ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 10

ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧

ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧

ደቡብ ኮሪያ

ብራዚል

ኣውስትራልያ

ጊኒ

ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ የሆዋ ንኣባላት ስድራ ቤት፡ ብሓባር ግዜ ኼሕልፉ፡ መንፈሳውነቶም ኪሃንጹ፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክብ እውን ኬደልድሉ ይደልዮም እዩ። (ዘዳግም 6:6, 7) ስለዚ ኸኣ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምልኾ ስድራ ቤት ኣብ ሰሰሙን ግዜ ዚምድቡ። ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪብሃል ከሎ፡ ሓንቲ ስድራ ቤት ምስቲ ንዓኣ ዜድልያ ጕዳያት ብዛዕባ ዚተኣሳሰር መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ባህ ዜብል ሃዋህው እትገብሮ ምይይጥ እዩ። ዋላ እኳ በይንኻ ትነብር እንተ ዀንካ፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ግዜ፡ ብዛዕባ ዝደለኻዮ ጕዳይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናገበርካ፡ ምስ ኣምላኽ ከተሕልፎ ትኽእል ኢኻ።

ንየሆዋ ብዝያዳ እንቐርበሉ እዋን እዩ። “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።” (ያእቆብ 4:8) ካብቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል የሆዋ፡ ብዛዕባ ባህርያቱን ተግባራቱን ዝርዝር ነጥብታት ክንምሃር ከለና፡ ንዕኡ ብዝያዳ ኢና እንፈልጦ። ሓደ ኻብቲ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትጅምሩሉ ዝቐለለ መገዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ዓው ኢልኩም ብምንባብ እዩ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ፡ ምናልባት ነቲ ኣብ ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን ዚወጽእ ሰሙናዊ መደብ ክትስዕቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት፡ እተወሰነ ኽፋል ንባብ ኪውሃቦ እሞ፡ ኵላትኩም ነቲ ኻብኡ እተምሃርኩምዎ ኽትመያየጡሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ምስ ኣባላት ስድራ ቤትና ብዝያዳ እንቀራረበሉ እዋን እዩ። ሰብኡትን ኣንስትን፡ ከምኡ ድማ ወለድን ውሉዳትን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብስድራ ቤት ኬጽንዑ ኸለዉ፡ ርክቦም ይድልድል እዩ። ኣምልኾ ስድራ ቤት ዜሐጕስን ሰላማውን ኵላቶም ዚናፍቕዎን እዋን እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ወለዲ ኸከም ዕድመ ውሉዳቶም፡ ንምይይጥ ዚኸውን ግብራዊ ነጥብታት፡ ምናልባት ከኣ ካብቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ዝወጸ ዓንቀጻት ወይ ካብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ኺሓርዩ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ ንደቅኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠሞም ጸገማትን እዚ ብኸመይ ኪፍታሕ ከም ዚከኣልን ክትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ፈነወ JW (tv.pr418.com) ዚቐርብ መደብ ምስ ረኣኹም እውን ክትመያየጡሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኣኼባታት ዚዝመር መዝሙራት ክትለማመዱሉ፡ ድሕሪ ኣምልኾ ስድራ ቤት ከኣ ዚብላዕን ዚስተን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እዚ ንየሆዋ ብሓባር ኣብ ምምላኽ ዚሓልፍ ፍሉይ ግዜ እዚ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት፡ ብቓል ኣምላኽ ከም ዚድሰቱ ይገብሮም እዩ፣ ኣምላኽ እውን ንጻዕርታትኩም ኣብዚሑ ኺባርኾ እዩ።—መዝሙር 1:1-3

  • ንኣምልኾ ስድራ ቤት ግዜ እንምድብ ስለምንታይ ኢና፧

  • ወለዲ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት ባህ ዜብል ከም ዚኸውን ብኸመይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧