ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣርኣያ-ዮሴፍ

ኣርኣያ-ዮሴፍ

ኣርኣያ-ዮሴፍ

ዮሴፍ ከቢድ ኵነታት እዩ ኣጋጢምዎ። ሰበይቲ ጐይታኡ ምስኣ ጾታዊ ርክብ ኪገብር ደጋጊማ ደፋፍኣቶ። ብቐሊሉ እትሕለል ኣይነበረትን! ዮሴፍ ግን በቲ ፈተና ኣይተሰነፈን። ጽኑዕ መልሲ ሃባ። “ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” በላ። ነቲ ዝሃባ መልሲ ዕሽሽ ኢላ ቀጥ ኣቢላ ምስ ሓዘቶ፡ ከይሓፈረ ሃደመ። ሃዲሙ ድማ ንግዳም ወጸ። ስነ-ምግባራዊ ንጽህናኡ ዚሕሉ ሰብ ምዃኑ ኣርኣየ።—ዘፍጥረት 39:7-12

ንዓኻ እውን ንጾታዊ ድፍኢትካ ኣለዓዒሉ ኼስሕተካ ዚፍትን ሰብ ኬጓንፈካ ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንኽትጻረሮ ዜኽእለካ፡ ቈራጽነትካ ጥራይ ኣይኰነን። ፈለማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ፡ ማለት ንፈጣሪኻ ኸተሐጕስ ድሌት ኪህልወካ ኣለዎ። ዮሴፍ እውን እኮ ኸማኻ ጾታዊ ባህጊ ነይርዎ እዩ። ነዚ ባህጊ እዚ ንፈጣሪኡ ብዜጕሂ መገዲ ኼዕግቦ ግን ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ፡ ስነ-ምግባራዊ ርኽሰት ንኣምላኽ ከም ዜጕህዮን ኣብ መወዳእታ ናብ ጓሂ ልቢ ኸም ዚመርሓካን ክትኣምነሉ ኣሎካ። ስለዚ፡ ከምቲ ዮሴፍ ዘርኣዮ ዝኣመሰለ ስነ-ምግባራዊ ንጽህና ኸተማዕብልን ክትሕሉን ጽዓር።