ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፋል 16

መሲሕ መጸ

መሲሕ መጸ

የሱስ ብዓል ናዝሬት፡ እቲ ንነዊሕ ትጽቢት እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ፡ የሆዋ ገለጸ

የሆዋ ንሰባት፡ ነቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ንኼለልይዎ ሓጊዝዎምዶ፧ እወ። ኣምላኽ እንታይ ከም ዝገበረ እስከ ንርአ። ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኻብ ዚዛዘም ኣስታት ኣርባዕተ ዘመን ዚኣክል ጸኒሑ፡ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ኽፋል ገሊላ እትርከብ ናዝሬት እትበሃል ከተማ፡ ማርያም ዝስማ ሰበይቲ ዜገርም ምብጻሕ ተገብረላ። ገብርኤል ዝስሙ መልኣኽ ተራእያ እሞ፡ ድንግል እኳ እንተ ዀነት፡ ኣምላኽ በቲ ንጡፍ ሓይሉ ዝዀነ መንፈስ ቅዱስ ገይሩ ንሓደ ወዲ ኸም እትወልድ ኪገብራ ምዃኑ ገለጸላ። እቲ ወዲ ኸኣ፡ እቲ ንዘለኣለም ዚነግስ፡ ቅድሚ ነዊሕ እዋን መብጽዓ እተገብረሉ ንጉስ እዩ ነይሩ። ንሱ ወዲ ኣምላኽ እዩ፣ ኣምላኽ ድማ ንህይወት ወዱ ኻብ ሰማይ ናብ ማሕጸን ማርያም ኣመሓላለፎ።

ማርያም ነቲ ዜገርም መዝነት ብትሕትና ተቐበለቶ። ዮሴፍ ሕጹያ፡ ጸራቢ ነበረ። መልኣኽ ናብኡ ኸይዱ፡ ማርያም ብኸመይ ከም ዝጠነሰት ምስ ነገሮ ድማ፡ ሰበይቱ ኽትኰኖ ወሰዳ። እቲ መሲሕ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዚውለድ ተነጊሩ ዝነበረ ትንቢት ደኣኸ ብኸመይ እዩ ተፈጺሙ፧ (ሚክያስ 5:2) ቤት-ልሄም 140 ኪሎ ሜተር ዚኣክል እያ ርሒቓ እትርከብ ነይራ!

ሓደ ሮማዊ ገዛኢ፡ ቈጸራ ህዝቢ ኺግበር ኣዋጅ ኣውጽአ። ኵሎም ሰባት ናብ መበቈል ዓዶም ከይዶም ኪምዝገቡ ትእዛዝ ተዋህቦም። ዓዲ ዮሴፍን ማርያምን ቤት-ልሄም ክትከውን ኣለዋ፣ ስለዚ ድማ ዮሴፍ ንጥንስቲ ሰበይቱ ሒዙ ናብ ቤት-ልሄም ከደ። (ሉቃስ 2:3) ማርያም ኣብ ደምበ ሓረሰት፡ ነቲ ሕጻን ድማ ኣብ መብልዕ ማል ገበረቶ። ሽዑ ኣምላኽ፡ እቲ ሕጻን፡ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ምዃኑ ንምሕባር፡ ኣብ መሮር ንዝነበሩ ጓሶት፡ መላእኽቱ ለኣኸሎም።

ካልኦት እውን ጸኒሖም፡ የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ ምዃኑ መስከሩ። ሓደ ሰብኣይ ነቲ ኣገዳሲ ዕዮ መሲሕ መገዲ ንምጽራግ ከም ዚዓዪ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ተነብዩ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 40:3) እቲ ጸራግ መገዲ እቲ፡ ዮሃንስ መጥምቕ እዩ ነይሩ። ንሱ ንየሱስ ምስ ረኣዮ፡ “እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” በለ። ገሊኦም ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ብኡንብኡ ንየሱስ ሰዓብዎ። ሓደ ኻባታቶም፡ “ንመሲህ . . . ረኺብናዮ” ኢሉ ተዛረበ።—ዮሃንስ 1:29, 36, 41

የሱስ መሲሕ ምዃኑ ዜረጋግጽ፡ ተወሳኺ ምስክርነት እውን ተዋሂቡ እዩ። ዮሃንስ ንየሱስ ኬጠምቖ ኸሎ፡ የሆዋ ባዕሉ ኻብ ሰማይ ተዛረበ። ብመንፈስ ቅዱሱ ኣቢሉ ንየሱስ ከም መሲሕ ገይሩ ምስ ቀብኦ፡ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” በለ። (ማቴዎስ 3:16, 17) እቲ ቕድሚ ነዊሕ እዋን መብጽዓ እተገብረሉ መሲሕ መጸ!

እዚ መዓስ እዩ ዀይኑ፧ እተን ዳንኤል ብትንቢት እተዛረበለን 483 ዓመት ምስ ኣብቀዓ፡ ብ29 ድ.ክ. እዩ ተፈጺሙ። እዚ ሓደ ኻብቲ፡ የሱስ መሲሕ ወይ ክርስቶስ ምዃኑ ዜረጋግጽ ሓያሎ መርትዖታት እዩ። ኣብ ምድሪ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ግን፡ እንታይ መልእኽቲ እዩ ኣዊጁ፧

—ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 1 ኽሳዕ 3፣ ማርቆስ ምዕራፍ 1፣ ሉቃስ ምዕራፍ 2፣ ዮሃንስ ምዕራፍ 1 እተመስረተ።