ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 2

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና እንጽዋዕ ስለምንታይ ኢና፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና እንጽዋዕ ስለምንታይ ኢና፧

ኖህ

ኣብርሃምን ሳራን

ሙሴ

የሱስ ክርስቶስ

ብዙሓት ሰባት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪብሃል ከሎ፡ ስም ሓድሽ ሃይማኖት ይመስሎም። ልዕሊ 2,700 ዓመት ይገብር ግና፡ እቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኣገልገልቱ፡ “መሰኻኽረይ” ኢሉ ጸዊዕዎም እዩ። (ኢሳይያስ 43:10-12) ክሳዕ 1931፡ ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ተባሂልና ኢና እንፍለጥ ኔርና። ስለምንታይ ደኣ ኢና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂልና ኽንጽዋዕ ጀሚርና፧

ንመን ከም እነምልኽ ይገልጽ። ብመሰረት ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት፡ እቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሽሓት ግዜ ይርከብ እዩ። ኣብ ሓያሎ ትርጉማት፡ እዚ ስም እዚ ብኸም እኒ እግዚኣብሄር፡ ጐይታ፡ ወይ ኣምላኽ ዚብል መዓርጋት ተተኪኡ ኣሎ። እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ግና፡ “እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ” ብምባል፡ በቲ የሆዋ ዚብል ብሕታዊ ስሙ ንሙሴ ተገሊጹሉ እዩ። (ዘጸኣት 3:15) በዚ ኸምዚ፡ ገዛእ ርእሱ ኻብ ኵሎም ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ፈልዩ እዩ። በቲ ቕዱስ ስም ኣምላኽ ክንጽዋዕ ምኽኣልና የሐብነና እዩ።

ዕዮና እንታይ ምዃኑ ይገልጽ። ካብቲ ጻድቕ ኣቤል ኣትሒዞም ዝነበሩ ብዙሓት ጥንታውያን ሰባት፡ ብዛዕባ እታ ኣብ የሆዋ ዝነበረቶም እምነት መስኪሮም እዮም። ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ዘመናት፡ ከም እኒ ኖህን ኣብርሃምን ሳራን ሙሴን ዳዊትን ካልኦትን ምስቶም “ደበና መሰኻኽር” ተጸምቢሮም እዮም። (እብራውያን 11:4–12:1) ከምቲ ሓደ ሰብ ኣብ ቤት ፍርዲ ቐሪቡ ንሓደ ንጹህ ሰብ ዚምስክረሉ፡ ብዛዕባ ኣምላኽና ሓቂ ኸነፍልጥ ቈሪጽና ኢና።

ንየሱስ ንመስሎ ኣለና። መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ፡ “እሙንን ናይ ሓቅን ምስክር” ኢሉ ይጽውዖ እዩ። (ራእይ 3:14) የሱስ ባዕሉ እውን፡ ‘ስም ኣምላኽ ከም ዘፍለጠን’ ብዛዕባ ኣምላኽ ‘ሓቂ ኸም ዚምስክርን’ ተዛሪቡ እዩ። (ዮሃንስ 17:26፣ 18:37) እምበኣር፡ ናይ ሓቂ ሰዓብቲ ክርስቶስ ብስም የሆዋ ኺጽውዑ፡ ነዚ ስም እዚ ድማ ኬፍልጡ ኣለዎም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምኡ ኺገብሩ እዮም ዚጽዕሩ ዘለዉ።

  • ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ኪጽውዑ ዝጀመሩ ስለምንታይ እዮም፧

  • የሆዋ ኻብ መዓስ ኣትሒዙ እዩ ኣብ ምድሪ መሰኻኽር ዝነበርዎ፧

  • እቲ ዝዓበየ ምስክር የሆዋ መን እዩ፧