ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 14

ንፈለምቲ እንታይ ኣብያተ ትምህርቲ ተዳልዩሎም ኣሎ፧

ንፈለምቲ እንታይ ኣብያተ ትምህርቲ ተዳልዩሎም ኣሎ፧

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ፡ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ

ፓናማ

ቲኦክራስያዊ ትምህርቲ መለለዪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዚኸውን ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ። ነቶም ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ግዜኦም ዚውፍዩ፡ ‘ኣገልግሎቶም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍጽሙ፡’ ፍሉይ ኣብያተ ትምህርቲ ተዳልዩሎም ኣሎ።—2 ጢሞቴዎስ 4:5

ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ። ሓደ ፈላሚ ኣብ መወዳእታ እታ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጀመረላ ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚካየድ ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ ቤት ትምህርቲ ኺምሃር ይኽእል እዩ። ዕላማ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ፈለምቲ ናብ የሆዋ ዝያዳ ኪቐርቡን ኣብ ኵሉ መዳያት ኣገልግሎቶም ብዝሓሸ ውጽኢታውያን ኪዀኑን ኣብ ኣገልግሎቶም ብተኣማንነት ኪቕጽሉን ንምሕጋዝ እዩ።

ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ። እዚ ኽልተ ወርሒ ዚወስድ ቤት ትምህርቲ ነቶም ዝነበርዎ ኸባቢ ሓዲጎም ኣብ ዜድልዩሉ ዘበለ ቦታ ኼገልግሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ምኩራት ፈለምቲ እተዳለወ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘገልገሉ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ወንጌላዊ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምምሳል፡ “እነኹ፡ ልኣኸኒ!” ዚብሉ እዮም። (ኢሳይያስ 6:8፣ ዮሃንስ 7:29) ካብቲ ዝለመድካዮ ኸባቢ ምግዓዝ፡ ቀሊል መነባብሮ ምንባር ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ፈላሚ ኣጸቢቑ እተፈልየ ባህልን ኵነታት ኣየርን ምግብን ኪለምድ ኣለዎ። ሓድሽ ቋንቋ ኺምሃር እውን የድልዮ ይኸውን። እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ነቶም ካብ 23 ክሳዕ 65 ዝዕድሚኦም ዘይተመርዓዉ ኣሕዋትን ኣሓትን ሰብ ሓዳርን ኣብ ኣገልግሎቶም ዜድልዮም መንፈሳዊ ባህርያት ኬጥርዩ፡ የሆዋን ውድቡን ብዝያዳ ኺጥቀሙሎም ዜኽእሎም ክእለታት ከኣ ኬማዕብሉ ይሕግዞም።

ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ። ብእብራይስጢ፡ “ጊልዓድ” እትብል ቃል፡ “ጨርሒ ምስክር” ማለት እያ። ጊልዓድ ብ1943 ካብ ዚምስረት ኣትሒዙ፡ ልዕሊ 8,000 ተመረቕቲ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ሚስዮናውያን ኰይኖም “ክሳብ ወሰናት ምድሪ” ምስክርነት ንምሃብ ተላኢኾም እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:47) ንኣብነት፡ ሚስዮናውያን ንፈለማ ግዜ ናብ ፐሩ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፡ ኣብኡ ጉባኤታት ኣይነበራን። ሕጂ ግና፡ ኣብኡ ልዕሊ 1,000 ጉባኤታት ኣለዋ። ሚስዮናውያን ኣብ ጃፓን ኬገልግሉ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዓሰርተ ዚውሕዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ነይሮም። ሕጂ ግና፡ ልዕሊ 200,000 ኣለዉ። እቲ ኣብ ጊልዓድ ዚውሃብ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ስልጠና፡ ዓሚቝ መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ የጠቓልል። ፍሉያት ፈለምቲ ወይ ሚስዮናውያን ኰይኖም ዜገልግሉን ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ወይ ኣብ ዕዮ ወረዳ ዜገልግሉን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድልዳሉን ንምሕያሉን ኪሕግዙ ዜኽእሎም ጽዑቕ ስልጠና ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኺዕደሙ ይኽእሉ እዮም።

  • ዕላማ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ እንታይ እዩ፧

  • ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንመን እዩ ተዳልዩ፧