ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ እምነት ብኸመይ ክጣበቐሉ እኽእል፧

ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ እምነት ብኸመይ ክጣበቐሉ እኽእል፧

ምዕራፍ 36

ነቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎኒ እምነት ብኸመይ ክጣበቐሉ እኽእል፧

ንመማህርትኻ ብዛዕባ እምነትካ ንኸይትነግር ዕንቅፋት ዚዀነካ እንታይ እዩ፧

□ ዋሕዲ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ

□ ፍርሂ ላግጺ

□ ብኸመይ ዝርርብ ከም ዘጀምር ዘይምፍላጥ

ብዛዕባ እምነትካ ንምንጋር እንታይ ሜላ ይቐለካ፧

□ ንሓደ ተመሃራይ ብውልቂ ምንጋር

□ ንምሉእ ክፍሊ ምዝራብ

□ ብዛዕባ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እምነተይ ምጽሓፍ

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኪመያየጥ ፍቓደኛ ኪኸውን ይኽእል እትብሎ መማህርትኻ፡ ስሙ ኣብዚ ጽሓፎ። ․․․․․

መማህርትኻ ብዛዕባ ኣምላኽ ኪዘራረቡ ኣይደልዩን ይዀኑ። ከም ስፖርት፡ ክዳውንቲ፡ ወይ ኣንጻር ጾታ ዝኣመሰለ ዝዀነ ይኹን ካልእ ጕዳይ እንተ ጠቒስካ፡ ተገዲሶም ኬመያይጡኻ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ኣምላኽ እንተ ጠቒስካ ግን፡ ብኡንብኡ ጸጥታ ይሰፍን።

ከምዚ ኺበሃል ከሎ፡ መዛኑኻ ኣብ ኣምላኽ ኣይኣምኑን ማለት ኣይኰነን፣ ብዙሓት መንእሰያት ኣብ ኣምላኽ ይኣምኑ እዮም። ገሊኦም ግን ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ምምይያጥ የሕፍሮም እዩ። ‘ባህ ዜብል ኣይኰነን’ ኢሎም ይሓስቡ ይዀኑ።

ንስኻኸ፧

ንመማህርትኻ ብዛዕባ ኣምላኽ ንምዝራብ ትስከፍ እንተ ዄንካ፡ እዚ ዘይልሙድ ነገር ኣይኰነን። ዋላ ሓደ ሰብ ብኻልኦት ተቐባልነት ኪስእን፡ ካብኡ ሓሊፉ እውን መስሓቒ ኪኸውን ዚደሊ የሎን። ብዛዕባ እምነትካ እንተ ተዛሪብካ፡ ከምኡ ኼጋጥመካ ይኽእልዶ፧ እወ፡ ይኽእል እዩ። በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን፡ መዛኑኻ ዘይተጸበኻዮ ምላሽ እውን ኪህቡ ይኽእሉ እዮም። ብዙሓት መንእሰያት፡ ‘እዛ ዓለም እዚኣ ናበይ እያ እተምርሕ ዘላ፧ ስለምንታይከ እያ ብሽግር መሊኣ ዘላ፧’ ንዚብል ሕቶታት መልሲ የናድዩ እዮም። መዛኑኻ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኻብ ምስ ዓብዪ ሰብ፡ ምሳኻ ኺዘራረቡ ይመርጹ።

ኰይኑ ግን፡ ንመዛኑኻ ብዛዕባ ሃይማኖት ምዝራብ፡ ከቢድ ብድሆ ዀይኑ ይስምዓካ ይኸውን። ከም ሓቂ ግን፡ ከም ጥሩፍ ኴንካ ኽትርአ ኣሎካ ማለት ኣይኰነን፡ ኪበሃል ዚግባእ ነገራት ብልክዕ ብዛዕባ ምዝራብ እውን ክትጭነቕ ኣየድልየካን እዩ። ብዛዕባ እምነትካ ምዝራብ፡ መሳርሒ ሙዚቃ ምስ ምውቃዕ ኪመሳሰል ይኽእል እዩ። ኣብ መጀመርታ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል ድዩ፧ ምናልባት ኪኸውን ይኽእል እዩ። ልምምድ እናገበርካ ምስ ከድካ ግን እናቐለለ እዩ ዚኸይድ፡ ጻዕርታትካ ድማ ፍረ የፍሪ። ብኸመይ ግን ኢኻ ዝርርብ ከተጀምር እትኽእል፧

መብዛሕትኡ ግዜ፡ ብቐሊል መእተዊ ኽትጅምር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዛዕባ እዋናዊ ዅነታት ምይይጥ እንተ ተጀሚሩ፡ ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያኻ ኽትህብ ትኽእል ኢኻ። ወይ ንሓደ ወዲ ኽፍልኻ ጥራይ ከተዘራርቦ ኽትፍትን ትኽእል ኢኻ። ገሊኦም ክርስትያን መንእሰያት ዚጥቀሙሉ ኻልእ ዝቐለለ ሜላ ኸኣ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ኣብ ሰደቓኦም ብምንባር፡ ኣቓልቦ ደቂ ኽፍሎም ኪስሕቡ ይፍትኑ። እዚ ነገር እዚ ብዙሕ ግዜ ንኣቓልቦ ደቂ ኽፍሎም ይስሕብ፡ ዝርርብ ድማ የጀምር።

ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሜላታት ነየናይ ክትፍትኖ ትኽእል፧ ․․․․․

ብዛዕባ እምነትካ ንመማህርትኻ ኸተዘራርበሉ እትኽእል ካልእ መገዲ ኣሎዶ፧ እንተ ኣልዩ፡ ኣብ ታሕቲ ጽሓፎ።

․․․․․

ሓድሓደ ግዜ ኣብ ትምህርቲ ዚወሃበካ ፕሮጀክት፡ ብዛዕባ እምነትካ ንኽትምስክር ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ፍልቀት ዚምልከት ጕዳይ እንተ ተላዒሉ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ብዛዕባ ፍጥረት ንዘሎካ እምነት ብኸመይ ክትጣበቐሉ ትኽእል፧

ብዛዕባ ፍጥረት ንዘሎካ እምነት ብኸመይ ትጣበቐሉ፧

ራያን ዝስሙ መንእሰይ፡ “ኣብ ክፍልና ብዛዕባ ፍልቀት ምይይጥ ምስ ተጀመረ፡ ካብ ኵሉ እቲ ቕድሚኡ እተመሃርክዎ እተፈልየ እዩ ዀይኑኒ። ከም ሓቂ ዀይኑ እዩ ቐሪቡ፡ እዚ ድማ ኣፍሪሁኒ እዩ” በለ። ራኬል ዝስማ ጓል ከኣ፡ “እታ ናይ ማሕበራዊ መጽናዕቲ መምህርና ኣብ ዚቕጽል ብዛዕባ ፍልቀት ከም እንመሃር ምስ ጠቐሰት ኣዝየ እየ ፈሪሀ” ብምባል ተመሳሳሊ ነገር ገሊጻ ኣላ። ኣስዕብ ኣቢላ እውን፡ “ኣብዚ ኣከራኻሪ ጕዳይ እዚ መትከለይ ኣብ ክፍሊ ኽገልጽ ከም ዘሎኒ ፈሊጠ ነይረ” በለት።

ብዛዕባ ፍልቀት ኣብ ክፍልኹም ምይይጥ ምስ ዚለዓል ከመይ ይስምዓካ፧ ኣምላኽ ‘ንብዘሎ ኸም ዝፈጠረ’ ትኣምን ኢኻ። (ራእይ 4:11) ኣብ ዙርያኻ፡ ብምስትውዓል ብዛዕባ እተገብረ ንድፊ መርትዖ ትርኢ ኢኻ። መምሃሪ መጻሕፍትን መምህርካን ግን ህይወት ብፍልቀት ከም ዝመጸ እዮም ዚዛረቡ። ‘ምስዞም “ክኢላታት” ዝማጐት ኣነ መን እየ፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

ብዛዕባ ኽልሰ-ሓሳብ ፍልቀት ከምዚ ዓይነት ስምዒት ዘሎካ ንስኻ በይንኻ ኣይኰንካን። ሓያሎ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት እውን ኣይቅበልዎን እዮም። ብዙሓት መምህራንን ተመሃሮን እውን ከምኡ።

ኰይኑ ግን፡ ብዛዕባ ፍጥረት ንዘሎካ እምነት ንኽትጣበቐሉ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ጕዳይ እዚ ብሓቂ እንታይ ከም ዚምህር ክትፈልጥ ኣሎካ። ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐጥታ ሓሳብ ዘይሃበሉ ነገራት ክትማጐት የብልካን። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

ናይ ስነ-ፍልጠት መምሃሪ መጽሓፈይ፡ ምድርን ስርዓተ-ጸሓይን ኣብ ህልውና ኻብ ዚመጽእ ቢልዮናት ዓመታት ከም ዝሓለፈ ይምህር። ምድርን ዝተረፈ ዩኒቨርስን ቅድሚ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ፍጥረት ኣብ ህልውና ኸም ዝነበረ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ እዩ። ስለዚ፡ ምድርን ስርዓተ-ጸሓይን ናይ ቢልዮናት ዓመታት ዕድመ ኺህልዎ ይኽእል እዩ።—ዘፍጥረት 1:1

ኣብ ምድሪ ዘሎ ነገራት ኣብ ሽዱሽተ መዓልቲ ጥራይ ኪፍጠር ከም ዘይክእል መምህር ነጊሩና። እተን ሽዱሽተ መዓልትታት ፍጥረት ቃል ብቓሉ ነናይ 24 ሰዓት ንውሓት ከም ዘለወን መጽሓፍ ቅዱስ ኣይዛረብን እዩ።

ኣብ ክፍልና ብዛዕባ እቲ ምስ ንውሓት ግዜ ኣብ እንስሳታትን ሰባትን እተራእየ ለውጥታት ተመያይጥና። ኣምላኽ ንህያዋን ነገራት “በብዓይነቱ” ኸም ዝፈጠሮም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። (ዘፍጥረት 1:20, 21) ህይወት ካብ ዘይህይወታዊ ነገር ከም ዝመጸ ወይ ኣምላኽ ንመስርሕ ፍልቀት ብንጽል ዋህዮ ገይሩ ኸም ዘጀመሮ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይድግፎን እዩ። ኰይኑ ግን፡ ነፍሲ ወከፍ “ዓይነት” ፍልልያት ንኼማዕብል ተኽእሎ ኣለዎ። ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ “ዓይነት” ለውጥታት ኪህሉ ኸም ዚኽእል ይቕበሎ እዩ።

ነዚ ኣብዛ ምዕራፍ ተገሊጹ ዘሎ ኣብ ግምት ብምእታው፡ መምህርካ ወይ መማህርትኻ ኸምዚ ዚስዕብ እንተ ኢሉ፡ እንታይ ኢልካ ትምልስ፦

“ብፍልቀት ከም ዝመጻእና፡ ስነ-ፍልጠት ኣረጋጊጹ እዩ።”

“ንኣምላኽ ክርእዮ ስለ ዘይክእል፡ ኣብኡ ኣይኣምንን እየ።”

ብእምነትካ ርግጸኛ ኹን

ክርስትያን ወለዲ ዜዕብዩኻ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ ፍጥረት እናተመሃርካ ስለ ዝዓበኻ ጥራይ ትኣምነሉ ትኸውን። ሕጂ ግን ትዓቢ ስለ ዘለኻ፡ ንኣምላኽ ብ“ኣእምሮ” ከተገልግሎ፡ ማለት ንእምነትካ ድልዱል መሰረት ብምሓዝ ከተምልኾ ትደሊ ኢኻ። (ሮሜ 12:1) ስለዚ ድማ፡ ‘ፈጣሪ ኸም ዘሎ ንዓይ ዜእምነኒ እንታይ እዩ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። ሳም ዚበሃል ወዲ 14 ዓመት ኰተቴ ኣብ ሰብነት እዩ ዜተኵር። “ኣዝዩ ብዙሕ እተሓላለኸ ነገራት እዩ ዘለዎ፡ ኵሉ ኣካላት ከኣ ብሓባር እዩ ዚዓዪ። ሰብነት ብፍልቀት ኪመጽእ ኣይክእልን እዩ!” በለ። ሆሊ እትበሃል ጓል 16 ዓመት ጐርዞ እውን ምስዚ ሓሳብ እዚ ትሰማማዕ እያ። “ሕማም ሽኮርያ ኸም ዘሎኒ ኻብ ዝፈለጥኩሉ እዋን ኣትሒዘ፡ ኣካላት ብኸመይ ከም ዚዓዪ ብዙሕ እየ ፈሊጠ። ንኣብነት፡ እታ ብድሕሪ ኸስዐና እትርከብ ላልሽ እትበሃል ንእሽቶ ኣካል ንደምን ንኻልእ ኣካላትን ዕዮኡ ንኺዓዪ እትገብሮ ነገር ዜስደምም እዩ” በለት።

ፈጣሪ ኸም ዘሎ ንዓኻ ዘእመነካ ሰለስተ ነገራት ኣብ ታሕቲ ዘርዝር።

1. ․․․․․

2. ․․․․․

3. ․․․․․

ኣብ ኣምላኽን ኣብ ፍጥረትን ምእማንካ፡ ከም ገለ ኺስምዓካ ወይ ኬሕፍረካ የብሉን። ነቲ መርትዖታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንሕና ሰባት ብምስትውዓል ብእተገብረ ንድፊ ናብ ህልውና ኸም ዝመጻእና ምእማንካ ርትዓዊ ነገር እዩ።

ብድብድቡ ክትኣምኖ ዜገድደካ ፍልቀት ደኣ እምበር ፍጥረት ኣይኰነን፣ ብኻልእ ኣበሃህላ ኽልሰ-ሓሳብ ፍልቀት ብዘይ ገባር ተኣምራት ኣብ ተኣምራት ክትኣምን እዩ ዚሓተካ! ኣእምሮኻ ተጠቒምካ ነዚ ሓንሳእ ኣስፊሕካ ምስ ሓሰብካሉ፡ ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ እምነት ንኽትጣበቐሉ ዝያዳ ምትእምማን ከተሕድር ኢኻ።

ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ፦

መሳቱኻ ኺጥመቑ ትርእዮም። እሞኸ ነቲ ስጕምቲ እቲ ንምውሳድ ተዳሊኻ ዲኻ፧

[ቀንዲ ጥቕሲ]

ንዚአምን ዘበለ ዅሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ።ሮሜ 1:16

ምኽሪ

ብዛዕባ እምነትካ ኽትዛረብ ከለኻ፡ ንሰባት እተርእዮ ነገር ተጠንቀቐሉ። ትሓፍር እንተ መሲልካ፡ ካብ መዛኑኻ ላግጺ ኽትዕድም ትኽእል ኢኻ። ከምቲ መማህርትኻ ብዛዕባ ርእይቶኦም ዚዛረቡሉ መገዲ ጌርካ ብምትእምማን እንተ ተዛሪብካ ግን፡ ኬኽብሩኻ ይኽእሉ እዮም።

ትፈልጥዶ፧

ሓድሓደ ግዜ መምህራን ንፍልቀት መረጋገጺ ኬቕርቡ ምስ ዚሕተቱ፡ ከምኡ ኺገብሩ ኸም ዘይክእሉ ይርድኦም። ነቲ ኽልሰ-ሓሳብ እተቐበሉሉ ምኽንያት ከኣ ንዕኡ ጥራይ ስለ እተማህሩ ምዃኖም የስተውዕሉ።

መደባተይ

ምስ መማህርተይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ንምጅማር፡ ከምዚ ዚስዕብ ክገብር እኽእል፦ ․․․․․

ኣብ ፈጣሪ ስለምንታይ ከም ዝኣምን ሕቶ እንተ ቐሪቡለይ፡ ከምዚ ዚስዕብ ክብል እየ፦ ․․․․․

ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦ ․․․․․

እንታይ ይመስለካ፧

ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ምዝራብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

ብዛዕባ ፍጥረት ዘሎካ እምነት ኣብ ቤት ትምህርቲ ብቐሊሉ ኽትገልጸሉ እትኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧

ነቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ዘሎካ ሞሳ ብኸመይ ክትገልጽ ትኽእል፧—ግብሪ ሃዋርያት 17:26, 27

[ኣብ ገጽ 299 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

“ቤት ትምህርቲ ንሕና ጥራይ ክንበጽሖ እንኽእል ክሊ ስብከት እዩ።’’—ኢራይዳ

[ኣብ ገጽ 298 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ምዝራብ፡ ከም መሳርሒ ሙዚቃ ምጽዋት ክእለት ይሓትት እዩ፣ ብልምምድ ግን ክትመልኮ ትኽእል ኢኻ

[ኣብ ገጽ 301 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባ እምነትካ ምጥባቕ ዜምጽኣልካ ፍርሂ ኸተሰንፎ ትኽእል ኢኻ