ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 13

ፈላሚ እንታይ እዩ፧

ፈላሚ እንታይ እዩ፧

ካናዳ

ኣብ በቤት

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ

ብሕታዊ መጽናዕቲ

እታ “ፈላሚ” እትብል ቃል ንሓደ ደኳንን ጀማርን ተመልክት እያ። የሱስ፡ ህይወት ዚህብ ኣገልግሎት ንምፍጻምን ንድሕነት መገዲ ንምኽፋትን ናብ ምድሪ ስለ እተላእከ፡ ፈላሚ ነይሩ ኺብሃል ይከኣል እዩ። (ማቴዎስ 20:28) ሎሚ፡ ሰዓብቱ፡ ‘ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባር’ ብዙሕ ግዜ ብምውፋይ ይመስልዎ ኣለዉ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ገሊኦም ኣብቲ ኣገልግሎት ፈላምነት እንብሎ ዕዮ ኺሳተፉ ኽኢሎም ኣለዉ።

ፈላሚ ናይ ምሉእ ግዜ ወንጌላዊ እዩ። ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣስፋሕቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እዮም። ገሊኣቶም ግና ኣብ ህይወቶም ምትዕርራይ ብምግባር፡ ኣብ ዕዮ ስብከት ድማ ኣብ ወወርሒ 70 ሰዓት ብምውፋይ፡ ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ከምዚ ምእንቲ ኺገብሩ ኢሎም፡ ብዙሓት ኣብ ዓለማዊ ስራሕ፡ ናይ ክፍለ ግዜ ስራሕ ጥራይ እዮም ዚሰርሑ። ገሊኦም ከኣ ኣብቲ ዝያዳ ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ዜድልዩሉ ቦታታት ኣብ ወወርሒ 130 ሰዓት ወይ ካብኡ ዚዛይድ እናወፈዩ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይሕረዩ። ፈለምቲ፡ የሆዋ ንህይወት ዜድልዮም ነገራት ከም ዜማልኣሎም ብምትእምማን፡ ብመጠነኛ ናብራ ዕጉባት ኰይኖም ይነብሩ እዮም። (ማቴዎስ 6:31-33፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:6-8) እቶም ብምሉእ ግዜኦም ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ዘይክእሉ፡ ኣብ ዚኽእሉሉ እዋን ንጥፈታት ስብከቶም ኣብ ወርሒ ናብ 30 ወይ 50 ሰዓት ክብ ብምባል፡ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ይኽእሉ እዮም።

ፈላሚ በቲ ንኣምላኽን ንሰባትን ዘላቶ ፍቕሪ ይድረኽ። ከምቲ የሱስ ሓደ እዋን ዘስተብሃሎ፡ ንሕና እውን ሎሚ ብዙሓት ኣብ ሕማቕ መንፈሳዊ ዅነታት ከም ዘለዉ ነስተብህል ኢና። (ማርቆስ 6:34) ብዛዕባ መጻኢ ድልዱል ተስፋ ዚህብ፡ ሕጂ ኺሕግዞም ዚኽእል ፍልጠት ድማ ኣሎና። ፈላሚ በታ ንሰባት ዘላቶ ፍቕሪ ተደሪኹ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንምሕጋዞም ግዜኡን ጕልበቱን ይልግስ እዩ። (ማቴዎስ 22:39፣ 1 ተሰሎንቄ 2:8) ከም ውጽኢቱ ኸኣ፡ እምነቱ ትድልድል፡ ንኣምላኽ ብዝያዳ ይቐርቦ፡ ብዙሕ ሓጐስ እውን ይረክብ።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35

  • ንፈላሚ ብኸመይ ምገለጽካዮ፧

  • ገሊኦም ብምሉእ ግዜኦም ፈለምቲ ኪዀኑ ዚድርኾም እንታይ እዩ፧