ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 17

“በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም”

“በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም”

“በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም: . . . ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ።”—ይሁዳ 20, 21

1, 2. ኣብ ምንታይ ፕሮጀክት ህንጸት ኢኻ ትሳተፍ ዘለኻ፧ ጽፈት ኣሰራርሓኻ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧

ኣብ ሓደ ፕሮጀክት ህንጸት ብትግሃት ትሃንጽ ኣለኻ። እቲ ህንጸት ኪካየድ ካብ ዚጅምር እተወሰነ ግዜ ሓሊፉ እዩ: ኣብ መጻኢ እውን ኪቕጽል እዩ። ክሳዕ ሕጂ እቲ ዕዮ በዳሂ እኳ እንተ ዀነ: ዕግበት ግን የምጽኣልካ ኣሎ። ጽፈት ኣሰራርሓኻ ንህይወትካን ንመጻኢኻን ስለ ዚጸልዎ: ዝመጸ እኳ እንተ መጸ: ከይትሕለል ወይ ከይትህከ ቘሪጽካ ኢኻ ዘለኻ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቲ ዚህነጽ ዘሎ ህንጻ: ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ!

2 ይሁዳ እቲ ወደ መዝሙር: ነቲ ንርእስና እንሃንጸሉ ዕዮ ኣጕሊሑ ኣሎ። ንክርስትያናት “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሐልውዋ” ኢሉ ኺምሕጸኖም ከሎ: ከምኡ ንምግባር ዚሕግዝ ኣገዳሲ ረቛሒ: “በታ ኻብ ኵሉ እተቐደሰት እምነትኩም ንርእስኹም እናሀነጽኩም” ብምባል ገሊጹ ኣሎ። (ይሁዳ 20, 21) ገለ ኻብቲ ንርእስኻ እትሃንጸሉ: ማለት ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትጸንዕ ንእምነትካ እተደልድለሉ መገድታት እንታይ እዩ፧ ንርእስኻ ብመንፈሳዊ መዳይ እትሃንጸሉ ሰለስተ መዳያት እስከ ነተኵረሉ።

ኣብ ጻድቕ ስርዓታት የሆዋ ንዘላትካ እምነት ምህናጽ ቀጽል

3-5. (ሀ) ሰይጣን ብዛዕባ ስርዓታት የሆዋ እንታይ ኣረኣእያ ንኽትሕዝ እዩ ኼስሕተካ ዚደሊ፧ (ለ) ብዛዕባ ስርዓታት ኣምላኽ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፧ እዚኸ ኣብ ስምዒትና እንታይ ጽልዋ ኺህልዎ ኣለዎ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

3 ቅድም ቀዳድም: ኣብቲ ሕግታት ኣምላኽ ዘላትና እምነት ከነደልድል ኣሎና። ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸተጽንዓ ኸለኻ: ብዛዕባ ኣኻይዳኻ ሓያሎ ጻድቕ ስርዓታት የሆዋ ርኢኻ ኢኻ። ብዛዕባኡ እንታይ ኣረኣእያ ኣሎካ፧ ሰይጣን ንሕግታትን ስርዓታትን መለክዒታትን የሆዋ ኸም ቀያዲ ወይ ጨቋኒ ጌርካ ንኽትርእዮ ኼስሕተካ ይደሊ እዩ። ነዚ ስልቲ እዚ ጥንቲ ኣብ ኤድን ካብ ዚዕወተሉ ኣትሒዙ ኺጥቀመሉ ጸኒሑ እዩ። (ዘፍጥረት 3:1-6) እዚ ስልቲ እዚ ንዓኻኸ ኼስሕተካ ድዩ፧ እዚ ብዓብዪኡ ኣብ ኣረኣእያኻ እዩ ዚምርኰስ።

4 ነዚ ብምሳሌ ንምርዳእ:- ኣብ ባህ ዜብል መናፈሻ እናተዛወርካ ኸለኻ: ናብ ገሊኡ ኽፋል እቲ መናፈሻ ኸይትኸይድ ዚኽልክል ጽኑዕን በሪኽን ሓጹር ትርኢ ንበል። ድሕሪ እቲ ሓጹር ዘሎ ትርኢት ማራኺ እዩ። ፈለማ: ነቲ ሓጹር ንናጽነትካ ዚቕይድ ዘየድሊ ነገር ጌርካ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ። ስግር እቲ ሓጹር ክትርኢ ኸለኻ ግን: ሓደ ሕሱም ኣንበሳ ኺቃጸወካ ትርኢ! ድሕርዚ እቲ ሓጹር ብሓቂ ንዕቝባኻ ኸም ዝቘመ ትግንዘብ። እሞኸ ሕጅሕጂ ዚቃጸወካ ሓደገኛ ኣራዊት ኣሎዶ፧ ቃል ኣምላኽ: “ድያብሎስ: እቲ መጻርርትኹም: ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዚጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ: ተጠንቀቑ: ንቕሑ” ብምባል የጠንቅቐና።—1 ጴጥሮስ 5:8

5 ሰይጣን ሕሱም ኣራዊት እዩ። የሆዋ: ግዳይ ሰይጣን ክንከውን ስለ ዘይደልየና: ካብ እተፈላለየ “ፍሕሶ” እቲ እኩይ ዜዕቍበና ሕግታት ኣቚሙልና ኣሎ። (ኤፌሶን 6:11) ስለዚ: ብዛዕባ ሕግታት ኣምላኽ ብዘስተንተንና መጠን: ከም መግለጺ ፍቕሪ እቲ ሰማያዊ ኣቦና ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። በዚ ኸምዚ እንተ ርኢኻዮ: ሕግታት ኣምላኽ ምንጪ ዕቝባን ሓጐስን እዩ ዚዀነካ። ያእቆብ እቲ ወደ መዝሙር: “እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ: ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት: ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን: . . . እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—ያእቆብ 1:25

6. ኣብ ጻድቕ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ እምነት እትሃንጸሉ ብሉጽ መገዲ እንታይ እዩ፧ ኣብነት ሃብ።

6 ብትእዛዛት ኣምላኽ ምምልላስ: ኣብቲ ሓጋግ ሕግን ኣብ ጥበብ እቲ ሕግታቱን ዘላትና እምነት እንሃንጸሉ ብሉጽ መገዲ እዩ። ንኣብነት: “ሕጊ ክርስቶስ:” ንኻልኦት ‘ዝኣዘዘና ዅሉ’ ኽንምህሮም እተዋህበና ትእዛዝ የጠቓልል። (ገላትያ 6:2፣ ማቴዎስ 28:19, 20) ክርስትያናት ነቲ ኣምልኾ ንምክያድን ሃናጺ ሕብረት ንኺህልዎምን ኢሎም ወትሩ ኺእከቡ እተዋህቦም መምርሒ ኣርዚኖም እዮም ዚርእይዎ። (እብራውያን 10:24, 25) ትእዛዛት ኣምላኽ ነቲ ናብ የሆዋ ኣዘውቲርና ኻብ ልብና ኽንጽሊ እተዋህበና ምሕጽንታ እውን የጠቓልል እዩ። (ማቴዎስ 6:5-8፣ 1 ተሰሎንቄ 5:17) በዚ ኸምዚ ዝበለ ትእዛዛት ክንመላለስ ከለና: እቲ ፍቕራዊ መምርሒ ይረኣየና። ነቲ ትእዛዛት ምሕላውና ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ዘይርከብ ሓጐስን ዕግበትን የምጽኣልና። እሞኸ ምስ ሕግታት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ብምንባርካ ብኸመይ ብብሕቲ ኸም እተጠቐምካ ኸተስተንትን ከለኻ: ኣብቲ ሕግታት ዘላትካ እምነት ትድልድዶ ኸይኰነት፧

7, 8. ቃል ኣምላኽ ነቶም ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ብጻድቕ መገዲ ምምልላስ ከየሸግሮም ዜተሓሳስቦም ሰባት ብኸመይ እዩ መጸናንዒ ዚህቦም፧

7 ገሊኦም ሰባት ዓመታት እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን ንሕግታት የሆዋ ጠቢቕካ ምስዓብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኸይኰኖም የተሓሳስቦም እዩ። ብገለ ኸይወድቁ ይፈርሁ እዮም። ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ: ነዚ ዚስዕብ ቃላት ዘክር:- “ነቲ ዚጠቅም ዝምህረካን: በታ እትኸደላ መገዲ ዝመርሓካን ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ኣየ: ትእዛዛተይ ሰሚዕካ እንተ ትኸውንሲ: ሰላምካ ኸም ወሓዚ: ጽድቅኻውን ከም ማዕበል ባሕሪ ምዀነ ነይሩ።” (ኢሳይያስ 48:17, 18) እዘን ቃላት እዚኣተን ክሳዕ ክንደይ ከም ዜጸናንዓ ሓንሳእ ደው ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧

8 የሆዋ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ትእዛዛቱ ብምሕላውና ኸም እንጥቀም እዩ ዜዘኻኽረና ዘሎ። ከምኡ እንተ ጌርና ኽልተ በረኸት ከም እንረክብ ተመባጺዑልና ኣሎ። ቀዳማይ: ሰላምና ኸምቲ ህዱእን ብዙሕን ቀጻልን ዝዀነ ወሓዚ ይኸውን። ካልኣይ: ጽድቅና ኸም ማዕበል ባሕሪ ይኸውን። ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢልካ: ማዕበል እናመጸ ነቲ ደንደስ ኪጸፍዖ እንተ ተዓዚብካ: እዚ ቐጻሊ ምዃኑ ኣይትጠራጠርን ኢኻ። እቲ ማዕበላት ብዘይምቍራጽ እናመጸ ነቲ ደንደስ ንዘመናት ከም ዚጸፍዖ ትፈልጥ ኢኻ። የሆዋ ድማ ጽድቅኻ: ማለት ቅኑዕ እናገበርካ እትመላለሰሉ መገዲ: ከምኡ ኸም ዚኸውን እዩ ተዛሪቡ። ንዕኡ እሙን ክትከውን ክሳዕ ዝጸዓርካ: ንኽትወድቕ ከቶ ኣይኪሓድገካን እዩ! (መዝሙር 55:22) ከምዚ ዝኣመሰለ ልቢ ዜረስርስ መብጽዓታት ኣብ የሆዋን ኣብቲ ንሱ ዚሓቶ ጻድቕ ስርዓታቱን ዘላትካ እምነት ዚሃንጽዶ ኸይኰነ፧

“ናብ ብስለት ኣቢልና ንሰጕም”

9, 10. (ሀ) ብስለት ንክርስትያናት ጽቡቕ ሸቶ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) መንፈሳዊ ኣረኣእያ ንሓጐስ ኣበርክቶ ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

9 ካልኣይ መዳይ ፕሮጀክት ህንጸትና ኣብተን “ናብ ብስለት ኣቢልና ንሰጕም” ዚብላ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሰን ቃላት ተገሊጹ ኣሎ። (እብራውያን 6:1 ትርጕም 1990) ብስለት ንክርስትያናት ጽቡቕ ሸቶ እዩ። ሰባት ሕጂ ንፍጽምና ኺበጽሕዎ ዘይክእሉ እኳ እንተ ዀኑ: ብስለት ግን ኪበጽሕዎ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺ: ክርስትያናት እናበሰሉ ምስ ከዱ ንየሆዋ ብምግልጋል ብዙሕ ሓጐስ ይረኽቡ እዮም። ከምኡ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

10 ብሱል ክርስትያን መንፈሳዊ ሰብ እዩ። ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ይህልዎ። (ዮሃንስ 4:23) ጳውሎስ: “ስጋውያን ዘበሉ ነቲ ናይ ስጋ እዮም ዚሐስቡ: መንፈሳውያን ግና ነቲ ናይ መንፈስ እዮም ዚሐስቡ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 8:5) ስጋዊ ኣረኣእያ ንርእስኻ ዘማእከለን ኣርሒቑ ዘይርእን ኣብ ስጋዊ ነገራት ዘተኰረን ስለ ዝዀነ: ብዙሕ ሓጐስ ኣየምጽእን እዩ። መንፈሳዊ ኣረኣእያ ግን ኣብቲ “ሕጉስ ኣምላኽ” ዝዀነ የሆዋ ዘተኰረ ስለ ዝዀነ: የሐጕስ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW) መንፈሳዊ ሰብ ንየሆዋ ኼሐጕሶ እዩ ዚደሊ: ኣብ ትሕቲ ፈተና እውን እንተ ዀነ ሕጉስ እዩ። ስለምንታይ፧ ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ: ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ንኸነርእን ንጽህናና ንኽንሃንጽን ኣጋጣሚ ይኸፍተልና: እዚ ድማ ንሰማያዊ ኣቦና የሐጕሶ።—ምሳሌ 27:11፣ ያእቆብ 1:2, 3

11, 12. (ሀ) ጳውሎስ: “ልቦና” ክርስትያን ብዛዕባ ምልማድ እንታይ በለ፧ እታ “ዜላምዱ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ቓልከ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧ (ለ) ሰብነት ንኺድልድልን ከም ድላዩ ንኺተዓጻጸፍን እንታይ ልምምድ እዩ ኼሕልፍ ዘለዎ፧

11 መንፈሳውነትን ብስለትን ብልምምድ እዩ ዚርከብ። ነዛ ጥቕሲ እዚኣ እሞ ሕሰበላ:- “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ [“ብተመክሮ:” ትርጕም 1990] ንልቦናኦም ዜላምዱ ብጹሓት እዩ።” (እብራውያን 5:14) ጳውሎስ ንልቦናና ኣመልኪቱ “ዜላምዱ” ኢሉ ኺዛረብ ከሎ: ኣብቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ኣብ ግሪኽ ዝነበረ ጂምናዝዩማት ዝውትርቲ ነይራ ኽትከውን እትኽእል ናይ ግሪኽኛ ቓል እዩ ተጠቒሙ፣ ከመይሲ: እታ ቓል ‘ከም ጂምናስት ዜላምዱ’ ተባሂላ ኽትትርጐም ትኽእል እያ። ሕጂ እዚ ልምምድ እዚ እንታይ ከም ዘጠቓልል እሞ ሕሰብ።

ሰብነት ጂምናስት ብተመክሮ እዩ ዚለምድ

12 ክንውለድ ከለና: ሰብነትና ለሚዱ ኣይኰነን ዚውለድ። ንኣብነት: ሕጻን ንመሓውሩ ኺቈጻጸር ኣይክእልን እዩ። ስለዚ: ኣእዳዉ ናብዝን ናብትን የወናጭፎ፣ ሓድሓደ ግዜ እውን ባዕሉ ንገጹ ጸፊዑ: ባዕሉ ይበሳጮን ይስምብድን። በብቝሩብ ግን: ብተመክሮ ሰብነቱ ይለምድ። እቲ ሕጻን ፍሒዅ ይብል: እግሪ ተኽሊ ምስ ኰነ ታተ ይብል: ምስ ዓዀዀ ድማ ይጐዪ። * ጂምናስት ደኣኸ ብኸመይ እዩ ኣብቲ ደረጃ ዚበጽሕ፧ ሓደ ኣትለት ብዜስደምም ግርማን ልክዕነትን ኣብ ኣየር ኪዘልልን ኪተዓጻጸፍን ክትርእዮ ኸለኻ: እቲ ሰብነቱ ኸም ሓደ ብልክዕ እተወሃሃደ ማሽን ከም ዝዀነ ኣይትጠራጠርን ኢኻ። እቲ ጂምናስት ነቲ ኽእለቱ ብወዝቢ ኣይኰነን ኣጥርይዎ፣ የግዳስ: ብዙሕ ሰዓታት ልምምድ ኪገብር ኣድልይዎ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ከምዚ ዝኣመሰለ ስጋዊ ምልማድ: “ንቕሩብ ነገር እዩ ዚጠቅም” ብምባል ኣፍልጦ ሂቡሉ ኣሎ። ከምኡ ኻብ ኰነ: ንመንፈሳዊ ልቦናና ምልማድ ግዳ ኽንደይ ብዝያዳ ጠቓሚ ዘይከውን!—1 ጢሞቴዎስ 4:8

13. ንልቦናና ብኸመይ ከነላምዶ ንኽእል፧

13 ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ: ከም መንፈሳዊ ሰብ መጠን ንየሆዋ እሙን ኴንካ ምእንቲ ኽትቅጽል: ንልቦናኻ ኸተላምድ ዜኽእለካ ብዙሕ ነጥብታት ርኢና ኢና። ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ውሳነታት ክትገብር ከለኻ: ስርዓታትን ሕግታትን ኣምላኽ ብጸሎት ሕሰበሉ። ውሳነ ኽትገብር ኣብ ዜድልየካ ዘበለ: ‘ነዚ ዚምልከት እንታይ ሕግታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧ ብኸመይ ክዓየሉ እኽእል፧ ንሰማያዊ ኣቦይ እንታይ መገዲ እዩ ዜሐጕሶ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት። (ምሳሌ 3:5, 6፣ ያእቆብ 1:5) በዚ ኸምዚ እትገብሮ ነፍሲ ወከፍ ውሳነ: ንልቦናኻ ብዝያዳ ኼላምዶ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ምልማድ ብሓቂ መንፈሳዊ ሰብ ንኽትከውንን ከምኡ ዄንካ ንኽትቅጽልን ኪሕግዘካ እዩ።

14. ብመንፈሳዊ መዳይ ምእንቲ ኽንዓቢ እንታይ ዓይነት ሸውሃት ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧ ግናኸ ኻብ ምንታይ ኢና ኽንጥንቀቕ ዚግባእ፧

14 ብስለት ዚብጻሕ እኳ እንተ ዀነ: ኣብ መንፈሳዊ ዕቤት ግን ወትሩ ኽንመሓየሽ ንኽእል ኢና። ዕቤት ኣብ ምግቢ እተመርኰሰ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ጳውሎስ: “ዕጹም ብልዒ ግና ነቶም . . . ብጹሓት እዩ” በለ። እምነትና ንምህናጽ ዜኽእለና ቐንዲ ረቛሒ: ዕጹም መንፈሳዊ ብልዒ ኣዘውቲርና ምምጋብና እዩ። ነቲ እተመሃርካዮ ብግቡእ ክትዓየሉ ኸለኻ ጥበብ ትጥቀም ኣለኻ ማለት እዩ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ድማ “ጥበብ ኣውራ ነገር እያ” ይብል። ስለዚ: ነቲ ሰማያዊ ኣቦና ዚህበና ኽቡር ሓቅታት ናይ ብሓቂ ባህጊ ኺሓድረና ኣለዎ። (ምሳሌ 4:5-7፣ 1 ጴጥሮስ 2:2) ልክዕ እዩ: ፍልጠትን ጥበብን ኣምላኽ ምጥራይና: ምኩሓት ወይ ዕቡያት ኪገብረና የብሉን። ትዕቢት ወይ ካልእ ድኽመት ኣብ ልብና ሱር ምእንቲ ኸይሰድድ ኣዘውቲርና ርእስና ኽንምርምር ኣሎና። ጳውሎስ: “ብእምነት እንተ አሊኹም: ርእስኹም ፈትኑ: ርእስኹም መርምሩ” ኢሉ ጸሓፈ።—2 ቈረንቶስ 13:5

15. ፍቕሪ ንመንፈሳዊ ዕቤት ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧

15 ዋላ እውን ህንጸት ቤት እንተ ተወድአ: እቲ ዕዮ ግን ኣየቋርጽን እዩ። ክንክንን ጽገናን ኣድላዪ እዩ: ከከም ኵነታቱ እውን ተወሳኺ ህንጸት የድሊ ይኸውን። ንሕናኸ ናብ ብስለት ንኽንበጽሕን መንፈሳውነትና ንኽንዕቅብን እንታይ የድልየና፧ ልዕሊ ዅሉ: ፍቕሪ ተድልየና። ንየሆዋን ንኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ዘላትና ፍቕሪ እናዓበየት ክትከይድ ኣለዋ። ፍቕሪ እንተ ዘይብልና: ኵሉ ፍልጠትናን ግብርናን ከም ትርጕም ኣልቦ ጫውጫውታ ኸንቱ እዩ ዚኸውን። (1 ቈረንቶስ 13:1-3) ፍቕሪ እንተ ኣልያትና ግን: ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ንበጽሕ: ብመንፈሳዊ መዳይ ድማ ቀጻሊ ዕቤት ንገብር።

ኣእምሮኻ ኣብቲ የሆዋ ዝሃበና ተስፋ ኸም ዜተኵር ግበሮ

16. ሰይጣን እንታይ ዓይነት ሓሳብ እዩ ዜስፋሕፍሕ፧ የሆዋኸ እንታይ መከላኸሊ እዩ ሂቡና፧

16 ሓደ ኻልእ መዳይ እቲ ፕሮጀክት ህንጸትካ እስከ ንርአ። ከም ናይ ሓቂ ሰዓቢ ክርስቶስ ጌርካ ንርእስኻ ምእንቲ ኽትሃንጽ: ንሓሳብካ ኽትሕልዎ ኣሎካ። እቲ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ዝዀነ ሰይጣን: ንሰባት ብኣሉታዊ ሓሳብ: ብዘይትስፉውነት: ብጥርጣረ: ከምኡውን ብቕብጸት ከም ዚምብርከኹ ብምግባር ክኢላ እዩ። (ኤፌሶን 2:2) ከምቲ ቝንቍነ ብዕንጨይቲ ንእተሰርሐ ቤት ዚጐድኦ: ከምዚ ዝበለ ሓሳብ ከኣ ንክርስትያን ሓደገኛ እዩ። እቲ ዜሐጕስ ግን: የሆዋ ኣገዳሲ መከላኸሊ ሂቡና ኣሎ፣ እዚ ድማ ተስፋ እዩ።

17. ቃል ኣምላኽ: ኣገዳስነት ተስፋ ብኸመይ እዩ ዚገልጽ፧

17 መጽሓፍ ቅዱስ ኣብቲ ምስ ሰይጣንን ዓለሙን እንገብሮ ቓልሲ ዜድልየና እተፈላለየ ኽፋላት መንፈሳዊ ኣጽዋር ዘርዚሩ ኣሎ። ሓደ ኣገዳሲ ኽፋል እዚ ኣጽዋር እዚ ቝራዕ ርእሲ: ማለት “ተስፋ ምድሓን” እዩ። (1 ተሰሎንቄ 5:8) ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ሓደ ወተሃደር ብዘይ ቍራዕ ርእሲ ኣብ ዓውዲ ዂናት ነዊሕ ኪጸንሕ ከም ዘይኽእል ይፈልጥ ነበረ። ቍራዕ ርእሲ መብዛሕትኡ ግዜ ብብረት እተሰርሐ ዀይኑ: ኣብ ልዕሊ እቲ ብዓለባ ወይ ብቘርበት ዚስራሕ ቈብዕ ይግበር ነበረ፣ መብዛሕትኡ ናብ ርእሲ ዚውርወር መጥቃዕቲ ብዘይ ገለ ጕድኣት ይከላኸል ነበረ። ከምቲ ቝራዕ ርእሲ ንርእሲ ዕቝባ ዚኸውን: ተስፋ ኸኣ ንኣእምሮኻን ሓሳብካን ኬዕቍቦ ይኽእል።

18, 19. ተስፋ ኣጽኒዕካ ብምሓዝ ዝመጸ የሱስ እንታይ ኣብነት እዩ ሓዲጉ፧ ብኸመይከ ኽንመስሎ ንኽእል፧

18 ተስፋ ኣጽኒዕካ ብምሓዝ ዝመጸ: የሱስ ቀንዲ ኣብነት ይዀነና። ኣብታ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ለይቲ እንታይ ከም እተጸመመ ዘክሮ። ናይ ቀረባ ዓርኩ ብገንዘብ ኣሕሊፉ ሃቦ። ካልእ ዓርኩ ኸም ዘይፈልጦ ዀይኑ ኸሓዶ። ዝተረፉ ድማ ሓዲጎምዎ ሃደሙ። ደቂ ዓዱ ኣንጻሩ ስለ እተላዕሉ: ወተሃደራት ሮሜ ብዜሳቒ መገዲ ንኪቐትልዎ ጨደሩ። የሱስ ካብቲ ንዓና ኼጋጥመና ዚኽእል ዝኸበደ ፈተናታት እዩ ኣጋጢምዎ ኽንብል ንኽእል ኢና። እንታይ ሓጊዝዎ፧ እብራውያን 12:2 “ሕፍረት ንዒቑ: ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ መስቀል እተዐገሰን ኣብ የማን ኣምላኽ እተቐመጠን” ብምባል ትገልጾ። የሱስ ነቲ “ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ” ፈጺሙ ኣይረስዖን።

19 ኣብ ቅድሚ የሱስ እንታይ ሓጐስ እዩ ነይሩ፧ ብምጽማሙ ንቕድስና እቲ ቕዱስ ስም የሆዋ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ይፈልጥ ነበረ። በዚ ኸምዚ ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ዝበለጸ መርትዖ ኬቕርብ ይኽእል። ንየሱስ ካብዚ ዚዓቢ ሓጐስ ኬምጽኣሉ ዚኽእል ካልእ ተስፋ የልቦን! ስለቲ ተኣማንነቱ የሆዋ ኣብዚሑ ዓስቡ ኸም ዚህቦ: ከምኡውን ምስ ኣቦኡ እንደገና ብሓባር ዝዀነሉ እዋን ቀሪቡ ምንባሩ ይፈልጥ ነበረ። የሱስ ኣብ ብምሉኡ እቲ ጽንኩር እዋን: ኣብቲ ዜሐጕስ ተስፋ እዩ ኣተኲሩ። ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። ኣብ ቅድሜና ሓጐስ ተነቢሩልና ኣሎ። የሆዋ ንነፍሲ ወከፍና: ነቲ ዓብዪ ስሙ ኣብ ምቕዳስ እጃም ንኺህልወና ፍሉይ ኣጋጣሚ ብምሃብ ኣኽቢሩና እዩ። ዝዀነ ይኹን ፈተና የጓንፈና ብዘየገድስ: ንየሆዋ ኸም ልዑላዊ ጐይታና ብምምራጽን ኣብ ፍቕሪ ኣቦና ብምጽናዕን: ሰይጣን ሓሳዊ ምዃኑ ኸነመስክር ንኽእል ኢና።

20. ሓሳብካ ኣወንታውን ትስፉውን ንኪኸውን ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧

20 የሆዋ ንእሙናት ኣገልገልቱ ዓስቦም ኪህቦም ፍቓደኛ ጥራይ ዘይኰነስ: ሃንቀው እውን ይብል እዩ። (ኢሳይያስ 30:18፣ ሚልክያስ 3:10) ንኣገልገልቱ ግቡእ ድሌት ልቦም ኬማልኣሎም ከሎ ባህ ይብሎ እዩ። (መዝሙር 37:4) ስለዚ: ኣብቲ ኣብ ቅድሜኻ ተነቢሩልካ ዘሎ ተስፋ ኣተኵር። ብኣሉታውን ሕሱርን ቄናንን ኣተሓሳስባ እዛ ናይ ሰይጣን ኣረጊት ዓለም ኣይትምበርከኽ። መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ናብ ኣእምሮኻ ወይ ልብኻ በብቝሩብ ይኣቱ ኸም ዘሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ: “እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ንኺወሃበካ ናብ የሆዋ ብርቱዕ ጸሎት ኣቕርብ። እቲ ኣምላኽ ዚህበካ ሰላም ንልብኻን ሓሳብካን ኪሕልዎ እዩ።—ፊልጲ 4:6, 7

21, 22. (ሀ) እቶም “ብዙሓት ሰብ” እንታይ ዜደንቕ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ (ለ) ኣየናይ ክፋል ክርስትያናዊ ተስፋ እዩ ንዓኻ ዝያዳ ዜገድሰካ፧ እንታይ ክትገብርከ ኢኻ ቘሪጽካ ዘለኻ፧

21 ከተስተንትነሉ እትኽእል ከመይ ዝበለ ዜሐጕስ ተስፋ ዀን እዩ ዘሎካ! ካብቶም “ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ” ዚመጹ “ብዙሓት ሰብ” እንተ ዄንካ: ነቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ እትረኽቦ ህይወት ሕሰበሉ። (ራእይ 7:9, 14) ሰይጣንን ኣጋንንቱን ስለ ዘይህልዉ: ሕጂ ኽትርድኦ ዘይትኽእል እፎይታ ኺስምዓካ እዩ። ብዘይ እቲ ዜበላሹ ጽልዋ ሰይጣን ህይወት ከመይ ከም እትመስል ዘስተማቐረ: ካባና ዋላ ሓደ የልቦን። እቲ ጸቕጢ እቲ ምስ ተወገደ: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት የሱስን 144,000 ሰማያውያን መጋዝእቱን ኴንና ንምድሪ ናብ ገነት ኣብ ምቕያር ክንዓይስ ከመይ ዘበለ ሓጐስ ኰን እዩ ዜምጽእ! ኵሉ ሕማምን ድናሰን ኪውገድ: ንእነፍቅሮም ሰባት ካብ መቓብር ክንቅበል: ከምኡውን ከምቲ ኣምላኽ ዝሓለነልና ዄንና ኽንነብርሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ተስፋ ዀን እዩ! ናብ ፍጽምና እናዓበና ምስ ከድና: ዝዓበየ ዓስቢ እውን ኪመጽእ እዩ፣ እዚ ድማ እቲ ኣብ ሮሜ 8:21 ተገሊጹ ዘሎ: “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” እዩ።

22 የሆዋ ኻብቲ ኽትሓስቦ እትኽእል ዝዓቢ ሓርነት ክትረክብ ይደልየካ እዩ። ናብቲ ሓርነት እቲ እትመርሕ መገዲ ኣብ ተኣዛዝነት እያ እትርከብ። ሕጂ መዓልታዊ ንየሆዋ ንኽትእዘዞ ዚከኣለካ ዅሉ ኽትገብርዶ ኣይግብኣካን፧ ሃየ እምበኣር ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኣለም ምእንቲ ኽትጸንዕ: በታ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ እተቐደሰት እምነትካ ተሃነጽ!

^ ሕ.ጽ. 12 ንኣንፈትናን ንመሓውርናን እንቈጻጸረሉ ፍሉይ ህዋስ ከም እነማዕብል ሊቃውንቲ ይዛረቡ እዮም። ንኣብነት: እዚ ህዋስ እዚ ኣዒንትኻ ዓሚትካ ንኸተጣቕዕ የኽእለካ። ሓንቲ ነዚ ህዋስ እዚ ዘጥፍአት ሕምምቲ: ደው ክትብል: ክትከይድ: ወይ ኮፍ ክትብል ኣይከኣለትን።