ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 4

ትርጉም ሓዳስ ዓለም ስለምንታይ ኣዳሊና፧

ትርጉም ሓዳስ ዓለም ስለምንታይ ኣዳሊና፧

ኮንጎ (ኪንሻሳ)

ሩዋንዳ

ኣብ መዝሙር 69:31 መለኮታዊ ስም ዝሓዘ፡ ኣብ ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ቝራጽ ሲመከስ

ንሓያሎ ዓመታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞምን ሓቲሞምን ዘርጊሖምን እዮም። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ንሰባት፡ “ልክዕ ፍልጠት ሓቂ” ኺምሃሩ ብዝያዳ ኺሕግዞም ዚኽእል ሓድሽ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚብና ኢና፣ እዚ ድማ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ስለዚ፡ ብ1950፡ ገለ ኽፋል እቲ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዚብሃል ብዘመናዊ ቛንቋ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ከነውጽእ ጀሚርና። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብልዕሊ 130 ቋንቋ ብትኽክልን ብልክዕን ተተርጒሙ ኣሎ።

ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድለየ። ቋንቋ በብግዜኡ ይቕየር እዩ፣ ሓያሎ ትርጉማት ከኣ፡ ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ዝዀነ ዘይፍለጥ ወይ ብሉይ ቃላት ሒዙ ኣሎ። ዝያዳ ልክዕነት ዘለዎን ምስቲ በዅሪ ጽሑፍ ዚቀራረብን ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ስለ እተረኽበ እውን፡ ብዛዕባ እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ቛንቋታት እብራይስጥን ኣራማይስጥን ግሪኽኛን ዝሓሸ ግንዛበ ኺርከብ ተኻኢሉ እዩ።

ንቓል ኣምላኽ ብልክዕ ዜመሓላልፍ ትርጉም ኣድለየ። ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓላት ከም ድላዮም ኣብ ክንዲ ዚትርጕምዎ፡ ነቲ በዅሪ ጽሑፋት ብልክዕ ዜመሓላልፍ ገይሮም ኪትርጕምዎ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ትርጉማት፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይተጠቕመሉን።

ነቲ ደራሲኡ ውዳሰ ዜምጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድለየ። (2 ሳሙኤል 23:2) ትርጉም ሓዳስ ዓለም፡ ነቲ ኣብ ናይ ጥንቲ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ 7,000 ሳዕ ኣቢሉ ዚርከብ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ መሊስዎ ኣሎ፣ ሓደ ኣብነት ካብዚ ኢደ ጽሑፋት እዚ ኣብ ታሕቲ ኺርአ ይከኣል እዩ። (መዝሙር 83:18) እዚ ንዓመታት ብርቱዕ ጻዕሪ እተገብረሉ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ንምንባቡ ባህ ዜብልን ሓሳብ ኣምላኽ ብንጹር ዜመሓላልፍን እዩ። ብቛንቋኻ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ዘሎካ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ ቃል የሆዋ መዓልቲ መዓልቲ ናይ ምንባብ ጽቡቕ ልማድ ኪህልወካ ነተባብዓካ።—እያሱ 1:8፣ መዝሙር 1:2, 3

  • ሓድሽ ትርጉም መጽሓፍ ቅዱስ ከነዳሉ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

  • ፍቓድ ኣምላኽ ኪፈልጥ ዚደሊ ዘበለ መዓልቲ መዓልቲ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧