ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 19

እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን እዩ፧

እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን እዩ፧

ኵላትና ኻብ መንፈሳዊ ምግቢ ንጥቀም ኢና

የሱስ ቅድሚ ሙማቱ፡ ምስ ጴጥሮስን ያእቆብን ዮሃንስን እንድርያስን ዚብሃሉ ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቱ ብብሕቲ ተዘራሪቡ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት ኣብዚ ዚህልወሉ እዋን ዚሕብር ምልክት ኪንበ ኸሎ፡ “እቲ ጐይታኡ ምግቦም ብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤቱ ዝሸሞ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ መን ኰን እዩ፧” ዚብል ኣገዳሲ ሕቶ ኣልዓለ። (ማቴዎስ 24:3, 45፣ ማርቆስ 13:3, 4) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ ‘ጐይታኦም’ ከም ምዃኑ መጠን፡ ኣብ ግዜ መወዳእታ ንሰዓብቱ መንፈሳዊ ምግቢ ብቐጻሊ ዚህቡ ኸም ዚሸመሎም እዩ ዜረጋግጸሎም ነይሩ። ነዚ ባርያ እዚ ዜቝሙ መን እዮም፧

ብቕቡኣት ዝቘመ ንእሽቶ ጒጅለ ሰዓብቲ የሱስ እዩ። እቲ “ባርያ፡” ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀነ ተፈሊጡ እዩ። ንሱ ነቶም ብጾቱ ዝዀኑ ኣምለኽቲ የሆዋ በብግዜኡ መንፈሳዊ ምግቢ ይዕድሎም እዩ። ‘ቀለብና በብግዜኡ’ ንምርካብ፡ ኣብቲ እሙን ባርያ ኢና እንምርኰስ።—ሉቃስ 12:42

ቤተ ሰብ ኣምላኽ የመሓድር። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) የሱስ ነቲ ባርያ፡ ንምድራዊ ኽፋል ውድብ የሆዋ ናይ ምምሕዳር ከቢድ ሓላፍነት ሂብዎ እዩ። እዚ ኸኣ ስጋዊ ሃብቲ ምምሕዳርን ንጥፈታት ስብከት ምምራሕን ብጉባኤታት ኣቢልካ ምምሃርን የጠቓልል። ስለዚ፡ ዜድልየና ዘበለ ኣብ ዜድልየና እዋን ንምድላው፡ እቲ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” በቲ ኣብ ኣገልግሎትና እንጥቀመሉ ጽሑፋትን በቲ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ዓበይቲ ኣኼባታትን ዚቐርብ መደባትን ኣቢሉ መንፈሳዊ ምግቢ ይዕድል ኣሎ።

እቲ ባርያ ንሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ብስራት ንምስባኽ እተዋህቦ መዝነትን እሙን እዩ፣ ኣብ ምድሪ ዘሎ ረብሓታት ክርስቶስ ብጥበብ ብምክንኻን ዝመጸ እውን ኣስተውዓሊ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:42) የሆዋ ብወሰኽን ኣኺሉ ብዚተርፍ መንፈሳዊ መሰናድዎታትን ገይሩ ንዕዮኡ ይባርኾ ኣሎ።—ኢሳይያስ 60:22፣ 65:13

  • እቲ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪምግቦም ዝሸሞ መን እዩ፧

  • እቲ ባርያ እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧