ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፍሊ 5

ማይ ኣይሂ—መን ሰሚዖም፧ መንከ ኣይሰምዑን፧

ማይ ኣይሂ—መን ሰሚዖም፧ መንከ ኣይሰምዑን፧

ብግዜ ኖህ ዝነበሩ መብዛሕትኦም ሰባት ክፉእ ገበሩ። ዘፍጥረት 6:5

ኣዳምን ሄዋንን ውሉዳት ወለዱ፣ ሰባት ከኣ ኣብ ምድሪ ኺበዝሑ ጀመሩ። ድሕሪ ግዜ፡ ገለ መላእኽቲ ምስ ሰይጣን ሓቢሮም ዓለዉ።

ንኣንስቲ ምእንቲ ኺምርዓዉ፡ ናብ ምድሪ መጺኦም ስጋ ሰብ ለበሱ። እተን ኣንስቲ፡ ልዕለ ሰብኣዊ ሓይሊ ዘለዎም ጨካናትን ብርቱዓትን ኣወዳት ወለዳ።

ምድሪ ኸኣ፡ እከይ ብዚገብሩ ሰባት መልአት። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “የሆዋ ኸኣ፡ ክፍኣት ሰብ ኣብ ምድሪ ኸም ዝበዝሐን ኵሉ ዝንባለ ሓሳባት ልቡ ድማ ወትሩ ኽፉእ ጥራይ ከም ዝዀነን ረኣየ” ይብለና።

ኖህ ንኣምላኽ ሰሚዑ፡ መርከብ ሰርሐ። ዘፍጥረት 6:13, 14, 18, 19, 22

ኖህ፡ ጻድቕ ሰብ እዩ ነይሩ። የሆዋ ንኖህ፡ ንእኩያት ሰባት ብማይ ኣይሂ ኸም ዜጥፍኦም ነገሮ።

ኣምላኽ ንኖህ፡ ዓባይ መርከብ ሰሪሑ፡ ንስድራ ቤቱን ንእተፈላለዩ ዓይነት እንስሳታትን ናብኣ ኼእቱ ነገሮ።

ኖህ ንሰባት ብዛዕባ ማይ ኣይሂ ኣጠንቀቖም፣ ንሳቶም ግና ኣይሰምዕዎን። ገሊኦም ኣላገጹሉ፡ ገሊኦም ከኣ ጸልእዎ።

እታ መርከብ ተሰሪሓ ምስ ተወድአት፡ ኖህ ንእንስሳታት ናብኣ ኣእተወ።