ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፋል 23

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተዘርግሐ

ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ተዘርግሐ

ጳውሎስ ብምድርን ብባሕርን ናይ ስብከት ጕዕዞታት ገበረ

ጳውሎስ ክርስትያን ምስ ኰነ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብውዕዉዕ መንፈስ ሰበኸ። ነዚ ሓደ እዋን ተጻራሪ ዝነበረ ሰብ ድማ፡ ብርቱዕ ምጽራር ኣጋጠሞ። እዚ ዘይደክም ሃዋርያ እዚ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ፡ ማለት ብዛዕባ እታ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዝነበሮ ዕላማ እትፍጽም መንግስቲ ንምስባኽ፡ እተፈላለየ ናይ ስብከት ጕዕዞታት ገይሩ እዩ።

ጳውሎስ ኣብ ቀዳማይ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ፡ ኣብ ልስጥራ ንሓደ ኻብ ዚውለድ ኣትሒዙ ልሙስ ዝነበረ ሰብኣይ ኣሕወዮ። እቶም ህዝቢ ነዚ ምስ ረኣዩ፡ ጳውሎስን እቲ መጋይሽቱ ዝነበረ በርናባስን ኣማልኽቲ ኸም ዝዀኑ ኺጭድሩ ጀመሩ። እቶም ክልተ ሰብኡት ግን፡ መስዋእቲ ንኸይቀርበሎም ብሓይለ ገደል ከልከልዎም። እቶም ህዝቢ ብጸላእቲ ጳውሎስ ምስ ተጸልዉ ግን፡ ጸኒሖም ንጳውሎስ ብእምኒ ፈጽፈጽዎ፡ ዝሞተ መሲልዎም ድማ ሓዲጎምዎ ኸዱ። ጳውሎስ ካብ ሞት ድሒኑ፡ ናብታ ኸተማ ተመልሰ፡ ንደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ብዜተባብዕ ቃላት ኣበራትዖም።

ገሊኦም ኣይሁድ ክርስትያናት፡ ኣይሁድ ዘይኰኑ ኣመንቲ ንሕጊ ሙሴ ኬኽብሩ ኸም ዘለዎም ተማጐቱ። ጳውሎስ ነዚ ሕቶ እዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ኣቕረቦ። ንሳቶም ድማ ተጠንቂቖም ቅዱሳት ጽሑፋት ድሕሪ ምምርማሮምን ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ዚህቦም መምርሒ ድሕሪ ምቕባሎምን፡ ነተን ጉባኤታት ጸሓፉለን፡ ካብ ኣምልኾ ጣኦትን ደምን ሕኑቕን ዝሙትን ኪርሕቃ ኸኣ መዓድወን። እዚ ትእዛዝ እዚ “እተገብኤ” ነበረ፣ ክርስትያናት ነዚ ንኺሕልዉ ድማ፡ ሕጊ ሙሴ ኺሕልዉ ኣየድለዮምን።ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29

ጳውሎስ ኣብ ካልኣይ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ፡ ናብታ ሕጂ ኣብ ግሪኽ እትርከብ ቤርያ በጽሐ። እቶም ኣብኡ ዚነብሩ ዝነበሩ ኸኣ፡ ነቲ ትምህርቱ ንምርግጋጽ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልታዊ እናመርመሩ፡ ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ። ኣብቲ ግዜ እቲ እውን፡ ምጽራር ስለ ዘጋጠሞ፡ ናብ ኣቴና ኪኸይድ ተገደደ። ኣብኡ ኣብ ቅድሚ ምሁራት ሰብ ኣቴና ደው ኢሉ ኸኣ፡ ሜላን ምስትውዓልን ክእለት ዘረባን ዜርኢ ሓያል መደረ ኣቕረበ።

ጳውሎስ ሳልሳይ ናይ ስብከት ጕዕዞኡ ድሕሪ ምግባሩ፡ ናብ የሩሳሌም ተመልሰ። ኣብኣ ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ከደ፡ ገሊኦም ኣይሁድ ኪቐትልዎ ደልዮም፡ ናዕቢ ኣለዓሉ። ወተሃደራት ሮሜ ጣልቃ ኣትዮም፡ ንጳውሎስ መርመርዎ። ሮማዊ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ብሮሜ እተሸመ ፌሊክስ ዚበሃል ምስለኔ ንጕዳዩ ተማጐተ። እቶም ኣይሁድ ነቲ ዘቕረቡሉ ኽሲ ዚድግፍ መርትዖ ኣይረኸቡን። ጸኒሑ፡ ፌስጦስ ዚበሃል ካልእ ምስለኔ ንጳውሎስ ናብ ኣይሁድ ኣሕሊፉ ኺህቦ ምስ ሓሰበ፡ ጳውሎስ፡ “ናብ ቄሳር ይግባኝ፡ ኢለ አሎኹ” በለ። ፌስጦስ ከኣ፡ “ናብ ቄሳር ክትከይድ ኢኻ” በሎ።—ግብሪ ሃዋርያት 25:11, 12

ድሕሪኡ ጳውሎስ ንኺፍረድ፡ ብመርከብ ናብ ኢጣልያ ኸደ። ኣብ ጕዕዞኡ፡ እታ ዝነበራ መርከብ ተሰብረት፡ ኣብ ደሴት መሊጠ ድማ ቈራሪ ወርሓት ኬሕልፍ ተገደደ። ኣብ መወዳእታ፡ ናብ ሮሜ ምስ በጽሐ፡ ኣብ እተኻረያ ቤት ንኽልተ ዓመት ጸንሐ። ብወተሃደር ይሕሎ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም ኪበጽሕዎ ዝመጹ ሰባት ካብ ምእዋጅ ግን ኣየቋረጸን።

—ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 11:22–28:31 እተመስረተ።