ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 1

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበሉ ሰባት እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበሉ ሰባት እዮም፧

ደንማርክ

ታይዋን

ቨነዝወላ

ህንዲ

ክንደይ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትፈልጥ፧ ገሌና ጐረባብትኻ፡ መሳርሕትኻ፡ ወይ መማህርትኻ ኽንከውን ንኽእል ኢና። ወይ ከኣ ምሳኻ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ተመያይጥና ንኸውን። ብሓቂ እንታዎት ኢና፧ ንሰባት ብዛዕባ እምነታትና እንነግሮምከ ስለምንታይ ኢና፧

ተራ ሰባት ኢና። እተፈላለየ ኣተዓባብያን ማሕበራዊ ዅነታትን ዘሎና ኢና። ገሌና እተፈላለየ ሃይማኖት እዩ ነይሩና፣ ገሌና ድማ ብኣምላኽ ኣይንኣምንን ኢና ኔርና። ይኹን እምበር፡ ኵላትና፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅድሚ ምዃንና፡ ግዜ መዲብና ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብጥንቃቐ መርሚርናዮ ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ነቲ እተምሃርናዮ ምስ ኣመንናሉ ድማ፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ከነገልግል ብሕታዊ ውሳነ ጌርና ኢና።

መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ ንጥቀም ኢና። ከም ካልኦት፡ ምስ ጸገማትን ምስ ናይ ገዛእ ርእስና ድኽመታትን ንቃለስ ኢና። ኰይኑ ግና፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ብምጽዓር፡ ህይወትና ኣጸቢቕና ኸነመሓይሽ ክኢልና ኢና። (መዝሙር 128:1, 2) ነቲ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተምሃርናዮ ጽቡቕ ነገራት ንኻልኦት ከነካፍሎም እንደልየሉ ሓደ ምኽንያት እውን እዚ እዩ።

ብስርዓታት ኣምላኽ ንመላለስ ኢና። እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓታት እዚ፡ ጽቡቕ ክንረክብን ንኻልኦት ኣኽብሮት ኪህልወናን የኽእለና፣ ከም ቅንዕናን ለውሃትን ዝኣመሰለ ባህርያት ድማ የተባብዕ። ጥዑይን ኣፍራይን ሕብረተሰብ ኪህሉ ኣበርክቶ ይገብር፣ ሓድነት ስድራ ቤትን ስነ ምግባራዊ ንጽህናን ድማ የተባብዕ። “ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ” ስለ እንኣምን፡ ኣባላት እቲ ኻብ ዓሌታውን ፖለቲካውን ክፍፍል ናጻ ዝዀነ ዓለምለኻዊ መንፈሳዊ ሕውነት ኢና። ተራ ሰባት እኳ እንተ ዀንና፡ ፍሉይ ህዝቢ ኢና።—ግብሪ ሃዋርያት 4:13፣ 10:34, 35

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ካልኦት ዜመሳስሎም እንታይ እዩ፧

  • ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ስርዓታት እዮም ተማሂሮም፧