ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 22

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይግበር፧

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይግበር፧

ደሴታት ሰሎሞን

ካናዳ

ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ንንጥፈታት ስብከት ሓንቲ ሃገር ወይ ካብ ሓንቲ ዚዛይዳ ሃገራት እናደገፉ፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት የገልግሉ እዮም። ኣብ ጕጅለታት ትርጉም፡ ኣብ ሕትመት መጽሔታት፡ ኣብ ምጥራዝ መጻሕፍቲ፡ ኣብ መኽዘን ጽሑፋት፡ ኣብ መሰናድዎ ኣውድዮ/ቪድዮ፡ ወይ ነቲ ኸባቢ ኣብ ዜድሊ ኻልእ ጕዳያት የገልግሉ እዮም።

ኮሚተ ጨንፈር ነዚ ንጥፈታት እዚ ይቈጻጸሮ። ኣመሓዳሪ ኣካል ንዕዮ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ጽቡቕ ብቕዓት ብዘለዎም ሰለስተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሽማግለታት ዚቐውም ኮሚተ ጨንፈር ብሕድሪ ይህቦ እዩ። እቲ ኮሚተ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘላ ነፍሲ ወከፍ ሃገር እትገብሮ ምምሕያሽን ብዛዕባ ዚልዓል ጸገማትን ንኣመሓዳሪ ኣካል ይሕብሮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ መጻኢ ኣብ ጽሑፋትን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን እንታይ ትምህርቲ ኺውሰድ ከም ዘለዎ ንምውሳን ይሕግዞ። ተወከልቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ንጨናፍር ንምብጻሕን ንኮሚተታት ጨንፈር ብኸመይ ከም ዚዓይዩ መምርሒ ንምሃብን በብእዋኑ ይለኣኹ እዮም። (ምሳሌ 11:14) ኣብ ክሊ እቲ ጨንፈር ንዚነብሩ ንምትብባዕ ድማ፡ ብተወካሊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚውሃብ መደረ ዜጠቓልል ፍሉይ ኣኼባ ይግበር እዩ።

ንጉባኤታት ሓገዝ ይውሃብ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዜገልግሉ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት፡ ሓደስቲ ጉባኤታት ኪቘማ የጽድቑ። ንጥፈታት እቶም ኣብ ክሊ እቲ ጨንፈር ዜገልግሉ ፈለምትን ሚስዮናውያንን ሓለውቲ ወረዳን እውን ይመርሑ። ዓበይቲ ኣኼባታት ይውድቡ፡ ህንጸት ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ የወሃህዱ፡ ንጉባኤታት ዜድሊ ጽሑፋት ከም ዚለኣኽ ከኣ ይገብሩ። ኣብ ጨንፈር ዚግበር ዘበለ ዅሉ፡ ነቲ ስርዓት ዝሓለወ ዕዮ ስብከት ኣበርክቶ ይገብር እዩ።—1 ቈረንቶስ 14:33, 40

  • ኮሚተታት ጨንፈር ንኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ ይሕግዛኦ፧

  • ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እንታይ ሓላፍነታት ኣለዎ፧