ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፋል 1

ፈጣሪ ንሰብ ኣብ ገነት ኣንበሮ

ፈጣሪ ንሰብ ኣብ ገነት ኣንበሮ

ኣምላኽ ንግኡዝ ዩኒቨርስን ኣብ ምድሪ ንዚርከብ ህይወትን ፈጠረ፣ ፍጹማት ዝዀኑ ሰብኣይን ሰበይትን ፈጢሩ ኣብ ጽብቕቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ኣንበሮም፡ ትእዛዛቱ እውን ሃቦም

“ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ።” (ዘፍጥረት 1:1) እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ክሳዕ ሕጂ ኻብ እተጻሕፈ ዝዀነ ይኹን መኽፈቲ ቓላት፡ ልዕሊ ዅሉ ዚፍለጣ ተባሂለን ተጸዊዐን እየን። መጽሓፍ ቅዱስ በዛ ቐላልን እተደንቕን ምሉእ ሓሳብ ገይሩ፡ ምስቲ ኣብ ምሉእ ቕዱሳት ጽሑፋት ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ የላልየና። እዛ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ቐዳመይቲ ቝጽሪ፡ ኣምላኽ ነቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ግኡዝ ዩኒቨርስ፡ እንተላይ ንምድርና ኸም ዝፈጠረ ትነግረና። እተን ቀጺለን ዘለዋ ቝጽርታት፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ መዓልትታት ተባሂሉ ኣብ እተጸውዐ ተኸታታሊ ነዊሕ እዋናት፡ ኣምላኽ ንምድሪ ኸም ዘዳለዋን ንዅሉ እቲ ኣብዛ ዓለምና ዘሎ ድንቂ ነገራት ከም ዝገበረን ይነግራና።

ሰብ ካብ ኵሎም እቶም ኣምላኽ ዝፈጠሮም ምድራውያን ፍጥረታት ዝኸበረ እዩ ነይሩ። ብመልክዕ ኣምላኽ ስለ እተፈጥረ፡ ከም ፍቕርን ጥበብን ዝኣመሰለ ባህርያት የሆዋ ኼንጸባርቕ ይኽእል ነይሩ እዩ። ኣምላኽ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ። ኣዳም ኢሉ ድሕሪ ምስማይ ከኣ፡ ኣብ ገነት ኤድን ኣንበሮ። ነታ ብጽቡቕን ፍርያምን ኣእዋም ዝመልአት ስፍራ ኣታኽልቲ፡ ኣምላኽ ባዕሉ እዩ ተኺልዋ።

ንሰብ ደጋፊት ከም እተድልዮ፡ ኣምላኽ ተገንዘበ። ስለዚ ድማ፡ ብሓንቲ ኻብ መሰንገለ ኣዳም ገይሩ፡ ሰበይቲ ሰርሐ። ንዓኣ ኸኣ ነቲ ሰብኣይ ሰበይቱ ኽትኰኖ ናብኡ ኣምጸኣ፣ እታ ሰበይቲ እውን ጸኒሓ ሄዋን ተባህለት። ኣዳም በዚ ስለ እተሓጐሰ፡ “እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ” ኢሉ ገጠመ። ኣምላኽ እውን፡ “ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ” በለ።—ዘፍጥረት 2:22-24፣ 3:20

ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ክልተ ትእዛዛት ሃቦም። ቀዳማይ፡ ንምድሪ ኪዅስኵስዋን ኪከናኸንዋን፡ በብቝሩብ ድማ ብዘርኦም ኪመልእዋ እዩ ነይሩ። ካልኣይ፡ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ዝደለዩ ኺበልዑ ዚኽእሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ ካብታ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ጥራይ ግን ከይበልዑ እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:17) እንተ ዘይተኣዚዞም፡ ከም ዚሞቱ ተነግሮም። ኣምላኽ በዚ ትእዛዛት እዚ ኣቢሉ፡ እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ንዕኡ ኸም ገዛኢኦም ከም እተቐበልዎ ዜርእዩሉ ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ብተወሳኺ እውን፡ ብተኣዛዝነቶም ኣቢሎም ፍቕሮምን ምስጋናኦምን መርኣዩ ነይሮም። ነቲ ጽቡቕ ኣገዛዝኣኡ ንኪቕበሉ እኹል ምኽንያት ነይርዎም እዩ። እቶም ፍጹማት ሰባት ዋላ ሓንቲ ኣበር ኣይነበሮምን። ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ኣምላኽ ከኣ ዝገበሮ ዘበለ ዅሉ ረአየ፡ እንሆ፡ ብዙሕ ጽቡቕ ኰነ” ይብል።—ዘፍጥረት 1:31

—ኣብ ዘፍጥረት ምዕራፍ 1ን 2ን እተመስረተ።