ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ እየ ኻብ ሰበይ ንላዕሊ ዝሓምም፧

ስለምንታይ እየ ኻብ ሰበይ ንላዕሊ ዝሓምም፧

ምዕራፍ 8

ስለምንታይ እየ ኻብ ሰበይ ንላዕሊ ዝሓምም፧

“ብግዜ ንእስነትካ ዋላ ሓንቲ ትኸውን ኣይመስለካን እዩ። ብሃንደበት ከቢድ ሕማም ምስ ሓመምካ ግን፡ ኣተሓሳስባኻ ጌጋ ምንባሩ ትግንዘብ። ብሓንቲ ለይቲ ዝኣረግካ ዀይኑ ይስምዓካ።”—ጄሰን

ጄሰን ኣብ 18 ዓመት ዕድሚኡ፡ ዜማስንን ዜሳቕን ሕማም መዓናጡ ኸም ዘለዎ ፈለጠ። ምናልባት ንስኻ እውን ብሕዱር ሕማም ወይ ብስንክልና ትሳቐ ትህሉ ትኸውን። ከም ክዳንካ ምኽዳን፡ ምግቢ ምብላዕ፡ ወይ ናብ ቤት ትምህርቲ ምኻድ ዝኣመሰለ ኸም ተራ ጌርካ እትርእዮ ዝነበርካ ንጥፈታት፡ ንምግባሩ ብዙሕ ጻዕሪ ይሓተካ ይኸውን።

ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ ናጽነትካ ስለ ዚቕየድ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተዳጐንካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ብጽምዋ ኸኣ ትብላዕ። ንኣምላኽ ዜጕሂ ነገር እንተ ጌርካ ወይ ኣምላኽ ንንጽህናኻ ንምፍታን እተፈልየ ፈተና እንተ ኣንቢሩልካ ኽትሓስብ ትጅምር ትኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ ግን፡ “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ” ይብል። (ያእቆብ 1:13) ሕማም፡ ሓደ ኻብቲ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ዅነታት እዩ፡ ንዅላትና እውን “ጊዜን ኣጋጣምን” ይመጸና እዩ።—መክብብ 9:11

እቲ ዜሐጕስ ግን፡ የሆዋ ኣምላኽ፡ “‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ” እተባህለላ ሓዳስ ዓለም ከም ዜምጽእ ተመባጺዑ ኣሎ። (ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990) እቶም ዝሞቱ እውን እንተ ዀኑ፡ ኣብታ ሓዳስ ዓለም ንምንባር ኪትንስኡ እዮም። (ዮሃንስ 5:28, 29) ክሳዕ ሽዑ ግን ከመይ ጌርካ ኢኻ ንዅነታትካ ብዝበለጸ መገዲ ኽትጥቀመሉ እትኽእል፧

ኣወንታዊ ኽትከውን ፈትን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ” ይብል። (ምሳሌ 17:22) ገሊኦም ሰባት ከቢድ ሕማም ኬጋጥም ከሎ፡ ሓጐስን ሰሓቕን ግቡእ ከም ዘይኰነ ይስምዖም። እንተዀነ ግን፡ ጽቡቕ ዋዛን ባህ ዜብሉ ብጾትን ንኣእምሮኻ ኼሐድስዎ፡ ንምንባር ዘሎካ ድሌት ድማ ኪውስኹሉ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ኣብ ህይወትካ ዝያዳ ሓጐስ ንምርካብ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ሕሰብ። ሓጐስ ኣምላኻዊት ባህርይ፡ ማለት ክፍሊ ፍረ መንፈስ ኣምላኽ ምዃና ኣይትረስዕ። (ገላትያ 5:22) እቲ መንፈስ እቲ ሕማምካ ብእተወሰነ ሓጐስ ጌርካ ንኽትጾሮ ኺሕግዘካ ይኽእል እዩ።—መዝሙር 41:3

ክውንነታዊ ሸቶታት ኣውጽእ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጥበብ . . . ምስቶም ትሑታት እያ” ይብል። (ምሳሌ 11:2) ትሕትና ኣይግዳዱ ንኸይትኸውን ትሕግዘካ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እምብዛ ጥንቁቕ ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። ንኣብነት፡ ኵነታትካ ዚፈቕዶ እንተ ዀይኑ፡ ግቡእ ኣካላዊ ንጥፈታት ጽቡቕ ንኺስምዓካ ኺሕግዝ ይኽእል እዩ። ስለዚ ኸኣ እዩ መብዛሕትኡ ግዜ ትካላት ሕክምና ንመንእሰያት ሕሙማት ከም ኣካላዊ ምውስዋስ ዝኣመሰለ ሕክምና ዚህብ። ኣብ መብዛሕትኡ መዳያት ግቡእ ምውስዋስ ኣካላት ንኽትሓዊ ኣብ ርእሲ ምሕጋዙ፡ ንመንፈስካ እውን የነቓቕሖ እዩ። እምበኣር፡ ንዅነታትካ ብግቡእ ገምግሞ፡ ድሕሪኡ ኽውንነታዊ ሸቶታት ኣውጽእ።

ንኻልኦት ክኣሎም። ገሊኦም ብዛዕባ ዅነታትካ ጐዳኢ ዘረባ እንተ ተዛሪቦምከ፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዚዝረብ ዘበለ ዅሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ” ይብል። (መክብብ 7:21) ሓድሓደ ግዜ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘረባ ኽትክእሎ ዚሕግዘካ ብሉጽ መገዲ፡ ዕሽሽ ምባሉ እዩ። ወይ ከኣ ነቲ ዅነታት ንምቕያሩ ስጕምቲ ኽትወስድ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ካልኦት ኣብ ብሽክለታ ስንኩላን ስለ ዝረኣዩኻ፡ ነብሶም እስር እንተ ኣቢሎም፡ ፍዅስ ከም ዚብሎም ግበር።

ተስፋ ኣይትቝረጽ። የሱስ ከቢድ ስቓይ ኣብ ዘጋጠሞ እዋን ናብ ኣምላኽ ጸለየ፡ ኣብ ኣምላኽ ትውክልቲ ገበረ፡ ኣብ ቃንዛኡ ዘይኰነስ ኣብቲ ዜሐጕስ መጻኢኡ ድማ ኣተኰረ። (እብራውያን 12:2) ካብ መከራኡ ተማህረ። (እብራውያን 4:15, 16፣ 5:7-9) እተዋህቦ ሓገዝን ምትብባዕን እውን ተቐበለ። (ሉቃስ 22:43) ኣብቲ ዘጋጠሞ ሽግር ዘይኰነስ፡ ኣብቲ ንኻልኦት ዚሕሾም የተኵር ነበረ።—ሉቃስ 23:39-43፣ ዮሃንስ 19:26, 27

የሆዋ ‘ይሓልየልካ እዩ’

ዘጋጠመካ ጸገማት ብዘየገድስ፡ ኣምላኽ ኣትሒቱ ኸም ዚርእየካ ጌርካ ኣይትሕሰብ። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ፡ የሆዋ ነቶም ኬሐጕስዎ ዚጽዕሩ ሰባት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮም። (ሉቃስ 12:7) ብውልቂ ‘ይሓልየልካ እዩ፡’ ሕማምካ ወይ ስንክልናኻ ብዘየገድስ ከኣ ኣብ ኣገልግሎቱ ተሓጒሱ ኺጥቀመልካ ይደሊ እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:7

ፍርሂ ወይ ስክፍታ ነቲ ኽትገብሮ እትደልዮ ወይ ዜድልየካ ነገር ካብ ምግባር ኪዓግተካ ኣይተፍቅድ። ወትሩ ኻብ የሆዋ ኣምላኽ ደገፍ ድለ። ዜድልየካ ነገራትን ስምዒታትካን ይርድኦ እዩ። ኣብ ልዕሊ እዚ፡ ንጸገምካ ንኽትጾሮ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኺህበካ ይኽእል እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ድሕሪ ግዜ፡ ምናልባት ከምቲ ወዲ 17 ዓመት ከሎ ወርትግ ክቱር ድኻም ዚስምዖ ዝነበረ ቲሞቲ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኽትሕዝ ትኽእል ኢኻ። ንሱ ኸምዚ በለ፦ “ከምቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 10:13 ተጠቒሱ ዘሎ፡ የሆዋ ኻብ ዓቕምና ንንየው ክንፍተን ኣይሓድገናን እዩ። ‘ፈጣርየይ ነዚ ፈተና እዚ ኸም ዝኽእሎ ምትእምማን እንተ ኣልይዎ፡ ምስኡ ዝማጐት ኣነ መን እየ፧’ ኢለ እሓስብ።”

እትፈልጦ ሰብ እንተ ሓሚሙ

ንስኻ ጥዕና እንተ ኣልዩካ፡ እትፈልጦ ሰብ ግን እንተ ሓሚሙ ወይ እንተ ሰንኪሉ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ነገር፡ ‘ድንጋጽን ለውሃትን’ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:8) ነቲ እቲ ሰብ ዜሕልፎ ዘሎ ኽትርድኣሉ ጽዓር። ነቲ ጸገማቱ ብኣዒንትኻ ዘይኰነስ፡ ብኣዒንቱ ርኣዮ። ክትውለድ ከላ ኣትሒዛ መንድዓት ዘለዋ ኒና፡ “ሰብነተይ ቍንጹብ ስለ ዝዀነን ብብሽክለታ ስንኩላን ስለ ዝንቀሳቐስን፡ ገሊኦም ሰባት ከም ቈልዓ ገይሮም የዛርቡኒ፡ እዚ ድማ ተስፋ ዜቝርጽ እዩ። ገሊኦም ግን ማዕረይ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኮፍ ኢሎም ኬዘራርቡኒ ይፍትኑ። እዚ ብሓቂ እዩ ዜሐጕሰኒ!” በለት።

ነቶም ጸገማት ጥዕና ዘለዎም ሰባት፡ ነቲ ሕማም ሓዲግካ እንተ ርኢኻዮም፡ ከማኻ ምዃኖም ክትግንዘብ ኢኻ። ሕስብ እሞ ኣብሎ፡ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ብቓላትካ ‘መንፈሳዊ ውህበት ክትመቕሎም’ ትኽእል ኢኻ! ከምኡ ምስ እትገብር፡ ንሓድሕድኩም ‘ክትጸናንዑ’ ስለ እትኽእሉ፡ በረኸት ክትረክብ ኢኻ።—ሮሜ 1:11, 12

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 13 እውን ኣንብብ

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ሽዑ . . . ‘ሓደ እኳ ሕሙም እየ’ ኣይኪብልን እዩ።ኢሳይያስ 33:23, 24 ትርጕም 1990

ምኽሪ

ፍልጠት ነቲ ዘይትፈልጦ ነገራት ዜምጽኣልካ ፍርሂ ይንክዮ። ስለዚ፡ ብዛዕባ ዅነታትካ ዚከኣለካ ፍልጠት ኣጥሪ። ሓድሓደ ጕዳያት እንተ ደኣ ዘይበሪሁልካ ኸኣ፡ ንሓኪምካ ኣነጺርካ ሕተቶ።

ትፈልጥዶ፧

ሕማምካ ወይ ስንክልናኻ ኻብ ኣምላኽ ዝመጸ መቕጻዕቲ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ብሰንኪ እቲ ዅላትና ኻብ ኣዳም ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና ዝመጸ እዩ።—ሮሜ 5:12

መደባተይ

ብዛዕባ ሕማመይን ስንክልናይን ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኺህልወኒ ኸምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ነዚ ዚስዕብ ክውንነታዊ ሸቶ ኸውጽእ እኽእል እየ፦ ․․․․․

ሓደ ሰብ ብዛዕባ ዅነታተይ ጐዳኢ ዘረባ እንተ ተዛሪቡኒ፡ እዚ ዚስዕብ ስጕምቲ ኽወስድ እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ንሓደ ዝሰንከለ ወይ ሕዱር ሕማም ዘለዎ ሰብ በቲ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ቐሪቡ ዘሎ ሓበሬታ ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧

ሕዱር ሕማም እንተ ኣልዩካ፡ ንዅነታትካ ብዝበለጸ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ ብዛዕባ እንታይ ኣወንታዊ ነገራት ከተስተንትን ትኽእል፧

መግደራ፡ ኣምላኽ ከም ዘይተሓጐሰልካ ዜርኢ ምልክት ከም ዘይኰነ ብኸመይ ትፈልጥ፧

[ኣብ ገጽ 75 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዳስቲን፡ 22

‘‘ኰይኑኒ ኻብ ብሽክለታ ስንኩላን ከም ዘይፍለ ኣብ ዝፈለጥኩሉ እዋን ኣብ ሕቝፊ ኣደይ ኰይነ ኽበኪ ትዝ ይብለኒ። ኣብቲ ግዜ እቲ ገና ወዲ ሸሞንተ ዓመት እየ ነይረ።

ጭዋዳታት ዜማህምን ሕማም ኣሎኒ። ክዳነይ ክኽደንን ነብሰይ ክሕጸብን ክበልዕን ሓገዝ የድልየኒ እዩ። ኣእዳወይ ሓፍ ከብል ኣይክልእን እየ። ኰይኑ ግን፡ ህይወተይ ብንጥፈታት ዝመልአን ባህ ዜብልን እዩ፡ ብዙሕ ዘመስግነሉ ነገራት እውን ኣሎኒ። ብስሩዕ ናብ ኣገልግሎት እወጽእ፡ ኣብ ጉባኤና ድማ ኣገልጋሊ ጉባኤ ዀይነ አገልግል እየ። ንሕማመይ ‘ክጾሮ’ ኸም ዘሎኒ ዀይኑ እውን ኣይስምዓንን እዩ። ንየሆዋ ተገልግል እንተ ዄንካ፡ ወትሩ እትገብሮ ዀነ እትጽበዮ ነገር ኣይትስእንን ኢኻ። ልዕሊ ዅሉ፡ ነታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም እጽበ እየ፡ ኣብኡ ድማ ‘ከም እራብ ክሰርር’ እየ።’’—ኢሳይያስ 35:6

[ኣብ ገጽ 75 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ቶሞኮ፡ 21

‘‘ገና ጓል ኣርባዕተ ዓመት ከለኹ፡ እቲ ሓኪም ‘ኣብ ምሉእ ህይወትኪ ኢንሱሊን ክትውግኢ ኣሎኪ’ በለኒ።

ንሓደ ሕማም ሽኮርያ ዘለዎ ሰብ ኣብ ደሙ ዚርከብ መጠን ሽኮር ምቍጽጻር የጸግሞ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ኣብ ዝደልየሉ እዋን ክበልዕ ኣይክእልን እየ፡ ኣብ ዘይደልየሉ እዋን ከኣ ክበልዕ ኣሎኒ። ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ፡ 25,000 መርፍእ ተወጊአ ኣለኹ፡ ስለዚ ኣእዳወይን ሰለፈይን ጽዖት ኣውጺኡ እዩ። ወለደይ ግን ነቲ ዅነታተይ ብዝበለጸ ኽጥቀመሉ ሓጊዞምኒ እዮም። ወትሩ ሕጉሳትን ኣወንታውያንን እዮም፡ ንመንፈሳዊ ነገራት ሞሳ ኸም ዘሕድር ገይሮም ድማ ኣዕብዮምኒ። የሆዋ እውን ሰናይ ገይሩለይ እዩ። ስለዚ፡ ጥዕናይ ኣብ ዝፈቐደለይ እዋን፡ ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብምስታፍ ሞሳይ ክገልጽ ወሰንኩ።’’

[ኣብ ገጽ 76 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ጄምስ፡ 18

‘‘ሰባት ንኸምዚ ኸማይ ዝኣመሰለ ፍልይ ዝበለ ሰብ እንታይ ከም ዚብልዎ ኣይፈልጡን እዮም።

ዘይልሙድ ዓይነት ድንክነት እዩ ዘሎኒ። ሰባት ንደጋዊ ትርኢት ብዙሕ የተኵሩሉ እዮም፡ ስለዚ ድማ ወትሩ ረጒድ ድምጺ ዘሎኒ ቘልዓ ዘይምዃነይ ከመስክር እየ ዝጽዕር። በቲ ዘይኰንክዎ ነገራት ኣብ ክንዲ ዘስተማስል፡ ኣብቲ ዝዀንክዎ አተኵር። ህይወተይ የሐጕሰኒ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ አጽንዕ፡ ሓገዝ ንምርካብ ከኣ ናብ የሆዋ እጽሊ እየ። ስድራ ቤተይ ኵሉ ሳዕ የተባብዑኒ እዮም። ኣምላኽ ንዅሉ ሕማማት ዜጥፍኣሉ ግዜ ብሃንቀውታ እየ ዝጽበዮ። ክሳዕ ሽዑ፡ ንሕማመይ ክኢለ ዝነብር እኳ እንተ ዀንኩ፡ ሕማመይ ንህይወተይ ኪቈጻጸሮ ግን ኣይፈቅድን እየ።’’

[ኣብ ገጽ 76 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ዳኒትሪያ፡ 16

‘‘ብርጭቆ ማይ ከልዕል ከለኹ እውን ከይተረፈ ኼሕምመኒ ምስ ጀመረ፡ ገለ ጸገም ከም ዘሎኒ ፈሊጠ ነይረ።

ቅርጥማት ዜቐንዙን ዜበሳጩን ሕማም እዩ። ጐርዞ ስለ ዝዀንኩ፡ ከም መሓዙተይ ክኸውን እደሊ እየ፡ ኵሉ ነገራት ግን ካብ ቀደም ብዝያዳ የጸግመኒ እዩ። ድቃስ እውን ብኽንደይ መከራ እዩ ዚወስደኒ! ኰይኑ ግን፡ ጸገማት እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ብሓገዝ የሆዋ ንቡር ነገራት ክገብር ከም ዝኽእል ተማሂረ እየ። ሓጋዚት ፈላሚት ብምዃን ኣብ ኣገልግሎት ተወሳኺ ግዜ ኸሕልፍ እውን ክኢለ እየ። ቀሊል እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ክገብሮ ግን ክኢለ እየ። ዚከኣለኒ ኽገብር እጽዕር እየ። ነቲ ሰብነተይ ዚነግረኒ ‘ኽሰምዖ፡’ ካብ ዓቕመይ ንላዕሊ ኸይገብር ድማ ክጥንቀቕ ኣሎኒ። ከምዚ ምግባር እንተ ረሲዐ፡ ማማ ዅሉ ሳዕ ተዘኻኽረኒ እያ!’’

[ኣብ ገጽ 77 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ኤሊስያ፡ 20

‘‘ኣብ ትምህርቲ በርቂ እየ ነይረ። ሕጂ ግን ዘይተሓላለኸ ምሉእ ሓሳብ ምንባብ እውን የጸግመኒ እዩ፡ ሓድሓደ ግዜ እሞ ኸኣ ጭንቀት እዩ ዜምጽኣለይ።

ወርትግ ክቱር ድኻም ከም ዚስምዓካ ዚገብር ሕማም ንቐሊል ንጥፈታት እውን ኣጸጋሚ ይገብሮ። ብዙሕ ግዜ፡ ካብ ዓራት ምትንሳእ እውን ከይተረፈ ይኣብየካ። ሕማመይ መለለዪ መንነተይ ኪኸውን ግን ኣይፈቐድኩን። እንተ ኸፍአ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ሒደት ቍጽርታት ብምንባብ ወይ ሓደ ኻብ ስድራ ቤተይ ከም ዜንብበለይ ብምግባር፡ መዓልታዊ መጽሓፍ ቅዱስ አንብብ እየ። ስድራ ቤተይ ብዙሕ ሓጊዞምኒ እዮም። ኣቦይ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ንኽእከብ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ኢሉ፡ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ዝነበሮ ሓላፍነት እውን ሓዲጉ እዩ። ኣማሪሩ ኣይፈልጥን እዩ። ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝዓበየ ሓላፍነቱ ንስድራ ቤቱ ምክንኻን ምዃኑ እዩ ዚዛረብ።’’

[ኣብ ገጽ 77 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ካትሱቶሺ፡ 20

‘‘ብድንገት እናጨደርኩ እንፍርፈር፡ ኣቝሑ እድርብን እሰብርን።

ወዲ ሓሙሽተ ኻብ ዝኸውን ኣትሒዙ ሕማም ትርግትያ ኣሎኒ። እዚ ሕማም እዚ ኣብ ወርሒ ኽሳዕ ሸውዓተ ሳዕ የንፈርፍረኒ እዩ። መዓልታዊ መድሃኒት ክወስድ ኣሎኒ፡ ስለዚ ድማ ብቐሊሉ እደክም። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ ርእሰይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዛዕባ ኻልኦት እውን እሓስብ እየ። ኣብ ጉባኤና ብዙሕ ዝሓገዙኒ መሳቶይ ዝዀኑ ኽልተ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣለዉ። ትምህርቲ ምስ ወዳእኩ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዝገብሮ ተሳትፎ ወሰኽኩሉ። ትርግትያ መዓልታዊ እትቃለሶ ነገር እዩ። ኣብ ዝድቈሰሉ እዋን ግን፡ ዕረፍቲ እገብር። ንጽብሒቱ፡ ዝሓሸ ኣረኣእያ ይህልወኒ።’’ 

[ኣብ ገጽ 78 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ማቲው፡ 19

‘‘መዛኑኻ ማዕረ ኻልእ ሰብ ገይሮም ዘይርእዩኻ እንተ ዀይኖም፡ ኣኽብሮቶም ክትረክብ ኣጸጋሚ እዩ ዚዀነካ።

ኣብ ስፖርታዊ ጸወታታት ክሳተፍ እደሊ እኳ እንተ ዀንኩ፡ ኣይክእልን እየ። ሓንጎላዊ መልመስቲ ስለ ዘሎኒ፡ ምኻድ እውን የሸግረኒ እዩ። ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ እቲ ኽገብሮ ዘይክእል ነገራት ብዙሕ ኣይሓስብን እየ። የግዳስ፡ ኣብ ከም ንባብ ዝኣመሰለ ኽገብሮ ዝኽእል ንጥፈታት ብብዝሒ እሳተፍ እየ። ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ካልኦት ከይፈርዱኒ ኢለ ኸይተሰከፍኩ ገዛእ ርእሰይ ክዀነሉ ዝኽእል ቦታ እዩ። የሆዋ ብውሽጣዊ እንታይነተይ ከም ዜፍቅረኒ ምፍላጠይ የጸናንዓኒ እዩ። ንርእሰይ ስንክልና ኸም ዘሎኒ ገይረ ኣይርእያን እየ። የግዳስ፡ ኪስገር ዘለዎ ተወሳኽን ፍሉይን ጸገማት ከም ዘሎኒ ገይረ እየ ዝርእያ።’’

[ኣብ ገጽ 78 ዘሎ ሳጹን/ስእሊ]

ሚኪ፡ 25

‘‘ቀደም ኣብ ስፖርታዊ ጸወታታት ክሳተፍ እኽእል ነይረ። ገና ኣብ ኰተቴ ዕድመይ ግን፡ ብሃንደበት ከም ኣረጊት ኰንኩ።

ካብ ዝውለድ ኣትሒዘ ናይ ልቢ ጸገም ነይሩኒ። ጐርዞ ምስ ኰንኩ፡ ምልክታት እዚ ሕማም እዚ ኺርአ ጀመረ። መጥባሕቲ እኳ እንተ ገበርኩ፡ ሕጂ ድሕሪ ሽዱሽተ ዓመት ብቐሊሉ እደክም እየ፡ ከቢድ ሕማም ርእሲ እውን የጋጥመኒ እዩ። ስለዚ፡ ክበጽሖ ዝኽእል ሓጺር ሸቶታት አውጽእ እየ። ንኣብነት፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊት ኰይነ ኸገልግል ክኢለ እየ፡ ነዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ደብዳበ ብምጽሓፍን ብተሌፎን ብዚግበር ምስክርነትን እየ ዝፍጽሞ። ብተወሳኺ፡ ሕማመይ ከም ዓቕልን ትሕትናን ዝኣመሰለ ኣቐዲሙ ዘይነበረኒ ባህርያት ንኸጥሪ ኣኽኢሉኒ እዩ።’’

[ኣብ ገጽ 74 ዘሎ ስእሊ]

ሕዱር ጸገም ጥዕና እንተ ኣልዩካ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸም እተዳጐንካ ዀይኑ ይስምዓካ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ግን ሓራ ኽትወጽእ ከም እትኽእል ተስፋ ይህበካ