ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሓበሬታ ንወለዲ

ሓበሬታ ንወለዲ

ሓበሬታ ንወለዲ

እዋን ብጽሕና/ጕርዝውና ንመንእሰያት ብዙሕ ኬጸግሞም ይኽእል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ዚወስድዋ ስጕምቲ እተስግእን እተፍርህን ክትመስሎም ትኽእል እያ። ወላዲ ኸም ምዃንካ መጠን፡ ሓድሓደ ግዜ ንመንእሰያት ደቅኻ በዚ ጸገማት እዚ ኸም ዘይሓልፉ ኽትገብር ትደሊ ኢኻ። ይኹን እምበር፡ ከምኡ ኽትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ፣ ሚዛኖም ሓልዮም ንኺሰግርዎ ግን ክትሕግዞም ትኽእል ኢኻ። ንደቅኻ መገዶም ንኸይስሕቱን ዓብዮም ሓላፍነት ዚስምዖም ሰባት ንኪዀኑን ናይ ምሕጋዝ ፍሉይ ኣጋጣሚ ኣሎካ።

እዚ ግን ካብ ክትገብሮ፡ ክትብሎ ይቐልል። ወድኻ ትማሊ ትማሊ ሌፍ ኪብል ዚውዕል እግሪ ተኽሊ እዩ ነይሩ፣ ሎሚ ግን ምሳኻ ዘይዘራረብ ለኻት ኰተቴ ዀይኑ ኣሎ። ቅድሚ ሓጺር እዋን ንእሽቶ ጓልካ ምሳኻ ኣብ ኵሉ ቦታታት ክትከይድ ትደሊ ነይራ፣ ሎሚ ግን ምስ ወለዳ ብሓባር ክትርአ እኳ ዘፍረሃ ትመስል።

ከምዚ ዝኣመሰለ ለውጥታት ኬጋጥም ከሎ ግን ብቕዓት ዘይብልካ ኸም ዝዀንካ ኣይሰማዕካ። ነቲ ንዓኻን ንውሉድካን ዜተኣማምን መምርሒ ኺህብ ዚኽእል ምንጪ ጥበብ ክትጥቀም ትኽእል ኢኻ። እቲ ምንጪ ጥበብ ከኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ።

መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ፡ ንውሉድካ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ጽቡቕ መረዳእታ ንኽትህብ እያ ተዳልያ። እቲ ኣብ ገጽ 4ን 5ን ዘሎ ትሕዝቶ፡ ብዛዕባ እቲ እዛ መጽሓፍ እትሽፍኖ እተፈላለየ ኣርእስትታት ይሕብረካ እዩ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ግን ሓቅታት ካብ ምቕራብ ንላዕሊ እውን ትገብር እያ። ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ርአ፦

(1) እዛ መጽሓፍ እዚኣ ንኣንባቢ እተሳትፍ እያ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት፡ ውሉድካ ንእተፈላለየ ሕቶታትን ሓሳባትን ዘለዎ ምላሽ ኪጽሕፍ እዩ። ንኣብነት፡ እቲ ኣብ ገጽ 132ን 133ን ዚርከብ “ውጥን ጸቕጢ መዛኑ፡” ንውሉድካ ብዛዕባ ዜጋጥሞ ብድሆታትን ምላሽ ዚህበሉ መገድታትን ንኺሓስብ ኪሕግዞ እዩ። ብተወሳኺ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ትሽዓተ ኽፋላት፡ “መዝገበይ” ዚብል ኣርእስቲ ዝሓዘ ገጽ ኣለዎ፣ ኣብኡ ኸኣ ውሉድካ ብዛዕባ እቲ ኽፋል ዘለዎ ብሕታዊ ሓሳባትን ስምዒታትን ኪጽሕፍ ይኽእል እዩ።

(2) እዛ መጽሓፍ እዚኣ ልዝብ ተተባብዕ። ንኣብነት፡ ኣብ ገጽ 63ን 64ን፡ “ብዛዕባ ጾታዊ ነገራት ንኣቦይ ወይ ንኣደይ ከመይ ገይረ ኸዘራርቦም እኽእል፧” ዘርእስታ ሳጹን ኣላ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መወዳእታ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ፡ “እንታይ ይመስለካ፧” ዘርእስታ ሳጹን ኣላ። እዛ ሳጹን እዚኣ ኸም ድግማ ዀይና ኣብ ርእሲ ምግልጋላ፡ ኣብ ምይይጥ ስድራ ቤት እውን ከተገልግል ትኽእል እያ። ብዘይካዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ “መደባተይ” ዘርእስታ ሳጹን ዝሓዘት ኰይና፡ ኣብ መወዳእታ እታ ሳጹን፡ “ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ንወለደይ ክሓቶም ዝደልዮ ነገራት፦” ዚብል ንመንእሰያት ሓሳብ ኪህቡሉ ዚሓትት ባዶ ቦታ ኣሎ። እዚ ኸኣ መንእሰያት ኣብ ግዜ ብጽሕና/ጕርዝውና ኻብ ወለዶም ሚዛናዊ ምኽሪ ንኼናድዩ የተባብዖም።

ኣብዚ ግን ሓደ ምኽሪ ኽንህበካ ንፈቱ፦ ኣብ ዕድመ ብጽሕና/ጕርዝውና ዘለዉ ውሉዳትካ፡ ሓሳባቶም ኣብ መጽሓፎም ከይተሰከፉ ምእንቲ ኺጽሕፉ፡ ነታ ናይ ውልቆም ቅዳሕ ኣይትተንክፋ። ጸኒሖም ብዛዕባ እቲ ኣብኡ ዚጽሕፍዎ ጕዳያት ባዕሎም ይነግሩኻ ይዀኑ።

ናይ ርእስኻ ቕዳሕ እዛ መጽሓፍ እዚኣ ሓዝ፡ ተጠንቂቕካ ኸኣ ኣንብባ። ከተንብባ ኸለኻ፡ ንዅሉ እቲ ኣብ ግዜ ብጽሕና/ጕርዝውና ዘሕለፍካዮ ስምዒታትን ምድንጋራትን ጭንቀታትን ክትዝክሮ ፈትን። ግቡእ ኣብ ዚዀነሉ መዳይ፡ ንወድኻ ወይ ንጓልካ ተመክሮታትካ ኣካፍል። እዚ ድማ ንውሉዳትካ ምስጢሮም ንኼካፍሉኻ ኼተባብዖም እዩ። ኪዛረቡኻ ኸለዉ፡ ስምዓዮም! ምሳታቶም ንምልዛብ እትገብሮ ጻዕርታት ፍረ ዘይብሉ እንተ መሲሉ፡ ኣይትተሓለል። ውሉዳት፡ ምኽሪ ወለዶም ዘየድልዮም እኳ እንተ መሰሉ፡ ከም ሓቂ ግን ካብ ናይ መዛኑኦም ንላዕሊ ኣኽቢሮም እዮም ዚርእይዎ።

ንዓኻን ንውሉዳትካን ነዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት መጽሓፍ ከነቕርበልኩም ከለና ሓጐስ ይስምዓና፡ እዛ መጽሓፍ ንስድራ ቤትካ በረኸት ከተምጽእ ድማ ጸሎትና እዩ።

ሓተምቲ