ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 20

ሎሚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ ይዓዪ፧

ሎሚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ ይዓዪ፧

ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረ ኣመሓዳሪ ኣካል

ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ ኽትንበብ ከላ

ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ንእሽቶ ጕጅለ፡ ማለት እቶም “ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሃዋርያትን ሽማግለታትን” ከም ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ኣብ ክንዲ መላእ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣገዳሲ ውሳነታት ይገብሩ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:2) ቅዱሳት ጽሑፋት ዚብሎ ተመያይጦምን ንመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ስዒቦምን ኣብ ሓደ ውሳነ ይበጽሑ ነበሩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:25) ሎሚ እውን ከምዚ ዝበለ ኣሰራርሓ እዩ ዘሎ።

ኣምላኽ ፍቓዱ ንምፍጻም ይጥቀመሉ ኣሎ። ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ዜገልግሉ ቕቡኣት ኣሕዋት፡ ኣብ ቃል ኣምላኽ ሓያል ተገዳስነት ኣለዎም፣ ንኣሰራርሓን ንመንፈሳዊ ነገራትን ብዚምልከት ድማ ምኩራት እዮም። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት እንታይ ከም ዜድልዮም ንምፍላጥ ሰሙናዊ ይእከቡ እዮም። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዚግበር ዝነበረ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ መምርሒታት ብደብዳበታት ወይ ብገየሽቲ ሓለውትን ካልኦትን ይመሓላለፍ እዩ። እዚ ኸኣ፡ ህዝቢ ኣምላኽ ሓደ ሓሳብን ሓደ ግብርን ኪህልዎም ይሕግዝ። (ግብሪ ሃዋርያት 16:4, 5) ኣመሓዳሪ ኣካል፡ መንፈሳዊ ምግቢ ንምድላው ዚግበር ዕዮ ብሓላፍነት ይመርሕ፡ ዕዮ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ኪውሃቦ የተባብዕ፡ ሓላፍነት ዚስከሙ ኣሕዋት ዚሽየሙሉ መስርሕ ይቈጻጸር።

ንመሪሕነት መንፈስ ኣምላኽ ይስዕብ። ኣመሓዳሪ ኣካል ካብቲ ልዑላዊ ገዛኢ ዝዀነ የሆዋን ርእሲ ጉባኤ ዝዀነ የሱስን፡ መምርሒ ኺረክብ ይጽዕር እዩ። (1 ቈረንቶስ 11:3፣ ኤፌሶን 5:23) እቶም ኣባላቱ ንርእሶም ከም መራሕቲ ህዝቢ ኣምላኽ ገይሮም ኣይቈጽርዋን እዮም። ንሳቶም ኰኑ ዅሎም ቅቡኣት ክርስትያናት፡ ‘ነቲ ገንሸል ናብ ዚኸዶ ዘበለ ይስዕብዎ እዮም።’ (ራእይ 14:4) ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ምእንታኡ እነቕርቦ ጸሎት የማስወሉ እዩ።

  • ኣብ ቀዳማይ ዘመን፡ ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ዝነበሩ መን እዮም፧

  • ሎሚ ዘሎ ኣመሓዳሪ ኣካል መምርሒ ኣምላኽ ኪረክብ ዚጽዕር ብኸመይ እዩ፧