ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 21

ቤት-ኤል እንታይ እዩ፧

ቤት-ኤል እንታይ እዩ፧

ክፍሊ ስነ ጥበብ፡ ሕ.መ.ኣ.

ጀርመን

ኬንያ

ኮሎምብያ

እታ፡ “ቤት-ኤል” እትብል ናይ እብራይስጢ ቓል፡ “ቤት ኣምላኽ” ማለት እያ። (ዘፍጥረት 28:17, 19፡ እግረ ጽሑፍ) እዛ ቓል እዚኣ፡ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ብዘላ ዓለም ዝሰረትዎ ዕዮ ስብከት ዚምርሓሉን ዚድገፈሉን ህንጻታት እትበቅዕ መጸውዒ እያ። ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብቲ ኣብ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ.፡ ዚርከብ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ኰይኑ እዩ ዜገልግል፣ ካብኡ ኸኣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ንዚርከብ ንጥፈታት ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ይቈጻጸር። እቶም ኣብ ቤት-ኤል ዜገልግሉ፡ ስድራ ቤት-ኤል ተባሂሎም እዮም ዚፍለጡ። ከም ሓደ ስድራ ቤት ከኣ፡ ብሓባር ይነብሩ፡ ብሓባር ይዓይዩ፡ ብሓባር ይምገቡ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ብሓደ የጽንዑ።—መዝሙር 133:1

ኣባላት እቲ ስድራ፡ ጥቕሚ ርእሶም ዚስውኡሉ ፍሉይ ቦታ። ኣብ ኵሉ ህንጻታት ቤት-ኤል፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብምሉእ ግዜኦም ኬገልግሉን እተወፈዩ ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን ኣለዉ። (ማቴዎስ 6:33) ኵላቶም ደሞዝ ወይ መሃያ ኣይክፈሎምን እዩ፣ ግናኸ፡ ዚነብሩሉ ኽፍልን ዚበልዕዎ ምግብን ወጻኢታቶም ንምሽፋን ዜድሊ መውዕሎን ይውሃቦም እዩ። ኣብ ቤት-ኤል ዚነብር ዘበለ ዅሉ፡ እንተ ኣብ ቤት ጽሕፈት፡ እንተ ኣብ ክሽነ፡ ወይ ኣብ መመገቢ ኽፍሊ ስራሕ ኣለዎ። ገሊኦም ኣብ ቤት ማሕተም ወይ ኣብ መጠረዚ መጻሕፍቲ ኼገልግሉ ኸለዉ፡ ገሊኦም ከኣ ቤት የጽርዩ፡ ክዳውንቲ ይሓጽቡ፡ ነቲ ህንጻ ይከናኸኑ፡ ወይ ካልእ ስራሕ ይሰርሑ እዮም።

ንስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ዚድግፍ ናይ ስራሕ ቦታ። ቀንዲ ዕላማ ነፍሲ ወከፍ ቤት-ኤል፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ብእተኻእለ መጠን ንብዙሓት ሰባት ንምቕራብ እዩ። እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ሓደ ኣብነት እያ። ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ኣመሓዳሪ ኣካል እተጻሕፈት ኰይና፡ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ኣብ ብዘላ ዓለም ናብ ዘለዋ ኣማእታት ጕጅለታት ትርጉም ተላኢኻ፣ ኣብ እተፈላለየ ቤት ማሕተም ቤት-ኤል ብልዑል ፍጥነት ብዚሓትም ማሕተም ተሓቲማ ኸኣ፡ ናብ ልዕሊ 110,000 ጉባኤታት ተላኢኻ። ኣብ ኵሉ እዚ መስርሕ እዚ፡ ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ነቲ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ህጹጽ ዝዀነ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ፡ ኣገዳሲ ደገፍ ይህቡ እዮም።—ማርቆስ 13:10

  • ኣብ ቤት-ኤል ዜገልግሉ መን እዮም፧ ንዓታቶምከ እንታይ መሰናድዎታት እዩ ተገይሩሎም ዘሎ፧

  • እንታይ ህጹጽ ዕዮ እዩ በቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ቤት-ኤል ዚግበር ንጥፈታት ዚድገፍ፧