ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምዕራፍ 12

“ብስልጣን . . . የሆዋ ብትብዓት እናተዛረቡ”

“ብስልጣን . . . የሆዋ ብትብዓት እናተዛረቡ”

ጳውሎስን በርናባስን ዘርኣይዎ ትሕትናን ጽንዓትን ትብዓትን

ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 14:1-28 እተመስረተ

1, 2. ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ልስጥራ ኣብ ዝነበሩሉ እዋን እንታይ ተኸታታሊ ፍጻመታት እዩ እተኸስተ፧

 ኣብ ልስጥራ ሕንፍሽፍሽ ኰነ። ክልተ ኣጋይሽ ንሓደ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ኣእጋሩ ዝለመሰ ሰብኣይ ምስ ኣሕወይዎ፡ ንሱ ብሓጐስ ተሰራሰረ። እቶም ህዝቢ ድማ ኣዝዮም ስለ እተደነቑ፡ እቶም ክልተ ሰብኡት ኣማልኽቲ ዝዀኑ መሰልዎም። ሓደ ኻህን ከኣ ነቶም ሰብኡት ኣብዑርን ኣኽሊላት ዕምባባን ኣምጸኣሎም። ነቶም ኣብዑር ድማ ኪሓርዶም ፈተነ። ጳውሎስን በርናባስን ነቲ ዚግበር ዝነበረ ነገራት ዓው ኢሎም ተቓወምዎ። ክዳውንቶም ቀዲዶም ናብቶም ህዝቢ ጐየዩ፡ ብኽንደይ ገድሊ ድማ ከየምልኽዎም ከልከልዎም።

2 ድሕሪኡ፡ ተጻረርቲ ኣይሁድ ካብ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያን ካብ ኢቆንዩምን መጹ። ብመርዛም ቃላት ገይሮም ድማ ንኣእምሮ ሰብ ልስጥራ መረዝዎ። እቶም ንጳውሎስ ኬምልኽዎ ደልዮም ዝነበሩ ህዝቢ፡ ኣረኣእያኦም ቀዪሮም ክሳዕ ውኖኡ ዜጥፍእ ብእምኒ ጨፍጨፍዎ። ተሃኖም ምስ ወጸሎም፡ ዝሞተ መሲልዎም ጐቲቶም ናብ ወጻኢ እታ ኸተማ ደርበይዎ።

3. ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ እንታይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

3 ናብዚ ዜደንቕ ፍጻመ እዚ ዝመርሐ እንታይ እዩ፧ ሎሚ ዘለዉ ኣወጅቲ እቲ ብስራት፡ ካብቲ በርናባስን ጳውሎስን እቶም ተለዋወጥቲ ሰብ ልስጥራን እተሳተፉሉ ፍጻመ እንታይ ኪምሃሩ ይኽእሉ፧ ክርስትያን ሽማግለታትከ ነቲ በርናባስን ጳውሎስን ብየሆዋ “ብስልጣን . . . የሆዋ ብትብዓት እናተዛረቡ” ኣብ ኣገልግሎቶም ብምጽናዕ ዝሓደግዎ ኣብነት ብኸመይ ኪቐድሕዎ ይኽእሉ፧—ግብ. 14:3

“ኣዝዮም ብዙሓት ኣመኑ” (ግብሪ ሃዋርያት 14:1-7)

4, 5. ጳውሎስን በርናባስን ናብ ኢቆንዩም ዝኸዱ ስለምንታይ እዮም፧ ኣብኡኸ እንታይ ኰነ፧

4 ካብዚ ኣብ ላዕሊ እተገልጸ ሒደት መዓልትታት ኣቐዲሙ፡ ተጻረርቲ ዝዀኑ ኣይሁድ ሽግር ምስ ፈጠሩ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካብታ ኣብ ትሕቲ ሮሜ እትመሓደር ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ተባረሩ። በዚ ኣብ ክንዲ ዚደሃሉ ግና፡ ነቶም ዘይሰምዑ ተቐማጦ እታ ኸተማ “ደሮና ኣእጋሮም ነጊፎምሎም . . . ከዱ።” (ግብ. 13:50-52፣ ማቴ. 10:14) ጳውሎስን በርናባስን ነቶም ብተግባራቶም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተሓተትቲ ዝዀኑ ተጻረርቲ ሓዲጎምዎም ብሰላም ከዱ። (ግብ. 18:5, 6፣ 20:26) እቲ ዘጋጠሞም ነገር ንሓጐሶም ኣይነከዮን፣ የግዳስ፡ እናተሓጐሱ ንስብከት ዚገብርዎ ጕዕዞ ቐጸሉ። ናብ ደቡባዊ ምብራቕ ኣቢሎም 150 ኪሎ ሜተር ዚኣከል ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ መንጎ ቶረስን ሱልጣንን ዚብሃል ሰንሰለት ኣኽራን ዚርከብ ፍርያም ከበሳ በጽሑ።

5 ኣብ ፈለማ፡ ጳውሎስን በርናባስን ኣብታ ሓንቲ ኻብተን ብሮማውያን እትመሓደር ገላትያ ዚርከባ ኣገደስቲ ኸተማታት ዝዀነት ባህሊ ግሪኽ ዝዓብለላ ኢቆንዩም ኪጸንሑ ሓሰቡ። a ኣብዛ ኸተማ እዚኣ፡ ሓያል ጽልዋ ዝነበሮም ኣይሁድን ብዙሓት ጵሮሴሊታትን ይነብሩ ነበሩ። ጳውሎስን በርናባስን ከም ልማዶም፡ ናብ ምኵራብ ኣትዮም ኪሰብኩ ጀመሩ። (ግብ. 13:5, 14) “ጽቡቕ ገይሮም ብምዝራቦም [ከኣ]፡ ካብ ኣይሁድን ግሪኻውያንን ኣዝዮም ብዙሓት ኣመኑ።”—ግብ. 14:1

6. ጳውሎስን በርናባስን ውጽኢታውያን መምህራን ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ብኸመይከ ኽንመስሎም ንኽእል፧

6 ጳውሎስን በርናባስን እተዛረቡሉ መገዲ ውጽኢታዊ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ ጳውሎስ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጥበብ መሊእዎ ነበረ። ካብ ታሪኽን ትንቢትን ሕጊ ሙሴን ብውሕሉል መገዲ እናጠቐሰ፡ የሱስ እቲ እተተስፈወ መሲሕ ምዃኑ የረድእ ነበረ። (ግብ. 13:15-31፣ 26:22, 23) በርናባስ ድማ ብሰባት ዚግደስ ምዃኑ የርኢ ነበረ። (ግብ. 4:36, 37፣ 9:27፣ 11:23, 24) ክልቲኦም ኣብ ልቦናኦም ኣይተጸግዑን፣ የግዳስ፡ “ብስልጣን . . . የሆዋ” ተዛረቡ። ኣብ ንጥፈታት ስብከትካ፡ ነዞም ሚስዮናውያን እዚኦም ብኸመይ ክትመስሎም ትኽእል፧ ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር ክትመስሎም ትኽእል ኢኻ፦ ንቓል ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ፍለጦ። ንሰማዕትኻ ኺስሕቦም ዚኽእል ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ሕረ። ነቶም እትሰብከሎም ሰባት ኬጸናንዖም ዚኽእል ግብራዊ መገድታት ኣናዲ። ኵሉ ሳዕ ድማ ትምህርትኻ ኣብ ናትካ ጥበብ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቃል የሆዋ ኸም ዚምርኰስ ግበር።

7. (ሀ) እቲ ብስራት እንታይ ኬፍሪ ይኽእል፧ (ለ) ነቲ ብስራት እዙዝ ብምዃንካ ኣብ ስድራ ቤትካ ምክፍፋል እንተ ተፈጢሩ፡ እንታይ ክትዝክር ኣሎካ፧

7 ይኹን እምበር፡ ኵሎም እቶም ኣብ ኢቆንዩም ዝነበሩ ሰባት ኣይኰኑን በቲ ጳውሎስን በርናባስን እተዛረብዎ ዘረባ እተሓጐሱ። ቀጺሉ ሉቃስ ኣብ ጸብጻቡ፡ “እቶም ዘይኣመኑ ኣይሁድ ግና ነቶም ኣህዛብ፡ ኣብቶም ኣሕዋት ኣለዓዓልዎም፡ ከም ዚጽልኡ እውን ገበርዎም” በለ። ጳውሎስን በርናባስን ኣብቲ ቦታ ኺጸንሑን ነቲ ብስራት ኪጣበቑሉን ከም ዜድሊ ኣስተውዓሉ፣ ስለዚ፡ “ብትብዓት እናተዛረቡ፡ ነዊሕ ግዜ ጸንሑ።” በዚ ምኽንያት እዚ፡ “ህዝቢ እታ ኸተማ ግና ተመቕሉ፣ ገሊኣቶም ምስ ኣይሁድ፡ ገሊኣቶም ድማ ምስ ሃዋርያት ኰኑ።” (ግብ. 14:2-4) ሎሚ፡ እቲ ብስራት ተመሳሳሊ ነገር የፍሪ እዩ። ንገሊኦም ሓድነት ኬምጽኣሎም ከሎ፡ ንገሊኦም ከኣ ይኸፋፍሎም እዩ። (ማቴ. 10:34-36) ነቲ ብስራት እዙዝ ብምዃንካ ኣብ ስድራ ቤትካ ምክፍፋል እንተ ተፈጢሩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሰባት መሰረት ዘይብሉ በላበለው ወይ ዓይኒ ዘውጽአ ዜካፍእ ወረ ሰሚዖም ከም ዚጻረሩና ኣይትረስዕ። ሰናይ ግብርኻ፡ እቲ ዝሰምዕዎ ወረ ሓሶት ምዃኑ ኼረጋግጸሎምን ውዒሉ ሓዲሩ ንልቦም ኬለስልሶን ይኽእል እዩ።—1 ጴጥ. 2:12፣ 3:1, 2

8. ጳውሎስን በርናባስን ካብ ኢቆንዩም ዝወጹ ስለምንታይ እዮም፧ ካብ ኣብነቶምከ እንታይ ትምህርቲ ንረክብ፧

8 ድሕሪ እተወሰነ ግዜ፡ ኣብ ኢቆንዩም ዝነበሩ ተጻረርቲ ንጳውሎስን ንበርናባስን ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዎም ውዲት ኣለሙ። እዞም ክልተ ሚስዮናውያን እዚኦም ነዚ ምስ ፈለጡ፡ ናብ ካልእ ዚምስክሩሉ ኽሊ ኪኸዱ ወሰኑ። (ግብ. 14:5-7) ሎሚ ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ እውን ብምስትውዓል እዮም ዚመላለሱ። ኣፋዊ መጥቃዕቲ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ብትብዓት ንዛረብ ኢና። (ፊል. 1:7፣ 1 ጴጥ. 3:13-15) እቲ ነገር ናብ ጐነጽ ኬምርሕ ከሎ ግና፡ ንህይወትናን ንህይወት ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትናን ኣብ ሓደጋ ዜእቱ ነገር ኣይንገብርን ኢና።—ምሳ. 22:3

“ናብቲ . . . ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ድማ ነበስረኩም ኣለና” (ግብሪ ሃዋርያት 14:8-19)

9, 10. ልስጥራ ኣበይ እያ እትርከብ ነይራ፧ ብዛዕባ ተቐማጦኣኸ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧

9 ጳውሎስን በርናባስን ናብታ ብደቡባዊ ምዕራብ ኢቆንዩም 30 ኪሎ ሜተር ኣቢላ ርሒቓ እትርከብ ብቐጥታ ብሮማውያን እትመሓደር ልስጥራ ኸዱ። ልስጥራ ምስ ኣንጾክያ ናይ ጲሲድያ ስጡም ርክብ እኳ እንተ ነበራ፡ ከም ኣንጾክያ ግና ማሕበረ ሰብ ኣይሁድ ኣይነበርዋን። እቶም ተቐማጦ ግሪኽኛ ዚኽእሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ቋንቋ ኣዲኦም ግና ቋንቋ ሊቃኦንያ እዩ ነይሩ። ኣብታ ኸተማ ምኵራብ ስለ ዘይነበረ እዩ ዚኸውን፡ ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ኪሰብኩ ጀመሩ። ጴጥሮስ ኣብ የሩሳሌም ከሎ፡ ንሓደ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ዝለመሰ ሰብኣይ ኣሕውዩ ነይሩ። ጳውሎስ ድማ ኣብ ልስጥራ፡ ንሓደ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ዝለመሰ ሰብኣይ ኣሕወዮ። (ግብ. 14:8-10) ብምኽንያት እቲ ጴጥሮስ ዝገበሮ ተኣምር፡ ብዙሓት ሰባት ኣመንቲ ዀይኖም ነይሮም። (ግብ. 3:1-10) እቲ ጳውሎስ ዝገበሮ ተኣምር ግና፡ ካብዚ እተፈልየ ፍረ እዩ ኣፍርዩ።

10 ከምቲ ኣብ መእተዊ እዛ ምዕራፍ እተገልጸ፡ እቲ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይ ብድድ ምስ በለ፡ እቶም ኣብ ልስጥራ ዝነበሩ ኣረማውያን ህዝቢ ብኡብኡ ናብ ግጉይ መደምደምታ በጽሑ። በርናባስ እቲ ሓለቓ ኣማልኽቲ ዝዀነ ድያ (ዘዩስ) መሰሎም፡ ጳውሎስ ከኣ እቲ ወዲ ድያን ኣፈኛ ኣማልኽትን ዝዀነ ሄርሜስ መሰሎም። (“ ልስጥራን ኣምልኾ ድያን ሄርሜስን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) በርናባስን ጳውሎስን ግና እቲ እተዛረብዎ ዘረባ ዀነ ዝገበርዎ ተግባር ብስልጣን ኣረማውያን ኣማልኽቲ ዘይኰነስ፡ ብስልጣን እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ምዃኑ፡ ነቶም ህዝቢ ኼረድእዎም ቈሪጾም ተላዕሉ።—ግብ. 14:11-14

“ካብዚ ኸንቱ ነገራት ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን . . . ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ድማ ነበስረኩም ኣለና።”​—ግብሪ ሃዋርያት 14:15

11-13. (ሀ) ጳውሎስን በርናባስን ንተቐማጦ ልስጥራ እንታይ በልዎም፧ (ለ) ካብቲ ጳውሎስን በርናባስን እተዛረብዎ ዘረባ እንታይ ትምህርቲ ኢና እንረክብ፧

11 ዜገርም ኵነታት እኳ ተፈጢሩ እንተ ነበረ፡ ጳውሎስን በርናባስን ግና ንልቢ ሰማዕቶም ብዝበለጸ መገዲ ንምትንካይ ይጽዕሩ ነበሩ። እቲ ብስራት ንኣረማውያን ብኸመይ ኪስበኽ ከም ዚከኣል ዜርኢ ውጽኢታዊ መገዲ፡ ሉቃስ መዝጊቡ ኣሎ። ጳውሎስን በርናባስን ንልቢ ሰማዕቶም ንምትንካይ ከምዚ ዚስዕብ በሉ፦ “ኣቱም ሰባት፡ ስለምንታይ እዚ ትገብሩ ኣለኹም፧ ንሕና እውን ከማኻትኩም ዝድኻምና ሰባት ኢና። ካብዚ ኸንቱ ነገራት ናብቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኵሉ እቲ ኣባታቶም ዘሎን ዝፈጠረ ህያው ኣምላኽ ክትምለሱ ድማ ነበስረኩም ኣለና። ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ወለዶታት ንዅሎም ኣህዛብ ብመገዶም ኪኸዱ ሓዲግዎም ነይሩ፣ ግናኸ፡ ካብ ሰማይ ዝናምን ወቕቲ ፍርያትን እናሃበኩምን ብምግቢ እናኣጽገበኩምን ልብኹም ብሓጐስ እናመልአን ጽቡቕ ብምግባር፡ ርእሱ ብዘይ ምስክር ኣይሓደገን።”—ግብ. 14:15-17

12 ካብዚ ዜመራምር ቃላት እዚ እንታይ ትምህርቲ ኽንወስድ ንኽእል፧ ቀዳማይ፡ ጳውሎስን በርናባስን ካብ ሰማዕቶም ንላዕሊ ኸም ዝዀኑ ገይሮም ኣይሓሰቡን። ዘይኰንዎ ኺመስሉ እውን ኣይፈተኑን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ከምቶም ኣረማውያን ሰማዕቶም፡ ድኽመታት ከም ዘለዎም ብትሕትና ተኣመኑ። ልክዕ እዩ፡ ጳውሎስን በርናባስን ኣቐዲሞም መንፈስ ቅዱስ ተቐቢሎምን ካብ ናይ ሓሶት ትምህርትታት ሓራ ዀይኖምን እዮም። ምስ ክርስቶስ ናይ ምግዛእ ተስፋ እውን ነይርዎም እዩ። ኰይኑ ግና፡ እቶም ተቐማጦ ልስጥራ ንክርስቶስ እንተ ተኣዚዞም፡ ነዚ ውህበታት እዚ ኸም ዚቕበሉ ይፈልጡ ነይሮም እዮም።

13 ብዛዕባ እቶም እንሰብከሎም ሰባት እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዘሎና፧ ማዕረና ኸም ዝዀኑ ጌርና ዲና እንርእዮም፧ ንኻልኦት ካብ ቃል ኣምላኽ ሓቅታት ክንምህሮም ከለና፡ ከምቲ ጳውሎስን በርናባስን ዝገበርዎ፡ ንሕና እውን ቅጥዒ ኣልቦ ውዳሰ ኸም ዘይንደሊ ነርኢ ዲና፧ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ዘመንን መጀመርታ መበል 20 ዘመንን ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ዝነበሮ ንፉዕ መምህር ዝነበረ ቻርለስ ቴዝ ራስል፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ጽቡቕ ኣብነት ሓዲጉ እዩ። ‘ንዓና ዀነ ንጽሑፋትና ኽብርን ኣኽብሮትን ኣይንደልን ኢና፣ ብሃይማኖታዊ መዓርጋት ድማ ክንጽዋዕ ኣይንደልን ኢና’ በለ። ሓው ራስል ከም ናይ ጳውሎስን በርናባስን ዝዓይነታ ትሕትና ነበረቶ። ንሕና እንሰብከሉ ዕላማ እውን፡ ንርእስና ኽብሪ ንምምጻእ ዘይኰነስ፡ ሰባት ናብቲ “ህያው ኣምላኽ” ኪምለሱ ንምሕጋዝ እዩ።

14-16. ካብቲ ጳውሎስን በርናባስን ንተቐማጦ ልስጥራ እተዛረብዎ ዘረባ እንታይ ካልኣይን ሳልሳይን ትምህርቲ ኽንምሃር ንኽእል፧

14 ካብቲ ዘረባ እንረኽቦ ኻልኣይ ትምህርቲ እስከ ንርአ። ጳውሎስን በርናባስን ተዓጻጸፍቲ እዮም ነይሮም። ተቐማጦ ልስጥራ ኸምቶም ኣብ ኢቆንዩም ዝነበሩ ኣይሁድን ጵሮሴሊታትን ስለ ዘይነበሩ፡ ብዛዕባ ቕዱሳት ጽሑፋት ወይ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ምስ ህዝቢ እስራኤል ዝነበሮ ርክብ ብዙሕ ፍልጠት ኣይነበሮምን። ይኹን እምበር፡ እቶም ንጳውሎስን ንበርናባስን ዝሰምዕዎም ሰባት፡ መነባብሮኦም ኣብ ሕርሻ እተመርኰሰ ነበረ። ልስጥራ ጽቡቕ ኵነታት ኣየርን ስቡሕ መሬትን ነበራ። እቶም ህዝቢ ፍርያት ኣብ ዚሓፍሱሉ ወቕትታትን ኣብ ካልእ ግዜያትን ብዛዕባ ባህርያት ፈጣሪ እኹል መርትዖ ኺረኽቡ ይኽእሉ ነበሩ፣ እቶም ሚስዮናውያን ድማ በዚ ሓባራዊ ባይታ እዚ ተጠቒሞም ንሰማዕቶም ኬረድእዎም ፈተኑ።—ሮሜ 1:19, 20

15 ንሕናኸ ብተመሳሳሊ ተዓጻጸፍቲ ኽንከውን ንኽእል ዲና፧ ሓደ ሓረስታይ ኣብ እተፈላለየ ግራውቲ ሓደ ዓይነት ዘርኢ ኺዘርእ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ግራውቲ ግና ብእተፈላለየ ሜላታት ኬዳልዎ ኣለዎ። ገሊኡ ልስሉስን ዘርኢ ንምቕባል እተዳለወን ኪኸውን ይኽእል እዩ። ገሊኡ ግና ኣቐዲምካ ኸተለስልሶ የድልዮ ይኸውን። ብተመሳሳሊ፡ እቲ እንዘርኦ ዘርኢ ሓደ ዓይነት እዩ፣ እዚ ኸኣ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ። እንተዀነ ግና፡ ከም ጳውሎስን በርናባስን እንተ ዄንና፡ ኵነታትን ሃይማኖትን እቶም እንሰብከሎም ሰባት ከነስተውዕል ንጽዕር ኢና። ድሕሪኡ፡ ኣብኡ ተመርኲስና ኢና መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ እነቕርበሎም።—ሉቃ. 8:11, 15

16 ካብቲ ብዛዕባ ጳውሎስን በርናባስን ተቐማጦ ልስጥራን ዚገልጽ ዛንታ፡ ሳልሳይ ትምህርቲ እውን ክንረክብ ንኽእል ኢና። ዚከኣለና ጌርና ኽነስና፡ እቲ ዘርኢ ሓድሓደ ግዜ ኺምንጠል ወይ ኣብ ከውሒ ኺወድቕ ይኽእል እዩ። (ማቴ. 13:18-21) ከምኡ እንተ ኣጋጢሙካ፡ ኣይትተሓለል። ከምቲ ጳውሎስ ጸኒሑ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ዘዘኻኸሮም፡ “ነፍሲ ወከፍና [እንተላይ እቶም ቃል ኣምላኽ እንነግሮም ሰባት] ብዛዕባ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ።”—ሮሜ 14:12

“ናብ . . . የሆዋ ኣማዕቈብዎም” (ግብሪ ሃዋርያት 14:20-28)

17. ጳውሎስን በርናባስን ካብ ደርቤ ናበይ እዮም ተጓዒዞም፧ ስለምንታይከ፧

17 ንጳውሎስ ጐቲቶም ካብ ልስጥራ ምስ ኣውጽእዎን ዝሞተ መሲልዎም ሓዲጎምዎ ምስ ከዱን፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸቢቦምዎ ኸለዉ፡ ብድድ ኢሉ ናብታ ኸተማ ኣትዩ ሓደረ። ንጽብሒቱ፡ ጳውሎስን በርናባስን ናብታ 100 ኪሎ ሜተር ርሒቓ እትርከብ ደርቤ ንምኻድ ጕዕዞኦም ጀመሩ። ጳውሎስ ቅድሚ እተወሰነ ሰዓታት ብዳርባ እምኒ ተቐጥቂጡ ስለ ዝነበረ፡ ኣብቲ ኣድካሚ ጕዕዞ እቲ ብዙሕ ተሸጊሩ ኪኸውን ኣለዎ። ኰይኑ ግና፡ ንሱን በርናባስን ጸንዑ፡ ኣብ ደርቤ ምስ በጽሑ ኸኣ፡ “ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ . . . ገበሩ።” ድሕሪኡ፡ ብዝሓጸረ መገዲ ናብታ እተበገሱላ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ኣብ ክንዲ ዚምለሱ፡ “ናብ ልስጥራን ናብ ኢቆንዩምን ናብ ኣንጾክያን [ናይ ጲሲድያ] ተመልሱ።” ንምንታይ እዮም ከምኡ ገይሮም፧ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ “ኣብ እምነት ኪጸንዑ እናኣተባብዑን” ምእንቲ ኼበራትዕዎም ኢሎም እዮም። (ግብ. 14:20-22) እዞም ክልተ ሰብኡት እዚኦም ከመይ ዝበለ ኣብነት ኰን እዮም ሓዲጎም! ካብቲ ንዓታቶም ዚጥዕሞም ነገራት ንላዕሊ፡ ንጥቕሚ እታ ጉባኤ የቐድሙ ነበሩ። ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ገየሽቲ ሓለውትን ሚስዮናውያንን ነዚ ኣብነቶም እዚ ቐዲሖምዎ እዮም።

18. ሽማግለታት ብኸመይ እዮም ዚሽየሙ፧

18 ጳውሎስን በርናባስን ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ብቓልን ብኣብነትን ኣብ ርእሲ ምብርታዖም፡ “ኣብ ገጉባኤኡ ሽማግለታት” ሸይሞምሎም እዮም። ነዚ ሚስዮናዊ ጕዕዞኦም “ብመንፈስ ቅዱስ ተላኢኾም” እኳ እንተ ጀመርዎ፡ ነቶም ሽማግለታት ንየሆዋ ‘ኼማዕቍብዎም’ ከለዉ ግና ጸልዮምን ጸይሞምን እዮም። (ግብ. 13:1-4፣ 14:23) ሎሚ እውን ተመሳሳሊ ኣገባብ ኢና እንስዕብ። ሽማግለታት ጉባኤ ንሓደ ሓው ኪሽየም ቅድሚ ምሕጻዮም፡ ነቲ እቲ ሓው ዘለዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ብጸሎት ይምርምርዎ እዮም። (1 ጢሞ. 3:1-10, 12, 13፣ ቲቶ. 1:5-9፣ ያእ. 3:17, 18፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3) እቲ ቐንዲ ረቛሒ፡ እቲ ሓው ክርስትያን ኰይኑ ዝጸንሓሉ ንውሓት ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ እቲ ሓው ዚዛረቦ ዘረባን ኣካይዳኡን ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ዘለዎ ስምን፡ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወቱ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝዓየየ መርትዖ ይህብ እዩ። ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰሪዑ ዚርከብ ሓለውቲ ኼማልእዎ ዘለዎም ብቕዓታት እንተ ኣማሊኡ፡ ጓሳ እተን መጓሰ ዀይኑ ንምግልጋል ብቕዓት ይህልዎ ማለት እዩ። (ገላ. 5:22, 23) እቲ ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ ምሻም ሓላፍነት ዘለዎ ኸኣ ሓላው ወረዳ እዩ።—ምስ 1 ጢሞቴዎስ 5:22 ኣረኣኢ።

19. ሽማግለታት እንታይ ጸብጻብ ከም ዚህቡ እዮም ዚፈልጡ፧ ንጳውሎስን ንበርናባስንከ ብኸመይ እዮም ዚመስልዎም፧

19 እተሸሙ ሽማግለታት ብዛዕባ እቲ ነታ ጉባኤ ዚሕዙሉ መገዲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጸብጻብ ከም ዚህቡ ይፈልጡ እዮም። (እብ. 13:17) ሽማግለታት ከም ጳውሎስን በርናባስን ኣብ ዕዮ ስብከት መሪሕ ግደ ይህልዎም እዩ። ንብጾቶም ደቀ መዛሙርቲ ብቓላቶም የበራትዑ እዮም። ካብቲ ንዕኦም ዚጥዖሞም ንላዕሊ ድማ፡ ጥቕሚ እታ ጉባኤ የቐድሙ እዮም።—ፊል. 2:3, 4

20. ነቲ ኣሕዋትና ብተኣማንነት ዝዓየይዎ ዕዮ ዚገልጽ ጸብጻብ ምንባብና ብኸመይ ይጠቕመና፧

20 ኣብ መወዳእታ፡ ጳውሎስን በርናባስን ናብታ ዝነቐሉላ ኣንጾክያ ናይ ሶርያ ምስ ተመልሱ፡ “እቲ ኣምላኽ ብኣታቶም ኣቢሉ ዝገበሮ ዅሉን ንኣህዛብ ኣፍ ደገ እምነት ከም ዝኸፈተሎምን ኣዘንተዉሎም።” (ግብ. 14:27) ነቲ ክርስትያናት ኣሕዋትና ብተኣማንነት ዝዓየይዎ ዕዮን የሆዋ ንጻዕርታቶም ብኸመይ ከም ዝባረኾን ዚገልጽ ጸብጻብ ከነንብብ ከለና፡ ‘ብስልጣን የሆዋ ብትብዓት ንምዝራብ’ ንተባባዕ ኢና።

a ኢቆንዩም—ከተማ ፍርግያውያን” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።