ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ከመይ ገይረ እየ ምስ ሰብ ክሕወስ ዝኽእል፧

ከመይ ገይረ እየ ምስ ሰብ ክሕወስ ዝኽእል፧

ምዕራፍ 9

ከመይ ገይረ እየ ምስ ሰብ ክሕወስ ዝኽእል፧

ባህ እተብል መዓልቲ እኳ እንተ ዀነት፡ በይንኻ ኢኻ ዘለኻ። ኵሎም ኣዕሩኽካ ግን፡ ብሓባር ጽቡቕ ግዜ የሕልፉ ኣለዉ። ከም ልማዶም፡ ረሲዖምኻ እዮም ከይዶም! ከይተዓደምካ ምትራፍካ ውሽጥኻ ሕርር ኵምትር የብሎ ኣሎ፡ ኣብ ርእሲኡ ኸኣ እቲ ተግባሮም ዜመሓላልፎ መልእኽቲ ንኣእምሮኻ የናውጾ ኣሎ። ‘ገለ ሽግርሲ ኺህልወኒ ኣለዎ። ስለምንታይ እዩ ሰብ ዘይቀርበኒ፧’ ኢልካ ትሓስብ።

ምናልባት ከምዚ ኣቐዲሙ እተገልጸ ዅነታት ብተደጋጋሚ ኣጋጢሙካ ይኸውን። ምስ መዛኑኻ ዓብዪ ጋግ ዘሎካ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ከተዘራርቦም ክትፍትን ከለኻ፡ ባእባእ ትብል። ክትተሓዋወሰሉ እትኽእል ኣጋጣሚ ኺፍጠር ከሎ፡ ብሕፍረት ትወሓጥ። ምስ ሰባት ሕዉስ ምዃን ክሳዕ ክንድዚ ኣጸጋሚ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

በቲ ጋግ ተፈሊኻ ኣብ ክንዲ እትነብር፡ ዜራኽበኩም ድልድል ክትሃንጽ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ኸም እትኽእል እስከ ንርአ።

ጋግ 1፦ ብዛዕባ ርእስኻ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ። ገሊኦም መንእሰያት ንርእሶም ኣመና ትሕት ኣቢሎም እዮም ዚርእዩ። ዋላ ሓደ ዘይፈትዎም ይመስሎም፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን ዝርርብ እውን ዚረብሕ ነገር ኬበርክቱ ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም። ንስኻኸ ኸምዚ ድዩ ዚስምዓካ፧ ብዛዕባ ርእስኻ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ምሓዝ፡ ነቲ ምስ መዛኑኻ ዚፈላልየካ ጋግ መሊሱ እዩ ዜግፍሖ።

ድልድል፦ ኣብ ጸጋታትካ ኣተኵር። (2 ቈረንቶስ 11:6) ‘እንታይ ጽቡቕ ጐድኒ እዩ ዘሎኒ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ብዛዕባ ተውህቦኻ ወይ ኣወንታዊ ባህርያትካ ሕሰብ እሞ ኣብዚ ዘርዝሮ።

․․․․․

ጕድለታት ከም ዘሎካ ኣየጠራጥርን እዩ፡ ነዚ ምፍላጥካ እውን ጽቡቕ እዩ። (1 ቈረንቶስ 10:12) ኰይኑ ግን፡ ብዙሕ ኣወንታዊ ጐድንታት እውን ኣሎካ። ንጸጋታትካ ምልላይካ፡ ካብቲ ብዛዕባ ርእስኻ ዘሎካ ኣሉታዊ ኣረኣእያ ንኽትገላገል ኪሕግዘካ እዩ።

ጋግ 2፦ ሕፍረት። ዕላል ከተጀምር እኳ እንተ ደለኻ፡ እቲ ኣጋጣሚ ምስ ተፈጥረልካ ግን ልኽት ትብል። ሓንቲ ኤልሳቤጥ እትበሃል ጓል 19 ዓመት መንእሰይ፡ “ሓፋር እየ። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንሰባት ምቕራቦም ኣመና እዩ ዜጸግመኒ፣ ነቶም ከምኡ ኺገብሩ ዚኽእሉ ድማ ብዙሕ እየ ዘድንቖም” በለት። ከም ኤልሳቤጥ እንተ ዄንካ፡ ነዚ ጋግ እዚ ኽትሰግሮ ዘይትኽእል ኰይኑ ይስምዓካ ይኸውን።

ድልድል፦ ንኻልኦት ተገደሰሎም። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን፡ ንግዳሙ ኽትከውን ወይ ልዕሊ ርእስኻ ንኻልኦት ክትግደስ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን። ንሓደ ሰብ ተገዳስነት ብምርኣይ ጀምር። ሆርሄ ዚበሃል መንእሰይ፡ “ንኻልኦት ብዛዕባ ድሕንነቶም ወይ ብዛዕባ ስራሖም ምሕታት ጥራይ፡ ዝያዳ ንኽትፈልጦም ይሕግዘካ እዩ” በለ።

ምስ መዛኑኻ ጥራይ ኣይትቀራረብ። ገለ ኻብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ዚርከብ ብሉጽ ዕርክነት፡ ኣብ መንጎ ሰፊሕ ናይ ዕድመ ፍልልይ ዘለዎም ሰባት እዩ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ሩትን ናእሚን፡ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን፡ ኣብ መንጎ ጢሞቴዎስን ጳውሎስን ዝነበረ ዕርክነት ክንጠቅስ ንኽእል ኢና። (ሩት 1:16, 17፣ 1 ሳሙኤል 18:1፣ 1 ቈረንቶስ 4:17) ብዘይካዚ፡ ሓደ በይኑ ለለ ምባሉ ጽቡቕ ዝርርብ ተገይሩ ማለት ከም ዘይኰነ ኣይትረስዕ። ጽን ኢሉ ዚሰምዕ ሰብ እውን የድሊ እዩ። ስለዚ፡ ሓፋር እንተ ዄንካ፡ ግድን ብዙሕ ክትዛረብ ከም ዘሎካ ጌርካ ኣይትሕሰብ!

ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦም እትደሊ ኽልተ ዓበይቲ ሰባት ርቛሕ።

․․․․․

ንሓደ ኻብዞም ኣብ ላዕሊ ዝረቛሕካዮም ሰባት ቀሪብካ ኸተዕልሎም ንምንታይ ዘይትፍትን፧ ናብቶም ኣባላት እቲ ዓለምለኻዊ “ሕውነት” ዝያዳ ብዝቐረብካ መጠን፡ ጽምዋኻ እናጠፍአ እዩ ዚኸይድ።—1 ጴጥሮስ 2:17

ጋግ 3፦ ምስ ሰብ ዘየቃዱ ባህርይ። ኵሉ ዚፈልጥ ዚመስሎ ሰብ ወትሩ ምስ ተጻረፈ፡ ምስ ሓጨጨ፡ ወይ ምስ ኣቈናጸበ እዩ። ገሊኡ ኸኣ መጐተ ዚፈቱን ኣነ ዝበልክዎ ይኹን በሃልን እዩ። “እምብዛ ጻድቕ” ስለ ዝዀነ፡ ነቲ ንሱ ዘውጸኦ ስርዓታት ንዘየማልእ ዝዀነ ይኹን ሰብ ይዅንን። (መክብብ 7:16) ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መቸም ክትቀራረብ ኣይትደልን ኢኻ። እንተዀነ ግን፡ ንስኻ ንባዕልኻ ኸምዚ ዓይነት ጠባይ ብምሓዝካ፡ ጋግ ተፈጢሩ ደዀን ይኸውን፧ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ዓሻስ ቃላት የብዝሕ፡” ከምኡውን “ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይስአኖን” ይብል።—መክብብ 10:14፣ ምሳሌ 10:19

ድልድል፦ ‘እትደናገጽ’ ኩን። (1 ጴጥሮስ 3:8) ንኣረኣእያ ኻልእ፡ ዋላ እውን ኣይትሰማምዓሉ፡ ብትዕግስቲ ኺዛረብ ግን ፍቐደሉ። ኣብቲ እትሰማምዓሉ ነጥብታት ኣተኵር። ንገሊኡ ጕዳያት ከም ዘይትሰማምዓሉ ኽትገልጽ ዜድልየካ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ብልኡም መንፈስን ብሜላን ተዛረብ።

ከምቲ ሰባት ኬዘራርቡኻ እትደልዮ ጌርካ ንኻልኦት ኣዘራርብ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንኵሉ ብዘይ ምጕርምራምን ብዘይ ምትህልላኽን ግበርዎ” ዚብል ምኽሪ ይህብ። (ፊልጲ 2:14 ትርጕም 1990) ቈየቛ፡ ባጫ፡ ጸርፊ፡ ወይ ምምጽዳቕ ንሰባት የርሕቖም እዩ። “ዘረባ[ኻ] ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ” እንተ ዀይኑ፡ ሰባት ዝያዳ ኺፈትዉኻ እዮም።—ቈሎሴ 4:6

ዝኸፈልካ ኸፊልካ ዲኻ ዓርኪ ኽትረክብ ዘሎካ፧

ነዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ነጥብታት ድሕሪ ምምርማርካ፡ ነቲ ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ ኻልኦትን ተፈጢሩ ዘሎ ጋግ ንምስጋር ድልድል ክትሰርሓሉ እትኽእል መገድታት ረኺብካ ትኸውን። ይኹን እምበር፡ ኣብ ክውንነት እተመርኰሰ ትጽቢት ኪህልወካ ኣለዎ። ኵሉ ሰብ ኪፈትወካ ኽትጸበ የብልካን። ገሊኦም ሰባት ነቶም ቅኑዕ ዚገብሩ ኸም ዚጸልእዎም፡ የሱስ ተዛሪቡ ነይሩ። (ዮሃንስ 15:19) ስለዚ፡ ዝኸፈልካ ኸፊልካ ኣዕሩኽ ከተጥሪ ምፍታን ኣየዋጽእን እዩ።

ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ስርዓታትካ ኸይተለማለምካ፡ ፍሽሑውን ተፈታውን ንኽትከውን ሚዛናዊ ጻዕርታት ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሱ ዚርከብ ሳሙኤል፡ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ንምግባር ቈሪጹ ነይሩ። እዚኸ እንታይ ኣፍረየሉ፧ ኪዓቢ ኸሎ፡ “ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ሰብን ድማ ፍትዊ ነበረ።” (1 ሳሙኤል 2:26) ንስኻ እውን ቍሩብ ጻዕሪ ብምግባር፡ ከምኡ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ!

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 8 እውን ኣንብብ

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ነታ “ያንግ ፒፕል ኣስክ—ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧” ዘርእስታ ዲቪዲ ርኣያ። እዛ ዲቪዲ እዚኣ ብልዕሊ 40 ቛንቋታት ትርከብ

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ

ትኽ ትንፋስ ዓርክኻ ብሃንደበት ጸላኢኻ ይኸውን። እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

[ቀንዲ ጥቕሲ]

እቲ ዜርዊ . . . ንርእሱ ይረዊ።ምሳሌ 11:25

ምኽሪ

ዝርርብ ቀጻሊ ኸም ዚኸውን ግበር። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ቀዳመ-ሰንበት ከመይ ከም ዘሕለፍካዮ እንተ ሓቲቱካ፡ ‘ጽቡቕ’ ጥራይ ኢልካ ኣይትመልስ። ስለምንታይ ጽቡቕ ከም ዝበልካ እውን ግለጸሉ። ድሕሪኡ ንሱ ኸመይ ከም ዘሕለፎ ሕተቶ።

ትፈልጥዶ፧

ሙሴን ኤርምያስን ጢሞቴዎስን ሓፋራት ነይሮም ኪዀኑ ኸም ዚኽእሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብር።—ዘጸኣት 3:11, 13፣ 4:1, 10፣ ኤርምያስ 1:6-8፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:12፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:6-8

መደባተይ

መብዛሕትኡ ግዜ ዜጋጥመኒ ጋግ፦ ․․․․․

ኣብዚ መዳይ እዚ ኸምዚ ዚስዕብ ገይረ ድልድል ክሰርሕ እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ገሊኦም ክርስትያናት ምስ ሰብ ዘይሕወሱ ስለምንታይ እዮም፧

ብኣሉታዊ ኣረኣእያ ኣብ ክንዲ እትወሓጥ፡ ሚዛናዊ ንኽትከውን ዚሕግዘካ እንታይ እዩ፧

ምስ ሰብ ምሕዋስ ንዜጸግሞ ምንኣስካ ሓውካ ወይ ሓብትኻ ብኸመይ መጸናናዕካ፧

[ኣብ ገጽ 88 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ሓንቲ ክርስትያን ሓብቲ ኽትመሓዘወኒ ትፍትን ነይራ፡ ኣብቲ ግዜ እቲ ግን ኣነ ኣይቀረብክዋን። ኣብ መወዳእታኡ ምስ ቀረብክዋ ግን፡ ዓሽየ ምንባረይ ኣስተውዓልኩ! ብ25 ዓመት ትዓብየኒ እኳ እንተ ዀነት፡ ሓንቲ ኻብተን ትኽ ትንፋስ መሓዙተይ ኰነትኒ!’’—ማሪ

[ኣብ ገጽ 87 ዘሎ ስእሊ]

ነቲ ኻብ መዛኑኻ ዚፈላልየካ ጋግ፡ ድልድል ክትሰርሓሉ ትኽእል ኢኻ