ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ትምህርቲ 28

ኣብ ወብ ሳይትና እንታይ ኪርከብ ይከኣል፧

ኣብ ወብ ሳይትና እንታይ ኪርከብ ይከኣል፧

ፈረንሳ

ፖላንድ

ሩስያ

የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ “ነቲ ሰናይ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመጕስዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” በሎም። (ማቴዎስ 5:16) ስለዚ ኸኣ፡ ንዘመናዊ ተክኖሎጂ፡ እንተላይ ንኢንተርነት ብዚግባእ ንጥቀመሉ ኢና። jw.org፡ ብዛዕባ እምነታትን ንጥፈታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓበሬታ ዚርከበሉ ወግዓዊ ወብ ሳይትና እዩ። ኣብኡ እንታይ ኣሎ፧

ብተደጋጋሚ ንዚሕተት ሕቶታት ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ። ንገለ ኻብቲ ሰባት ዚሓትትዎ ኣገዳሲ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት፡ እታ መከራ የኽትም ደዀን ይኸውን፧ ዘርእስታ ትራክትን እታ ምዉታት ኪትንስኡ ድዮም፧ ዘርእስታ ትራክትን ኣብ ኦንላይን ብልዕሊ 600 ቛንቋ ይርከባ። ትርጉም ሓዳስ ዓለም ብልዕሊ 130 ቋንቋ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ከም መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝኣመሰለ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ሓደስቲ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ኻብዚ ጽሑፋት፡ ካብቲ ወብ ሳይት ብቐጥታ ኸተንብቦ ወይ ክትሰምዖ፡ ወይ ከኣ ብመልክዕ MP3፡ PDF፡ ወይ EPUB ከተራግፎ ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ተገዳስነት ዘሕደረ ሰብ እውን፡ ብቛንቋኡ ሒደት ገጻት ሓቲምካ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ። ብሓያሎ ምልክት ቋንቋ እተዳለወ ቪድዮታት እውን ኣሎ። ኣብ ግዜ ዕረፍትኻ እተሰምዖ፡ ድራማዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስመጽሓፍ ቅዱሳዊ ድራማታትን ጥዑም ሙዚቃን ከተራግፍ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገልጽ ናይ ሓቂ ሓበሬታ። ኣብቲ ወብ ሳይት፡ ሓድሽ ዜናን ዓለምለኻዊ ዕዮና ዚምልከት ቪድዮታትን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚትንክፍ ፍጻመታትን ሰብኣዊ ረድኤት ንምሃብ እንገብሮ ጻዕርታትን እውን ይወጽእ እዩ። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዚህሉ ኣኼባታት ዞባን ኣድራሻ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርናን ድማ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

በዚ መገዲ እዚ፡ ብርሃን ሓቂ ኽሳብ ወሰን ምድሪ ነብርህ ኣለና። ኣብ ኵሉ ኽፍለ ዓለም፡ እንተላይ ኣብ ኣንታርክቲካ ዚርከቡ ሰባት ከኣ ይጥቀሙ ኣለዉ። “ቃል የሆዋ . . . ብፍጥነት ኪዝርጋሕ” ጸሎትና እዩ።—2 ተሰሎንቄ 3:1

  • jw.org፡ ሰባት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪምሃሩ ዚሕግዝ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብ ወብ ሳይትና እንታይ ክትርኢ ትደሊ፧