ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ ዚግባኣና ስለምንታይ ኢና፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንምርምሮ ዚግባኣና ስለምንታይ ኢና፧

ንመጽሓፍ ቅዱስ ትፈልጦ ዲኻ፧ እዚ ፍሉይ መጽሓፍ እዚ፡ ብብዝሒ ዝርጋሐኡ ኣብ ታሪኽ መወዳድርቲ የብሉን። እተፈላለየ ባህሊ ዘለዎም ሰባት፡ መልእኽቱ ምንጪ መጸናንዕን ተስፋን፡ ምኽሩ ድማ ንመዓልታዊ ናብራ ዚጠቅም ኰይኑ ረኺቦምዎ እዮም። ገና ግን፡ ሓያሎ ሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ ኣይፈልጡን እዮም። ንስኻ ሃይማኖተኛ ኹን ኣይትኹን ብዘየገድስ፡ ምናልባት ብዛዕባኡ ንኽትፈልጥ ሃንቀውታ ይህልወካ ይኸውን። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ብዛዕባ ሓፈሻዊ ትሕዝቶ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትገልጸልካ እያ ተዳልያ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ቅድሚ ምጅማርካ፡ ብዛዕባ ኣሰራርዓኡ ሒደት ነጥብታት ምፍላጥ ሓጋዚ እዩ። እዚ መጽሓፍ እዚ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ተባሂሉ እውን ዚጽዋዕ ኰይኑ፡ ከም ሓቂ ኻብ ዘፍጥረት ጀሚሩ ኽሳዕ እቲ ኣብ መደምደምታ ዘሎ ራእይ፡ 66 መጻሕፍቲ ወይ ክፋላት ዝጠርነፈ እዩ።

ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ መን እዩ፧ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣገዳሲት ሕቶ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ 1,600 ዓመት ኣቢሉ ኣብ ዚኸውን ንውሓት፡ ብ40 ዚኣኽሉ ሰባት እዩ ተጻሒፉ። እቲ ዜገርም ግን፡ እቶም ሰባት እቲኣቶም፡ ደረስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀኑ ኣይተዛረቡን። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ፡ ኵሉ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ” ምዃኑ ገሊጹ ኣሎ። (2 ጢሞቴዎስ 3:16) ካልእ ድማ፡ “መንፈስ እግዚኣብሄር ብኣይ ተዛረበ፡ ቃሉ ኸኣ ኣብ ልሳነይ ነበረ” ኢሉ ኣሎ። (2 ሳሙኤል 23:2) እምበኣር፡ እቶም ጸሓፍቲ፡ እቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዅሉ ፍጥረት ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝደረሶ እዮም ገሊጾም። ኣብ ርእሲ እዚ እውን፡ ኣምላኽ ንሰባት ኪቐርብዎ ኸም ዚደልዮም ገሊጾም ኣለዉ።

ንመጽሓፍ ቅዱስ ንኽንርድኦ ዚሕግዘና ኻልእ ኣገዳሲ ነገር፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓደ ሓፈሻዊ ፍረ ነገር ከም ዘለዎ ምፍላጥና እዩ። እዚ ፍረ ነገር እዚ በዚ ዚስዕብ ቃላት ኪግለጽ ይከኣል፦ እቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ብሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ ይረጋገጽ። ኣብዘን ቀጺለን ዘለዋ ገጻት፡ ካብ ዘፍጥረት ክሳዕ ራእይ ዘሎ መጻሕፍቲ፡ በዚ ፍረ ነገር እዚ ብሓደ ተኣሳሲሩ ኸም ዘሎ ኽትርኢ ኢኻ።

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ኣብ ዓለም ልዕሊ ዅሉ ዝርጋሐ ዘለዎ መጽሓፍ፡ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ መልእኽቲ መርምር።

^ ሕ.ጽ. 9 እተፈላለየ ኣቈጻጽራ ዕለት ኣሎ። ኣብዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ድ.ክ. ኪበሃል ከሎ፡ “ድሕሪ ክርስቶስ፡” ቅ.ክ. ኪበሃል ከሎ ድማ፡ “ቅድሚ ክርስቶስ” የመልክት። ነዚ፡ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ነፍሲ ወከፍ ገጽ ኣብ ዚርከብ ሰሌዳ ግዜ ኽትርእዮ ትኽእል ኢኻ።