ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክፍሊ 6

ካብ ማይ ኣይሂ እንታይ ንምሃር፧

ካብ ማይ ኣይሂ እንታይ ንምሃር፧

ኣምላኽ ነቶም እኩያት ኣጥፍኦም፡ ንኖህን ንስድራ ቤቱን ግና ኣድሓኖም። ዘፍጥረት 7:11, 12, 23

ን40 መዓልትን ን40 ለይትን ብርቱዕ ዝናም ዘነመ፣ ብዘላ ምድሪ ኸኣ ብማይ ኣዕለቕለቐት። ኵሎም እኩያት ሰባት ድማ ሞቱ።

እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ነቲ ስጋዊ ኣካሎም ሓዲጎም ከዱ፣ ኣጋንንቲ ድማ ኰኑ።

እቶም ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ደሓኑ። ድሕሪ ግዜ፡ ኖህን ስድራ ቤቱን ሞይቶም እዮም፣ ኣምላኽ ግና ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ብምሃብ፡ ኬተንስኦም እዩ።

ሎሚ እውን፡ ኣምላኽ ነቶም እኩያት ኣጥፊኡ፡ ነቶም ጻድቃን ኬድሕኖም እዩ። ማቴዎስ 24:37-39

ሰይጣንን ኣጋንንትን ንሰባት የስሕቱ ኣለዉ።

ከምቶም ብግዜ ኖህ ዝነበሩ ሰባት፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት እውን ንፍቕራዊ መምርሒ የሆዋ ይነጽግዎ ኣለዉ። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ የሆዋ ንዅሎም እኩያት ሰባት ኬጥፍኦም እዩ።—2 ጴጥሮስ 2:5, 6

ገሊኦም ሰባት ከም ኖህ እዮም። ንኣምላኽ ይሰምዕዎን ዝበሎም ይገብሩን ኣለዉ፣ እዚኣቶም ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም