ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ

ክቡር ኣዋጂ መንግስቲ ኣምላኽ፦

ሓደ ኻብቶም ኣብ ደብረ ዘይቲ ደው ኢሎም ዝነበሩ ሃዋርያት ከም ዝዀንካ ጌርካ እሞ ሕሰብ። የሱስ ኣብ ቅድሜኻ ደው በለ። ናብ ሰማይ ቅድሚ ምዕራጉ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ወረደ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳብ ወሰናት ምድርን መሰኻኽር ክትኰኑኒ ኢኹም” ኢሉ ተዛረበ። (ግብ. 1:8) ከመይ ምተሰምዓካ፧

ምናልባት እቲ ዕዮ ኣዝዩ ሰፊሕ ብምዃኑ፡ ብኸመይ ከም ዚፍጸም ምሓርበተካ። ‘ንሕና ሒደት ዝቝጽርና ደቀ መዛሙርቲ፡ ከመይ ጌርና ኢና “ኽሳብ ወሰናት ምድሪ” ኽንምስክር እንኽእል፧’ ኢልካ ምሓሰብካ። ነቲ የሱስ ኣብታ ድሮ ሞቱ ዝነበረት ለይቲ፡ “ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ። . . . ንዓይ እንተ ሰጒጎምኒ፡ ንዓኻትኩም እውን ኪሰጕጉኹም እዮም፣ ቃለይ እንተ ሓልዮም፡ ቃልኩም እውን ኪሕልዉ እዮም። ግናኸ፡ ነቲ ዝለኣኸኒ ስለ ዘይፈልጥዎ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም” ኢሉ እተዛረቦ መጠንቀቕታ ትዝክሮ ትኸውን። (ዮሃ. 15:20, 21) ነዚ ቓላት እዚ ኽትሓስበሉ ኸለኻ፡ ‘ምጽራርን መስጐጕትን እናኣጋጠመኒ ኽነሱ፡ ከመይ ገይረ እየ ኣጸቢቐ ኽምስክር ዝኽእል፧’ ኢልካ ንርእስኻ ትሓትት ትኸውን።

ሎሚ እውን ንሕና ተመሳሳሊ ሕቶታት ንሓትት ኢና። እቲ ኸም ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጠን እተዋህበና መዝነት፡ “ካብ ኵሎም ኣህዛብ” ንዝዀኑ ሰባት “ክሳብ ወሰናት ምድሪ” ኣጸቢቕና ኽንምስክረሎም ዚሓትት እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) እቲ ኣቐዲሙ እተነግረ ምጽራር እናሃለወ ኽነሱ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ብኸመይ ክንፍጽሞ ንኽእል፧

ሃዋርያትን ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበሩ ብጾቶም ክርስትያናትን፡ ብሓገዝ የሆዋ ዕዮኦም ብኸመይ ከም ዝፈጸሙ ዚገልጽ መሳጢ ጸብጻብ፡ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ኣሎ። እዛ እተንብባ ዘለኻ መጽሓፍ፡ ነቲ ጸብጻብ ክትምርምሮን ነቲ ኣብኡ ተመዝጊቡ ዚርከብ መሳጢ ዛንታታት ኣብ ልብኻ ኸተሕድሮን ክትሕግዘካ እያ ተዳልያ። በቲ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩን ሎሚ ዘለዉን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ዘሎ ሓያሎ ምምስሳላት ክትግረም ኢኻ። እቲ እንገብሮ ዕዮ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ዕዮና ንምፍጻም እተወደብናሉ መገዲ እውን ክሳዕ ክንደይ ከም ዚመሳሳል ክትግንዘብ ኢኻ። ብዛዕባ እዚ ምስትንታንካ፡ የሆዋ ኣምላኽ ሕጂ እውን እንተ ዀነ ንምድራዊ ኽፋል ውድቡ ኸም ዚመርሖ ዘሎካ እምነት ኬደልድለልካ እዩ።

በቲ ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት እትገብሮ ምርምር፡ የሆዋ ኸም ዚሕግዘካን ሓይሊ መንፈስ ቅዱሱ ኸም ዜጽንዓካን ዝያዳ ምትእምማን ከተሕድር ትምኒትናን ጸሎትናን እዩ። ሃየ እምበኣር፡ ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ መስክር፡’ ንሰባት ድማ ናብ መገዲ ድሕነት ኪኣትዉ ሓግዞም!—ግብ. 28:23፣ 1 ጢሞ. 4:16

ኣሕዋትካ፡

ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር