ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣርኣያ-ጳውሎስ

ኣርኣያ-ጳውሎስ

ኣርኣያ-ጳውሎስ

ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ ስምዒታቱ ኽውንነታዊ ኣረኣእያ ነበሮ። “ኣነ ሰናይ ክገብር ዝደሊ እቲ እከይ ከም ዚጠብቀኒ” ኢሉ ብግልጺ ተኣመነ። ጽቡቕ ልቢ እዩ ነይርዎ። “ብናይ ውሽጢ ሰብሲ በቲ ሕጊ ኣምላኽ ባህ ይብለኒ እዩ” በለ። እንታይ ጸገም ደኣ እዩ ነይርዎ፧ “ምስ ሕጊ መንፈሰይ ዚዋጋእ፡ ናብቲ ኣብ ኣካላተይ ዘሎ ሕጊ ሓጢኣት ኣቢሉውን ዚማርኸኒ ኻልእ ሕጊ እርኢ አሎኹ” በለ። እዚ ኣየሐጐሶን። “ይዋእ ኣነ ምግዱር ሰብ” ከኣ በለ።—ሮሜ 7:21-24

ብጌጋታትካ ሕማቕ ይስምዓካ ድዩ፧ ከምኡ እንተ ተሰሚዑካ፡ ጳውሎስ እውን ሓድሓደ ግዜ ኸምኡ ኸም እተሰምዖ ዘክር። ኰይኑ ግን፡ ጳውሎስ፡ ክርስቶስ ንኸምኡ ዝኣመሰለ ሰብ ከም ዝሞተ ይፈልጥ ነይሩ እዩ፡ በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ “ንኣምላኽ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ስብሓት ይኹኖ” በለ። (ሮሜ 7:25) ነቲ በጃ ኸም ብሕታዊ ውህበት ገይሩ ይርእዮ ነበረ። “በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ” ኢሉ ጸሓፈ። (ገላትያ 2:20) ክትድቈስ ከለኻ፡ ብዛዕባ እቲ በጃ ኣስተንትን። ጕድለታትካ እንተ ኣጕህዩካ፡ ክርስቶስ ንፍጹማት ዘይኰነስ፡ ንሓጢኣተኛታት ከም ዝሞተ ዘክር።