ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 24

ዓለምለኻዊ ዕዮና ብኸመይ ይምወል፧

ዓለምለኻዊ ዕዮና ብኸመይ ይምወል፧

ነፓል

ቶጎ

ብሪጣንያ

ውድብና፡ ዓመታዊ ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸር መጽሓፍ ቅዱሳትን ካልእ ጽሑፋትን ይሓትምን ብናጻ ይዕድልን እዩ። ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርን ንሃንጽን ንጽግንን ኢና። ብኣሽሓት ንዚቝጸሩ ቤት-ኤላውያንን ሚስዮናውያንን ደገፍ ንገብረሎም፡ መዓት ኬጋጥም ከሎ ድማ ረድኤት ንልእኽ ኢና። ስለዚ፡ ‘እዚ ዅሉ ብኸመይ እዩ ዚምወል፧’ ኢልካ ትሓስብ ትኸውን።

ዕሽር ኣይንወስድን፡ ገንዘብ ኣይነኽፍልን፡ ወይ እናዞርና ገንዘብ ኣይንእክብን። ነቲ እንዓዮ ዕዮ ወንጌላውነት ብዙሕ ወጻኢታት ነውጽእ እኳ እንተ ዀንና፡ ገንዘብ ኣይንልምንን ኢና። ልዕሊ ሓደ ዘመን ይገብር ዝወጸት ካልአይቲ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ደገፍ የሆዋ ዘሎና ምዃንና ኸም እንኣምን፡ ‘ናይ ሰብ ረድኤት ከኣ ከም ዘይንልምን ወይ ከም ዘይንሓትት’ ጠቒሳ ነይራ፣ ክሳዕ ሎሚ እውን ከምኡ ኣይገበርናን።—ማቴዎስ 10:8

ንጥፈታትና ብወለንታ ብዚግበር ወፈያታት ይድገፍ። ብዙሓት ሰባት ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምምሃር ዕዮና ስለ ዜማስዉሉ፡ ንዕኡ ዚኸውን ወፈያ ይውፍዩ እዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን፡ ኣብ መላእ ዓለም ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ኺፍጸም፡ ግዜኦምን ጕልበቶምን ገንዘቦምን ካልእ ጥሪቶምን ተሓጒሶም የዋጽኡ እዮም። (1 ዜና መዋእል 29:9) ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትናን፡ ነቶም ወፈያ ኺገብሩ ዚደልዩ እተዳለወ ሳጹናት ውጽኢት ኣሎ። ወይ ከኣ በቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ኣቢልካ እውን ወፈያ ኪግበር ይከኣል እዩ። መብዛሕትኡ ገንዘብ፡ ውሱን ዓቕሚ ኻብ ዘለዎም ሰባት እዩ ዚርከብ፣ ንሳቶም ድማ ምስታ ኣብ መመጽወቲ ኽልተ ሰናቲም ዘውደቐት እሞ የሱስ ጽቡቕ እተዛረበላ ድኻ መበለት ኪመሳሰሉ ይኽእሉ እዮም። (ሉቃስ 21:1-4) ስለዚ፡ ዝዀነ ይኹን ሰብ፡ “ከምቲ ብልቡ ዝሓለኖ” ምእንቲ ኺህብ፡ በብእዋኑ ‘ኣዋህሊሉ ኬቐምጥ’ ይኽእል እዩ።—1 ቈረንቶስ 16:2፣ 2 ቈረንቶስ 9:7

የሆዋ፡ ፍቓዱ ምእንቲ ኺፍጸም፡ እቶም ‘ብጥሪቶም ኬኽብርዎ’ ዚደልዩ ንዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኪድግፉ ወትሩ ልቦም ከም ዜለዓዕል ንኣምን ኢና።—ምሳሌ 3:9

  • ውድብና ኻብ ካልኦት ሃይማኖታት ፍሉይ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

  • ብወለንታ ዚግበር ውጽኢት ብኸመይ ኢና እንጥቀመሉ፧