ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፋል 21

የሱስ ህያው ኰነ

የሱስ ህያው ኰነ

የሱስ ንሰዓብቱ ተራእዮም፡ መምርሕን መተባብዕን ድማ ሃቦም

ካብታ የሱስ ዝሞተላ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ፡ ገሊአን ደቀ መዛሙርቱ ዝዀና ኣንስቲ፡ እቲ ንመቓብሩ ዚኸድን እምኒ ተገልቢጡ ጸንሐን። እቲ መቓብር እውን ጥራዩ ነበረ።

ክልተ መላእኽቲ ነተን ኣንስቲ ተራእይወን። እቲ ሓደ ድማ፡ “ነቲ እተሰቕለ የሱስ ናዝራዊ ትደልያ አሎኽን። ተንሲኡ” በለን። (ማርቆስ 16:6) እተን ኣንስቲ ተቐላጢፈን ንሃዋርያት ኪነግራኦም ጐየያ። ኣብ መገዲ፡ የሱስ ተጓነፈን። ንሱ ድማ፡ “ኣይትፍርሃ፡ ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፡ ኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም” በለን።—ማቴዎስ 28:10

ድሕሪ እተወሰነ ግዜ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኻብ የሩሳሌም ናብ ኤማሁስ እትበሃል ዓዲ ይኸዱ ነበሩ። ሓደ ጋሻ ምሳታቶም እናኸደ፡ ብዛዕባ እንታይ ይዘራረቡ ኸም ዘለዉ ሓተቶም። እቲ ጋሻ ኣብ መጀመርታ ኼለልይዎ ብዘይክእሉ መልክዕ መጺኡ ደኣ እምበር፡ እቲ ኻብ ሞት ዝተንስአ የሱስ እዩ ነይሩ። ኣብ ገጾም ጓሂ እናተነበ፡ ብዛዕባ የሱስ ይዘራረቡ ኸም ዘለዉ ነገርዎ። እቲ ጋሻ ነቲ ንመሲሕ ዚምልከት ኣብ ኵሉ ቕዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ሓሳባት ገለጸሎም። እወ፡ የሱስ ንዅሉ እቲ ንመሲሕ ዚምልከት ትንቢታት ብዝርዝር ፈጺምዎ እዩ። * እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እቲ ጋሻ መንፈስ ኰይኑ ዝተንስአ የሱስ ምዃኑ ምስ ፈለጡ፡ ንሱ ኻባታቶም ተሰወረ።

እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ብኡንብኡ ናብ የሩሳሌም ተመልሱ። ኣብኡ ኸኣ፡ ሃዋርያት ኣብ ዕጽውቲ ቤት ጸንሕዎም። እቶም ክልተ ዘጋጠሞም ከዘንትዉ ኸለዉ፡ የሱስ ተራእዮም። እቶም በዚ እተደነቑ ሰዓብቱ፡ ዝረኣይዎ ኺኣምኑ ኣይከኣሉን። የሱስ ከኣ፡ “ከምዚ ዝበለ ሓሳብከ ስለምንታይ ኣብ ልብኹም ይለዐል፧” በሎም። ኣስዕብ ኣቢሉ፡ “ክርስቶስ ሓሳረ መከራ ኺጸግብ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲውን ካብ ምዉታት ኪትንስእ” ከም ዚግባእ ነገሮም።—ሉቃስ 24:38, 46

የሱስ ካብታ ዝተንስኣላ መዓልቲ ኣትሒዙ፡ ን40 መዓልቲ ኣብ እተፈላለየ ኣጋጣሚታት ንደቀ መዛሙርቱ ተራእዮም። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ ንልዕሊ 500 ተራእዮም። ምናልባት ከኣ ኣብቲ ግዜ እቲ እዩ ዚኸውን፡ “ኪዱ ንዅሎም ኣህዛብ . . . ዝአዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ . . . እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ብምባል ከቢድ ዕዮ ዝሃቦም።—ማቴዎስ 28:19, 20

ኣብቲ ምስቶም 11 እሙናት ሃዋርያቱ ንመወዳእታ ግዜ እተራኸበሉ ኣጋጣሚ፡ “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ . . . ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም። (ግብሪ ሃዋርያት 1:8) ድሕሪኡ፡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ደበና ድማ ጋረዶ።

—ኣብ ማቴዎስ ምዕራፍ 28፣ ማርቆስ ምዕራፍ 16፣ ሉቃስ ምዕራፍ 24፣ ዮሃንስ ምዕራፍ 20ን 21ን፣ 1 ቈረንቶስ 15:5, 6 እተመስረተ።

^ ሕ.ጽ. 6 ገለ ኻብቲ ኣብ የሱስ እተፈጸመ መሲሓዊ ትንቢታት ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ክፋል 14ክፋል 15ክፋል 16፡ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ከምኡውን ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረናዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ “የሱስ ክርስቶስእቲ ተስፋ እተገብረሉ መሲሕ” ርአ።