ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፍሊ 4

ንሰይጣን ሰምዕዎ—እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧

ንሰይጣን ሰምዕዎ—እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧

ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዙ፡ ሞቱ። ዘፍጥረት 3:6, 23

ሄዋን ነቲ ተመን ሰምዓቶ፡ ካብ ፍረ እታ ኦም ድማ በልዐት። ድሕሪኡ፡ ንኣዳም ሃበቶ፡ ንሱ እውን በልዐ።

እቲ ዝገበርዎ ነገር ጌጋ እዩ ነይሩ፣ ሓጢኣት እዮም ገይሮም። ኣምላኽ ከኣ ካብታ ገነታዊት መንበሪቶም ሰጐጎም።

ንሳቶምን ደቆምን ኣጸጋሚ ህይወት ኪነብሩ ጀመሩ። ኣሪጎም ሞቱ። ናብ መንፈሳዊ ዓለም ኣይከዱን፣ የግዳስ፡ ካብ ህልውና ኣቋረጹ።

ምዉታት ናብ መሬት ስለ ዚምለሱ፡ ህይወት የብሎምን። ዘፍጥረት 3:19

ኵላትና ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ስለ ዝዀንና ኢና እንመውት። ምዉታት ኪርእዩ፡ ኪሰምዑ፡ ወይ ዝዀነ ይኹን ነገር ኪገብሩ ኣይክእሉን እዮም።—መክብብ 9:5, 10

የሆዋ ንደቂ ሰብ ኪሞቱ ኢሉ ኣይኰነን ፈጢርዎም። ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ ንምዉታት ኬተንስኦም እዩ። ንዕኡ እንተ ሰሚዖምዎ ኸኣ፡ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።