ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ​—ሓፈሻዊ ትሕዝቶ

መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ​—ሓፈሻዊ ትሕዝቶ
  1. የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ኣብ ገነት ንዘለኣለም ኪነብሩ ኢሉ ፈጠሮም። ሰይጣን ንስም ኣምላኽ ኣጸለሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ንኺገዝእ ዘለዎ መሰል ድማ ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። ኣዳምን ሄዋንን ኣብቲ ዕልወት ንሰይጣን ሓበርዎ፣ እዚ ድማ ኣባታቶምን ኣብ ዘርኦምን ሓጢኣትን ሞትን ኣምጽአ

  2. የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ፈረዶም፣ ንሰይጣን ዚጭፍልቕ፡ ንዅሉ ሳዕቤናት ዕልወትን ሓጢኣትን ከኣ ዜዐሪ መድሓኒ ወይ ዘርኢ ኸም ዚመጽእ እውን ተመባጽዐ

  3. የሆዋ ንኣብርሃምን ንዳዊትን፡ ኣባሓጎ እቲ ንዘለኣለም ዚነግስ ዘርኢ ወይ መሲሕ ከም ዝዀኑ ተመባጽዓሎም

  4. የሆዋ ንነብያት ብዛዕባ እቲ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ዜድሕን መሲሕ ንኺንበዩ ብመንፈሱ ደረኾም። እቲ መሲሕ ምስ መጋዝእቱ ሓቢሩ፡ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኰይኑ ኺገዝእን ንውግእን ሕማምን ሞትን መወዳእታ ኺገብረሉን እዩ

  5. የሆዋ ንወዱ ናብ ምድሪ ለኣኾ፡ መሲሕ ምዃኑ ድማ ሓበረ። የሱስ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ሰበኸ፡ ህይወቱ ድማ መስዋእቲ ገይሩ ኣቕረበ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ መንፈሳዊ ህይወት ብምሃብ ኣተንስኦ

  6. የሆዋ ንወዱ ኣብ ሰማይ ኣንገሶ፣ እዚ ድማ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ኸም ዝጀመረ ይሕብር። የሱስ ንምድራውያን ሰዓብቱ ኣብቲ ዓለምለኻዊ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ይመርሖም ኣሎ

  7. የሆዋ ንወዱ፡ ንምድሪ ንኺገዝኣ መምርሒ ምስ ሃቦ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሎም እኩያት መንግስትታት ጨፍሊቓ፡ ንምድሪ ገነት ክትገብራን ንእሙናት ደቂ ሰብ ናብ ፍጽምና ኸተብጽሖምን እያ። የሆዋ ንኺገዝእ ዘለዎ መሰል ኪረጋገጽ፡ ስሙ ድማ ንዘለኣለም ኪቕደስ እዩ