ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 7

ኣኼባታትና ኸመይ ይመስል፧

ኣኼባታትና ኸመይ ይመስል፧

ኒው ዚላንድ

ጃፓን

ኡጋንዳ

ሊትወይንያ

ቀዳሞት ክርስትያናት ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት፡ ብዓብይኡ መዝሙራትን ጸሎትን ንባብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ብዛዕባኡ ዚግበር ምይይጥን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ፣ ሃይማኖታዊ ጽምብል ከኣ ኣይነበሮን። (1 ቈረንቶስ 14:26) ኣብ ኣኼባታትና እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዘሎ።

እቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱሳውን ግብራውን እዩ። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ህይወትናን ብዛዕባ ግዜናን እንታይ ከም ዚብል ዚገልጽ 30 ደቂቕ ዚወስድ ህዝባዊ መደረ ንምስማዕ ትእከብ እያ። ኵላትና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ኽንከታተል ንተባባዕ ኢና። ድሕሪ እቲ መደረ፡ ሓደ ሰዓት ዚወስድ መጽናዕቲ “ግምቢ ዘብዐኛ” ኣሎ፣ ኣብኡ ኸኣ፡ ኣባላት ጉባኤ ኣብቲ ኣብ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ዓንቀጽ ተመርኲስካ ኣብ ዚግበር ምይይጥ ኪሳተፉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ምይይጥ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መምርሒ ኣብ ህይወትና ኸነውዕሎ ይሕግዘና። ኣብተን ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከባ ልዕሊ 110,000 ጉባኤታት ሕደ ትምህርቲ እዩ ዚጽናዕ።

ክእለት ኣመሃህራና ኸነመሓይሽ ንሕገዝ። ኣብ መንጎ ሰሙን ሓደ ምሸት ከኣ፡ ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን ዚብሃል ኣብታ ኣብ ወወርሒ እትወጽእ ደብተር ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን እተመርኰሰ ሰለስተ ኽፋል ዘለዎ ኣኼባ ንገብር ኢና። እቲ ቐዳማይ ክፋል፡ “ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ” ዚብሃል ኰይኑ፡ ካብቲ እታ ጉባኤ ኣቐዲማ ኣንቢባቶ ዝመጸት ክፋል መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት የቕስመና። ድሕሪኡ፡ እቲ፡ “ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ” ዚብሃል ክፋል፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ጌርና ንኻልኦት ብኸመይ ከም እነመያየጥ ዜርኢ መርኣያታት ኣለዎ። ሓደ መኻሪ ድማ ክእለት ንባብን ዘረባን ምእንቲ ኸነመሓይሽ ምኽሪ ይህበና። (1 ጢሞቴዎስ 4:13) ኣብቲ “ክርስትያናዊ ህይወት” ዚብሃል ናይ መወዳእታ ኽፋል ከኣ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ከም እንትግብሮ ንምሃር። ኣብኡ ኸኣ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ግንዛበ ዜዕምቘልና ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ ኣሎ።

ኣብ ኣኼባታትና ምስ ተኣከብካ፡ ብጽፈት እቲ ኣብኡ እትረኽቦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትምሰጥ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ኢሳይያስ 54:13

  • ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይቐርብ፧

  • ኣብ ዚቕጽል፡ ኣብ ኣየናይ ሰሙናዊ ኣኼባታትና ኽትእከብ ትደሊ፧