ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንጾታዊ ሓሳባት ብኸመይ ከርሕቖ እኽእል፧

ንጾታዊ ሓሳባት ብኸመይ ከርሕቖ እኽእል፧

ምዕራፍ 29

ንጾታዊ ሓሳባት ብኸመይ ከርሕቖ እኽእል፧

ሚካኤል ዚበሃል መንእሰይ፡ “ኵሉ ግዜ ብዛዕባ ኣዋልድ እየ ዝሓስብ፡ ዋላ እውን ጥቓይ ኣብ ዘየለዋሉ እዋን ካብ ኣእምሮይ ምውጻእ ይኣብያኒ እየን። ዜስሕቕ እዩ። ሓድሓደ ግዜ እሞ ኸኣ ከተኵር ኣይክእልን እየ!” በለ።

ንስኻኸ ኸም ሚካኤል መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ኣንጻር ጾታ ብምሕላም ዲኻ እተሕልፎ፧ ከምኡ እንተ ዄንካ፡ ምስ ሓሳባትካ ትዋጋእ ዘለኻ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ብዛዕባ ጾታ እትሓስቦ ሓሳባት ከም ሰራዊት ጸላኢ እናመረሸ ናብ ኣእምሮኻ ይመጽእ ይኸውን። ሚካኤል ከምዚ በለ፦ “እዚ ሓሳባት እዚ ኺቈጻጸረካ ይኽእል እዩ። ብጥቓ ምጭውቲ ጓል ንኽትሓልፍ ጥራይ ኢልካ ናብ ማኪናኻ ብዝነውሐ መገዲ ኸም እትኸይድ ወይ ንሓንቲ ጓል ብቐረባ ንኽትጥምታ ጥራይ ኢልካ ዋላ ሓንቲ ኸይደለኻ ናብ ጥቓ እቲ ደው ዝበለትሉ ኸም እትኸይድ ይገብረካ እዩ።”

ጾታዊ ስምዒታት ንበይኑ ግን ሕማቕ ኣይኰነን። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ሓያል ስሕበት ከም ዚህሉ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም፡ ንጾታዊ ባህጊ ኣብ ውሽጢ መውስቦ ምርዋይ እውን ግቡእ እዩ። ገና እኳ ንጽል እንተ ዀንካ፡ ሓያል ጾታዊ ድፍኢት ኪስምዓካ ይኽእል እዩ። ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ክፉእ ሰብ ከም ዝዀንካ ወይ ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ኽትሕሉ ኸም ዘይትኽእል ጌርካ ኣይትሕሰብ። እንተ ደሊኻ፡ ንጹህ ክትከውን ትኽእል ኢኻ! ኣብዚ መዳይ እዚ ንኽትዕወት ግን፡ ብዛዕባ ኣንጻር ጾታ ንእትሓስቦ ሓሳባት ክትቈጻጸሮ ኣሎካ። ነዚ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧

ምስ መን ከም እትውዕል መርምር። ደቂ ኽፍልኻ ብዛዕባ ርኹስ ጾታዊ ነገራት ኪዘራረቡ እንተ ጀሚሮም፡ ካብኦም ከይትፍለ ኢልካ ኣብ ዕላሎም ንኽትጽምበሮም ትፍተን ትኸውን። እዚ ግን ንሓሳባትካ ንምቍጽጻር ዝያዳ ኣጸጋሚ እዩ ዚገብረልካ። እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ሓዲግካዮም ኪድ። ከምኡ ምግባርካ ኸኣ ስኽፍ ኪብለካ የብሉን። መብዛሕትኡ ግዜ ኸም እትመጻደቕ ኰይኑ ኸይተሰምዖም ወይ ላግጺ ኸይዓደምካ ሓዲግካዮም ክትከይድ ትኽእል ኢኻ።

ካብ ርኹስ መዘናግዒ ርሓቕ። ኵሉ ፊልም ወይ ሲዲ ሕማቕ እዩ ማለት ኣይኰነን። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ መዘናግዒ፡ ዘይግቡእ ጾታዊ ስምዒታት ንኼለዓዕል ተባሂሉ እዩ ተዳልዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ እንታይ ምኽሪ ይህብ፧ “ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ” ይብል። (2 ቈረንቶስ 7:1) ካብ ዝዀነ ይኹን ርኹስ ጾታዊ ትምኒታት ኬሕድረልካ ዚኽእል መዘናግዒ ርሓቕ። a

ጸገም ግብረ-ሕቡእ

ገሊኦም መንእሰያት ንጾታዊ ምልዕዓሎም ብግብረ-ሕቡእ ገይሮም ኬፋዅስዎ ይፍትኑ። እዚ ግን ከቢድ ጸገማት ኬስዕብ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት፡ “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ” ኢሉ ይምሕጸኖም። (ቈሎሴ 3:5) ግብረ-ሕቡእ ኣንጻር እቲ ‘ንፍትወት ስጋ ኽንቀትል’ እተዋህበ ምኽሪ እዩ። እኳ ደኣስ፡ ንፍትወት ስጋ እዩ መሊሱ ዜለዓዕልን ዘሐይልን!

ግብረ-ሕቡእ፡ ባርያ ትምኒታትካ ኺገብረካ ይኽእል እዩ። (ቲቶስ 3:3) ካብዚ ልማድ እዚ ናጻ ንኽትከውን እትወስዶ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ፡ ምስጢርካ ንኻልእ ምክፋል እዩ። ሓደ ንብዙሕ ዓመታት ምስ ግብረ-ሕቡእ እተቓለሰ ክርስትያን፡ “መንእሰይ ከለኹ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንኻልእ ሰብ ንምዝራብ ትብዓት ብኻ ረኺበ! ንብዙሕ ዓመታት ብጣዕሳ እሳቐ ነይረ፡ ነቲ ምስ ካልኦት ዘሎኒ ርክብ፡ ብፍላይ ከኣ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኒ ርክብ ብዙሕ ጸልይዎ እዩ” በለ።

ንመን ኢኻ ኸተዘራርብ ዘሎካ፧ ንወለድኻ ኸተዘራርቦም ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ሓደ ብሱል ኣባል ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። ንዘረባኻ፡ “ብዛዕባ ሓደ ዜሸግረኒ ዘሎ ጸገም ከዘራርበካ ምደለኹ” ኢልካ ኽትጅምሮ ትኽእል ኢኻ።

ኣንድሬ ንሓደ ሽማግለ ኣዘራረቦ፡ ከምዚ ምግባሩ ድማ ኣሐጒስዎ እዩ። ከምዚ በለ፦ “እቲ ሽማግለ ኺሰምዓኒ ኸሎ፡ ኣዒንቱ ቕጽርጽር በለ። ዘረባይ ምስ ወዳእኩ፡ የሆዋ ኸም ዜፍቅረኒ ኣረጋገጸለይ። እቲ ጸገመይ ኣብ ብዙሓት ዘሎ ምዃኑ ነገረኒ። ብዛዕባ እቲ ዝገብሮ ምምሕያሽ ከም ዚሓተኒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ካብ ዚሕግዝ ጽሑፋት ድማ ዝያዳ ሓበሬታ ኸም ዜምጽኣለይ ነገረኒ። እቲ ጸገመይ ዋላኳ እንተ ደገሰኒ፡ ምስኡ ብምዝርራበይ ግን፡ ንኽቃለሶ ቘራጽነት ገበርኩ።”

ማርዮ ንኣቦኡ ኼዘራርቦ እዩ ወሲኑ፡ ኣቦኡ ድማ ደንጋጽን ዚርዳእን እዩ ነይሩ። ንሱ ንባዕሉ መንእሰይ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ነዚ ልማድ እዚ ምስናፍ ከቢድዎ ኸም ዝነበረ ኸኣ ንማርዮ ነገሮ። ማርዮ ኸምዚ በለ፦ “ሓቀኛነትን ቅንዕናን ኣቦይ ብዙሕ እዩ ኣተባቢዑኒ። ንሱ እንተ ተዓዊቱ፡ ኣነ እውን ክዕወት ከም ዝኽእል ደምደምኩ። ኣረኣእያ ኣቦይ ውሽጠይ ስለ ዝተንከፎ፡ በኸኹ።”

ንስኻ እውን ንግብረ-ሕቡእ ንምስዓር ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ፡ ልክዕ ከም ኣንድሬን ማርዮን ክትዕወት ትኽእል ኢኻ። እንተ ደጊሱካ፡ ኣይተሓለል! ኣብቲ እትገብሮ ዘለኻ ውግእ ክትዕወት ከም እትኽእል ርግጸኛ ኹን። b

ንሓሳባትካ ምቍጽጻር

ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ንስጋይ ኤሰቅዮን ኤግዝኦን አሎኹ” በለ። (1 ቈረንቶስ 9:27) ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ፡ ንኣንጻር ጾታ ዚምልከት ዘይግቡእ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኻ ኺመጸካ ኸሎ፡ ርእስኻ ግታእ። እዚ ሓሳባት እዚ ብተደጋጋሚ ዚመጸካ እንተ ዀይኑ፡ ምውስዋስ ኣካላት ግበር። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ምውስዋስ ኣካላት ንቝሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም” ይብል። (1 ጢሞቴዎስ 4:8 ትርጕም 1990) ቅልጥፍ ቅልጥፍ እናበልካ ምኻድ ወይ ንሒደት ደቓይቕ ምውስዋስ ኣካላት ምግባር፡ ምስዚ ኣቓልቦኻ ዚሰርቕ ሓሳባት ንኽትቃለስ ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦኻ ዘቕረበልካ ሓገዝ ዕሽሽ ኣይትበሎ። ሓደ ክርስትያን፡ “ጾታዊ ድፍኢት ኪስምዓኒ ኸሎ፡ እጽሊ እየ” በለ። ልክዕ እዩ፡ ነቲ ንኣንጻር ጾታ ዘሎካ ስምዒታት ኣምላኽ ኣይሓኮን እዩ። ብሓገዙ ግን ብዙሕ ካልእ ክትሓስቦ እትኽእል ነገራት ከም ዘሎ ኽትርኢ ኢኻ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ብዛዕባ መዘናግዒ ኣብ 8ይ ክፋል እዛ መጽሓፍ እዚኣ ብዝርዝር ተገሊጹ ኣሎ።

b ብዛዕባ ግብረ-ሕቡእ ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ 1ይ ጥራዝ፡ ኣብ ምዕራፍ 25 ርአ።

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።ፊልጲ 4:8

ምኽሪ

ግብረ-ሕቡእ እንተ ደጊሱካ፡ ኣይትተሓለል! ከም ዚደግሰካ ዝገበረ እንታይ ምዃኑ መርሚርካ፡ ከይትደግሞ ጽዓር።

ትፈልጥዶ፧

እትሓስቦ ነገራት፡ ንመንነትካ ኪቐርጾን ንተግባራትካ ኺጸልዎን ይኽእል እዩ።—ያእቆብ 1:14, 15

መደባተይ

ንጾታዊ ሓሳባት ካብ ኣእምሮይ ንኸውጽኦ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

መማህርተይ ዜዕልልዎ ዕላል ዘይግቡእ ወይ ብዕሉግ እንተ ዀይኑ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ጾታዊ ስምዒታት ወትሩ ኸም “ጸላኢ” ጌርካ ኺርአ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧

ንጾታዊ ስምዒታትካ ኽትቈጻጸሮ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

እንታይ ዓይነት መዘናግዒ እዩ ብዛዕባ ኣንጻር ጾታ ኸም እትሓስብ ዚገብረካ፧

ዘይግቡእ ወይ ብዕሉግ ዕላላት ካብ ዚዝረበሉ ቦታ ምርሓቕ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

[ኣብ ገጽ 240 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ንዓይ ዝሓገዘኒ ነገር ብዛዕባ እቲ ዜለዓዕለኒ ነገራት ምሕሳብ ገዲፈ፡ ብዛዕባ ኻልእ ጕዳይ ምሕሳብ እዩ። እቲ ስምዒታት ወይ ድፍኢታት ምስ ግዜ ኸም ዚጠፍእ ንርእሰይ አዘኻኽራ።’’—ስኮት

[ኣብ ገጽ 239 ዘሎ ስእሊ]

ቫይረስ ንኮምፕዩተርካ ኺወራ ምፈቐድካዶ፧ ስለምንታይ ደኣ እሞ ርኹስ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኻ ኺኣቱ እትዕድም፧