ክፍሊ 4
ንሰይጣን ሰምዕዎ—እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧
ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዙ፡ ሞቱ። ዘፍጥረት 3:6, 23
ሄዋን ነቲ ተመን ሰምዓቶ፡ ካብ ፍረ እታ ኦም ድማ በልዐት። ድሕሪኡ፡ ንኣዳም ሃበቶ፡ ንሱ እውን በልዐ።
እቲ ዝገበርዎ ነገር ጌጋ እዩ ነይሩ፣ ሓጢኣት እዮም ገይሮም። ኣምላኽ ከኣ ካብታ ገነታዊት መንበሪቶም ሰጐጎም።
ንሳቶምን ደቆምን ኣጸጋሚ ህይወት ኪነብሩ ጀመሩ። ኣሪጎም ሞቱ። ናብ መንፈሳዊ ዓለም ኣይከዱን፣ የግዳስ፡ ካብ ህልውና ኣቋረጹ።