ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 27

ቤተ መጻሕፍቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧

ቤተ መጻሕፍቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧

እስራኤል

ሪፓብሊክ ቸክ

በኒን

ደሴታት ከይማን

ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ፍልጠት ንምውሳኽ፡ ምርምር ክትገብር ምደለኻዶ፧ ብዛዕባ ሓደ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ጥቕሲ፡ ሰብ፡ ቦታ፡ ወይ ነገር ክትፈልጥ ትደሊዶ፧ ቃል ኣምላኽ ብብሕቲ ኣብ ዜተሓሳስበካ ነገር ኪሕግዘካ ይኽእል እንተ ዀይኑ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ እምበኣር፡ ናብ ቤተ መጻሕፍቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምጻእ።

ሓጋዚ ናውቲ ምርምር ኣለዎ። ኵሉ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብቛንቋኻ ዘዳለውዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመርኰሰ ጽሑፋት ኣይህልወካን ይኸውን። ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎ ቤተ መጻሕፍቲ ግና፡ ኵሉ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ጽሑፋት ኣሎ። እተፈላለየ ትርጉማት መጽሓፍ ቅዱስን ጽቡቕ መዝገበ ቓላትን ካልእ ሓጋዚ መወከሲ ጽሑፋትን እውን ኪህልዎ ይኽእል እዩ። ቅድሚ ወይ ድሕሪ ኣኼባ፡ ነቲ ቤተ መጻሕፍቲ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ኣብኡ ኮምፕዩተር እንተሎ ድማ፡ ዎችታወር ላይብረሪ ይህልዎ ይኸውን። እዚ ኤለክትሮኒካዊ ፕሮግራም እዚ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ጽሑፋትና ኣብ ርእሲ ምሓዙ፡ ንሓደ ርእሰ ነገር፡ ቃል፡ ወይ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቐሊሉ ኽትረክብ ዚሕግዝ መድለዪ ኣለዎ።

ንተምሃሮ “ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን” ጠቓሚ እዩ። ንኽፍልኻ ኽትዳሎ ኸለኻ፡ ንቤተ መጻሕፍቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ጽቡቕ ጌርካ ኽትጥቀመሉ ትኽእል ኢኻ። ሓላው ኣኼባ ህይወትን ኣገልግሎትን፡ ኣብቲ ቤተ መጻሕፍቲ ሓላፍነት ኣለዎ። እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጸ ጽሑፋት ኣብኡ ኸም ዚኣቱን ብግቡእ ከም ዚቕመጥን ናይ ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ። ንሱ ወይ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረካ ሰብ ነቲ እትደልዮ ሓበሬታ ብኸመይ ከም እትረክብ ኬርእየካ ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ነቲ መጻሕፍቲ፡ ካብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ከተውጽኦ ኣይፍቀድን እዩ። እቲ መጻሕፍቲ እውን ብጥንቃቐ ኺተሓዝ ኣለዎ፡ ኪጽሓፈሉ እውን የብሉን።

መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ፍልጠት ኣምላኽ” ምእንቲ ኽንረክብ፡ “ከም ንሕቡእ መዛግብቲ” ጌርና ሃለው ክንብሎ ኸም ዘሎና ይገልጸልና እዩ። (ምሳሌ 2:1-5) ቤተ መጻሕፍቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ምርምርካ ንምጅማር ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

  • ኣብ ቤተ መጻሕፍቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ናውቲ ምርምር ኣሎ፧

  • ነቲ ቤተ መጻሕፍቲ ብዝበለጸ ምእንቲ ኽትጥቀመሉ፡ መን ኪሕግዘካ ይኽእል፧