ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 6

ምስ ክርስትያን ብጾትና ምሕባርና ብኸመይ ይጠቕመና፧

ምስ ክርስትያን ብጾትና ምሕባርና ብኸመይ ይጠቕመና፧

ማዳጋስካር

ኖርወይ

ሊባኖስ

ኢጣልያ

ዋላ እውን ጣሻ ኣቋሪጽና ወይ ሕማቕ ኵነታት ኣየር ተጻዊርና፡ ኣዘውቲርና ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ንእከብ ኢና። ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ህይወቶም ጸገማት ዜሕልፉን ብመዓልታዊ ስራሖም ዚደኽሙን ክነሶም፡ ምስ ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾቶም ኪሓብሩ ጻዕሪ ዚገብሩ ስለምንታይ እዮም፧

ንጥቕምና እዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እቶም ኣብ ጉባኤ እንረኽቦም ብጾትና ኺዛረብ ከሎ፡ “ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል” በለ። (እብራውያን 10:24) እዚ መግለጺ እዚ፡ ንሓድሕድና ኽንተሓላለ፡ ወይ ንሓድሕድና ኣጸቢቕና ኽንፋለጥ ዚእምት እዩ። ስለዚ፡ ቃላት እቲ ሃዋርያ፡ ብዛዕባ ኻልኦት ተገዳስነት ኪህልወና የተባብዕ። ምስ ካልኦት ክርስትያን ስድራ ቤታት ኣጸቢቕና ምስ እንፋለጥ፡ ገሊኣቶም ከም ናትና ዝበለ ብድሆታት ብዓወት ከም ዝሰገሩን ንሕና እውን ብዓወት ክንሰግሮ ኺሕግዙና ኸም ዚኽእሉን ክንግንዘብ ኢና።

ነባሪ ዕርክነት ይሃንጽ። ኣብ ኣኼባታትና፡ ሌላ ምስ ዘሎና ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ናይ ቀረባ ዕርክነት ምስ ዘሎና ሰባት እውን ኢና እንእከብ። ኣብ ካልእ እዋናት እውን፡ ምሳታቶም ሓቢርና ብጥዑይ መዘናግዒ ንዘናጋዕ ኢና። እዚ ሕብረት እዚ እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ ንሓድሕድና ንከባበር፣ እዚ ኸኣ ንፍቕርና የደልድሎ። ሽዑ፡ ብጾትና ጸገማት ኬጓንፎም ከሎ፡ ድልዱል ዕርክነት ስለ ዝሰረትና፡ ብፍታው ንሕግዞም። (ምሳሌ 17:17) ምስ ኵሎም ኣባላት ጉባኤና ብምሕባር፡ ‘ንሓድሕድና ኸም እንተሓላለ’ ነርኢ።—1 ቈረንቶስ 12:25, 26

ነቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ ዘለዉ፡ ፈተውትኻ ኽትገብሮም ነተባብዓካ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ፈተውቲ፡ ኣብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትረክብ ኢኻ። ምሳና ኻብ ምሕባር፡ ሓደ እኳ ኺዓግተካ ኣይትፍቀድ።

  • ኣብ ኣኼባታት ምስ ካልኦት ምሕባር ንጥቕምና ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • ምስ ጉባኤና መዓስ ክትላለ ትደሊ፧