ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 26

ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምክንኻን ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧

ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምክንኻን ብኸመይ ክንሕግዝ ንኽእል፧

ኢስቶንያ

ዚምባብወ

ሞንጎልያ

ፖርቶ ሪኮ

ኵሉ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ቅዱስ ስም ኣምላኽ ጾይሩ ኣሎ። ስለዚ፡ ነቲ ኣዳራሽ ንምጽራዩን ንምትዕርራዩን ንምጽጋኑን ዘሎና እጃም ከም ክብርን ከም ኣገዳሲ ኽፋል ቅዱስ ኣምልኾናን ጌርና ኢና እንርእዮ። ኵሉ ሰብ ኣብዚ ኺሳተፍ ይኽእል እዩ።

ድሕሪ ኣኼባ ኣብ ምጽርራይ ተሳተፍ። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ኣኼባ፡ ኣሕዋትን ኣሓትን ነቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብታሕጓስ የጸራርይዎ እዮም። ኣብ ሰሰሙን፡ ብዝያዳ ስፍሕ ዝበለ ጽሬት ይግበር እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ፡ ሓደ ሽማግለ ወይ ሓደ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኪግበር ዚግባእ ዝርዝር ነገራት እናሰዓበ፡ ነቲ ዕዮ የወሃህድ እዩ። ከከም ኣድላይነቱ፡ ውልቀ ሰባት ኪዅስትሩ፡ ኪውልውሉ፡ ደሮና ኬጽርዩ፡ መናብር ኬተዓራርዩ፡ ሽቓቓት ኬጽርዩ፡ መሳዅትን መስትያትን ኪውልውሉ፡ ጐሓፍ ኪጕሕፉ፡ ወይ ብግዳም ኬጽርዩን ነቲ ቐጽሪ ኺከናኸኑን ይኽእሉ እዮም። እንተ ወሓደ ሓንሳእ ኣብ ዓመት፡ ሰፊሕ ዕዮ ጽሬት ዚግበረሉ መዓልቲ ይምደብ እዩ። ኣብ ገሊኡ ዕዮታት ደቅና ኸም ዚሳተፉ ብምግባር፡ ንቦታ ኣምልኾና ኣኽብሮት ከም ዚሓድሮም ንገብር ኢና።—መክብብ 5:1

ኣብ ጽገና ሓግዝ። ኣብ ዓዓመት፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብውሽጡን ብደጊኡን ይምርመር እዩ። ብመሰረት እዚ መርመራ እዚ ኸኣ፡ እቲ ኣዳራሽ ብስሩዕ ይጽገን እዩ፣ እዚ ድማ ካብ ዘየድሊ ወጻኢታት የድሕን። (2 ዜና መዋእል 24:13፣ 34:10) ጽሩይን ጽቡቕ ክንክን እተገብሮን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ንኣምላኽና ንምምላኽ ዚበቅዕ ቦታ እዩ። ኣብዚ ዕዮ እዚ እጃምና ብምብርካት፡ ንየሆዋን ንቦታ ኣምልኾኡን ክሳዕ ክንደይ ከም እንፈቱ ነርኢ። (መዝሙር 122:1) እዚ ኸኣ ኣብቲ ማሕበረሰብ ጽቡቕ ጦብላሕታ የሕድር።—2 ቈረንቶስ 6:3

  • ንቦታ ኣምልኾና ዕሽሽ ክንብሎ ዘይግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

  • ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምጽራይ እንታይ መሰናድዎታት ኣሎ፧