ ዘበለ፡ ወይ ርኹስ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ርስቲ ኸም ዘይብሉ’ ዅሉ ሳዕ ብምዝካር፡ ጾታዊ ፈተናታት ንኽጻረሮ ሓይሊ እረክብ።’’ (ኤፌሶን 5:5)—ልድያ

[ኣብ ገጽ 49 ዘሎ ስእሊ]

ወረቐት ዕዮ

ከም ሓቂ ብድሕሪኡ እንታይ የጋጥመካ፧

መዛኑኻን ህቡብ መዘናግዕታትን ነቲ ቕድሚ መርዓ ዚግበር ጾታዊ ርክብ ሒዝዎ ዚመጽእ ሳዕቤናት ይሓባብእዎ እዮም። ነዚ ዚስዕብ ሰለስተ ፍጻመታት እሞ ተመልከት። ነቶም መንእሰያት ብሓቂ እንታይ ዜጋጥሞም ይመስለካ፧

መማህርትኻ ምስ ብዙሓት ኣዋልድ ጾታዊ ርክብ ከም ዝገበረ ብጃህራ ይነግረካ። ከም እተኸየፈን ዋላ ሓደ ኸም ዘይተጐድአን ይዛረብ። ከም ሓቂ ግን ድሕሪኡ ንዕኡ ዀነ ነተን ኣዋልድ እንታይ እዩ ዜጋጥሞም፧ ․․․․․

ሓንቲ ፊልም፡ ክልተ ዘይተመርዓዉ መንእሰያት ንሓድሕዶም ዘለዎም ፍቕሪ ንምግላጽ ጾታዊ ርክብ ከም ዝገበሩ ብዚሕብር ዛንታ ትዛዘም። እንተዀነ ግን፡ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት፡ ድሕሪኡ እንታይ እዩ ዜጋጥም፧ ․․․․․

ሓደ መልክዐኛ ወዲ የጓንፈኪ፡ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ክትገብሪ ድማ ይሓተኪ። ዋላ ሓደ ሰብ ኣይኪፈልጥን እዩ ይብለኪ። ሕራይ እንተ ኢልክዮን ነቲ ተግባር ክትሓባብእዮ እንተ ፈቲንክን፡ ከም ሓቂ ድሕሪኡ እንታይ እዩ ዜጋጥመኪ ፧․․․․․

[ኣብ ገጽ 54 ዘሎ ስእሊ]

ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምግባር፡ ሓደ ህያብ ገና ኸይተዋህበካ ኸሎ ኸፊትካ ኸም ምርኣይ እዩ